ትንቢት ኤርምያስ 44

BCV aksumትግርኛ29 ፍቕድታት6:49 ስማዕ
ስማዕ 6:49 · መደበኛ ኣብ Biblight ክፈት

1እግዚኣብሄር ብዛዕባ እቶም ኣብ ሃገር ግብፂ ዝነበሩ፥ ብዛዕባ እቶም ኣብ ከተማታት ሚግዶል፥ ጣፍናስ፥ ሜምፎስ፥ ጳትሮስ ተቐሚጦም ዝነበሩ ኣይሁድ ናብ ኤርሚያስ ዝመፀ ቓል እዙይ እዩ፦

2ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል፥ ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ “ኵሉ እቲ ኣነ ኣብ ኢየሩሳሌምን ኣብ ኵለን ከተማታት ይሁዳን ዘምፃእኽዎ ኽፉእ ነገር ርኢኹምዎ ኣለኹም። እንሆ ኸዓ፥ ክሳዕ ሎሚ ባዲመን፥ ሓደ እኳ ዝነብረለን ዘየለ ኾይነን ኣለዋ።

3እዙይ ዝኾነ ኸዓ ምእንቲ ኸቘጥዑኒ ብሰንኪ እቲ፥ ንሳቶም ኮነ ንስኻትኩም ወይ ኣቦታትኩም ዘየምለኽዎም፥ ንዘይፈልጥዎም ካልኦት ኣማልኽቲ ኸገልግሉን ዕጣን ክዓጥኑን ኢሎም ዝገበርዎ ዅሉ ኽፍኣቶም እዩ።

4ኣነስ ኣንጊሀ ተልዒለ ንዅላቶም ባሮተይ ነቢያት ሰደድኩልኩም፤ ከምቲ ኣነ ዝፀልኦ ርኹስ ነገር ኣይትግበሩ በልኩኹም።

5ንሳቶም ግና ንኻልኦት ኣማልኽቲ ምዕጣን ኣይሓደጉን፥ ካብ ክፍኣቶምውን ኣይተመለሱን፥ ኣይተኣዘዙንውን፤ ኣእዛኖም ከዓ ፅን ኣየበሉን።

6ስለዙይ ድማ ቝጥዓይን መዓተይን ፈሰሰ፤ ኣብ ከተማታት ይሁዳን ኣብ ኣደባባያት ኢየሩሳሌምን ድማ ነደደ። ንሳተን ድማ፥ ከምዝ ሎሚ ኾይነናኦ ዘለዋ ፈረሳ፤ ዑናውን ኮና።

7“ሕዚ ኸዓ ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል፥ ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ ኣብታ ኽትነብሩላ ኢልኩም ዝመፃእኹምዋ ሃገር ግብፂ፥ ንኻልኦት ኣማልኽቲ ዕጣን ብምዕጣንኩም፥ ብግብሪ ኣእዳውኩም ስለ ምንታይ ተቘጥዑኒ ኣለኹም? ሰብኣይን ሰበይትን ቈልዓን ህፃንን ሓደ እኳ እንተይተረፈ ኻብ ማእኸል ይሁዳ ኽተፅንቱ፥ ኣብ ኵሎም ህዝብታት ምድሪ ድማ መራገምን መፃረፍን ኴንኩም ክትተርፉ ኢኹም፤ ስለ ምንታይከ ኣብ ርእስኹም ክንድዙይ ዝኣክል ዓብዪ ኽፍኣት እትፍፅሙ?

9ነቲ ኣብ ሃገር ይሁዳን ኣብ ኣደባባያት ኢየሩሳሌምን ዝገበርዎ፥ ክፍኣት ኣቦታትኩምን ክፍኣት ነገስታት ይሁዳን ክፍኣት ኣንስቶምን ኽፍኣትኩምን ክፍኣት ኣንስትኹምንዶ ረሲዕኹምዎ ኢኹም?

