ወንጌል ዮሃንስ 16

BCV aksumትግርኛ33 ፍቕድታት4:45 ስማዕ
ስማዕ 4:45 · መደበኛ ኣብ Biblight ክፈት

1“እዙይ ዝነገርኩኹም ከይትዕንቀፉ ኢለ እየ።

2ካብ ቤተ ፀሎቶም ከውፅኡኹም እዮም፤ እኳ ደኣ እቲ ዝቐትለኩም፥ ንእግዚኣብሄር ኣገልግሎት ከም ዝፈፀመ(ሀ) ዝመስሎ ጊዜ ኽመፅእ እዩ።

3እዝ ዅሉ ዝገብሩኹም፥ ነቦይ ኮነ ንኣይ፥ ስለ ዘይፈለጡ እዮም።

4እዝ ነገራት እዙይ ዝነገርኩኹም፥ ጊዜኡ ምስ በፅሐ፥ ኣነ ኸም ዝነገርኩኹም፥ ምእንቲ ኽትዝክርዎ ኢለ እየ፤ ካብ መጀመርታ እዙይ ዘይነገርኩኹም፥ ምሳኻትኩም ስለ ዝነበርኩ እየ።

5“ሕዚ ግና ናብቲ ዝለኣኸኒ፥ ናብ ኣብ፥ እኸይድ ኣለኹ፤ ካባኻትኩም ሓደኳ ‘ናበይ ኢኻ ትኸይድ?’ ኢሉ ዝጥይቐኒ የለን።

6እዙይ ስለ ዝነገርኩኹም ግና፥ ኣብ ልብኹም ሓዘን መልአ።

7እንተ ኾነ ሓቂ ኽነግረኩም፦ ኣነ ናብ ኣብ፥ እንተ ኸድኩ ይሕሸኩም፤ ኣነ እንተ ዘይከይደ፥ እቲ መፀናንዒ ናባኻትኩም ኣይመፅእን እዩ እሞ፤ ኣነ እንተ ኸይደ ግና፥ ንእኡ ኽሰደልኩም እየ።

8ንሱ ምስ መፀ ኸዓ፥ ንዓለም ብዛዕባ ሓጢኣትን፥ ብዛዕባ ፅድቅን፥ ብዛዕባ ፍርድን ክወቅስ እዩ።

9ብዛዕባ ሓጢኣት፥ ብኣይ ስለ ዘይኣመኑ እዩ።

10ብዛዕባ ፅድቂ ድማ፥ ናብ ኣብ እኸይድ ኣለኹ እሞ፥ ደጊም ስለ ዘይትሪኡኒ እዩ።

11ብዛዕባ ፍርዲ ኸዓ፥ ገዛኢ እዝ ዓለም እዙይ ስለ ዝተፈረዶ እዩ።

12“ገና ብዙሕ ነገር ዝነግረኩም ኣለኒ፤ እንተ ኾነ፥ ሕዚ ኽትፆርዎ ኣይትኽእሉን ኢኹም።

13እቲ መንፈስ ሓቂ ምስ መፀ ግና፥ ናብ ኵሉ ሓቂ ኽመርሐኩም እዩ፤ ንሱ ነቲ ዅሉ ዝሰምዖ እዩ ዝዛረብ እምበር፥ ካብ ባዕሉ ኣይዛረብን እዩ፤ ነቲ ኽመፅእ ዘለዎ ነገራትውን ከፍልጠኩም እዩ።

14ንሱ ኻባይ ወሲዱ ስለ ዝገልፀልኩም፥ ንኣይ ከኽብረኒ እዩ።

15እቲ ዅሉ ናይ ኣብ ዝኾነ ናተይ እዩ፤ ስለዙይ እየ ኻባይ ወሲዱ፥ ክነግረኩም እዩ ዝበልኩኹም።

16“ድሕሪ ቑሩብ ጊዜ ኣይትሪኡንን ኢኹም፤ መሊስኩም ድማ፥ ድሕሪ ቑሩብ ጊዜ ኽትሪኡኒ ኢኹም።”(ለ)

17ሽዑ ገሊኣቶም ካብ ደቀ መዛሙርቱ ንስንሳቶም “እዝ ‘ናብ ኣብ ክኸይድ እየ እሞ፥ ንቑሩብ ጊዜ ኣይትሪኡንን ኢኹም፤ መሊስኩም ንቑሩብ ጊዜ ኽትሪኡኒ ኢኹም’ ዝብለና ዘሎስ እንታይ እዩ?” ተበሃሃሉ።

18ስለዙይ ንሳቶም “እዝ ‘ንቑሩብ ጊዜ’ ዝብሎ ዘሎስ እንታይ እዩ? እዝ ዝዛረቦ ዘሎ ኣይተረድአናን” ተበሃሃሉ።

19ኢየሱስ ከዓ ኽጥይቕዎ ኸም ዝደለዩ ፈሊጡ “ ‘ንቑሩብ ጊዜ ኣይትሪኡንን ኢኹም፤ መሊስኩም ንቑሩብ ጊዜ ኽትሪኡኒ ኢኹም’ ስለ ዝበልኩኹምዶ፥ ንስንሳትኩም ትጠያየቑ ኣለኹም?” በሎም።

