ትንቢት ኤርምያስ 43

BCV aksumትግርኛ12 ፍቕድታት2:47 ስማዕ
ስማዕ 2:47 · መደበኛ ኣብ Biblight ክፈት

1ኤርሚያስ፥ እግዚኣብሄር ኣምላኾም ንኣኣቶም ክነግሮም ዝለኣኾ ንዅሉ ቓል እግዚኣብሄር ኣምላኾም ነቶም ህዝቢ ተናጊሩ ምስ ወድአ፥

2ሽዑ ኣዛርያስ ወዲ ሆሻያን ዮሃናን ወዲ ቃሬያን ኵሎም እቶም ዕቡያት ሰብኡትን ንኤርሚያስ “ሓሰት ኢኻ ዝተዛረብካ፤ ባሮክ ወዲ ኔርያ ደኣ እዩ፥ ናብ ኢድ ባቢሎናውያን ክንውፈን ንሳቶም ክቐትሉናን ናብ ባቢሎን ክማርኹናን ኢሉ፥ ኣብ ልዕሌና ኣለዓዒሉካ ዘሎ እምበር፥ እግዚኣብሄር ኣምላኽናስ ‘ኣብኡ ኽትቅመጡ ናብ ግብፂ ኣይትግዓዙ’ በሎም፥ ኢሉ ኣይለኣኸካን” በልዎ።

4ስለዙይ ዮሃናን ወዲ ቃሬያ ኾነ፥ ኵሎም ኣሕሉቕ ሰራዊት ኮኑ፥ ኵሎም እቶም ህዝቢ ነቲ “ኣብ ሃገር ይሁዳ ተቐመጡ” ዝበሎም ቃል እግዚኣብሄር ኣይሰምዕዎን።

5ሽዑ ዮሃናን ወዲ ቃሬያን ኵሎም ኣሕሉቕ ሰራዊትን፥ ነቶም ኣብ ሃገር ይሁዳ ኽቕመጡ ኻብተን ተቐሚጦምወን ዝነበሩ ሃገራት ዝተመለሱን፥ ንዅሎም እቶም ኣብ ይሁዳ ተሪፎም ዝነበሩን፥ ምስኣቶም ንግብፂ ወሰድዎም።

6ሰብኡትን ኣንስትን ቈልዑን ኣዋልድ ንጉስን፥ ኵሎም እቶም ናቡዘረዳን ኣዛዚ ሰራዊት፥ ምስ ጎዶልያስ ወዲ ኣኪቃም ወዲ ሳፋን ሓዲግዎም ዝነበሩን ወሰድዎም። ምስኣቶምውን ንኤርሚያስን ንባሮክ ወዲ ኔርያን ወሰዱ።

7ንቓል እግዚኣብሄር ኣይሰምዑንሞ ናብ ግብፂ ኣተዉ፤ ክሳዕ ጣፍናስ ከዓ በፅሑ።

8ሽዑ ኣብ ጣፍናስ ከምዙይ ዝብል ቃል እግዚኣብሄር ናብ ኤርሚያስ መፀ።

9“ዓበይቲ ኣእማን ውሰድ እሞ ናይ ኣይሁድ ሰባት እናረአዩኻ፥ ኣብቲ ኣፍ ደገ መእተዊ ቤት ፈርዖን ብኢድካ ሕብኣየን።

10ሽዑ እግዚኣብሄር፥ ጐይታ ሰራዊት ኣምላኽ እስራኤል፦ እንሆ፥ ኣነ ንባርያይ ናቡከደነፆር ንጉስ ባቢሎን ልኢኸ ኸምፅኦ እየ፤ ንዙፋኑ ድማ ኣብ ልዕሊ እዘን ኣነ ዝሓባእኹወን ኣእማን ከንብሮ እየ፤ ንሱ ኸዓ ንድንኳን መንግስቱ ኣብ ልዕሊአን ክዝርግሖ እዩ።

11ንሱ ኽመፅእ እዩ፤ ንሃገር ግብፂ ኸዓ ኽወቕዓ እዩ። ሽዑ እቲ ዝመውት ንሞት፥ እቲ ዝማረኽ ንምርኮ፥ እቲ ዝስየፍ ንሰይፊ ኽውፈ እዩ።