10ግና ኽሳዕ ሎሚ ኣይተዋረዱን፤ ኣይፈርሑንውን፤ በቲ ኣብ ቅድሜኹምን ኣብ ቅድሚ ኣቦታትኩምን ዘንበርክዎ ሕገይን ስርዓተይን ድማ ኣይከዱን።

11“ስለዙይ እግዚኣብሄር፥ ጐይታ ሰራዊት ኣምላኽ እስራኤል፥ ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ እንሆ፥ ንመዓትን ንዅሉ ይሁዳ ንምጥፋእን፥ ገፀይ ኣብ ልዕሌኹም ክገብር እየ።

12እቶም ኣብ ሃገር ግብፂ ክቕመጡ ኢሎም፥ ናብኣ ዝኸዱ ተረፍ ይሁዳ ዅሎም ክጠፍኡ እዮም፤ ኣብ ሃገር ግብፂ ኽወድቁ፥ ብሰይፍን ብጥሜትን ክጠፍኡ እዮም፤ ካብ ንኡስ ክሳዕ ዓብዪ ብሰይፊ ወይ ብጥሜት ክጠፍኡ እዮም። ንመሰክሕን ንመገረምን ንመራገምን ንመፃረፍን ከዓ ክኾኑ እዮም።

13ከምቲ ንኢየሩሳሌም ብውግእን ብጥሜትን ብመቕሰፍትን ዝቐፃዕኽዋ፥ ከምኡ ድማ ነቶም ኣብ ሃገር ግብፂ ተቐሚጦም ዘለዉ ኽቐፅዖም እየ።

14ኣብኡ ንምንባር ናብ ምድሪ ግብፂ ኻብ ዝኸዱ፥ ናብ ሃገር ይሁዳ ተመሊሶም ኣብኣ ንኽቕመጡ ኻብ ዝደልዩ፥ ካብ ወገን ተረፍ ይሁዳ ዘምልጥን ዝተርፍን ናብኣውን ዝምለስ የለን። እንትርፊ እቶም ዝሃድሙ፥ ሓደ እኳ ኣይምለስን።”

15ሽዑ ዅሎም እቶም ኣንስቶም ንኻልኦት ኣማልኽቲ ኸም ዝዓጥና ዝፈለጡ ሰብኡትን፥ ኵለን እተን ኣብኣ ቖይመን ዝነበራ ብዙሓት ኣንስትን፥ ኵሎም እቶም ኣብ ጳጥሮስ ዝቕመጡ ህዝብን፥ ዓብዪ ጉባኤ ኾይኖም ንኤርሚያስ ከምዙይ ኢሎም መለሱሉ፦

16“ነቲ ብስም እግዚኣብሄር ዝተዛረብካና ቓል ኣይንሰምዐካን ኢና።

17ግና ኸምቲ ንሕናን ኣቦታትናን ነገስታትናን ኣሕሉቕናን፥ ኣብተን ከተማታት ይሁዳን ኣብ ኣደባባያት ኢየሩሳሌምን ዝገበርናዮ፥ ንሕናውን ንግስቲ ሰማይ ንእትብሃል ክንዓጥን፥ መስዋእቲ መስተ ድማ ንኣኣ ኽነቕርብ ኢና። ሽዑ እንጀራ ንፀግብ፥ ብደሓን ንነብር፥ መዓትውን ኣይንርእን ነበርና። ኩሉ እዝ ዝተዛረብናዮ ቓል ብርግፅ ክንፍፅም ኢና።

18ግና ንንግስቲ ሰማይ ምዕጣንን መስዋእቲ መስተ፥ ንኣኣ ምፍሳስን ምስ ሓደግና፥ ኵሉ ነገር ሰኣንና፤ ብሰይፍን ብጥሜትን ድማ ተወዳእና።”

19እተን ኣንስቲ ኸዓ ወሲኸን “ንንግስቲ ሰማይ ክንዓጥን እንተለና፥ መስዋእቲ መስተውን ኽነፍስሰላ እንተለና፥ ነቲ ኸም ምስላ ጌርና ዝሰንከትናላ እንጀራን፥ መስዋእቲ መስተን ክነቕርበላ እንተለና፥ ሰብኡትና እንተይፈለጡዶ ኢና ዝገበርናዮ” በላ።

20ሽዑ ኤርሚያስ ንዅሎም ነቶም ከምዙይ ኢሎም ዝመለሱሉ ህዝብን፥ ሰብኡትን ኣንስትን ከምዙይ፥ ኢሉ ተዛረቦም፦

21“ነቲ ንስኻትኩምን ኣቦታትኩምን ነገስታትኩምን ኣሕሉቕኩምን ህዝቢ እታ ሃገርን፥ ኣብ ከተማታት ይሁዳን፥ ኣብ ኣደባባያት ኢየሩሳሌምን ዝዓጠንኩምዎ ዕጣን፥ እግዚኣብሄር ዝዘከሮ ኣብ ልቡውን ዘንበሮዶ ኣይኮነን?

