ትንቢት ኤርምያስ 25

BCV aksumትግርኛ38 ፍቕድታት6:29 ስማዕ
ስማዕ 6:29 · መደበኛ ኣብ Biblight ክፈት

1ኢዮኣቄም ወዲ ኢዮስያስ፥ ኣብ ይሁዳ ምስ ነገሰ ኣብ ራብዐይቲ ዓመቱ፤ ናቡከደነፆር ከዓ ኣብ ባቢሎን ምስ ነገሰ ኣብ ቀዳመይቲ ዓመቱ፤ ንዅሎም ህዝቢ ይሁዳ ዝምልከት ቃል፥ ካብ እግዚኣብሄር ናብ ኤርሚያስ መፀ።

2ነቢይ ኤርሚያስ ከዓ ንዅሎም ህዝቢ ይሁዳን ኣብ ኢየሩሳሌም ንዝነብሩን ከምዙይ ኢሉ ተናገረ፦

3“ኢዮስያስ ወዲ ኣሞፅ ኣብ ይሁዳ ምስ ነገሰ፥ ካብ መበል ዓሰርተ ሰለስተ ዓመቱ ጀሚሩ ኽሳዕ ሎሚ፥ ንዕስራን ሰለስተን ዓመት ቃል እግዚኣብሄር ናባይ መፀ፤ ኣነውን ኣንጊሀ ተሲአ ነገርኩኹም፤ ንስኻትኩም ግና ኣይሰማዕኹምንን።

4እግዚኣብሄር ንዅሎም ኣገልገልቱ ነቢያት ኣንጊሁ ለኣኾም፤ ንስኻትኩም ግና ኣይሰማዕኹምዎን፤ ክትሰምዕዎ ኢልኩምውን፥ ኣእዛንኩም ፅን ኣየበልኩምን።

5ንሱውን፦ ኣብታ እግዚኣብሄር ንኣኻትኩምን ነቦታትኩምን ንዘለኣለመ ኣለም ዝሃባ ምድሪ ምእንቲ ኽትነብሩ፥ ነፍሲ ወከፍኩም ካብ ክፉእ መንገድኹምን፥ ካብ ክፉእ ግብርኹምን ክትምለሱ ነገሩኹም።

6ክተምልኽዎምን ክትሰግዱሎምን ኢልኩም፥ ንኻልኦት ኣማልኽቲ ኣይትከተሉ፤ ብስራሕ ኣእዳውኩም ድማ ኣይተቘጥዑኒ፤ ኣነውን ክፉእ ኣይገብረኩምን።

7ግና ኣይሰማዕኹምንን፤ ይብል እግዚኣብሄር። ብስራሕ ኣእዳውኩም ኣቘጣዕኹምኒ፤ ኣብ ልዕሌኹምውን ክፉእ ነገር ኣምፃእኹም፤ ይብል እግዚኣብሄር።

8“ስለዙይ ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል ኣሎ፦

9ቃለይ ስለ ዘይሰማዕኹም፥ እንሆ፥ ንዅሎም ህዝብታት ሰሜንን ንኣገልጋሊየይ ናቡከደነፆር ንጉስ ባቢሎንን ከምፅኦም እየ፤ ይብል እግዚኣብሄር። ናብዛ ሃገር እዚኣን፥ ናብቶም ዝነብርዋን፥ ናብቶም ኣብ ከባቢኣ ዘለዉ ዅሎም ህዝብታትን፥ ከምፅአሎም እየ። ፈፂመ ኸጥፍኦም፥ ንመሰክሕን ንመላገፅን ከዓ ኽገብሮም፥ ንዘለኣለም ድማ ኸባድሞም እየ።

10ካብኣቶም ድምፂ ሓጐስን ዕልልታን፥ ድምፂ መርዓውን መርዓትን፥ ድምፂ መጥሓንን ብርሃን መብራህትን ከጥፍእ እየ።

11ኵላ እዛ ሃገር እዚኣ ድማ ኽትባድምን ክትዓኑን እያ፤ እዞም ህዝብታት እዚኣቶምውን ሰብዓ ዓመት ንንጉስ ባቢሎን ክግዝእዎ እዮም።

12እተን ሰብዓ ዓመት ምስ መልኣ ድማ ንህዝቢ ባቢሎንን ንንጉሶምን ብሰንኪ በደሎም ክቐፅዖም እየ፤ ይብል እግዚኣብሄር። ንሃገሮም ከዓ ንሓዋሩ ኸባድማ እየ።

