ትንቢት ኤርምያስ 39

BCV aksumትግርኛ17 ፍቕድታት3:45 ስማዕ
ስማዕ 3:45 · መደበኛ ኣብ Biblight ክፈት

1ኢየሩሳሌም ምስ ተትሓዘት፥ ሴዴቅያስ ኣብ ይሁዳ ምስ ነገሰ፥ ብታሽዓይ ዓመት ብዓስራይ ወርሒ ናቡከደነፆር ንጉስ ባቢሎንን ኵሎም ሰራዊቱን መፂኦም ንኢየሩሳሌም ከበብዋ።

2ሴዴቅያስ ምስ ነገሰ ኣብ መበል ዓሰርተ ሓደ ዓመቱ፥ ኣብ ራብዓይ ወርሒ፥ ኣብ ታሽዓይ መዓልቲ እታ ኸተማ ተኸፍተት።

3ሽዑ ዅሎም ኣሕሉቕ ንጉስ ባቢሎን ናብኣ ኣተዉ፤ ኤርጌል ሳራስር፥ ሳምጋርናቦ፥ ራፌስ እቲ ሓለቓ ስሉባት፥ ኤርጌል ሳራስር፥ ራብማግ ምስ ኵሎም እቶም ካልኦት ኣሕሉቕ፥ ኣትዮም ኣብታ ማእኸለይቲ በሪ ተቐመጡ።

4ሴዴቅያስ ንጉስ ይሁዳን ሓሻኽሩን እዙይ ምስ ረአዩ፥ ብለይቲ ኻብታ ኸተማ ብመንገዲ ኣታኽልቲ ንጉስ፥ በታ ኣብ መንጎ ኽልተ ቕፅሪ ዘላ በሪ ወፂኦም ሃደሙ። ብመንገዲ ናብቲ ኣረባ ኣቢሎም እውን ኣምርሑ።

5ሰራዊት ባቢሎናውያን ግና እናጐየዩ ሰዓብዎም፤ ንሴዴቅያስ ከዓ ኣብ በረኻ ኢያሪኮ ኣርከብዎ። ሒዞም ድማ ናብቲ ናቡከደነፆር ንጉስ ባቢሎን ዘለዎ ኣብ ሃገር ሓማት ናብ እትርከብ ሪብላ ኣምፅእዎ። ናቡከደነፆርውን ኣብኡ ፈረዶ።

6ሽዑ ንጉስ ባቢሎን ንደቂ ሴዴቅያስ ኣብ ሪብላ፥ ኣብ ቅድሚ ዓይኑ ሓረዶም፤ ንዅሎም ኣሕሉቕ ይሁዳ እውን ኣብኡ ኣቕተሎም።

7ንሴዴቅያስውን ነዒንቱ ኣውፅአን፤ ናብ ባቢሎን ክወስዶ ድማ፥ ብመቝሕ ነሃስ ኣሰሮ።

8እቶም ዝተረፉ ባቢሎናውያን ከዓ፥ ንቤት ንጉስን ንኣባይቲ ህዝብን ብሓዊ ኣባርዕወን፤ ንቕፅርታት ኢየሩሳሌምውን ኣፍረስወን።

9ኣዛዚ ሰራዊት ናቡዘረዳን ከዓ፥ ነቶም ኣብታ ኸተማ ዝተረፉ ህዝብን፥ ነቶም ቅድም ናብኡ ኸይዶም ዝነበሩ ህዝብን ማሪኹ ናብ ባቢሎን ወሰዶም።

10ነቶም ሓንቲ እኳ ዘይብሎም ድኻታት ህዝቢ ግና፥ ኣዛዚ ሰራዊት ናቡዘረዳን፥ ኣብ ሃገር ይሁዳ ኽቕመጡ ሓደጎም፤ ቦታ ኣታኽልቲ ወይንን ገራሁን ከዓ ሃቦም።

11ንጉስ ባቢሎን ናቡከደነፆር ድማ ንናቡዘረዳን ኣዛዚ ሰራዊት “ንኤርሚያስ፥ ውሰዶ እሞ ብፅቡቕ ዓይኒ ረአዮ፤ ከምቲ ዝብለካ ደኣ ግበረሉ እምበር፥ ዝኾነ ጕድኣት ኣይተብፅሐሉ” ዝብል ትእዛዝ ለኣኸሉ።

13ሽዑ ናቡዘረዳን ኣዛዚ ሰራዊትን፥ ናቡሽዝባን ሓለቓ ስሉባትን ኤርጌል ሳራስርን፥ ንኻልኦት ኣሕሉቕ ንጉስ ባቢሎንን ልኢኾም፥

14ንኤርሚያ?? ካብ ኣደባባይ ቤት ማእሰርቲ ኣውፅእዎ። ናብ ቤቱ ኽወስዶ ኸዓ ንጎዶልያስ ወዲ ኣኪቃም ወዲ ሳፋን ብሓደራ ሃብዎ። ኤርሚያስ ድማ ኣብ ማእኸል ህዝቡ ተቐመጠ።

