ወንጌል ማቴዎስ 15

BCVትግርኛ37 ፍቕድታት4:55 ስማዕ
ስማዕ 4:55 · መደበኛ ኣብ Biblight ክፈት

1ድሕሪዙይ ካብ ኢየሩሳሌም ዝመፁ፥ መምህራን ሕግን ፈሪሳውያንን ናብ ኢየሱስ ቀሪቦም፥

2“ደቀ መዛሙርትኻ ስለ ምንታይ ስርዓት ዓበይቲ ዝጥሕሱ? እንጀራ እንትበልዑ ኣእዳዎም ኣይሕፀቡን ኢዮም” ኢሎም ጠየቕዎ።

3ኢየሱስ ድማ መሊሱ “ስለ ምንታይ ደኣ ንስኻትኩም፥ ምእንቲ ስርዓትኩም ትእዛዝ እግዚኣብሄር እትጥሕሱ?

4እግዚኣብሄር፥ ‘ኣቦኻን እኖኻን ኣኽብር፤ ነቦኡን ንኖኡን ዝፀርፍ ፈፂሙ ይቀተል’ ኢሉ ኣሎ።

5ንስኻትኩም ግና እቲ ነቦኡ ወይ ንኖኡ ‘እቲ ኻባይ ዝግብአኩም ሓገዝ፥ ንእግዚኣብሄር መባእ ገይረዮ እየ’ ዝብል ሰብ፥

6‘ነቦኡ ወይ ንኖኡ ከኽብር ኣይግደድን እዩ’ ትብሉ፤ ስለዙይ ምእንቲ ስርዓትኩም ቃል እግዚኣብሄር ትስዕሩ፤

7ኣቱም ግብዛት! ኢሳይያስ፥ ‘እዝ ህዝቢ እዙይ ብኸናፍሩ የኽብረኒ፤ ብልቡ ግና ኻባይ እምብዛ ዝረሓቐ እዩ። ትምህርቲ ስርዓት ሰብ እናመሃሩ፥ ብኸንቱ የምልኹኒ ኢሉ፥ ብዛዕባኻትኩም ሓቂ ተነበየ።’ ”

10ኢየሱስ ነቶም ህዝቢ ናብኡ ፀዊዑ “ስምዑ! ኣስተውዕሉውን!

11ንሰብ ዘርክሶ ኻብ ኣፍ ዝወፅእ ደኣ እምበር፥ ናብ ኣፍ ዝኣቱ ኣየርክሶን” በሎም።

12ሽዑ ደቀ መዛሙርቱ ቐሪቦም፥ “ፈሪሳውያን ዘረባኻ ሰሚዖም ከም ዝተዓንቀፉስ ፈሊጥካዶ?” በልዎ።

13ንሱ ኸዓ መሊሱ “ናይ ሰማይ ኣቦይ ዘይተኸሎ ዅሉ ተኽሊ ኽብቈስ እዩ፤

14ሕደግዎም፤ ዕዉራን፥ መራሕቲ ዕውራን እዮም። ዕዉር ንዕዉር እንተ መርሖ፥ ክልቲኦም ናብ ጕድጓድ ይወድቁ” በሎም።

15ጴጥሮስ ድማ “ነዝ ምስላ እዙይ ተርጕመልና” በሎ።

16ኢየሱስ ከዓ “ንስኻትኩምውንዶ ገና ኣየስተውዓልኩምን?

17ኵሉ እቲ ብኣፍ ዝኣቱ፥ ናብ ከብዲ ኸም ዝሓልፍ እሞ፥ ንደገ ኸም ዝወፅእዶ ኣይትፈልጡን ኢኹም?

18እቲ ኻብ ኣፍ ዝወፅእ ግና፥ ካብ ልቢ እዩ ዝወፅእ እሞ፥ ንሱ እዩ ንሰብ ዘርክሶ።

19ካብ ልቢ ኽፉእ ሓሳብ፥ ቅትለት፥ ዝሙት፥ ምንዝርና፥ ስርቂ፥ ብሓሰት ምምስካር፥ ፀርፊ ይወፅእ።

20እዙይ እዩ ንሰብ ዘርክሶ እምበር፥ ብዘይተሓፀበ ኢድ ምብላዕስ ንሰብ ኣየርክሶን” በሎም።

21ኢየሱስ ካብኡ ወፂኡ ናብ ወሰን ምድሪ ጢሮስን ሲዶናን ኣግለሰ።

22እንሆ ድማ ሓንቲ ከነዓናዊት ሰበይቲ፥ ካብ ከባቢ እቲ ዓዲ መፂኣ “ኦ ጐይታ ወዲ ዳዊት! ንጓለይ ክፉእ ጋኔን ሒዙዋ የሳቕያ ኣሎ እሞ ራህርሀለይ!” እናበለት ዓው ኢላ ድምፂ ኣስምዐት።

