ትንቢት ሚልክያስ 3

BCV aksumትግርኛ18 ፍቕድታት3:51 ስማዕ
ስማዕ 3:51 · መደበኛ ኣብ Biblight ክፈት

1“እንሆ፥ መንገዲ ዝፀርግ ልኡኸይ ቀቅድመይ እልእኽ ኣለኹ። እቲ እትደልይዎ ጐይታ ኸዓ ናብ መቕደሱ ድንገት ክመፅእ እዩ፤ እቲ እትሕጐሱሉ መልእኽተኛ ቃል ኪዳን፥ እንሆ፥ ይመፅእ ኣሎ” ይብል ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር።

2ንሱ ግና፥ ከም ሓዊ ኣንጠረኛ፥ ከም ሳሙና ሓፃቢ እዩሞ፥ ነታ ንሱ ዝመፀላ መዓልቲ መን ክፃወራ ይኽእል? ንሱ ኽግለፅ እንተሎኸ፥ ክቐውም ዝኽእል መን እዩ?

3ንሱ ኸምቲ ንብሩር ዝዅልዕን ዘፅርን ሰብ ክቕመጥ እዩሞ፥ ንሌዋውያንውን ኣንፂሁ ኸም ወርቅን ከም ብሩርን ከፅርዮም እዩ። ንሳቶምውን ብፅድቂ ንእግዚኣብሄር ቍርባን ዘቕርቡ ክኾኑ እዮም።

4ሽዑ መስዋእቲ ህዝቢ ይሁዳን ኢየሩሳሌምን፥ ከምተን ዝሓለፋ ዓመታትን፥ ከምቲ ናይ ቀደም ዘመንን፥ ንእግዚኣብሄር ደስ ዘብሎ ክኸውን እዩ።

5“ስለዙይ ኣነ ንፍርዲ ናባኻትኩም ክቐርብ እየ። ኣብ ልዕሊ ኣስማተኛታትን ዘመውትን፥ ኣብ ልዕሊ እቶም ብሓሰት ዝምሕሉን፥ ንበዓል ዓስቢ ዓስቡ ዝዕምፅዎን፥ ንመበለትን ደኽታምን ዝገፍዕዎምን፥ ንስደተኛ መሰሉ ዝኸልእዎን፥ ኣብ ልዕሊ እቶም ንኣይ ዘይፈርሑን፥ ክምስክረሎም ክቕልጥፍ እየ፤ ይብል ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር።

6“ኣነ እግዚኣብሄር ኣይልወጥን እየ፤ ስለዙይ ኣቱም ዘርኢ ያእቆብ፥ ፈፂምኩም ኣይጠፋእኹምን።

7ካብ ዘመን ኣቦታትኩም ጀሚሩ፥ ካብ ትእዛዛተይ ድሕር ኢልኩም ኢኹም፤ ኣይሓለኹምዎንውን፤ ናባይ ተመለሱ፤ ኣነውን ናባኻትኩም ክምለስ እየ፤ ይብል ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር። ንስኻትኩም ግና ብኸመይ ኢና እንምለስ ትብሉ ኣለኹም።

8ሰብዶ ንእግዚኣብሄር ይሰርቆ እዩ? ንስኻትኩም ግና ትሰርቁኒ ኣለኹም። ንስኻትኩም ግና ‘ከመይ ኢና ዝሰረቅናካ?’ ትብሉ ኣለኹም። ብኣስራትን ብበዅራትን እዩ።

9ንስኻትኩምን ኵሉ እቲ ህዝብን ስለ እትሰርቁኒ፥ ብመርገም ዝተረገምኩም ኢኹም።

10ኣብ ቤተይ መብልዕ ምእንቲ ክኸውንስ፥ ንዅሉ ኣስራት ናብ ቤተ መዛግብቲ ኣእትዉ። ሽዑ መሳዅቲ ሰማይ እንተ ዘይከፊተልኩም፥ በረኸት ድማ ሕልፍን ትርፍን ገይረ እንተ ዘየፍሲሰልኩም፥ ብዙይ ፍተኑኒ፤ ይብል ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር።

11ምእንታኻትኩም ፍረ ምድሪኹም ከየጥፍእ፥ ነቲ ሓሰኻ ኽግስፆ እየ፤ ኣብ ግራትኩም ዘሎ ተኽሊ ወይንኹም ፍረኡ ኣየርግፍን፤ ይብል ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር።

