ወንጌል ማርቆስ 3

BCVትግርኛ35 ፍቕድታት4:35 ስማዕ
ስማዕ 4:35 · መደበኛ ኣብ Biblight ክፈት

1ኢየሱስ መሊሱ ናብ ቤተ ፀሎት ኣይሁድ(ሀ) ኣተወ፤ ኣብኡ ኸዓ ኢዱ ዝሰለለት ሰብ ነበረ።

2ምእንቲ ክኸስዎ ድማ ብሰንበት ዘሕውዮ እንተ ኾይኑ ይፀናተውዎ ነበሩ።

3ኢየሱስ ከዓ ነቲ ኢዱ ዝሰለለት ሰብ “ተስእሞ ኣብ ማእኸል ደው በል” በሎ።

4ንኣኣቶም ድማ “ብሰንበትስ ፅቡቕ ምግባርዶ ወይ ክፉእ ምግባር? ነፍሲ ምድሓንዶ ወይ ምቕታል ይግባእ?” በሎም። ንሳቶም ግና ስቕ በሉ።

5በቲ ትረት ልቦም ጕህዩ፥ ነቶም ኣብ ዙርያኡ ዝነበሩ ዅሎም፥ ብቝጥዓ ጠመቶም፤ ነቲ ሰብኣይ ከዓ “ኢድካ ዘርግሕ!” በሎ፤ ንሱ ድማ ዘርግሓ፤ እታ ኢዱውን ሓወየት።

6ፈሪሳውያን ድማ ወፂኦም፥ ብቕልጡፍ ከመይ ገይሮም ከም ዝቐትልዎ ምስ ሰባት ሄሮድስ ተማኸሩ።

7ኢየሱስ ምስ ደቀ መዛሙርቱ ናብ ባሕሪ ኣግለሰ፤ ካብ ይሁዳን ካብ ገሊላን ከዓ፥ ብዙሓት ሰባት ሰዓብዎ።

8ከምኡውን ብዙሕ ህዝቢ፥ ነቲ ዅሉ ዝገበሮ ሰሚዑ ኻብ ኢየሩሳሌም፥ ካብ ኤዶምያስ፥ ካብ ማዕዶ ዮርዳኖስ፥ ካብ ዙርያ ጢሮስን ሲዶናን ናብኡ መፀ።

9ብምኽንያት ብዝሒ ህዝቢ፥ ሰብ ምእንቲ ኸይዳፍኦ ጃልባ ኣዳልዮም ከፅንሑሉ ንደቀ መዛሙርቱ ነገሮም።

10ንብዙሓት ኣሕውይዎም ነበረ እሞ፥ ኵሎም ሕማም ዘለዎም ምእንቲ ኽነኽእዎ ኽሳዕ ዝወድቁ ይደፋፍኡ ነበሩ።

11እቶም ርኹሳት መናፍስቲ ምስ ረአይዎ “ንስኻ ወዲ እግዚኣብሄር ኢኻ” ኢሎም እናእወዩ ኣብ ቅድሚኡ ይወድቁ ነበሩ።

12ንሱ ግና ኸየግህድዎ ኣበርቲዑ ኣዘዞም።

13ኢየሱስ ናብ እምባ ደዪቡ፥ ነቶም ዝደለዮም ፀውዖም፤ ንሳቶም ከዓ ናብኡ መፁ።

14ምስኡ ክኾኑን፥ ክሰብኩ ምእንቲ ኽልእኾምን፥ ዓሰርተ ኽልተ መሪፁ “ሃዋርያት” ኢሉ ሰመዮም።

15ሕሙማት ከሕውዩን ኣጋንንቲ ኸውፅኡን ድማ ስልጣን ሃቦም።

16እቶም ዓሰርተ ኽልተ ድማ፦ “ጴጥሮስ” ኢሉ ዝሰመዮ ስምኦን፥

17እቶም “ቦኣኔርጌስ” ማለት “ደቂ ነጐድጓድ” ኢሉ ዝሰመዮም ደቂ ዘብዴዎስ ያእቆብን ሓዉ ዮሃንስን፥

18እንድርያስን፥ ፊልጶስን፥ በርተሎሜዎስን፥ ማቴዎስን፥ ቶማስን፥ ወዲ እልፍዮስ ያእቆብን፥ ታዴዎስን፥ ስምኦን ቀነናዊን፥(ለ)

19እቲ ኣሕሊፉ ዝሃቦ ይሁዳ ኣስቆሮታዊን እዮም።

20ኢየሱስ ናብ ገዛ ምስ ኣተወ፥ ምብላዕ ምግቢ ኽሳዕ ዝስእኑ መሊሱ ብዙሕ ህዝቢ ተኣከበ።

21እቶም ኣዝማዱ ኸዓ “ዓቢዱ እዩ” እንትበሃል ሰሚዖም ክሕዝዎ መፁ።

22ካብ ኢየሩሳሌም ዝወረዱ መምህራን ሕጊ ድማ “ብኤል ዜቡል ሒዝዎ ኣሎ፤ ንኣጋንንቲ እውን ብሓለቓ ኣጋንንቲ እዩ ዘውፅኦም ዘሎ” በሉ።

23ኢየሱስ ድማ ፀውዖም፤ ብምስላታት ከዓ ኸምዙይ በሎም፦ “ሰይጣን ንሰይጣን ከመይ ገይሩ ኸውፅኦ ይኽእል?

