ትንቢት ኤርምያስ 24

BCV aksumትግርኛ10 ፍቕድታት2:22 ስማዕ
ስማዕ 2:22 · መደበኛ ኣብ Biblight ክፈት

1ናቡከደነፆር ንጉስ ባቢሎን ንኢኮንያን፥ ወዲ ኢዮኣቄም ንጉስ ይሁዳ፥ ምስ ኣሕሉቕ ይሁዳን ሃነፅትን ሰራሕቲ ሓፃውንን፥ ካብ ኢየሩሳሌም ማሪኹ ናብ ባቢሎን ምስ ወሰዶም፥ እንሆ፥ እግዚኣብሄር፥ ኣብ ቅድሚ ቤተ መቕደስ እግዚኣብሄር ዝተቐመጣ፥ በለስ ዝመልኣ ኽልተ መሶብ ኣርኣየኒ።

2እታ ሓንቲ መሶብ፥ ፈለማ ዝበሰለ የመና ፅቡቕ በለስ ነበራ፤ እታ ኻልአይቲ መሶብ ድማ ኻብ ምብልሻው ዝተልዓለ ኽብላዕ ዘይከኣል የመና ሕማቕ በለስ ነበራ።

3ሽዑ እግዚኣብሄር “ኤርሚያስ፥ እንታይ ትርኢ ኣለኻ?” በለኒ። ኣነ ድማ “በለስ እርኢ ኣለኹ፤ እቲ ፅቡቕ በለስ የመና ፅቡቕ እዩ፤ እቲ ኬርና ዝተበላሸወ ሕማቕ ግና፥ እምብዛ ሕማቕ ብምዃኑ ኽብላዕ ዘይከኣል እዩ በልኩ።”

4መሊሱ ኸምዙይ ዝብል ቃል እግዚኣብሄር ናባይ መፀ፤

5ኣምላኽ እስራኤል እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ “ኣብዝ ስፍራ እዙይ ናብ ምድሪ ባቢሎናውያን ንዝሰደድክዎ ምርኮ ይሁዳ፥ ከምቲ ፅቡቕ በለስ ብፅቡቕ ክምልከቶም እየ።

6ዓይነይውን ንፅቡቕ ኣብ ልዕሊኣቶም ክገብር እየ፤ ናብዛ ሃገር እዚኣውን ክመልሶም እየ። ክሃንፆም እምበር ኣየፍርሶምን፥ ክተኽሎም እምበር ኣይነቕሎምን እየ።

7ኣነ እግዚኣብሄር ከም ዝኾንኩ፥ ዝፈልጥ ልቢ ኽህቦም እየ፤ ሽዑ ብምሉእ ልቦም ናባይ ክምለሱ እዮም እሞ፥ ንሳቶም ህዝበይ ክኾኑ እዮም፤ ኣነውን ኣምላኾም ክኸውን እየ።

8“ኣነ ንሴዴቅያስ ንጉስ ይሁዳን ንኣሕሉቑን ነቶም ኣብዛ ሃገር እዚኣ ዝነብሩ ዘለዉ ተረፍ ኢየሩሳሌምን፥ ነቶም ኣብ ሃገር ግብፂ ዝነብሩን ግና፥ ከምቲ ሕማቕ ክብላዕ ዘይከኣል በለስ ገይረ ኸርእዮም እየ፤ ይብል እግዚኣብሄር።

9ኣብቲ ኣነ ዝሰጐጕክዎም ኵሉ ስፍራታት ከዓ ንፀርፍን ንመመሰልን ንመላገፅን ንመርገምን ክኾኑ፥ ኣብ ቅድሚ ኵሉ መንግስታት ምድሪ እውን፥ ንመከራን ንስቓይን ኣሕሊፈ ኽህቦም እየ።

10ካብታ ንኣኣቶምን ነቦታቶምን ዝሃብክዋ ምድሪ ኽሳዕ ዝጠፍኡ፥ ውግእን ጥሜትን መቅሰፍትን ክሰደሎም እየ።”