12ኣብ ኣባይቲ ኣማልኽቲ ግብፂ ሓዊ ኸባርዕ እየ፤ ንሱ ኸዓ ኸቃፅሎምን ክማርኾምን እዩ። ጓሳ ኽዳኑ ኸም ዝኽደን ንሱውን ንግብፂ ክኸድና እዩ። ካብኣውን ብደሓን ክወፅእ እዩ።

13ንሱ ነቲ ኣብ ቤት ሳሚስ ዘሎ ሓወልትታት ግብፂ ኽሰባብሮ እዩ። ንኣባይቲ ኣማልኽቲ ግብፂውን ብሓዊ ኸቓፅሎ እዩ።”

ትርጓሜ

43:1-7 ብትዕቢት ጥራይ ምስ ኣምላኽን ምስ ሰብን ቃልዕ ይመጽእ። ንዝተገለጠ ፍቓድ ኣምላኽ ገዲፎምሲ፡ ንናይ ባዕሎም ጥበብ መረጹ። ሰባት ቅዱሳት ጽሑፋት ቃል ኣምላኽ ምዃኑ ይነጽጉ፡ ምኽንያቱ ንርእሶም ምስ ሕግታት ቅዱሳት ጽሑፋት ከሰማምዑ ከም ዘይወሰኑ ስለ ዝኾኑ። ሰባት ኣብ ሓጢኣቶም ክጸንዑ እንተደለዩ፡ ንዝበለጹ ተግባራት ናብ ሕማቕ ምንቅስቓስ የምንጩዎ። እዞም ኣይሁድ ንምድሮም ገዲፎም፡ ንርእሶም ካብ ዕቝባ ኣምላኽ ኣውጽኡ።

ምሉእ ትርጓሜ ኣንብብ ድምጺ፣ ምሉእ ትርጓሜን ብዘይ መስመር ምንባብን

ትርጉማት8 · 6

AMHEVG የአምላካቸውን የእግዚአብሔርን ቃል ሁሉ፥ ለእነርሱ አምላካቸው እግዚአብሔር የላከውን ይህን ቃል ሁሉ፥ ኤርምያስ ለሕዝቡ ሁሉ መናገርን በፈጸመ ጊዜ፥ አማርኛ ENGNIV When Jeremiah finished telling the people all the words of the Lord their God–everything the Lord had sent him to tell … English BCV ኤርሚያስ፥ እግዚኣብሄር ኣምላኾም ንኣኣቶም ክነግሮም ዝለኣኾ ንዅሉ ቓል እግዚኣብሄር ኣምላኾም ነቶም ህዝቢ ተናጊሩ ምስ ወድአ፥ ትግርኛ GAZBIB Ani Ermiyaas wanta Waaqayyo gooftaan isaanii jara kanatti akkan himuuf na abboome hundumaa guutummaa sabaatti himee erg… Afaan Oromoo BCV GIZ ወኮነ ሶበ አኅለቀ ኤርምያስ እንዘ ይነግር ለኵሉ ሕዝብ ኵሎ ቃለ እግዚአብሔር በከመ ፈነዎ እግዚአብሔር አምላኮሙ ኀቤሆሙ ዘንተ ኵሉ ቃላተ፤ giz GAZGAZ Ani Ermiyaas wanta Waaqayyo gooftaan isaanii jara kanatti akkan himuuf na abboome hundumaa guutummaa sabaatti himee erg… Afaan Oromoo AMHNIV ኤርምያስ፣ እግዚአብሔር ለእነርሱ እንዲነግራቸው የላከውን የአምላካቸውን የእግዚአብሔርን ቃል ሁሉ ለሕዝቡ ተናግሮ በጨረሰ ጊዜ፣ አማርኛ SWAHSUV Ikawa Yeremia alipokwisha kuwaambia watu wote maneno yote ya Bwana, Mungu wao, ambayo Bwana, Mungu wao, amemtuma kwao, … Kiswahili