ድጒዓ ኤርምያስ 2

BCVትግርኛ22 ፍቕድታት5:05 ስማዕ
ስማዕ 5:05 · መደበኛ ኣብ Biblight ክፈት

1ኣሌፍ። እግዚኣብሄር ብቝጥዓኡ ንጓል ፅዮን ከመይ ብደመና ኣጐልበባ። ነቲ ኽብሪ እስራኤል ካብ ሰማይ ናብ ምድሪ ደርበዮ፤ ብመዓልቲ ቝጥዓኡ ነታ መርገፂ እግሩ ዝኾነት ኣይዘከራን።

2ቤት። እግዚኣብሄር ንዅለን መንበሪ ያእቆብ፥ ብዘይ ምሕረት ወሓጠን፤ ኣይራህረሀንውን፤ ንዕርድታት ጓል ይሁዳውን ብቝጥዓኡ ኣፍረሶ፤ ናብ ምድሪ ድማ ኣውረዶም፤ ነታ መንግስትን ንመራሕታን ከዓ ኣርከሰ፤ ናብ ምድሪ እውን ደርበዮም።

3ጋሜል። በቲ ጕሁር ቍጥዓኡ፥ ንዅሉ ቐርኒ እስራኤል ሰበረ፤ ፀላኢ ምስ ተልዓለ ኸዓ፥ የማናይ ኢዱ ንድሕሪት መለሰ፤ ከምቲ ንኸባቢኡ ዝልቝምፅ ሃልሃልታ ሓዊ ኣብ ልዕሊ ያእቆብ ነበልባል ሓዊ ነደደ።

4ደሌጥ። ከም ፀላኢ ቐስቱ ገተረ፤ ከም ወደረኛውን የማናይ ኢዱ ኣበርትዐ፤ ንዓይኒ ዘብህግ ኵሉ ቐተለ፤ ኣብ ልዕሊ ድንኳን ጓል ፅዮን፥ ንቝጥዓኡ ኸም ሓዊ ኣፍሰሶ።

5ሄ። እግዚኣብሄር ከም ፀላኢ ኾይኑ፥ ንእስራኤል ወሓጦ፤ ንዅሉ ቤተ መንግስታን ዕርድታታን ኣፍረሶ፤ ኣብ ልዕሊ ጓል ይሁዳ ኸዓ፥ ሓዘንን ብኽያትን ኣብዝሐ።

6ዋው። ነታ መሕደሪኡውን ከም ተኽሊ ነቐላ፤ መአከቢ ስፍራኡውን ኣፍረሰ፤ እግዚኣብሄር ኣብ ፅዮን፥ ንበዓልን ሰንበትን ከም ዝርሳዕ ገበረ፤ ብናህሪ ቝጥዓኡ ንንጉስን ካህንንውን ኣዋረደ።

7ዛይ። እግዚኣብሄር ንመሰውኢኡ ደርበየ፤ ንቤተ መቕደሱውን ፀልኦ፤ ንቕፅሪ ኣዳራሻታ ንፀላኢ ኣሕሊፉ ሃበ፤ ብዓመት በዓል ከም ዝግበር፥ ኣብ ቤት እግዚኣብሄር፥ ብሓይሊ ዓው ኢሎም ድምፂ ኣስምዑ።

8ሔት። እግዚኣብሄር ኣብ ዙርያ ጓል ፅዮን ዘሎ ቕፅሪ፥ ክፈርስ ከም ዘለዎ ወሰነ፤ መለክዒ ገመድ ዘርግሐ፤ ካብ ምጥፋእውን ኣእዳዉ ኣይመለሰን፤ ዕርድታትን ቅፅርን ከዓ ኽበኽዩ ገበረ፤ ሓቢሮም ድማ ደኸሙ።

9ጤት። በሪታታ ኣብ ምድሪ ሰጠሙ፤ ንመሀርሀሪታታ ኣጥፍአ፤ ሰባበረ፤ ንጉሳን መሳፍንታን ሕጊ ኣብ ዘይብሎም ተማሪኾም፥ ኣብ ማእኸል ኣህዛብ ኣለዉ፤ ደጊም ትምህርቲ ሕጊ ኣይህሉን፤ ነቢያታውን ካብ እግዚኣብሄር ዝመፅእ ራእይ ኣይረኽቡን።

10ዮድ። እቶም ናይ ጓል ፅዮን ኣረጋውያን፥ ፀጥ ኢሎም ኣብ ምድሪ ተቐሚጦም ኣለዉ፤ ኣብ ኣራእሶም ሓመድ ነስነሱ፤ ወጮውን ተኸደኑ፤ ጐርዞታት ኢየሩሳሌም ርእሰን ናብ ምድሪ ኣድነና።