23ንሱ ግና ሓንቲ ቓል እኳ ኣይመለሰላን፤ ደቀ መዛሙርቱ ኸዓ ቐሪቦም “ደድሕሬና ትጠርዕ ኣላ እሞ ኣሰናብታ!” ኢሎም ለመንዎ።

24ንሱ ግና “እንትርፊ ናብቶም ከም ኣባጊዕ ዝጠፍኡ ህዝቢ እስራኤል፥ ናብ ካልእ ኣይተልኣኽኩን” ኢሉ መለሰ።

25ንሳ ግና “ጐይታይ ርድአኒ” እናበለት ቀሪባ ሰገደትሉ።

26ንሱ ኸዓ መሊሱ “እንጀራ ውሉድ ኣልዒልካ፥ ነኽላባት ምሃብ ፅቡቕ ኣይኮነን” በላ።

27ንሳ ድማ “እወ ጐይታይ! ኣኽላባትውንኮ፥ ካብ ማእዲ ጐይተቶም ዝወደቐ ርፍራፍ ይበልዑ እዮም” በለቶ።

28ሽዑ ኢየሱስ “ኣቲ ሰበይቲ፥ እምነትኪ ዓብዪ እዩ፤ ከም ዝደለኺዮ ይኹነልኪ!” በላ። እታ ጓላውን በታ ሰዓት እቲኣ ሓወየት።

29ኢየሱስ ካብኡ ሓሊፉ ብወሰን ባሕሪ ገሊላ ኸደ፤ ናብ እምባ ደዪቡ ድማ፥ ኣብኡ ተቐመጠ።

30ብዙሕ ህዝቢ ድማ ሓንካሳት፥ ዕዉራት፥ ፀማማት፥ ቈራያት፥ ብዙሓት ካልኦትውን ምስኣቶም ሒዞም ናብኡ ቐረቡ፤ ኣብ ጥቓ እግሪ ኢየሱስውን ኣቐመጥዎም፤ ንሱ ኸዓ ኣሕወዮም።

31እቶም ህዝቢ ድማ፥ በሃማት እንትዛረቡ፥ ቈራያት እንትሓውዩ፥ ሓንካሳት እንትኸዱ፥ ዕዉራትውን እንትሪኡ ተመልኪቶም ተገረሙ እሞ፥(ሀ) ንኣምላኽ እስራኤል ኣመስገንዎ።

32ኢየሱስ ንደቀ መዛሙርቱ ፀዊዑ፥ “እዞም ህዝቢ እዚኣቶም ሰለስተ መዓልቲ ምሳይ ቀንዮም እዮም፤ ዝበልዕዎ ድማ የብሎምን እሞ፥ የሕዝኑኒ ኣለዉ፤ ስለዙይ ኣብ መንገዲ ኸይደኽሙ፥ ብጥሙዮም ከፋንዎም ኣይደልን” በሎም።

33ደቀ መዛሙርቱ ድማ “ኣብዝ በረኻ እዙይ ደኣ፥ ንኽንድዙይ ዝኣክል ህዝቢ ዘፅግብ እንጀራ፥ ካበይ ክንረክብ ኢና?” በልዎ።

34ኢየሱስ ከዓ “ክንደይ እንጀራኸ ኣለኩም?” በሎም። ንሳቶም ድማ “ሸውዓተ እንጀራን ቁሩብ ዓሳን” በልዎ።

35ነቶም ህዝቢ ኸዓ ኣብ ምድሪ ኽቕመጡ ኣዘዞም።

36ሽዑ ነተን ሸውዓተ እንጀራን ነቲ ቑሩብ ዓሳን ኣልዒሉ ኣመስገነ፤ ቈሪሱ ድማ ንደቀ መዛሙርቱ ሃቦም፤ ደቀ መዛሙርቱ ኸዓ ነቶም ህዝቢ ኣቕረቡ።