24ሓንቲ መንግስቲ ንስንሳታ እንተ ተፈላልያ፥ እታ መንግስቲ እቲኣ ኽትቀውም ኣይትኽእልን።

25ሓንቲ ስድራውን ንስንሳታ እንተ ተፈላልያ፥ እታ ስድራ እቲኣ ኽትቀውም ኣይትኽእልን።

26ሰይጣን ከዓ ንስንሳቱ ተፃሊኡ እንተ ተፈላልዩ፥ ይጠፍእ ደኣ እምበር ኣይቐውምን።

27ነቲ ሓያል ቅድም እንተይኣሰረ፥ ኣብ ገዛ ሓያል ኣትዩ፥ ንብረቱ ኽጕርጕር ዝኽእል ሓደኳ የለን። ምስ ኣሰሮ ግና ነቲ ገዛኡ ኽጕርጕር ይኽእል።

28ብሓቂ እብለኩም ኣለኹ፥ ንደቂ ሰብ ኵሉ ሓጢኣትን ፀርፍን ክሕደገሎም እዩ።

29እቲ ንመንፈስ ቅዱስ ዝፀረፈ ግና፥ ንዘለኣለም ኵነኔ ደኣ ይኾኖ እምበር ፈፂሙ ኣይሕደገሉን እዩ።”

30ከምዙይ ዝበሎም ድማ “ርኹስ መንፈስ ሓዲርዎ” ስለ ዝበልዎ እዩ።

31እኖኡን ኣሕዋቱን ናብኡ መፁ፤ ኣብ ደገ ቖይሞም ከዓ ኽፅውዕዎ ለኣኹሉ።

32ብዙሕ ህዝቢ ኣብ ዙርያኡ ተቐሚጡ ነበረሞ፥ “እንሆ እኖኻን ኣሕዋትካን ኣብ ደገ ይደልዩኻ ኣለዉ” በልዎ።

33ንሱ ድማ “እኖይ መን እያ? ኣሕዋተይከ እንመን እዮም?” ኢሉ መለሰሎም።

34ነቶም ኣብ ዙርያኡ ተቐሚጦም ዝነበሩ እናጠመተ “እኖይን ኣሕዋተይንስ እኒሀዉ” በለ።

35“ኵሉ ፍቓድ እግዚኣብሄር ዝገብር ሓወይን ሓፍተይን እኖይን እዩ” በሎም።

ትርጓሜ

3:1-5 ናይዚ ሰብ እዚ ኩነታት ዘሕዝን ነበረ፤ ኢድ ዘንቀረለት ነበሮት እዚ ድማ ንጥሮታኡ ክሰርሕ ዘይተፈቕደሉ ገይርዎ ነይሩ፤ እቶም ከምኡ ዝኾኑ ድማ፡ ኣዝዮም ብቑዓት ንግብሪ ምጽዋት እዮም። ነቶም ክሕግዙ ዘይኽእሉ ሰባት ይሕገዙ። ግናኸ እቶም ድንዱን ዘይኣመንቲ፡ ኣብ ልዕሊ ሓቂ ዝብልዎ ነገር ምስኣበሮም እኳ፡ ገና ኣይሰንፉን እዮም። ዘይቅኑዕ ዝተባህለ ንሰምዕ፡ ዘይቅኑዕ ዝተገብረ ድማ ንርኢ፤ ክርስቶስ ግና፡ ነቲ ኣብ ልቢ ዘሎ ሱር መሪርነት፡ ነቲ ዕውርነትን ድንዱንነትን ናይ ልቢ ይጥምት እሞ ይጕሂ። እቶም ድንዱን ልቢ ዘለዎም ሓጥኣን፡ መዓልቲ ቍጥዓኡ ምስ መጸት፡ ብዛዕባ እቲ ኣብ ቀረባ ግዜ ብቑጥዓ ዝጥምቶም ዝሓስቡ እንከለዉ ይርዕዱ። እታ ዓባይ መዓልቲ ፈውሲ ሕጂ ሰንበት እያ፡ እቲ ቦታ ፈውሲ ድማ ቤተ ጸሎት እዩ፤ ግናኸ ሓይሊ ፈውሲ ናይ ክርስቶስ እዩ። ትእዛዝ ወንጌል ከምቲ ኣብዚ ተመዝጊቡ ዘሎ እዩ፡ ኢድና ዘንቀረለት እኳ እንተኾነት፡ እንተደኣ ክንዝርግሐን እንተዘይፈቒድና፡ ዘይሓዊና ናትና በደል እዩ። እንተሓዊና ግና፡ ክርስቶስ፡ ሓይሉን ጸግኡን ብምሉኡ ምስጋና ክወሃቦ ይግባእ።

3:6-12 ኵሉ ሕማምናን መከራናን ካብቲ ኣምላኽ ኣብ ልዕሊ ሓጢኣትና ዘለዎ ቍጥዓ ዝነቕል እዩ። ምውጋደን ወይ ናባና በረኸት ምግባረን ግና ብደም ክርስቶስ ተገዚአልና እዩ። እቲ መዓትን ሕማማትን ናይ ነፍሳትናን ናይ ልብናን ግና ብፍላይ ክንፈርሆም ዝግብኦም እዮም።

ምሉእ ትርጓሜ ኣንብብ ድምጺ፣ ምሉእ ትርጓሜን ብዘይ መስመር ምንባብን

ትርጉማት8 · 6