ትንቢት ኤርምያስ 41

BCVትግርኛ17 ፍቕድታት3:40 ስማዕ
ስማዕ 3:40 · መደበኛ ኣብ Biblight ክፈት

1ኣብ ሻውዓይ ወርሒ ናይታ ዓመት፥ እቲ ኻብ ዘርኢ ንጉስን ካብ መኳንንቲ ንጉስን ዝነበረ እስማኤል፥ ወዲ ናታንያ ወዲ ኤሊሳማ፥ ዓሰርተ ሰብ ሒዙ ናብ ጎዶልያስ ወዲ ኣኪቃም ናብ ምፅጳ መፀ። ኣብኣ ኸዓ ዅሎም ሓቢሮም እንጀራ በልዑ።

2ሽዑ እስማኤል ወዲ ናታንያን እቶም ምስኡ ዝነበሩ ዓሰርተ ሰባትን ተሲኦም ነቲ ንጉስ ባቢሎን ኣብ ልዕሊ ይሁዳ ሸይምዎ ንዝነበረ ጎዶልያስ፥ ወዲ ኣኪቃም ወዲ ሳፋን፥ ብሰይፊ ሰዪፎም ቀተልዎ።

3ነቶም ምስ ጎዶልያስ ኣብ ምፅጳ ዝነበሩ ዅላቶም ኣይሁድን፥ ነቶም ኣብኡ ዝፀንሑ ተዋጋእቲ ከለዳውያንንውን ቀተልዎም።

4ንጎዶልያስ ምስ ቀተልዎ ኸዓ ንፅባሒቱ፥ ሓደ እኳ እንተይፈለጠ እንተሎ፥

5ካብ ሴኬምን ካብ ሲሎን ካብ ሰማርያን ጭሕሞም ዝላፀዩ፥ ክዳኖም ዝቐደዱ፥ ሰብነቶም ዘቝሰሉ ሰማንያ ሰባት፥ መስዋእቲ እኽልን ዕጣንን ሒዞም፥ ናብ ቤት እግዚኣብሄር ከቕርቡ መፁ።

6እስማኤል ወዲ ናታንያ ኸዓ ኻብ ምፅጳ እናበኸየ ኸደ። ምስ ተራኸቦም ድማ “ንዑናይ፤ ናብ ጎዶልያስ ወዲ ኣኪቃም” ንኺድ በሎም።

7ኣብ ማእኸል ከተማ ምስ ኣተዉ ግና፥ እስማኤል ወዲ ናታንያንን እቶም ምስኡ ዝነበሩ ሰባትን ሓረድዎም፤ ናብ ጕድጓድ ከዓ ደርበይዎም።

8ካብኣቶም ድማ ዓሰርተ ሰባት ንእስማኤል “ሕቡእ መዝገብ፥ ስርናይን ስገምን ዘይትን መዓርን ኣብ በረኻ ኣለና እሞ፥ ኣይትቕተለና” ዝብልዎ ተረኽቡ፤ ንሱውን ካብቶም ኣሕዋቶም ፈልዩ እንተይቐተለ ሓደጎም።

9እታ እስማኤል ንዅሉ ሬሳታት እቶም ዝቐተሎም ሰባት ዝደርበየላ ዒላ፥ ንጉስ ኣሳ ንባዖስ ንጉስ እስራኤል ፈሪሑ ዘዅዓታ ገፋሕ ጕድጓድ ነበረት። ንኣኣ እስማኤል ወዲ ናታንያ በቶም ቅቱላት መልኣ።

10እስማኤል ከዓ መሊሱ ነቶም ኣብ ምፅጳ ዝነበሩ ዅሎም ተረፍ ህዝቢ፥ ነዋልድ ንጉስን፥ ንዅሉ እቲ ናቡዘረዳን ሓለቓ ሰራዊት ባቢሎን፥ ንጎዶልያስ ወዲ ኣኪቃም ዘማዕቘቦ፥ ኣብ ምፅጳ ዝተረፈ ህዝብን ማሪኹ ወሰዶም። ናብ ደቂ ኣሞን ኣቢሉ ንክኸይድ ድማ ተልዓለ።

11ዮሃናን ወዲ ቃሬያን፥ ኵሎም እቶም ምስኡ ዝነበሩ ኣሕሉቕ ሰራዊትን፥ እቲ ዅሉ እስማኤል ወዲ ናታንያ ዝገበሮ ኽፍኣት ምስ ሰምዑ፥

12ኵሉ ሰቦም ሒዞም፥ ንእስማኤል ወዲ ናታንያ ኽዋግኡ ሰዓብዎ እሞ ኣብቲ ኣብ ገባዖን ዘሎ ብዙሕ ማያት ረኸብዎ።

13ኵሎም እቶም እስማኤል ማሪኽዎም ዝነበረ ህዝቢ ንዮሃናን ወዲ ቃሬያንን ነቶም ምስኡ ዝነበሩ ዅሎም ኣዘዝቲ ሰራዊትን ምስ ረአዩ፥ ተሓጐሱ።