37ኵሎምውን በሊዖም ፀገቡ፤ ዝተረፈ ቝርስራስ ድማ፥ ሸውዓተ መሶብ ሙሉእ ኣልዓሉ።

38እቶም ዝበልዑ ኸዓ፥ ብዘይ ኣንስትን ቈልዑን ኣርባዕተ ሽሕ ሰብኡት ነበሩ።

39ነቶም ህዝቢ ምሰፋነዎም ድማ፥ ናብ ጃልባ ደዪቡ ናብ ወሰን መጌዶል ከደ።

ትርጓሜ

15:1-9

ናብ ሕግታት ኣምላኽ ዝተወሰኸ ነገራት፣ ኣምላኽ ዘድልዮ ነገር ከም ዝገደፈን ሰብ ከኣ ከማልኦ ከም ዝኽእልን ገይሩ ንጥበቡ የንጸባርቕ ይመስል፤ ብሓደ ወይ ብኻልእ ኣገባብ ከኣ ንሰብ ኩሉ ግዜ ንኣምላኽ ከየእዝዙዎ ይመርሑዎ። ንዝተጻሕፈ ቃል ኣምላኽ ክንደይ ኢና እሞ ክንምስግን ዝግብኣና! እምነት መጽሓፍ ቅዱስ ብዝኾነ ሰብኣዊ ወሰኽ ብትምህርቲ ይኹን ብግብሪ ከም እትመሓየሽ ሓደ እኳ ኸቶ ኣይንሕሰብ። ብጹዕ ጐይታና ብዛዕባ ልማዳቶም ከም ናይ ባዕላቶም ምፍጣር ገይሩ ተዛረበ፣ ንሓምሳይ ትእዛዝ ምጥሓሶም እቲ ኣዝዩ ንጹር ኣብነት ከም ዝኾነ ድማ ኣመልከተ። ሓገዝ ዘድልዮም ወለዲ ኣብ ዝነበሩሉ እዋን፣ ንሳቶም ንቤተ መቕደስ ኪቑጥቡዎ ዝኽእሉ ዘበለ ኹሉ ከም ዝወፈዩ ተጣበቑ፣ እኳ ደኣ እቲ ባዕላቶም ዘይፈለዩዎ እኳ እንተኾነ፣ ስለዚ ወለዶም ካብኦም ገለ ክጽበዩ ከም ዘይብሎም ገበሩ። እዚ ድማ ንትእዛዝ ኣምላኽ ሓይሊ ኣልቦ ገበሮ። ዕድል ግብዝናውያን ብሓጺር ክፋል ተገሊጹ ኣሎ፤ "ብኸንቱ ይምልኹኒ"። ንኣምላኽ ኣየሐጕሶን ንባዕላቶም እውን ኣየጥቅሞምን። ኣብ ከንቱ ይእመኑ፣ ከንቱነት ድማ ዓስቦም ክኸውን እዩ።

15:10-20 ክርስቶስ እቲ ኪፈርህዎ ዝግብኦም ርኽሰት፡ ካብቲ ከም ምግቢ ናብ ኣፎም ዚኣቱ ዘይኮነስ፡ ካብቲ ኻብ ኣፎም ዚወጽእ፡ ንእከይ ልቦም ዜርኢ ምዃኑ ኣርኣየ። ኣብ ነፍሲ፡ እቲ ሓዳስ ልደት ዜውህብ ጸጋታት መንፈስ ቅዱስ እንተ ዘይኮይኑ፡ ዚጸንዕ የብሉን። ናብ ቤተ ክርስቲያን ድማ ኻብ ላዕሊ ዝመጸ ጥራይ ክእቶ ይግብኦ። ስለዚ፡ ብንጹርን ግዜኡ ዝሓለወን ኣዋጅ ሓቂ ዚቕየም ሰብ እንተሎ፡ ብእኡ ክንሽገር የብልናን። ደቀ መዛሙርቲ ብዛዕባ እዚ ነገር እዚ ብዝያዳ ክምሃሩ ሓተቱ። ድኹም ኣእምሮ ብዛዕባ ዝኾነ ቃል ክርስቶስ ኪጠራጠር ከሎ፡ ቅኑዕ ልብን ድሉው መንፈስን ግን ትምህርቲ ይደልዩ። ልቢ ካብ ኵሉ ንላዕሊ ሓሳውን ተስፋ ዘይብሉ እኩይን እዩ፣ ኤር 17:9፣ ከመይሲ፡ ቅድም ኣብ ልቢ ዘይነበረ፡ ብቓል ወይ ብግብሪ ዚፍጸም ሓጢኣት የልቦን። እዞም ኵሎም ካብ ሰብ ዚወጹ፡ ፍረታት ናይቲ ኣብ ልቢ ዘሎን ኣብኡ ዚፍጸምን እከይ እዮም። ክርስቶስ ኪምህር ከሎ፡ ንሰባት ሓሳውነትን እከይን ልቦም ኬርእዮም እዩ። ንርእሶም ከዋርዱን ኣብቲ ንሓጢኣትን ርኽሰትን እተኸፍተ ምንጪ ኪጽረዩን ኪምህሮም እዩ።

ምሉእ ትርጓሜ ኣንብብ ድምጺ፣ ምሉእ ትርጓሜን ብዘይ መስመር ምንባብን

ትርጉማት8 · 6