11ካፍ። ስለ ጕድኣት ጓል ህዝበይ፥ ህፃናትን ዕሸላትን ኣብ ጐደናታት እታ ኸተማ ስለ ዝተሓለሉ፥ ኣዒንተይ ብንብዓት ደኸማ፤ ኣምዑተይ ተሃወኸ፤ ከብደይ ኣብ ምድሪ ተዘርገፈ።

12ላሜድ። ኣብ ልዕሊ ጐደናታት እታ ኸተማ፥ ከም ዝተወግአ ሰብ እንትደኽሙ፥ ኣብ ሕቝፊ እኖታቶም ትንፋሶም ክትወፅእ እንትትብል “እንጀራን ወይንን ኣበይ ኣሎ?” እናበሉ ንእኖታቶም ይጥይቑ።

13ሜም። ኦ ጓል ኢየሩሳሌም፥ ብዛዕባኺ እንታይ ክምስክር እየ? ብመንከ ኽምስለኪ እየ? ኣቲ ድንግል ጓል ፅዮን፥ ኣነ ኸፀናንዐኪ ብምንታይ ከመዓራርየኪ እኽእል? ስብራትኪ ኸም ባሕሪ ዓሚቝ እዩ፤ መንከ ኸሕውየኪ ይኽእል?

14ኖን። ነቢያትኪ ሓሰትን ከንቱን ሪኦምልኪ እዮም፤ ምርኮኺ ኽምልሱ፥ ሓጢኣትኪ ኣይገለፁን፤ ከንቱን ዘይረብሕን ነገር ሪኦምልኪ እዮም።

15ሳምኬት። ኵሎም ሓለፍቲ መንገዲ፥ ንጓል ኢየሩሳሌም እናፋፀዩ፥ “እዚኣ ድያ እታ ፍፁም ዝመልክዓ፥ ሓጐስ ኵላ ምድሪ እትብሃል ከተማ?” እናበሉ በእዳዎም የጣቕዑልኪ፤ ርእሶም እናነቕነቑ ኸዓ የባጭዉልኪ ኣለዉ።

16ዔ። ኵሎም ፀላእትኺ ሓቢሮም ብሓይሊ ኣፎም ከፈቱ፤ እናፋፀዩ፥ ኣስናኖም እናሓርቀሙ፥ “ውሒጥናያ፤ እታ ብሓቂ ዝተፀበናያ መዓልቲ እዚኣ እያ፤ ረኺብናያ፤ ርኢናያውን ይብሉ።”

17ፌ። እግዚኣብሄር ነቲ ዝሓሰቦ ገበሮ፤ ነቲ ቕድሚ ነዊሕ ጊዜ ተናጊርዎ ዝነበረ ቓሉውን ፈፀሞ፤ ብዘይ ርህራሀ ኣፍረሰኪ፤ ፀላኢ ብስቓይኪ ምእንቲ ኽሕጐስ፥ ቀርኒ ፀላእትኺ ልዕል ልዕል ኣበለ።

18ዳዴ። ልቦም ናብ እግዚኣብሄር ኣእወየ፤ ኣቲ ቕፅሪ ጓል ፅዮን መዓልትን ለይትን፥ ንብዓትኪ ኸም ወሓዚ ሩባ ይፍሰስ፤ ንባዕልኺ ዕረፍቲ ኣይትሃቢ፤ ንመርዓት ዓይንኺውን ኣይተዕርፊ።

19ቆፍ። ተስኢ፤ ኣብ መጀመርታ ኽፋል ሓለዋ፥ ብለይቲ ኣእውዪ፥ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ልብኺ ኸም ማይ ኣፍስሲ፤ ምእንቲ ነፍሲ እቶም ኣብ ኵሉ መኣዝን መንገዲ ብጥምየት ደኺሞም ዘለዉ ህፃናትኪ፥ ኣእዳውኪ ናብኡ ኣልዕሊ።

20ሬስ። ኦ እግዚኣብሄር፥ ተመልከት፤ ኣብ ልዕሊ መን ከምዙይ ከም ዝገበርካ ተመልከት፤ ብሓቂዶ እኖታት ነቶም ፍረ ማህፀነን ዝኾኑ፥ ዘሐንቀቓኦም ህፃናት ይበልዓ እየን? ካህንን ነቢይንከ ኣብ መቕደስካዶ ይሕረዱ እዮም?