13ነቲ ኣብ ልዕሊ እዛ ሃገር እዚኣ ዝተናገርክዎ ቓላትን፥ ነቲ ኣብዝ መፅሓፍ እዙይ ዝተፅሓፈን፥ ነቲ ኤርሚያስ ንዅሉ ህዝቢ ዝተናገሮ ትንቢትን ኣብዛ ሃገር እዚኣ ከምፅኦ እየ።

14ህዝባውን ብዙሓት ኣህዛብን ዓበይቲ ነገስታትን ንኣኣቶም ክገዝእዎም እዮም፤ ኣነውን ከም ግብሮምን ከም ስራሕ ኢዶምን ክኸፍሎም እየ።”

15እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ከምዙይ በለኒ፦ “እንካ፥ እዛ ወይኒ ቝጥዓይ ዝመልአት ፅዋዕ፥ ካብ ኢደይ ውሰድ፤ ንኵሎም ነቶም ኣነ ንኣኻ ዝልእኸካ ህዝብታት ኬድካ ኣስትዮም።

16ካብኡ ምስ ሰተዩ፥ ሰንከልከል ክብሉን፥ ካብቲ ዝሰዶ ሰይፊ ዝተልዓለ ኽዓብዱን እዮም።”

17ኣነ ድማ ነታ ፅዋዕ ካብ ኢድ እግዚኣብሄር ተቐቢለ፥ ናብቶም ኵሎም እግዚኣብሄር ዝለኣኸኒ ህዝብታት ከድኩ፤ ከም ዝሰትይዎውን ገበርኩ።

18ከምዝ ሎሚ ኾይንዎ ዘሎ፥ ምድረ በዳን መሰክሕን መላገፅን መራገምን ምእንቲ ክኾኑ፥ ንኢየሩሳሌምን ንኸተማታት ይሁዳን ንነገስታታን ንኣሕሉቓን፥

19ንፈርዖን ንጉስ ግብፅን ንሹማምንቱን ንመሳፍንቱን ንዅሉ ህዝቡን፥

20ንዅሎም ሕውስዋስ ህዝብን፥ ንዅሎም ነገስታት ሃገር ዖፅን፥ ንዅሎም ነገስታት ሃገር ፍልስጥኤምን ኣስቀሎናን ጋዛን ኣቃሮንን፥ ነቶም ኣብ ኣዛጦን ዝተረፉ ህዝብን፥

21ንዅሎም ህዝቢ ኤዶምያስን ሞኣብን ኣሞንን፥

22ንዅሎም ነገስታት ጢሮስን ነገስታት ሲዶናን፥ ነቶም ኣብ ዙርያ ገማግም ማእኸላይ ባሕሪ ዝነብሩ ነገስታትን፥

23ንኸተማታት ዴዳን ቴማን ቡዝን፥ ነቶም ፀጕሮም ወሰና ወሰን ዝላፅዩ ዅሎምን፥

24ንዅሎም ነገስታት ዓረብን፥ ንዅሎም ነገስታት እቶም ኣብ ምድረ በዳ ዝነብሩ ሕውስዋስ ህዝብታትን፥

25ንዅሎም ነገስታት ዘምሪን፥ ንዅሎም ነገስታት ዔላምን ነገስታት ሜዶንን፥

26ንዅሎም እቶም ኣብ ቀረባን ኣብ ርሑቕን ዘለዉ ነገስታት ሰሜንን፥ ንዅሎም ኣብ ልዕሊ ምድሪ ዘለዉ መንግስታት ዓለምን ካብቲ ፅዋዕ ኣስተኽዎም። ድሕሪ እዚኣቶም ከዓ ንጉስ ሼሻክ ካብኡ ኽሰቲ እዩ።

27ንስኻውን ከምዙይ ኢልካ ንገሮም፦ ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል፥ ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ “ስተዩ፤ ስኸሩ፤ ትፍኡ፤ መሊስኩም ኣይትተስኡ፤ ኣብ ቅድሚ እቲ ኣነ ኣብ ማእኸልኩም ዝሰዶ ሰይፊ ውደቑ።

28ነታ ፅዋዕ ካብ ኢድካ ምቕባል እንተ ኣበዩ፥ ምስታይውን እንተ ኣበዩ፥ ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር፥ ‘ብግዲ ኽትሰትዩ ኢኹም’ ይብል ኣሎ በሎም።