20ብሓቂ ብሓቂ እብለኩም ኣለኹ፥ ንስኻትኩም ክትበኽዩን ክትሓዝኑን ኢኹም፤ ዓለም ግና ደስ ክብሎ እዩ፤ ንስኻትኩም ክትሓዝኑ ኢኹም፤ ግና እቲ ሓዘንኩም፥ ናብ ሓጐስ ክልወጥ እዩ።

21ሰበይቲ ኽትወልድ እንተላ፥ ሕማም ሕርሲ ስለ ዝበፅሓ ትጭነቕ፥ ቈልዓ ምስ ወለደት ግና፥ ሰብ ኣብ ዓለም ስለ ዝተወለደ፥ ትሕጐስ፤ ነቲ ጭንቃውን ኣይትዝክሮን እያ።

22ከምኡውን ንስኻትኩም፥ ሕዚ ሓዚንኩም ኣለኹም፤ ግና መሊሰ ኽሪአኩም እየ፤ ልብኹምውን ክሕጐስ እዩ፤ ንሓጐስኩም ድማ፥ ካባኻትኩም ዝወስዶ የለን።

23በታ እዋን እቲኣ፥ ንኣይ ሓንቲ እኳ ኣይትልምኑን ኢኹም። ብሓቂ ብሓቂ እብለኩም ኣለኹ፥ ንኣብ ኵሉ ብስመይ ዝለመንኩምዎ ኽህበኩም እዩ።

24ክሳዕ ሕዚ ሓንቲ እኳ ብስመይ ኣይለመንኩምን።(ሐ) ሓጐስኩም ምሉእ ምእንቲ ክኸውን፥ ለምኑ፤ ክትረኽቡ ድማ ኢኹም።

25“እዝ ዅሉ ብምስላ እየ ዝተዛረብኩኹም፤ ካብ ብሕዚ ግና፥ ብምስላ ዘይነግረኩም ሰዓት ትመፅእ ኣላ፤ ብዛዕባ ኣብ፥ ብግልፂ ኽነግረኩም እምበር።

26በታ መዓልቲ እቲኣ፥ ብስመይ ክትልምኑ ኢኹም፤ ኣነ ንኣብ ምእንታኻትኩም ክልምኖ እየ ኣይብለኩምን።

27ንስኻትኩም ኣነ ኻብ እግዚኣብሄር ከም ዝመፃእኹ፥ ስለ ዝኣመንኩምን ስለ ዘፍቀርኩምንን፥ ኣብ ባዕሉ የፍቅረኩም እዩ እሞ።

28ካብ ኣብ ወፂአ፥ ናብ ዓለም መፃእኹ፤ መሊሰውን ንዓለም ሓዲገ፥ ናብ ኣብ ክኸይድ እየ።”

29እቶም ደቀ መዛሙርቱ ኸዓ “እንሆ ሕዚ ብምስላ ዘይኮነስ፥ ብገሃድ ትዛረብ ኣለኻ።

30ንስኻ ዅሉ ኸም እትፈልጥ፥ ሓደኳ ኽጥይቐካ(መ) ኸም ዘየድልየካ ሕዚ ፈሊጥና፤ በዙይ ድማ ኻብ እግዚኣብሄር ከም ዝመፃእኻ ኣሚንና ኣለና” በልዎ።

31ኢየሱስ ድማ ኸምዙይ ኢሉ መለሰሎም፦ “ሕዚዶ ኣሚንኩም?

32እንሆ ዅልኻትኩም፥ ነናብ ገዛኹም እትብተኑላ፥ ንበይነይውን እትሓድጉላ ሰዓት ትመፅእ ኣላ፤ ድሮ እኳ እኒሃ መፂኣ፤ ግና ኣብ፥ ምሳይ ስለ ዝኾነ በይነይ ኣይኮንኩን።

33በኣይ ሰላም ምእንቲ ኽትረኽቡ እዙይ ነገርኩኹም። ኣብ ዓለም እንተለኹም፥ መከራ ኣለኩም፤ እንተ ኾነ ኣይዞኹም፥ ኣነ ንዓለም ስዒረዮ እየ።”