14ኵሎም እቶም እስማኤል ካብ ምፅጳ ማሪኹ ዝወሰዶም ሰባት፥ ኣምሊጦም ናብ ዮሃናን ወዲ ቃሬያን ተመሊሶም ከዱ።

15እስማኤል ወዲ ናታንያ ግና፥ ምስ እቶም ሓቢሮምዎ ዝነበሩ ሸሞንተ ሰብኡት፥ ካብ ዮሃናን ኣምሊጡ ናብ ደቂ ኣሞን ከደ።

16ሽዑ ዮሃናን ወዲ ቃሬያን፥ እቶም ምስኡ ዝነበሩ ዅሎም ኣሕሉቕ ሰራዊትን፥ ነቶም እስማኤል ወዲ ናታንያ ንጎዶልያስ ወዲ ኣኪቃም ምስ ቀተሎ፥ ካብ ምፅጳ ማሪኹ ዝወሰዶም ተሪፎም ዝነበሩ ዅሎም ህዝቢ፥ ተዋጋእትን ኣንስትን ቈልዑን ስሉባትን ካብኡ ወሰዶም።

17እስማኤል ወዲ ናታንያ፥ ነቲ ንጉስ ባቢሎን ኣብ ልዕሊ ይሁዳ ዝሸሞ ጎዶልያስ ወዲ ኣኪቃም ስለ ዝቐተሎ፥ ንባቢሎናውያን ብምፍራሖም ንግብፂ ክኸዱ ነቐሉ። ኣብታ ኣብ ጥቓ ቤተልሔም ዘላ፥ ጌሮት ከመዓም እትብሃል ቦታ ኸዓ ሰፈሩ።

ትርጓሜ

41:1-10 እቶም ንኣምለኽቲ ኣምላኽ ዚጸልኡ ሰባት፡ ብቐሊሉ ኺጐድእዎም ምእንቲ፡ ብዙሕ ግዜ መልክዕ ሃይማኖት ይሕዙ። ሞት ብዙሕ ግዜ ሰባት ብዘይተጸበይዎ ይረኽቦም እዩ። ስለዚ፡ ኣብ ቅድሚ ፈራዲና ኽንቐርብ ከሎና፡ ኽንርከበሉ እንብህጎ መንፈሳዊ ኩነታትን ኣተሓሳስባን ሒዝናዶ ኣሎና ኢልና፡ ብተኸታታሊ ርእስና ኽንምርምር ይግባእ። ሓድሓደ ግዜ ቤዛ ህይወት ሰብ ሃብቱ እዩ።

ምሉእ ትርጓሜ ኣንብብ ድምጺ፣ ምሉእ ትርጓሜን ብዘይ መስመር ምንባብን

ትርጉማት8 · 6

AMHEVG በሰባተኛውም ወር ከመንግሥት ወገንና ከንጉሡ ዋና ዋና አለቆች አንዱ የኤሊሳማ ልጅ የናታንያ ልጅ እስማኤል ከአሥር ሰዎች ጋር ወደ ምጽጳ ወደ አኪቃም ልጅ ወደ ጎዶልያስ መጣ፤ በዚያም በምጽጳ… አማርኛ ENGNIV In the seventh month Ishmael son of Nethaniah, the son of Elishama, who was of royal blood and had been one of the king… English GAZBIB Wagguma sana keessa ji'a torbaffaatti sanyii warra moototaa keessaa Ishmaa'el ilmi Nataaniyaa akaakayyuun Eliishaamaa a… Afaan Oromoo BCV GIZ ወኮነ በሳብዕ ወርኅ መጽአ እስማኤል ወልደ ናታንዩ ወልደ ኤልስማ እምዘመደ ነገሥት ወመገብተ ንጉሥ ወዓሠርቱ ሰብእ ምስሌሁ ኀበ ጎዶልያስ ወልደ አኪቃም በመሴፋ፤ ወበልዑ ህየ እያለ ኅቡረ በመ… giz GAZGAZ Wagguma sana keessa ji'a torbaffaatti sanyii warra moototaa keessaa Ishmaa'el ilmi Nataaniyaa akaakayyuun Eliishaamaa a… Afaan Oromoo BCV aksum ኣብ ሻውዓይ ወርሒ ናይታ ዓመት፥ እቲ ኻብ ዘርኢ ንጉስን ካብ መኳንንቲ ንጉስን ዝነበረ እስማኤል፥ ወዲ ናታንያ ወዲ ኤሊሳማ፥ ዓሰርተ ሰብ ሒዙ ናብ ጎዶልያስ ወዲ ኣኪቃም ናብ ምፅጳ መፀ። ኣ… ትግርኛ AMHNIV ከንጉሣዊ ቤተ ሰብ የሆነው ከንጉሡ የጦር መኰንንኖች አንዱ የነበረው የኤሊሳማ ልጅ የናታንያ ልጅ እስማኤል፣ በሰባተኛው ወር ከዐሥር ሰዎች ጋር ወደ ምጽጳ ወደ አኪቃም ልጅ ወደ ጎዶልያስ መጣ… አማርኛ SWAHSUV Basi ikawa katika mwezi wa saba, Ishmaeli, mwana wa Nethania, mwana wa Elishama, mmoja wa wazao wa kifalme, tena ni mmo… Kiswahili