12ድሕሪዙይ ምድሪኹም ምድሪ ሓጐስ ስለእትኸውን፥ ኵሎም ኣህዛብ ‘ዝተባረኸ ህዝቢ’ ኢሎም ክፅውዑኹም እዮም፤ ይብል ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር።

13“ኣብ ልዕለይ፥ ቃል ድፍረት ተናጊርኩም ኢኹም፤ ይብል ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር። ንስኻትኩም ግና ‘ኣብ ልዕሌኻ ደፊርና ዝተናገርናዮ እንታይ እዩ?’ ትብሉ ኣለኹም።

14ንስኻትኩም፦ ‘ንእግዚኣብሄር ምግልጋል ከንቱ እዩ፤ ኵሉ ናቱ ትእዛዝ ምሕላው፥ ኣብ ቅድሚ ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር ሕዙናት ኴንና ምምልላስና፥ እንታይ ክረብሐና እዩ?’

15ሕዚ እውን ነቶም ትዕቢተኛታት፥ ቡሩኻት እዮም ንብሎም ኣለና፤ እቶም ገበርቲ ኽፉእ ፀኒዖም ኣለዉ፤ እቶም ንእግዚኣብሄር ዝፈታተንዎ ኸዓ የምልጡ ኣለዉ” ትብሉ ኣለኹም።

16በቲ እዋን፥ እቶም ንእግዚኣብሄር ዝፈርሑ ንስንሳቶም ተዘራረቡ፤ እግዚኣብሄር ከዓ ኣዳመፀ፤ ሰምዐውን። ነቶም ንእግዚአብሔር ዝፈርሕዎን፥ ስሙ ንዝሓስቡን፥ ኣብ ቅድሚኡ መዘከርታ መፅሓፍ ተፅሓፈ።

17“በታ ኣነ ዝሰርሐላ መዓልቲ፥ ንሳቶም ገንዘበይ ክኾኑኒ እዮም፤ ይብል ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር። ኣነ ኸዓ፥ ከምቲ ወላዲ ነቲ ዘገልግሎ ውሉዱ ዝምሕሮ፥ ክምሕሮም እየ።

18ንስኻትኩምውን ተመሊስኩም፥ ነቲ ኣብ መንጎ ፃድቕን ሓጥእን፥ ኣብ መንጎ እቲ ንእግዚኣብሄር ዘገልግልን ዘየገልግልን ክትፈልዩ ኢኹም” በለ።

ትርጓሜ

3:1-6 እቲ ናይዚ ምዕራፍ እዚ ፈለማ ቃላት ንመጻረፍቲ እቶም መዓልታት መልሲ ዝዀኑ ይመስሉ። እዚ ብዛዕባ ምግላጽ ዮሃንስ መጥምቕ ዝገልጽ ትንቢት እዩ። ንሱ መቐዳደም ክርስቶስ እዩ። ንሱ ንሰባት ናብ ንስሓ ብምጽዋዕ ቅድሚኡ ንዘሎ መገዲ ኼዳልዎ እዩ። እቲ መሲሕ ንነዊሕ እዋን፡ ኪመጽእ ዘለዎ፡ ተባሂሉ ተጸዊዑ ነይሩ እሞ፡ ሕጂ ድማ ድሕሪ ሓጺር እዋን ኪመጽእ እዩ። ንሱ መልእኽተኛ ኪዳን እዩ። ንየሱስ ዚደልዩ ሰባት፡ መብዛሕትኡ ግዜ ዘይተጸበዩዎ እንከለዉ እኳ፡ ኣብኡ ሓጐስ ኪረኽቡ እዮም። ጐይታ የሱስ ንልቢ ሓጢኣተኛ፡ ብኣገልግሎት ቃሉን ብምርግጋጽ መንፈሱን፡ ቤተ መቕደሱ ኪኸውን የዳልዎ እሞ፡ ከም መልእኽተኛ ሰላምን ምጽንናዕን ኪኣትዎ እዩ። ዝዀነ ግብዝና ወይ ባዶ ሃይማኖተኛ ትምህርቱ ኺጸውሮ ወይ ኣብ ቅድሚ መንበሩ ኪቐውም ኣይክእልን። ክርስቶስ ንሰባት ኪፈልዮም፡ ንኽቡርን ንርኹስን ኪነጽል መጸ። ንሱ ከም መጽረዪ ኪቕመጥ እዩ። ክርስቶስ ብወንጌሉ ንቤተ ክርስቲያኑ ኬንጽህን ኬሐድስን እዩ፡ መንፈሱ ድማ ምስኡ ብምስራሕ፡ ንነፍሳት ሓዳስ ልደት ኪገብረለንን ኬንጽሆን እዩ። ኣብኣ ዘሎ ጸግዒ ኪወስድ እዩ። ንብልሽውናታቶም ኪነጽል እዩ፡ እዚ ድማ ንብቕዓቶም ዋጋቢስን ዘይጠቅምን ይገብሮ። እቲ ኣማኒ ነቲ መድሓኒ ወርቁ ዚንጽሓሉ ህልኽ ዝመልኦ መርመራ ናይ መከራን ፈተናን ኪፈርህ ኣየድልዮን። ንምሕሳኑ ዘድሊ ካብ ዝዀነ ዝሓየለን ዝነዊሕን ከይከውን ኪጥንቀቕ እዩ፡ እዚ መርመራ ድማ ካብ ናይ እኩያት ፍጹም ዝተፈላለየ መወዳእታ ኪህልዎ እዩ። ክርስቶስ ብምልጃኡ ቅቡላት ኪገብሮም እዩ። ፍርሃት ኣምላኽ ኣብ ዘየብሉ፡ ጽቡቕ ኣይትጸበ። ክፉእ ንሓጢኣተኛታት ይሰጕኦም። ኣምላኽ ዘይቀያየር እዩ። እቲ ፍርዲ ንኽፉእ ግብሪ ብቕልጡፍ እንተዘይተፈጸመ እኳ፡ ግናኸ ኪፍጸም እዩ፡ ጐይታ ኸም ቀደም ንሓጢኣት ጸላኢ እዩ። ሕጂ ኩላትና ነዚ ናብ ርእስና ኸነምጽኦ ንኽእል ኢና።