21ሳን። ቈልዑን ኣረጋውያንን ሞይቶም ኣብ መሬት፥ ኣብ ኣደባባያት ተደርብዮም ኣለዉ፤ ጐርዞታተይን ኣጕባዘይን ከዓ ብሰይፊ ወደቑ፤ ብመዓልቲ ቝጥዓኻ ቐተልካዮም፤ ብዘይ ርህራሀውን ሓረድካዮም።

22ታው። ንበዓል ከም ዝፅዋዕ፥ ነቶም ዘፍርሑኒ ካብ ዙርያይ ፀዋዕኻለይ፤ ብመዓልቲ ቝጥዓ እግዚኣብሄር፥ ዘምለጠን ዝተረፈን የለን። ነቶም ዘዕበኽዎምን ዝተኸናኸንክዎምን፥ ፀላእየይ ወድኦም።

ትርጓሜ

2:1-9 ኣብዚ ብዛዕባ ኩነታት ማሕበር ኣምላኽ፡ ናይ ያዕቆብን እስራኤልን ሓዘን ዝመልኦ ምስሊ ተዋሂቡ ኣሎ። ግናኸ እዚ ንመብዛሕትኡ ናብ ኢድ እግዚአብሔር ኣብ መከራኦም ዘመልክት ይመስል። እንተኾነ ኣምላኽ ንህዝቡ ጸላኢ ኣይኮነን፡ ምስኦም ምስ ሓረቐን ምስ ገሰጸን እኳ ደኣ። ኣፍደገታትን መሓብሶታትን ኣምላኽ ምሕላዉ ምስ ኣወገደ ዋጋ የብሎምን። እቶም ብሓጢኣት ዝናእሱ፡ ብፍርድታት ምድርባዮም፡ ከምኡ'ውን እቶም ሰንበትን ስርዓታትን ብግቡእ ዘየማዕበልዎምን ዘይሓለይዎምን ካብ ረብሓን ምጽንናዕን ሰንበትን ስርዓታትን ምግላሎም፡ ምስ ኣምላኽ ቅንዕና እዩ። እቶም ካብኡ ዘየማዕብሉ፡ መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ይገብሩሉ? እቶም ንነብያት ኣምላኽ ብጌጋ ዝጥቀሙ፡ ብቅንዕና ይስእንዎም።

ምሉእ ትርጓሜ ኣንብብ ድምጺ፣ ምሉእ ትርጓሜን ብዘይ መስመር ምንባብን

ትርጉማት8 · 6

AMHEVG አሌፍ። ጌታ በቍጣው የጽዮንን ሴት ልጅ እንደ ምን አደመናት! የእስራኤልን ውበት ከሰማይ ወደ ምድር ጣለ፥ በቍጣውም ቀን የእግሩን መረገጫ አላሰበም። አማርኛ ENGNIV How the Lord has covered the Daughter of Zion with the cloud of his anger! He has hurled down the splendor of Israel fr… English GAZBIB Attamitti Waaqayyo dheekkamsa isaa isa akka duumessaa Xiyoonitti uffise! Ulfina Israa'el isa hamma bantii waaqaatti ol … Afaan Oromoo BCV GIZ አሌፍ። እፎኬ አደመና በመቅሠፍተ መዓቱ እግዚአብሔር ለወለተ ጽዮን ወነፅኆ እምሰማይ ውስተ ምድር ለክብረ እስራኤል ወኢተዘከረ መከየደ እገሪሁ በዕለተ መዓቱ። giz GAZGAZ Attamitti Waaqayyo dheekkamsa isaa isa akka duumessaa Xiyoonitti uffise! Ulfina Israa'el isa hamma bantii waaqaatti ol … Afaan Oromoo BCV aksum ኣሌፍ። እግዚኣብሄር ብቝጥዓኡ ንጓል ፅዮን ከመይ ብደመና ኣጐልበባ። ነቲ ኽብሪ እስራኤል ካብ ሰማይ ናብ ምድሪ ደርበዮ፤ ብመዓልቲ ቝጥዓኡ ነታ መርገፂ እግሩ ዝኾነት ኣይዘከራን። ትግርኛ AMHNIV እግዚአብሔር የጽዮንን ሴት ልጅ፣ በቍጣው ደመና እንዴት ጋረዳት! ከሰማይ ወደ ምድር፣ የእስራኤልን ክብር ወርውሮ ጣለው፤ በቍጣው ቀን፣ የእግሩን መቀመጫ አላስታወሰም። አማርኛ SWAHSUV Jinsi Bwana alivyomfunika binti Sayuni Kwa wingu katika hasira yake! Ameutupa toka mbinguni hata nchi Huo uzuri wa Isra… Kiswahili