ትንቢት ኤርምያስ 42

BCV aksumትግርኛ21 ፍቕድታት4:15 ስማዕ
ስማዕ 4:15 · መደበኛ ኣብ Biblight ክፈት

1ሽዑ ዅሎም ኣሕሉቕ ሰራዊትን፥ ዮሃናን ወዲ ቃሬያን ይዘንያ ወዲ ሆሻያን፥ ኵሉ እቲ ህዝቢ እውን፥ ካብ ንእሽተይ ክሳዕ ዓብዪ ቐረቡ፤

2ንነቢይ ኤርሚያስውን፦ “ካብ ብዙሓት፥ ውሑዳት ከም ዝተረፍና ትሪአና ኣለኻሞ፥ በይዛኻ ልመናና ኣብ ቅድሜኻ ትብፃሕ። ኣምላኽካ እግዚኣብሄር፥

3እንኸደላ መንገድን እንገብሮ ግብርን ከርእየና፥ ስለ እዞም ተረፍ፥ ናብ ኣምላኽካ ናብ እግዚኣብሄር ፀልየልና” በልዎ።

4ኤርሚያስ ከዓ “ሰሚዐኩም ኣለኹ፤ እንሆ፥ ከምቲ ቓልኩም ገይረ ናብ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ክፅሊ እየ። እግዚኣብሄር ዝበለኒ ቓል ድማ ኽነግረኩም እየ፤ ሓንቲ እኳ ኣይሓብአኩምን እየ” በሎም።

5ንሳቶም ከዓ “ከምቲ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ፥ ብኣኻ ገይሩ ዝሰደልና ዅሉ ቓል እንተ ዘይጌርና፥ እግዚኣብሄር ኣብ መንጎና ሓቀኛን እሙንን ምስክር ይኹነና።

6ንእግዚኣብሄር ኣምላኽና ተኣዚዝና ሰናይ ምእንቲ ክኾነልና፥ ይፀብቕ ወይ ይኽፋእ፥ ነቲ ናብኡ እንልእኸካ ዘለና እግዚኣብሄር ኣምላኽና ኽንእዘዞ ኢና” በልዎ።

7ድሕሪ ዓሰርተ መዓልቲ እግዚኣብሄር ንኤርሚያስ ከምዙይ በሎ፦

8ንሱ ኸዓ ንዮሃናን ወዲ ቃሬያን፥ ነቶም ምስኡ ዝነብሩ ዅሎም ኣዘዝቲ ሰራዊትን፥ ንዅሎም እቶም ህዝብን፥ ካብ ንእሽተይ ክሳዕ ዓብዪ ፀዊዑ

9ከምዙይ በሎም፦ “እቲ ፀሎትኩም ናብኡ ኸቕርበልኩም ዝለኣኽኩምኒ እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል፥ ከምዙይ ይብል ኣሎ፦

10‘ኣብዛ ሃገር እዚኣ እንተ ተቐሚጥኩምስ፥ ክሃንፀኩም እምበር፥ ኣየፍርሰኩምን እየ፤ ክተኽለኩም እምበር፥ ኣይነቕለኩምን እየ። በቲ ዝገበርኩኹም ክፉእ ነገር የመና ተናሲሐ ኣለኹ።

11ኣነ ኸድሕነኩም ካብ ኢዱውን ከናግፈኩም ምሳኻትኩም እየ እሞ፥ ንንጉስ ባቢሎን ኣይትፍርሕዎ፤ እወ፥ ኣይትፍርሕዎ፥ ይብል እግዚኣብሄር።

12ኣነ ኽምሕረኩም እየ፤ ናቡከደነፆር ከዓ ኸም ዝምሕረኩምን፥ ናብ ሃገርኩም ከም ዝመልሰኩምን ክገብር እየ።’

13“ግና ንቓል እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም እንተ ዘይተኣዘዝኩም እሞ ‘ኣይፋልናን፤ ናብታ ውግእ ዘይንርእየላ፥ ድምፂ መለኸት ዘይንሰምዐላ፥ እንጀራ ዘይንጠምየላ ሃገር ግብፂ ግዒዝና ኽንቅመጥ ኢና እምበር፥ ኣብዛ ሃገር እዚኣስ ኣይንቕመጥን’ እንተ በልኩም፥

15ኣቱም ተረፍ ቤት ይሁዳ ቓል እግዚኣብሄር ስምዑ፤ ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ከምዙይ ይብል፦ ናብ ግብፂ ኽትከዱ ገፅኩም እንተ መሊስኩም፥ ኣብኣ ኽትቅመጡውን እንተ ግዒዝኩም፥

