1ምስ ወግሐ፥ ሽዑ ሊቃነ ካህናት ምስ ሽማግለታትን መምህራን ሕግን፥ ብምሉኡ እቲ መጋባእያን ምኽሪ መኸሩ፤ ንኢየሱስ ድማ ኣሲሮም ወሰድዎ፤ ኣሕሊፎም ከዓ ንጲላጦስ ሃብዎ።
2ጲላጦስ ድማ ንኢየሱስ “ንስኻ ንጉስ ኣይሁድ ዲኻ?” ኢሉ ጠየቖ። ንሱ ኸዓ “ንስኻ እኳ ትብል ኣለኻ” ኢሉ መለሰሉ።
3እቶም ሊቃነ ካህናት ድማ፥ ብብዙሕ ነገር ከሰስዎ፤ ንሱ ግና ኣይመለሰን።
4ጲላጦስ ከዓ “እንሆ ኽንድዙይ ዝኣክል እንትኸሱኻ፥ ሓንቲ እኳ ኣይትምልስን ዲኻ?” ኢሉ መሊሱ ጠየቖ።
5ኢየሱስ ግና ጲላጦስ ክሳዕ ዝግረም፥ ሓንቲ እኳ ኣይመለሰን።
6እንሆ ኸዓ በብበዓል፥ ንሳቶም ዝለመንዎ፥ ሓደ ኻብቶም እሱራት ይፈትሐሎም ነበረ።
7ምስቶም ሁከት ዝገበሩን፥ ነፍሲ ዝቐተሉን፥ በርባን ዝበሃል ሰብኣይ ተኣሲሩ ነበረ።
8እቶም ህዝቢ ድማ ደዪቦም፥ ከምታ ልማዶም ክገብረሎም ለመኑ።
9ጲላጦስ መሊሱ፥ እቶም ሊቃነ ካህናት፥ ብቕንኣቶም ኣሕሊፎም ከም ዝሃብዎ ፈሊጡ ነበረ እሞ፥ “ነቲ ንጉስ ኣይሁድ ክፈትሐልኩምዶ ትደልዩ ኢኹም?” ኢሉ ጠየቖም።
11እቶም ሊቃነ ካህናት ግና፥ ንበርባን ምእንቲ ኽፈትሐሎም ክልምኑ፥ ነቶም ህዝቢ ኣለዓዓልዎም።
12ጲላጦስ ደጊሙ “ነዝ ንጉስ ኣይሁድ ዝበሃል ደኣ፥ እንታይ ክገብሮ ትደልዩ?” ኢሉ ጠየቖም።
13ንሳቶም ከዓ፥ “ስቐሎ! ስቐሎ!” እናበሉ ዓው ኢሎም ድምፂ ኣስምዑ።
14“እንታይ ክፉእኸ ገበረ?” በሎም። ንሳቶም ግና የመና ዓው ኢሎም “ስቐሎ!” በሉ።
15ጲላጦስ ከዓ ነቶም ህዝቢ ኸሐጕሶም ደልዩ፥ ንበርባን ፈትሐሎም፤ ንኢየሱስ ግና ገሪፉ ኽሰቕልዎ ሃቦም።
16እቶም ወታደራት ድማ ናብ ውሽጢ ቤት ፍርዲ ኣእተውዎ፤ ንዅሉ እቲ ሰራዊት ድማ ኣከብዎ።
17ቀይሕ ኽዳን ከደንዎ፤ ኣኽሊል እሾዅ ተኒጎም ከዓ፥ ኣብ ርእሱ ደፍኡሉ።
18“ኦ ንጉስ ኣይሁድ፥ ሰላም ንኣኻ!” እናበሉ ኢድ ነሲኦም ሓጨጩሉ።
19ርእሱ ድማ ብዘንጊ ወቕዕዎ፤ እንትፍ ከዓ በሉሉ፤ ተንበርኪኾምውን ሰገዱሉ።
20ምስ ኣባጨዉሉ፥ ነቲ ቐይሕ ኽዳን ቐንጢጦም፥ ክዳኑ ኸደንዎ፤ ክሰቕልዎውን ወሰድዎ።
21ኣቦ እስክንድሮስን ሮፎስን ንዝኾነ፥ ሓላፊ መንገዲ ስምኦን ቀሬናዊ፥ ካብ ወፍሪ ኽኣቱ እንተሎ፥ ናይ ኢየሱስ መስቀል ክፀውር ኣገደድዎ።
22ንኢየሱስ ናብ ጎልጎታ፥ ትርጉሙ ኸዓ “ሓምሓም ርእሲ” ተብሂሉ ናብ ዝፅዋዕ ቦታ ወሰድዎ።
23ምስ ከርበ ዝተሓወሰ ወይኒ ድማ፥ ክሰቲ ሃብዎ፤ ንሱ ግና ምስታይ ኣበየ።
24ሽዑ ሰቐልዎ፤ በብፅሒቶም ምእንቲ ኽፈልጡ ኸዓ፥ ነቲ ኽዳውንቱ ዕፃ ኣውዲቖም ተኻፈልዎ።
25ክሰቕልዎ እንተለዉ ኸዓ፥ ሰለስተ ሰዓት ነበረ።
26ናይ መኽሰሲኡ ፅሑፍውን “ንጉስ ኣይሁድ” ዝብል ኣብ ልዕሊ ርእሱ ተፅሒፉ ነበረ።
27ምስኡውን ክልተ ኸተርቲ፥ ሓደ ብየማኑ ሓደ ድማ ብፀጋሙ ሰቐሉ።