ትርጓሜ

24:1-10 ጽቡቓትን ሕማቓትን በለስ፡ ኣብ ምርኮ ዝነበሩ ኣይሁድን ኣብ ሃገሮም ዝተረፉን ይውክላ። ነብዪ ድማ ኣብ ቅድሚ ቤተ-መቕደስ ከም መስዋእቲ በዅሪ ተነቢሩ ዝነበረ ክልተ ሳጾታት በለስ ረኣየ። ኣብ ሓደ ሳጾ ዝነበራ በለስ ኣዝየን ጽቡቓት ነበራ፤ እተን ኣብ ካልእ ሳጾ ዝነበራ ድማ ኣዝየን ሕማቓት ነበራ። ካብ ክፉእ ሰብ ንላዕሊ ዝኸፍእ ፍጡር ኣየናይ እዩ? ካብ እግዚአብሔር ዝፈርህ ሰብ ንላዕሊኸ ዝኸብር ነገር ኣየናይ እዩ? እዚ ራእይ እዚ፡ ነቶም ናብ ምርኮ ዝኸዱ ዝነበሩ ሰባት ብጽቡቕ ምምላስ ከም ዝረጋገጹሎም ብምግላጽ መንፈሶም ንኸዕርግ፤ ነቶም ገና ኣብ የሩሳሌም ዝነበሩ ትዕቢተኛታትን ንነብሶም ዝተአማመኑን ሰባት ድማ ጸገም ዝበዝሖ ምርኮ ከም ዝጽበዮም ብምግላጽ ንኸዋርዶምን ንኸንቅሖምን እዩ። እተን ጽቡቓት በለስ፡ ነቶም እግዚአብሔር ዝፈርሑ ምርኮኛታት ይውክላ። ብዛዕባ ፍቕሪ ወይ ጽልኢ ኣምላኽ በቲ ኣብ ቅድሜና ዘሎ ነገር ክንውስን ኣይንኽእልን ኢና።

ምሉእ ትርጓሜ ኣንብብ ድምጺ፣ ምሉእ ትርጓሜን ብዘይ መስመር ምንባብን

ትርጉማት8 · 6

AMHEVG የባቢሎን ንጉሥ ናቡከደነፆር የይሁዳን ንጉሥ የኢዮአቄምን ልጅ ኢኮንያንን የይሁዳንም አለቆች ጠራቢዎችንና ብረት ሠራተኞችን ከኢየሩሳሌም ማርኮ ወደ ባቢሎን ካፈለሳቸው በኋላ፥ እግዚአብሔር አሳ… አማርኛ ENGNIV After Jehoiachin son of Jehoiakim king of Judah and the officials, the craftsmen and the artisans of Judah were carried… English BCV ናቡከደነፆር ንጉስ ባቢሎን ንኢኮንያን፥ ወዲ ኢዮኣቄም ንጉስ ይሁዳ፥ ምስ ኣሕሉቕ ይሁዳን ሃነፅትን ሰራሕቲ ሓፃውንን፥ ካብ ኢየሩሳሌም ማሪኹ ናብ ባቢሎን ምስ ወሰዶም፥ እንሆ፥ እግዚኣብሄር፥ … ትግርኛ GAZBIB Ergasiis Waaqayyo, guuboo ija harbuu baatu lama balbala mana qulqullummaa dura kan kaa'aman anatti in argisiise; kunis … Afaan Oromoo BCV GIZ ወአርአየኒ እግዚአብሔር ፪ አዕፁቀ በለስ ንቡራነ ቅድመ ቤተ እግዚአብሔር እምድኅረ አፍለሶ ናቡከደነፆር ንጉሠ ባቢሎን ለኢኮንያን ወልደ ኢዮአቄም ንጉሠ ይሁዳ ወለመላእክተ ይሁዳኒ ወለኪነቶሂ … giz GAZGAZ Ergasiis Waaqayyo, guuboo ija harbuu baatu lama balbala mana qulqullummaa dura kan kaa'aman anatti in argisiise; kunis … Afaan Oromoo AMHNIV የባቢሎን ንጉሥ ናቡከደነፆር፣ የኢዮአቄምን ልጅ የይሁዳን ንጉሥ ኢኮንያንንና ባለሥልጣኖቹን እንዲሁም የይሁዳን አናጺዎችና ብረት ቀጥቃጮች ከኢየሩሳሌም ወደ ባቢሎን ማርኮ ከወሰዳቸው በኋላ፣ እ… አማርኛ SWAHSUV Bwana akanionyesha, na tazama, vikapu viwili vya tini, vimewekwa mbele ya hekalu la Bwana, baada ya Nebukadreza, mfalme… Kiswahili