ምሉእ ትርጓሜ ኣንብብ ድምጺ፣ ምሉእ ትርጓሜን ብዘይ መስመር ምንባብን

ትርጉማት8 · 6

AMHEVG እነሆ፥ መልእክተኛዬን እልካለሁ፥ መንገድንም በፊቴ ያስተካክላል፤ እናንተም የምትፈልጉት ጌታ በድንገት ወደ መቅደሱ ይመጣል፤ የምትወዱትም የቃል ኪዳን መልእክተኛ፥ እነሆ፥ ይመጣል፥ ይላል የሠ… አማርኛ ENGNIV “See, I will send my messenger, who will prepare the way before me. Then suddenly the Lord you are seeking will come to… English BCV “እንሆ፥ መንገዲ ዝፀርግ ልኡኸይ ቀቅድመይ እልእኽ ኣለኹ። እቲ እትደልይዎ ጐይታ ኸዓ ናብ መቕደሱ ድንገት ክመፅእ እዩ፤ እቲ እትሕጐሱሉ መልእኽተኛ ቃል ኪዳን፥ እንሆ፥ ይመፅእ ኣሎ” ይብል … ትግርኛ GAZBIB Waaqayyo gooftaan maccaa,“Kunoo, ani ergamaa koo isa karaa anaaf qopheessu of dura nan erga; dingatas gooftichi inni is… Afaan Oromoo BCV GIZ ናሁ አነ እፌኑ መልእክየ ዘይጸይሕ ወይርኢ ፍኖትየ ቅድመ ገጽከ፡ ወይመጽእ ውስተ ጽርሑ ግብተ እግዚአብሔር ዘአንትሙ ተኀሥሡ መልአከ ሥርዓትየ ዘአንትሙ ትፈቅዱ፤ ናሁ ይመጽእ፡ ይቤ እግዚአብሔ… giz GAZGAZ Waaqayyo gooftaan maccaa,“Kunoo, ani ergamaa koo isa karaa anaaf qopheessu of dura nan erga; dingatas gooftichi inni is… Afaan Oromoo AMHNIV “እነሆ፤ በፊቴ መንገድ እንዲያዘጋጅ መልእክተኛዬን እልካለሁ፤ የምትፈልጉት ጌታ በድንገት ወደ ቤተ መቅደሱ ይመጣል፤ ደስ የምትሰኙበትም የቃል ኪዳኑ መልእክተኛ ይመጣል” ይላል እግዚአብሔር ጸ… አማርኛ SWAHSUV Angalieni, namtuma mjumbe wangu, naye ataitengeneza njia mbele yangu; naye Bwana mnayemtafuta atalijilia hekalu lake gh… Kiswahili