15ኤርሚያስ ኣብቲ መካበቢያ ቤት ማእሰርቲ ተኣሲሩ እንተሎ፥ ከምዙይ ዝብል ቃል እግዚኣብሄር ናብኡ መፀ፦

16“ኬድካ ነቲ ኢትዮጵያዊ ንኣቢሜሌክ፥ ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ከምዙይ ይብል፦ ‘እንሆ፥ ነቲ ኣብዛ ኸተማ እዚኣ ንድሕነት ዘይኮነስ ንኽፉእ ኸውርዶ እየ፤ ኢለ ተዛሪበሉ ዝነበርኩ መዓት ከውርዶ እየ። እዙይ ከዓ እንትፍፀም ንስኻ ብዓይንኻ ኽትሪኦ ኢኻ።

17በታ መዓልቲ እቲኣ ኸናግፈካ እየ፤ ንስኻ ድማ ኣብ ኢድ እቶም እትፈርሖም ዘለኻ ሰባት ኣይትወድቕን ኢኻ፤ ይብል እግዚኣብሄር።

18ኣባይ ስለ ዝተኣመንካ፥ ኣነ ብርግፅ ከድሕነካ እየ። ንህይወትካ ኽተድሕና ኢኻ እምበር ብሰይፊ ውግእ ኣይትወድቕን ኢኻ’ ይብል እግዚኣብሄር።”

ትርጓሜ

39:1-10 እየሩሳሌም እምብዛ ብርቱዕቲ ነበረት እሞ፡ ነበርታ ጸላኢ ፈጺሙ ክኣትዋ ኣይክእልን እዩ ኢሎም ይኣምኑ ነበሩ። ሓጢኣቶም ግና ንኣምላኽ ኣቖጢዕዎ ሓልዮቱ ምእንቲ ከርሕቕ ገበሮ፡ ሽዑ ድማ ከም ካልኦት ከተማታት ደኻም ኮነት። ንዘደቅያስ ኣዒንቱ ኣጥፍኡሉ ነበሩ። ስለዚ፡ ንርዱእ ብርሃን ቃል ኣምላኽ ዝዓመተ (ዘይሰማዕ)፡ ናብ ጸልማት ተፈረደ። ቃል ኣምላኽ ዘይኣምኑ፡ ብፍጻሜኡ ክርግጹ እዮም። ድንቅታት ምቕይያራት ምምሕዳር ኣምላኽ ተመልከቱ፡ ናይ ምድሪ ጥሪት ክሳዕ ክንደይ ዘይጸንዕ ምዃኑ እውን ተመልከቱ። ፍትሓዊ ግብሪ ምምሕዳር ኣምላኽ ድማ ርኣዩ።

ምሉእ ትርጓሜ ኣንብብ ድምጺ፣ ምሉእ ትርጓሜን ብዘይ መስመር ምንባብን

ትርጉማት8 · 6

AMHEVG ኢየሩሳሌምም በተያዘች ጊዜ፥ በይሁዳ ንጉሥ በሴዴቅያስ በዘጠነኛው ዓመት በአሥረኛው ወር የባቢሎን ንጉሥ ናቡከደነፆርና ሠራዊቱ ሁሉ ወደ ኢየሩሳሌም መጥተው ከበቡአት፤ አማርኛ ENGNIV This is how Jerusalem was taken: In the ninth year of Zedekiah king of Judah, in the tenth month, Nebuchadnezzar king o… English BCV ኢየሩሳሌም ምስ ተትሓዘት፥ ሴዴቅያስ ኣብ ይሁዳ ምስ ነገሰ፥ ብታሽዓይ ዓመት ብዓስራይ ወርሒ ናቡከደነፆር ንጉስ ባቢሎንን ኵሎም ሰራዊቱን መፂኦም ንኢየሩሳሌም ከበብዋ። ትግርኛ GAZBIB Zedeqiiyaan mootii Yihudaa erga ta'ee waggaa salgaffaa isaatti, waggichattiis ji'a kurnaffaatti Nebukadnezaar mootiin B… Afaan Oromoo BCV GIZ ወኮነ ሶበ ተእኀዘት ኢየሩሳሌም በታስዕ ዓመተ መንግሥቱ ለሴዴቅያስ ንጉሥ ይሁዳ በዓሥር ወርኅ መጽአ ናቡከደነፆር ንጉሠ ባቢሎን ወኵሉ ኃይሉ ኀበ ኢየሩሳሌም፤ ወዐገትዋ ለኢየሩሳሌም ወተቃተሉ። giz GAZGAZ Zedeqiiyaan mootii Yihudaa erga ta'ee waggaa salgaffaa isaatti, waggichattiis ji'a kurnaffaatti Nebukadnezaar mootiin B… Afaan Oromoo AMHNIV ኢየሩሳሌም የተያዘችው እንዲህ ነበር፤ በይሁዳ ንጉሥ በሴዴቅያስ ዘመነ መንግሥት በዘጠነኛው ዓመት በዐሥረኛው ወር፣ የባቢሎን ንጉሥ ናቡከደነፆር ሰራዊቱን ሁሉ አሰልፎ በመምጣት ኢየሩሳሌምን ከ… አማርኛ SWAHSUV Hata ikawa, Yerusalemu ulipotwaliwa, (katika mwaka wa kenda wa Sedekia, mfalme wa Yuda, katika mwezi wa kumi, Nebukadre… Kiswahili