22እግዚኣብሄር ከዓ ብሰንኪ እቲ ኽፍኣት ግብርኹምን ብሰንኪ እቲ ዝገበርኩምዎ ርኽሰትን ክዕገስ ኣይከኣለን። ስለዙይ ሃገርኩም ከምዝ ሎሚ ኾይናቶ ዘላ፥ ሓደ እኳ ዝነብረላ ዘይብላ ባዲማ መሰክሕን መራገምን ኮነት።

23ንጣዖት ዕጣን ስለ ዝዓጠንኩምን፥ ንእግዚኣብሄር ስለ ዝበደልኩምን፥ ንቓል እግዚኣብሄር ስለ ዘይሰማዕኹምን፥ ከም ሕጉን ከም ስርዓቱን ከም ምስክሩን ስለ ዘይተመላለስኩምን፥ ከምዝ ሎሚ ኾይንዎ ዘሎ፥ እዝ ክፉእ ነገር ወረደኩም።”

24ኤርሚያስ ድማ ንዅሉ እቲ ህዝብን፥ ንዅለን ኣንስትን፥ ኣብ ሃገር ግብፂ እትነብሩ ዅልኻትኩም ህዝቢ ይሁዳን ቃል እግዚኣብሄር ስምዑ፦

25“ጐይታ ሰራዊት ኣምላኽ እስራኤል እግዚኣብሄር፥ ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ ‘ንስኻትኩምን ኣንስትኹምን ንንግስቲ ሰማይ ክንዓጥን፥ መስዋእቲ መስተ ኽነፍስሰላ፥ ዝተመባፃዕናዮ መብፅዓና ብርግፅ ክንፍፅሞ ኢና’ ኢልኩም ብኣፍኩም ተዛረብኩም፤ በእዳውኩም ከዓ ፈፂምኩምዎ ኢኹም፤ ሕራይ፥ መብፅዓኹም ግበሩ፤ መብፅዓኹም ፈፅሙ።

26ኵልኻትኩም ኣቱም ኣብ ሃገር ግብፂ ተቐሚጥኩም ዘለኹም ሰብ ይሁዳ፥ ቃል እግዚኣብሄር ስምዑ፤ እንሆ፥ ኣብ ኵላ ሃገር ግብፂ ‘እግዚኣብሄር ኣምላኽ ህያው እዩ!’ ኢሉ ሓደ ኣይሁዳዊ እኳ ስመይ ድሕሪዙይ ከይሰሚ፥ በቲ ዓብዪ ስመይ እምሕል ኣለኹ፤ ይብል እግዚኣብሄር።

27እንሆ፥ ኣነ ንድሕነት ዘይኮነ ንኽፍኣት እተግሀሎም ኣለኹ። ኵላቶም ኣብ ሃገር ግብፂ ዝነብሩ ሰብ ይሁዳ ኽሳዕ ዝሃልቁ፥ ብሰይፍን ብጥሜትን ፈፂሞም ክውድኡ እዮም።

28ውሑዳት ሰባት ግና ኻብ ሰይፊ ኣምሊጦም፥ ካብ ሃገር ግብፂ ናብ ሃገር ይሁዳ ኽምለሱ እዮም። ሽዑ ዅሎም እቶም ኣብኣ ኽቕመጡ፥ ናብ ሃገር ግብፂ ዝመፁ ተረፍ ይሁዳ፥ ቃለይ ወይ ቃሎም ኣየናይ ከም ዝፀንዕ ክፈልጡ እዮም።

29እቲ ኣብ ልዕሌኹም ከምፅኦ እየ ዝበልኩኹም መዓት፥ ሓቂ ኸም ዝኾነ ምእንቲ ኽትፈልጡ፥ ኣብዛ ቦታ እዚኣ እንተለኹም ክቐፅዐኩም እየ። እዙይ ከዓ ምልክት ክኾነልኩም እዩ፤ ይብል እግዚኣብሄር።

30እንሆ፥ ከምቲ ንሴዴቅያስ ንጉስ ይሁዳ ኣብ ኢድ ፀላኢኡን፥ ንነፍሱ ዝደሊ ዝነበረን ናቡከደነፆር ንጉስ ባቢሎን ኣሕሊፈ ዝሃብክዎ፥ ከምኡ ኸዓ ንፈርዖን ሆፍራ ንጉስ ግብፂ ኣብ ኢድ ፀላእቱን፥ ኣብ ኢድ እቶም ንነፍሱ ዝደልዩን ኣሕሊፈ ኽህቦ እየ።”

