ወንጌል ማቴዎስ 17

BCV aksumትግርኛ27 ፍቕድታት4:24 ስማዕ
ስማዕ 4:24 · መደበኛ ኣብ Biblight ክፈት

1ኢየሱስ ድሕሪ ሽዱሽተ መዓልቲ፥ ንጴጥሮስን ንያእቆብን ንሓዉ ዮሃንስን ወሲዱ፥ ንበይናቶም ናብ ነዊሕ እምባ ኣደየቦም።

2ኣብ ቅድሚኣቶም ድማ ትርኢቱ ተለወጠ፤ ገፁ ኸም ፀሓይ በርሀ፤(ሀ) ክዳኑውን ከም በረድ ፃዕደወ።

3እንሆ፥ ሙሴን ኤልያስን ምስኡ እንትዘራረቡ ተርኣዩዎም።

4ጴጥሮስ ድማ፥ ንኢየሱስ፥ “ኦ ጐይታ! ንኣና ኣብዙይ ምንባር ፅቡቕ እዩ፤ ፍቓድካ እንተ ኾይኑስ፥ ኣብዙይ ሰለስተ ዳስ ክንሰርሕ፤ ሓደ ንኣኻ፥ ሓደ ንሙሴ፥ ሓደውን ንኤልያስ” በሎ።

5ጴጥሮስ ገና እዙይ እናተዛረበ እንተሎ ደመና ኸወሎም፤ እንሆ ድማ ኻብቲ ደመና “ዘፍቅሮ፥ ብእኡ ዝተሓጐስኩ ወደይ እዙይ እዩ፤ ንእኡ ስምዕዎ!” ዝብል ድምፂ መፀ።

6ደቀ መዛሙርቱ እዙይ ሰሚዖም እምብዛ ስለ ዝፈርሑ፥ ብግምባሮም ተደፍኡ።

7ኢየሱስ ቅርብ ኢሉ ነኽኦምሞ “ተስኡ! ኣይትፍርሑ!” በሎም።

8ኣዒንቶም ንላዕሊ ቘላሕ እንተ በሉ ድማ፥ እንትርፊ ኢየሱስ በይኑ፥ ሓደ እኳ ኣይረአዩን።

9ካብ እምባ ኽወርዱ እንተለዉ ኢየሱስ፥ “ወዲ ሰብ ካብ ምዉታን ክሳዕ ዝትስእ፥ እዝ ዝረአኹምዎ ንሓደ እኳ ኣይትንገሩ!” ኢሉ ኣዘዞም።

10ደቀ መዛሙርቱ ኸዓ “ንምንታይ ደኣ፥ መምህራን ሕጊ ‘ቅድም ኤልያስ ክመፅእ ኣለዎ’ ዝብሉ?” ኢሎም ጠየቕዎ።

11ንሱ ድማ መሊሱ “እወ፤ ኣቐዲሙ ኤልያስ ክመፅእ እዩ፤ ንዅሉ ድማ ኸቃንዕ እዩ።

12ኣነ ግና፥ ኤልያስ ድሮ መፂኡ እዩ እብለኩም ኣለኹ፤ ንሳቶም ግና ኣብ ልዕሊኡ ኸም ዝደለዩ ገበሩ እምበር ኣይፈለጥዎን። ከምኡ ድማ ወዲ ሰብ፥ ብኣኣቶም መከራ ኽቕበል ከም ዘለዎ እብለኩም ኣለኹ” በሎም።

13ሽዑ ደቀ መዛሙርቱ ብዛዕባ መጥምቕ ዮሃንስ ከም ዝበሎም ኣስተውዓሉ።

14ናብቲ ህዝቢ ምስ በፅሑ ሓደ ሰብኣይ ናብኡ ቐረበሞ ተንበርኪኹ፦

15“ጐይታይ! ንወደይ መሓረለይ፤ በብወርሑ ዘውድቕ ሕማም(ለ) እናተልዓሎ የመና ይሳቐ፤ ብዙሕ ጊዜውን ኣብ ማይን ሓዊን የውድቖ እዩ እሞ፥ ራህርሀለይ፤

16ናብ ደቀ መዛሙርትኻውን ኣምፂአዮስ፥ ከሕውይዎ ኣይከኣሉን” በሎ።

17ኢየሱስ መሊሱ “ኣታ ዘይትኣምን ቀይናን ትውልዲ፥ ክሳዕ መኣዝ ምሳኻትኩም ክነብር እየ? ክሳዕ መኣዝከ ኽዕገሰኩም እየ? ናብዙይ ናባይ ኣምፅእዎ” በሎም።

18ሽዑ ኢየሱስ ገሰፆ፤ እቲ ጋኔን ከዓ ኻብኡ ወፀ፤ እቲ ቘልዓ ድማ በታ ሰዓት እቲኣ ሓወየ።

19ድሕሪዙይ ደቀ መዛሙርቱ ንበይናቶም ናብ ኢየሱስ ቀሪቦም፥ “ስለ ምንታይ ደኣ ንሕና ምውፃኡ ዝሰኣንና?” በልዎ።

20ኢየሱስ ከዓ “ብጕድለት እምነትኩም እዩ፤ ብሓቂ እብለኩም ኣለኹ፥ ክንዲ ፍረ ኣድሪ እትኣክል እምነት እንተ ሃልያትኩም፥ ነዝ እምባ እዙይ ‘ካብዙይ፥ ናብቱይ ተልዓል!’ እንተ በልኩምዎ ይለዓል፤ ዘይከኣለኩም ነገርውን የለን።