28እቲ “ምስ ዓመፅቲ ተቘፀረ” ዝብል ፅሑፍውን ተፈፀመ።
29እቶም ብእኡ ዝሓልፉ ድማ፥ ርእሶም እናነቕነቑ፥ “ኣታ ንቤተ መቕደስ እተፍርስ፥ ብሰለስተ መዓልቲ እውን እትሃንፅ፥ እስኪ ንባዕልኻ ኣድሕን፤ ካብ መስቀልውን ውረድ!” እናበሉ ይፀርፍዎ ነበሩ።
31ከምኡ ኸዓ፥ ሊቃነ ካህናት ምስ መምህራን ሕጊ ኾይኖም “ንኻልኦት ኣድሓነ፤ ንባዕሉ ግና ኸድሕን ኣይከኣለን።
32ንሱ መሲሕ፥ ንጉስ እስራኤል እንተ ኾይኑ፥ ርኢና ብእኡ ኽንኣምንስ፥ እስኪ ሕዚ ኻብ መስቀሉ ይውረድ” እናበሉ የላግፁሉ ነበሩ፤ እቶም ምስኡ ዝተሰቐሉውን ይፀርፍዎ ነበሩ።
33ካብ ሽዱሽተ ሰዓት(ሀ) ክሳዕ ትሽዓተ ሰዓት ኣብ ኵሉ ምድሪ ፀልማት ኮነ።
34ትሽዓተ ሰዓት ምስ ኮነ ኢየሱስ ብዓብዪ ድምፂ “ኤሎሄ! ኤሎሄ! ላማ ሰበቅታኒ?” እናበለ ዓው ኢሉ ድምፂ ኣስምዐ። ትርጕሙ ድማ “ኣምላኸይ፥ ኣምላኸይ፥ ንምንታይ ሓደግካኒ?” ማለት እዩ።
35ካብቶም ኣብኡ ደው ኢሎም ዝሰምዕዎ ዝነበሩ ገሊኣቶም “እንሆ፥ ንኤልያስ ይፅውዕ ኣሎ” በሉ።
36ሓደ ግና ጐይዩ፥ ሰፍነግ ኣብ መፂፅ ኣሊኹ፥ ኣብ ዘንጊ ኣሲሩ፥ “እስኪ ሕደጉ፤ ኤልያስ መፂኡ እንተ ኣውረዶ ኽንርኢ ኢና” እናበለ ኣስተዮ።
37ኢየሱስ ከዓ ብዓብዪ ድምፂ ገዓረ፤ ነፍሱውን ሃበ።
38መጋረጃ ቤተ መቕደስ ድማ፥ ካብ ላዕሊ ኽሳዕ ታሕቲ፥ ኣብ ክልተ ተተርተረ።
39እቲ ኣብ መንፅሩ ደው ኢሉ ዝነበረ ሓለቓ ሚእቲ ኸዓ፥ ነፍሱ ብኸምዙይ ካብ ስጋኡ ኸም ዝተፈለየት ምስ ረአየ “እዝ ሰብ እዙይ ብሓቂ ወዲ እግዚኣብሄር እዩ ነይሩ” በለ።
40እንሆ ኸዓ ኣንስቲ ኣብ ርሑቕ ኮይነን የማዓድዋ ነበራ፤ ካብኣተን ከዓ ማርያም መግደላዊትን ማርያም እኖ ንኡስ ያእቆብን ዮሳን፥ ሰሎሜን ነበራ።
41ንሳተን ኣብ ገሊላ እንተሎ ጀሚረን ዝተኸተላኦን ዘገልገላኦን እየን፤ መብዛሕተን እተን ካልኦት ግና፥ ምስኡ ናብ ኢየሩሳሌም ዝደየባ ነበራ።
42ምሸት ዓርቢ ድሮ ሰንበት መዓልቲ ምድላው ነበረ።
43እቲ ንመንግስቲ እግዚኣብሄር ዝፅበ፥ ፈላጥን ክቡርን ናይ ኣይሁድ ኣማኻሪ፥(ለ) በዓል ኣርማትያስ ዮሴፍ መፀ፤ ብትብዓት ናብ ጲላጦስ ኣትዩውን ስጋ ኢየሱስ ክወሃቦ ለመነ።
44ጲላጦስ ድማ፥ ቀልጢፉ ብሙማቱ ተደነቐ፤ ነቲ ሓለቓ ሚእቲ ፀዊዑ ኸዓ “ብርግፅዶ ሞይቱ እዩ?” ኢሉ ጠየቖ።
45ካብቲ ሓለቓ ሚእቲ፥ ከም ዝሞተ ምሰረጋገፀ፥ ስጋ ኢየሱስ ንዮሴፍ ክወሃብ ፈቐደ።
46ንሱ ድማ ሓድሽ ፃዕዳ ሃሪ ዓደገ፤ ኣውሪዱ ኸዓ በቲ ፃዕዳ ሃሪ ገነዞ፤ ኣብ ኰዅሒ ኣብ ዝተወቕረ መቓብርውን ቀበሮ፤ ነቲ ኣፍ መቓብር ከዓ፥ እምኒ እናገላበጠ ወሲዱ ዓፀዎ።
47ማርያም መግደላዊትን፥ ማርያም እኖ ዮሳን ድማ፥ ኣበይ ከም ዝቐበርዎ ይሪኣ ነበራ።