1ኢየሱስ ነቶም ዓሰርተ ኽልተ ደቀ መዛሙርቱ ኣዚዙ ምስ ወድአ፥ ኣብ ከተማታቶም ክምህርን ክሰብኽን ካብኡ ሓለፈ።
2እንሆ ድማ ዮሃንስ፥ ኣብ ቤት ማእሰርቲ እንተሎ፥ ብዛዕባ ተግባር ክርስቶስ ምስ ሰምዐ፥ ካብ ደቀ መዛሙርቱ ኽልተ ልኢኹ፥
3“እቲ ዝመፅእ ንስኻ ዲኻ፥ ወይ ድማ እንፅበዮ ኻልእ ኣሎ?” በሎ።
4ኢየሱስ ከዓ፦ “ኬድኩም፥ እዝ እትሰምዕዎን እትሪእዎን ዘለኹም ንዮሃንስ ንገርዎ።
5ዕዉራት ይሪኡ፤ ሓንካሳት ይኸዱ፤ ለምፃማት ይነፅሁ፤ ፀማማት ይሰምዑ፤ ምዉታን ይትስኡ፤ ድኻታት ወንጌል ይብሰሩ ኣለዉ።
6ብኣይ ዘይዕንቀፍ ብፁእ እዩ” በሎም።
7ልኡኻት ዮሃንስ ምስ ከዱ፥ ኢየሱስ ነቶም ህዝቢ፥ ብዛዕባ መጥምቕ ዮሃንስ፥ ከምዙይ ክብሎም ጀመረ፦ “እንታይ ክትሪኡ ናብ በረኻ ወፃእኹም? ብንፋስ ነነው ዝብል ሻምበቆ?
8እንታይ ደኣ ኽትሪኡ ወፃእኹም? ብቐጭን ክዳውንቲ ዘጌፀ ሰብ? ቀጭን ክዳውንቲ ዝኽደኑስ እንሆ ኣብ ኣብያተ ነገስታት ኣለዉ።
9እንታይ ክትሪኡ ደኣ ወፃእኹም? ነቢይ ኽትሪኡ? እወ፥ እኳ ደኣ ኻብ ነቢይ ዝበልፅ እዩ እብለኩም ኣለኹ።
10ንሱ እቲ ብዛዕባኡ ‘እንሆ ኣነ ቐቅድሜኻ መንገድኻ ዝፀርግ ልኡኸይ፥ ኣቐዲመ እልእኽ ኣለኹ’ ተብሂሉ ዝተፅሓፈሉ እዩ እሞ።
11ኣንስቲ ኻብ ዝወለዳኦም ካብ መጥምቕ ዮሃንስ ዝዓቢ፥ ሓደ እኳ ኸም ዘይተስአ፥ ብሓቂ እብለኩም ኣለኹ። ኣብ መንግስተ ሰማያት ግና፥ እቲ ኻብኡ ዝንእስ እዩ ዝዓብዮ።
12ካብ ዘመን መጥምቕ ዮሃንስ ክሳዕ ሎሚ፥ መንግስተ ሰማያት ትግፋዕ ኣላ፤ እቶም ዝገፍዑ(ሀ) ድማ፥ ይመናጠልዋ ኣለዉ።
13“ኵሎም ነቢያትን ሕግን ክሳዕ ዮሃንስ ተነብዮም እዮም እሞ።
14ክትቅበልዎ እንተ ደኣ ደሊኹም፥ እቲ ኽመፅእ ዘለዎ ኤልያስ፥ ንሱ ዮሃንስ እዩ።
15ዝሰምዕ እዝኒ ዘለዎ ይስማዕ።
16“ነዝ ትውልዲ እዙይ እሞ ብምንታይ ክምስሎ እየ? ኣብ ዕዳጋ ተቐሚጦም፥ መሓዙቶም ዝፅውዑ ቘልዑ እዩ ዝመስል።
17ከምዙይ ከዓ ይብልዎም፦ ‘እምብልታ ነፋሕናልኩም፥(ለ) ኣይሳዕሳዕኹምን፤ ኣልቀስናልኩም፥ ኣይበኸኹምን።’
18ዮሃንስ እንተይበልዐን እንተይሰተየን እንተ መፀ ጋኔን ኣለዎ ይብሉ።
19ወዲ ሰብ እናበልዐን እናሰተየን እንተ መፀ ኸዓ፥ እንሆ በላዕን ሰታዪ ወይንን ዓርኪ ተቐበልቲ ቐረፅን ሓጥኣንን ይብሉ። ጥበብ ግና ብደቃ ፀደቐት።”
20ድሕሪዙይ ኢየሱስ ነተን ብዙሕ ተኣምራት ዝገበረለን ከተማታት፥ ስለ ዘይተነስሃ ኸምዙይ ኢሉ ኽነቕፈን ጀመረ፦
21“ወይለኺ ኮራዚን! ወይለኺ ቤተ ሳይዳ! እዝ ኣባኻትክን ዝተገብረ ተኣምራት፥ ኣብ ጢሮስን ኣብ ሲዶናን ተገይሩ እንተ ዝኸውንስ፥ ቀደም ወጮ ተኸዲነን ሓመዅሽቲ ነስኒሰን፥ ምተነስሃ ነይረን።
22ብመዓልቲ ፍርዲ ግና፥ ካብ ንኣኻትክን ንጢሮስን ሲዶናን ከም ዝቐለለን፥ እነግረክን ኣለኹ።
23ኣቲ ቅፍርናሆም፥ ንስኺ ኸዓ ኽሳዕ ሰማይ እኳ እንተ ተልዓልኪ፥ ክሳዕ ሲኦል ክትወርዲ ኢኺ፤ እቲ ኣባኺ ዝተገብረ ተኣምራት፥ ኣብ ሰዶም ተገይሩ እንተ ዝኸውንስ፥ ክሳዕ ሎሚ ምሃለወት ነይራ።
24ብመዓልቲ ፍርዲ ግና፥ ካባኽስ ንምድሪ ሰዶም ከም ዝቐለላ እነግረኪ ኣለኹ።”
25በቲ ጊዜ እቱይ ኢየሱስ ከምዙይ በለ፦ “ኦ ኣቦ፥ ጐይታ ሰማይን ምድርን፥ እዝ ነገራት እዙይ ካብ ብልህታትን መስተውዓልትን ሰዊርካ፥ ንህፃናት ስለ ዝገለፅካዮ አመስግነካ ኣለኹ።
26እወ፥ ኦ ኣቦይ! ፍቓድካ ኸምኡ እዩ እሞ።
27ካብ ኣቦይ ኵሉ ተውሂቡኒ ኣሎ። ብዘይ ኣብ፥ ንወልድ ዝፈልጦ ሓደ እኳ የለን፤ ንኣብውን፥ ብዘይ ወልድን እቲ ወልድ ኽገልፀሉ ዝደለየን እንተ ዘይኮይኑ፥ ሓደ እኳ ዝፈልጦ የለን።
28“ኣቱም እትፅዕሩን ፆር ዝኸበደኩምን ኵልኻትኩም ናባይ ንዑ፤ ኣነውን ከዕርፈኩም እየ።
29ኣርዑተይ ፁሩ፤ ካባይውን ተምሃሩ፤ ኣነ የዋህ እየ፤ ልበይውን ትሑት እዩ እሞ፥ ንነፍስኹም ዕረፍቲ ኽትረኽቡ ኢኹም።
30ኣርዑተይ ልዙብ፥ ፆረይውን ቀሊል እዩ እሞ።”