21እዝ ኸምዙይ ዝዓይነቱ ግና፥ ብፆምን ብፀሎትን እንተ ዘይኮይኑ ኣይወፅእን እዩ” በሎም።

22ደቀ መዛሙርቱ ኣብ ገሊላ እናተመላለሱ እንተለዉ፥ ኢየሱስ “ንወዲ ሰብ፥ ናብ ኢድ ሰብ ኣሕሊፎም ክህብዎ እዮም፤

23ንሳቶም ከዓ ኽቐትልዎ እዮም፤ ብሳልሰይቲ መዓልቲ ድማ ኽትስእ እዩ” በሎም፤ ደቀ መዛሙርቱ እዙይ ሰሚዖም ሓዘኑ።

24ናብ ቅፍርናሆም ምስ መፁ፥ እቶም ግብሪ ቤተ መቕደስ ዝቕበሉ ናብ ጴጥሮስ መፂኦም፥ “መምህርኩምስ ግብሪዶ ኣይኸፍልን እዩ?” በልዎ።

25ንሱ ድማ “ይኸፍል እባ” ኢሉ መለሰ። ናብ ገዛ ምስ ኣተወ፥ ኢየሱስ ኣቐዲሙ “ስምኦን! እንታይ ይመስለካ? ነገስታት ምድሪ፥ ግብርን ቀረፅን ካብ መን ይቕበሉ? ካብ ደቆምዶ ወይ ካብ ካልኦት?” በሎ።

26ጴጥሮስ ከዓ “ካብ ካልኦት እባ” በለ። ኢየሱስ ድማ “እምበኣር ደቆምስ ነፃ እዮም።”

27“ግና ምእንቲ ኸይነዐንቅፎም፥ ናብ ባሕሪ ኼድካ መቝለብ ዓሳ ደርቢ፤ ነቲ ቕድም እትሕዞ ዓሳ ውሰድ፤ ኣፉ ምስ ከፈትካ ኣብኡ ሓደ ኣስታቴር(ሐ) ክትረክብ ኢኻ፤ ንእኡ ወሲድካ፥ ክንዳይን ክንዳኻን ሃቦም” በሎ።

ትርጓሜ

17:1-13 ሕጂ ደቀ መዛሙርቲ ገሊኡ ኻብ ክብሪ ክርስቶስ ረኣዩ፣ ከምቲ ሓደ ወዲ እቲ ኣቦ ዝኾነ። እዚ ድማ እምነቶም ንምድጋፍ እዩ ነይሩ፣ ሰቕለቱ ኺምስክሩ ምስ ዝግባኦም፤ ብሓይሉ ተለዊጦም ከምኡ ኪኾኑ ከለዉ ድማ፣ ብዛዕባ እቲ ዝተዳለወሎም ክብሪ ሓበሬታ ኪህቦም እዩ ነይሩ።

እቶም ሃዋርያት በቲ ግርም ዝበለ ትርኢት ተሰናበዱ። ጴጥሮስ ኣብኡ ምቕናይ እቲ ዝበለጸ ምዃኑ ገመተ፣ ብዛዕባኡ ንምስማዕ ቅሩብ ዘይነበረሉ ስቓይ ንምርካብ ድማ ናብ ታሕቲ ንኸይወርድ። ኣብዚ ግን እንታይ ከም ዝበለ ኣይፈለጥን። ኣብዛ ምድሪ እዚኣ ሰማይ እንተደሊና ጌጋና ኢና። ኣብዛ ዓለም እዚኣ ንርእስና ዝኾነ ድንኳን ክንሰርሕ እንተደለና፣ ክርስቶስ ፍቓዱ ክህበና ከም ዘሎና ኵሉ ግዜ ክንዝክር ይግብኣና። እቲ መስዋእቲ ድሮ ኣይተቕረበን ነይሩ፣ ብዘይኡ ድማ ነፍሳት ሓጥኣን ሰባት ኪድሕኑ ኣይምኸኣሉን፤ ብጴጥሮስን ብኣሕዋቱን ከኣ ኣገደስቲ ኣገልግሎታት ኪፍጸሙ ነይሮም።

ጴጥሮስ እናተዛረበ ከሎ፣ ብሩህ ደበና ጋረዶም፣ ናይ መለኮታዊ ህልውናን ክብርን ምሳሌ ዝኾነ። ሰብ ካብ ዝበደለ ኣትሒዙ፣ ኣብ ገነት ከኣ ድምጺ ኣምላኽ ካብ ዝሰምዐ ኣትሒዙ፣ ዘይተለምዱ ግህዶታት ኣምላኽ ንሰብ ኣፍራህቲ እዮም ነይሮም። ናብ ምድሪ ተደፊኦም ወደቑ፣ የሱስ ከሳዕ ዘበራትዖም፤ ኣብ ከባቢኦም ምስ ጠመቱ፣ ከምቲ ልሙድ ዚርእይዎ ዝነበሩ ጐይታኦም ጥራይ ረኣዩ። ናብ ክብሪ ኣብ እንገብሮ ጉዕዞና ዝተፈላለዩ ተመክሮታት ክንሓልፍ ኣሎና፤ ድሕሪ ሃይማኖታዊ ስርዓት ናብ ዓለም ምልስ ክንብል ከለና፣ ክርስቶስ ምሳና ክንወስድ ክንጥንቀቕ ይግብኣና፣ ሽዑ ድማ ምሳና ምህላዉ ንኣና መጸናንዒ ኪኸውን ይኽእል እዩ።

17:14-21 ጉዳይ ዝተጨነቑ ህጻናት ብእሙንን ብብርቱዕ ጸሎትን ናብ ኣምላኽ ክቕረብ ይግባእ። ክርስቶስ ነቲ ህጻን ፈወሶ።

ምሉእ ትርጓሜ ኣንብብ ድምጺ፣ ምሉእ ትርጓሜን ብዘይ መስመር ምንባብን

ትርጉማት8 · 6