29እንሆ፥ በታ ብስመይ እተፀውዐት ከተማ ምቕፃዕ እጅምር ኣለኹ፤ እሞኸ ብዘይ ቅፅዓትዶ ተምልጡ ኢኹም? ንዅሎም ኣብ ምድሪ ዝነብሩ ሰይፊ ኽሰደሎም እየ እሞ፥ እንተይተቐፃዕኹም ኣይትተርፉን ኢኹም፤ ይብል ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር።

30“ኵሉ እዝ ቓል ትንቢት ተናገሮም፤ ከምዙይውን በሎም፦ እግዚኣብሄር ካብ ላዕሊ ኸንጐድጕድ፥ ካብ ቅዱስ ስፍራኡ ኸዓ ድምፁ ኸስምዕ እዩ። ኣብ ልዕሊ መጓሰኡ ብሓይሊ ኸንጐድጕድ፥ ነቶም ኵላቶም ኣብ ምድሪ ዝነብሩውን፥ ዓው ኢሉ ድምፁ ኸስምዖም እዩ።

31እግዚኣብሄር ምስ ኣህዛብ ክርክር ኣለዎሞ፥ ዓብዪ ድምፂ ኽሳዕ ምድሪ ኽጋዋሕ እዩ፤ ምስ ኵሉ ስጋ ዝለበሰውን ክፋረድ እዩ፤ ንኽፉኣት ከዓ ንሰይፊ ኣሕሊፉ ኽህቦም እዩ፤ ይብል እግዚኣብሄር።”

32ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ “እንሆ መዓት ካብ ህዝቢ ናብ ህዝቢ ኽሓልፍ፥ ብርቱዕ ንፋስ ኣውሎ ኸዓ ኻብ ወሰን ምድሪ ኽለዓል እዩ።”

33በታ መዓልቲ እቲኣ፥ እቶም እግዚኣብሄር ዝቐተሎም፥ ካብ ወሰን ምድሪ ኽሳዕ ወሰን ምድሪ ዛሕ ክብሉ እዮም። ዝበኽየሎም ኣይህሉን እዩ፤ ኣብ ልዕሊ ምድሪ፥ ዛሕ ክብሉ እዮም ኣይእከቡን፤ ኣይቕበሩንውን።

34እትሕረዱለን መዓልቲታት በፂሐን እየን፤ ከም ክቡር ኣቕሓ ሻኽላ ወዲቕኩም ክትሰባበሩ ኢኹም እሞ፥ ኣቱም ጓሶት ዋይ! ዋይ! በሉን ኣእውዩን፤ ኣቱም መራሕቲ መጓሰውን ኣብ ሓመድ ተንከባለሉ።

35እቶም ጓሶት ምህዳም ኣይኽእሉን፤ እቶም መራሕቲ መጓሰ ድማ ኣየምልጡን እዮም።

36እግዚኣብሄር ነቲ ዝጓሰየሉ ምድሪ የጥፍኦ ኣሎሞ፥ ዋይ ዋይታ ጓሶትን፥ ኣውያት መራሕቲ መጓሰን ይስማዕ ኣሎ።

37ካብ ናህሪ ቝጥዓ እግዚኣብሄር ዝተልዓለ፥ እታ መሕደሪ ሰላም ባደመት።

38ካብ ጭካነ ሰይፍን ካብ ናህሪ ቝጥዓኡን ዝተልዓለ፥ ሃገሮም ባዲማ እያሞ፤ ከም ኣንበሳ ነታ መሕደሪኡ ሓደጋ።

ትርጓሜ

25:1-7

ጻውዒት ካብ እከይ መገዲ ምምላስ ናብ ኣምልኾን ኣገልግሎትን ኣምላኽ፡ ሓጥኣን ድማ ብክርስቶስ ኪኣምኑን ካብ ምድሓኑ ኺካፈሉን፡ ንኹሎም ሰባት ዚምልከት እዩ። ኣምላኽ ነቲ ናይ ጸጋ መሳርዕ ንኽንደይ ግዜ ሒዝናዮም ከም ዘሎና መዝገብ ይሕዝ። ንሳቶም ዝረኸብናዮም ንዝበዝሐ ግዜ ድማ፡ እንተ ዘየረባሕናዮም፡ መዝገብና ኣዝዩ ይኸብድ። ብቐደም ቀደም ምትንሳእ፡ እዚ ህዝቢ እዚ ኺምለስን ኪነብርን ዘለዎ ሓያል ድሌት የርኢ። ውልቃውን ፍሉይን ምምሕያሽ፡ ንሃገራዊ ምድሓን ከም ዘድሊ መጠን፡ ክድገም ኣለዎ። ኵሉ ሰብ ድማ ካብ ናይ ባዕሉ እከይ መገዲ ኪምለስ ኣለዎ። ግናኸ ኵሉ ንኸንቱ ነበረ። ነቲ ቍጥዓ ኣምላኽ ንምምላስ ቅኑዕን እንኮን መገዲ ኸኣ ኣይወሰዱን።