16እቲ እትፈርሕዎ ውግእ ክበፅሐኩም፥ ኣብ ሃገር ግብፂ ድማ እቲ እትፈርሕዎ ጥሜት ክስዕበኩም እዩ፤ ኣብኡውን ክትሞቱ ኢኹም።

17ኵሎም እቶም ኣብ ግብፂ ኸይዶም ክቕመጡ፥ ገፆም ናብ ግብፂ ዝመለሱ ሰባት ኣብኡ ብዂናት፥ ብጥሜትን ብመቕሰፍትን ክሞቱ እዮም፤ ካብኣቶም ከዓ ኻብቲ ኣነ ዘውርደሎም መዓት ሓደ እኳ ኣይተርፍን፤ ኣየምልጥን እውን እዩ።”

18ኣምላኽ እስራኤል ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር “ከምቲ ቝጥዓይን መዓተይን ኣብቶም ኣብ ልዕሊ ኢየሩሳሌም ዝነብሩ ዝፈሰሰ፥ ከምኡ ድማ ኣብ ግብፂ ምስ ኣተኹም፥ ቍጥዓይ ናባኻትኩም ክፈስስ እዩ፤ ንስኻትኩም ከዓ ንመሰክሕን ንመገረምን ንመራገምን ንመፃረፍን ክትኮኑ ኢኹም። ብድሕሪዙይውን ነዛ ቦታ እዚኣ ኣይትርእይዋን ኢኹም፤ ይብል።

19“ኣቱም ተረፍ ቤት ይሁዳ፥ እግዚኣብሄር ናብ ግብፂ ኣይትኺዱ ኢሉኩም እዩ፤ ኣነውን ሎሚ ኣጠንቅቐኩም ከም ዘለኹ ብርግፅ ፍለጡ።

20‘ናብ እግዚኣብሄር ኣምላኽና ፀልየልና፤ ከምቲ እግዚኣብሄር ኣምላኽና ዝብሎ ዅሉ ንገረና፥ ንሕናውን ክንገብሮ ኢና’ ኢልኩም ናብ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ልኢኽኩምኒ ኢኹም እሞ፥ ንባዕልትኹም ኣታለልኩም።

21እምበኣርከስ ሎሚ ኣፍሊጠኩም ኣለኹ፤ ንስኻትኩም ግና ነቲ ኣምላኽኩም እግዚኣብሄር ናባኻትኩም ልኢኹኒ ዝነገርኩኹም ቃል ኣይተኣዘዝኩምን።

22ስለዙይ ኣብታ ኽትቅመጥዋ ኢልኩም ክትከድዋ እትደልዩ ዘለኹም ቦታ ብዂናትን፥ ብጥሜትን፥ ብፌራን ከም እትሞቱ ብርግፅ ፍለጡ።”

ትርጓሜ

42:1-6 ንሓደ ዕላማ ንኤርምያስ ደለይዎ፣ እቶም ኣመሓደርቲ ድማ ሓገዙ ለመኑ። ኣብ ኩሉ ኣጸጋሚን ዘጠራጥርን ኩነታት፣ ንኣምላኽ ንመሪሕነት ክንጥምት ኣሎና። ከምኡ’ውን ብእምነት ልብና ብመንፈስ ጥበብን ብምሪሕነት ኣምላኻዊ ምድላውን ምእንቲ ኽትምራሕ ክንጽሊ ንኽእል ኢና። ፍቓድ ኣምላኽ ምስ ፈለጥናዮ ሙሉእ ብሙሉእ ንምእዛዝ እንተዘይ ወሲንና፣ ፍቓድ ኣምላኽ ንምፍላጥ ብሓቂ ኣይንሃርፍን ኢና። ብዙሓት እግዚኣብሔር ዝሓቶ ንምግባር ቃል የኣትዉ፣ ትዕቢቶም ክድለልን እኩይ ትምኒቶም ክቑጠብን እናተመነዩ። ግናኸ ሓደ ነገር ንኩነታት ልቦም ይቕልዖ።

42:7-22 ጐይታ ኣብ ዘየተኣማምን ወይ ዘይተረጋገጸ ኩነታት እንታይ ከም ዝሓስብ ክንፈልጥ እንተ ደሊና፡ ክንጽሊ ጥራይ ዘይኮነስ ክንዕገስ ድማ ይግባአና።

ምሉእ ትርጓሜ ኣንብብ ድምጺ፣ ምሉእ ትርጓሜን ብዘይ መስመር ምንባብን

ትርጉማት8 · 6