ትርጓሜ

44:1-14 ኣምላኽ ንኣይሁድ፡ ንይሁዳ ዕንወት ዘምጽኣኦ ሓጢኣታቶም የዘኻኽሮም። ንሕና ንሰባት ብኹሉ ቍምነገር ብዛዕባ ሓደጋ ሓጢኣት ከነጠንቅቕ ይግባእ፡ ኦሆ! ኣይትግበርዎ! ንኣምላኽ እንተድኣ እትፈትዉዎ፣ ኣይትግበርዎ፣ ከመይሲ ንእኡ የቘጥዖ እዩ። ንነፍስኹም እንተድኣ እትፈትዉዋ፣ ኣይትግበርዎ፣ ከመይሲ ንኣታተን የጥፍኤን እዩ። ሕልና ኣብ ሰዓት ፈተና እዚ ይግበረልና። እቶም ኣምላኽ ናብ ምድሪ ከለዳውያን ዝሰደዶም ኣይሁድ፡ ኣብኡ፡ ብሓይሊ ጸጋ ኣምላኽ፡ ካብ ኣምልኾ ጣኦት ተገላጊሎም። ግናኸ እቶም ብፍጹም ትርር ዝበለ ፍቓዶም ናብ ምድሪ ግብጻውያን ዝኸዱ፡ ኣብኡ ኸኣ ካብ ቀደም ዝበዝሕ ናብ ኣምልኾ ጣኦታቶም ተጣበቑ። ንሕና ብዘይ ምኽንያት ወይ ጽውዓ ናብ ቦታታት ፈተና ንርእስና እንተደኣ ደፊእና፡ ኣምላኽ ንኣና በይንና ከገድፈና ቅኑዕ እዩ። ንሕና ንኣምላኽ ብተጻራሪ እንተድኣ ተመሊስና፡ ንሱ ኸኣ ንኣና ብተጻራሪ ኺምላለሰና እዩ። እቲ ሰባት ዝቃልዑሉ እቲ ዝኸፍአ መከራ፡ ንዝቐረበ ምድሓን ብምዕማቕ ዝመጽእ እዩ።

ምሉእ ትርጓሜ ኣንብብ ድምጺ፣ ምሉእ ትርጓሜን ብዘይ መስመር ምንባብን

ትርጉማት8 · 6

AMHEVG በግብፅ ምድር በሚግዶልና በጣፍናስ በሜምፎስም በጳትሮስም አገር ስለ ተቀመጡ አይሁድ ሁሉ ወደ ኤርምያስ የመጣ ቃል ይህ ነው። አማርኛ ENGNIV This word came to Jeremiah concerning all the Jews living in Lower Egypt–in Migdol, Tahpanhes and Memphis– and in Upper… English BCV እግዚኣብሄር ብዛዕባ እቶም ኣብ ሃገር ግብፂ ዝነበሩ፥ ብዛዕባ እቶም ኣብ ከተማታት ሚግዶል፥ ጣፍናስ፥ ሜምፎስ፥ ጳትሮስ ተቐሚጦም ዝነበሩ ኣይሁድ ናብ ኤርሚያስ ዝመፀ ቓል እዙይ እዩ፦ ትግርኛ GAZBIB Waa'ee Yihudoota warra biyya Gibxii keessa mandara Miigdol, Taahafenee, Nofii fi Phaaxros keessa jiraatan hundumaaf dub… Afaan Oromoo BCV GIZ ቃል ዘኮነ ኀበ ኤርምያስ እምኀበ እግዚአብሔር ከመ ይትነበይ ወኀበ ኵሎሙ አይሁድ እለ ይነብሩ ውስተ ግብፅ ወእለ ይነብሩ ውስተ ጣፍናስ ወመግደሎ ወውስተ ሜምፎስ ወውስተ ምድር ፋቱራ፤ giz GAZGAZ Waa'ee Yihudoota warra biyya Gibxii keessa mandara Miigdol, Taahafenee, Nofii fi Phaaxros keessa jiraatan hundumaaf dub… Afaan Oromoo AMHNIV በግብፅ ሰሜናዊ ክፍል በሚግዶል፣ በጣፍናስና በሜምፎስ እንዲሁም በግብፅ ደቡባዊ ክፍል ስለሚኖሩት የአይሁድ ሕዝብ እንዲህ የሚል ቃል ከእግዚአብሔር ዘንድ ወደ ኤርምያስ መጣ፤ አማርኛ SWAHSUV Neno lililomjia Yeremia, katika habari za Wayahudi wote waliokaa katika nchi ya Misri, waliokaa Migdoli, na Tahpanesi, … Kiswahili