25:8-14 እቲ ምርኮ ኣይሁድ ዝቕጽለሉ ዝነበረ ግዜ ምውሳን፡ ነቲ ትንቢት ከረጋግጾ ጥራይ ዘይኮነስ፡ ንህዝቢ ኣምላኽ'ውን ከጸናንዕን እምነትን ጸሎትን ከበራትዕን እዩ። ጥፍኣት ባቢሎን ተንቢኡ ኣሎ፡ እቲ ምእራም ዝፍጸመሉ ግዜ ምስ በጽሐ፡ እቲ በትሪ ናብ ሓዊ ክድርበ እዩ። እቲ ንጽዮን ዝውድሰሉ እተወሰነ ግዜ ምስ በጽሐ፡ ባቢሎን ብሰሪ በደላቶም ክቕጽዑ እዮም፡ ልክዕ ከም ካልኦት ህዝብታት ብሰሪ ሓጢኣቶም ከም እተቐጽዑ። ኩሉ ናይ ቅዱሳት ጽሑፋት መጠንቀቕታ ብርግጽ ክፍጸም እዩ።

ምሉእ ትርጓሜ ኣንብብ ድምጺ፣ ምሉእ ትርጓሜን ብዘይ መስመር ምንባብን

ትርጉማት8 · 6

AMHEVG በይሁዳ ንጉሥ በኢዮስያስ ልጅ በኢዮአቄም በአራተኛው ዓመት፥ በባቢሎን ንጉሥ በናቡከደነፆር በመጀመሪያው ዓመት፥ ስለ ይሁዳ ሕዝብ ሁሉ ወደ ኤርምያስ የመጣው ቃል ይህ ነው። አማርኛ ENGNIV The word came to Jeremiah concerning all the people of Judah in the fourth year of Jehoiakim son of Josiah king of Juda… English BCV ኢዮኣቄም ወዲ ኢዮስያስ፥ ኣብ ይሁዳ ምስ ነገሰ ኣብ ራብዐይቲ ዓመቱ፤ ናቡከደነፆር ከዓ ኣብ ባቢሎን ምስ ነገሰ ኣብ ቀዳመይቲ ዓመቱ፤ ንዅሎም ህዝቢ ይሁዳ ዝምልከት ቃል፥ ካብ እግዚኣብሄር ና… ትግርኛ GAZBIB Yehoyaaqiim ilmi Yosiyaas biyya Yihudaa irratti mo'ee waggaa afuraffaatti, Nebukadnezaar mootiin biyya Baabilon mo'ee w… Afaan Oromoo BCV GIZ ነገር ዘኮነ ኀበ ኤርምያስ እምኅበ እግዚአብሔር በእንተ ኵሉ ሕዝበ ይሁዳ በራብዕ ዓመተ መንግሥቱ ለኢዮአቄም ወልደ ኢዮስያስ ንጉሥ ይሁዳ። giz GAZGAZ Yehoyaaqiim ilmi Yosiyaas biyya Yihudaa irratti mo'ee waggaa afuraffaatti, Nebukadnezaar mootiin biyya Baabilon mo'ee w… Afaan Oromoo AMHNIV የይሁዳ ንጉሥ የኢዮስያስ ልጅ ኢዮአቄም በነገሠ በአራተኛው ዓመት፣ ይህም ማለት በባቢሎን ንጉሥ በናቡከደነፆር ዘመነ መንግሥት በመጀመሪያው ዓመት፣ ስለ ይሁዳ ሕዝብ ሁሉ ለኤርምያስ ቃል መጣለ… አማርኛ SWAHSUV Neno hili ndilo lililomjia Yeremia, katika habari za watu wote wa Yuda; katika mwaka wa nne wa Yehoyakimu, mwana wa Yos… Kiswahili