ትርጓሜ

16:1-6 ጐይታና የሱስ፡ ንደቀ መዛሙርቱ ብዛዕባ ጸገም ኣቐዲሙ ብምሕባር፡ እቲ ፍርሂ ዘይተጸበይዎ ምፍንጣሕ ከይከውን ሓሲቡሉ። እቶም ንኣገልግሎት ኣምላኽ ናይ ሓቂ ጸላእቲ ዝዀኑ፡ ቅንኣት ከም ዘለዎም ክምስሉ ይኽእሉ እዮም። እዚ ድማ ሓጢኣት እቶም ዜሳቕዩ ኣየንክዮን እዩ። እኩይ ተግባራት ብስም ኣምላኽ ብምጥቃስ ፈጺሞም ኣይቕየሩን እዮም። ከምቲ የሱስ ብስቅያቱ፡ ከምኡ ድማ ሰዓብቱ ብስቅያቶም፡ ናብ ምምላእ ቅዱሳት ጽሑፋት ክጥምቱ ኣለዎም። ኣቐዲሙ ኣይነገሮምን፡ ምኽንያቱ ምስኦም ስለ ዝነበረ፡ ከምህሮምን፡ ክመርሖምን፡ ከጸናንዖምን እዩ። ሽዑ ድማ መንፈስ ቅዱስ ምሳታቶም ከም ዝህሉ ንዝተዋህቦም መብጽዓ ኣየድለዮምን ነይሩ። ጸገማት ካበይ ይመጹ፧ ኢልና ምሕታት ከሐርስ እዩ። ወዴት እዮም ዝኸዱ፧ ኢልና ምሕታት ግና ኬዕግበና እዩ። ምኽንያቱ ንጽቡቕ ከም ዝዓዩ ንፈልጥ ኢና። ሓዘንተኛታት ክርስትያናት፡ ናብ ጸሊም ሸነኽ እቲ ደበና ጥራይ ምርኣይ፡ ድምጺ ሓጎስን ደስታን ድማ እዝኖም ምዕጻው ልሙድ ገበልን ዕሽነትን እዩ። ንልቢ ደቀ መዛሙርቲ ብሓዘን ዝመልኦ፡ ንእዚ ዘለናዮ ህይወት ብዝሓለፈ ኣፍቅሮት እዩ ነይሩ። ኣብ ኣምላኽ ዘሎና ሓጎስ ካብ ፍቕሪ ዓለምን ካብኡ ዝመጽእ ሓዘን ዓለምን ዝበለጸ ዝዕንቅጾ የልቦን።

16:7-15 ክርስቶስ ምኻዱ፡ መጸናናዒ ንኺመጽእ ኣድላዪ ነበረ። መንፈስ ምልኣኽ፡ ናይ ሞት ክርስቶስ ፍረ ኪኸውን ነበሮ፣ እዚ ምኻዱ ድማ እዩ። ስጋዊ ምህላዉ ኣብ ሓደ ቦታ ጥራይ ኣብ ሓደ እዋን ኪኸውን ይኽእል ነበረ፡ መንፈሱ ግን ኣብ ኩሉ ቦታታት፡ ኣብ ኩሉ እዋናት፡ ክልተ ወይ ሰለስተ ብስሙ ኣብ ዝተኣከቡሉ ኩሉ ቦታ ይርከብ።

ኣብዚ ኣገልግሎት መንፈስ ቅዱስ ንርአ፡ ቀዳምነት ንምግናሕ ወይ ንምርግጋጽ እዩ። ናይ ምርግጋጽ ስራሕ ናይ መንፈስ ስራሕ እዩ፤ ንሱ ጥራይ ተባዕተወ ኪገብሮ ይኽእል፡ ካልእ ድማ የልቦን። ቅዱስ መንፈስ ዝጥቀመሉ ኣገባብ ድማ፡ ፈለማ ንምርግጋጽ፡ ድሕሪኡ ድማ ንምጽንናዕ እዩ።

መንፈስ ንዓለም ብዛዕባ ሓጢኣት ኬረድእ እዩ፤ ብዛዕባኡ ጥራይ ኪነግራ ኣይኮነን። መንፈስ ብዛዕባ፡ እቲ ናይ ሓጢኣት ሓቂ፤ ብዛዕባ እቲ ናይ ሓጢኣት ገበን፤ ብዛዕባ እቲ ናይ ሓጢኣት ዕሽነት፤ ብዛዕባ እቲ ሓጢኣት ዘምጽኦ ርኽሰት፡ በዚ ድማ ንኣምላኽ ጽሉኣት ከም ዝዀንና፤ ብዛዕባ እቲ ናይ ሓጢኣት ምንጪ፡ እታ ብልሽቲ ባህሪ፤ ከምኡ እውን ብዛዕባ እቲ ናይ ሓጢኣት ፍረ፡ መወዳእታኡ ሞት ምዃኑ ኬረድእ እዩ። ቅዱስ መንፈስ ኩሉ ዓለም ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ገበነኛ ምዃና የረጋግጽ።

ንዓለም ብዛዕባ ጽድቂ የረድእ፤ የሱስ ናዝሬታዊ ጻድቕ ክርስቶስ ምዃኑ ድማ የረጋግጽ። ከምኡ እውን ብዛዕባ ጽድቂ ክርስቶስ፡ ንምስጋትናን ንምድሓንናን ናባና ዝተዋህበ። ኣበይ ከም ዝርከብ፡ ከምኡ እውን ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ብኸመይ ጻድቃን ኰይኖም ከም ዝቕበሉ ኼርእዮም እዩ። ዕርገት ክርስቶስ፡ እቲ ቤዛነት ከም እተቐበለ፡ እቲ ጽድቂ ድማ ከም እተፈጸመ የረጋግጽ፡ በዚ ድማ ምእመናን ኪስገቱ ነበሮም።

ምሉእ ትርጓሜ ኣንብብ ድምጺ፣ ምሉእ ትርጓሜን ብዘይ መስመር ምንባብን

ትርጉማት8 · 6