ትንቢት ኤርምያስ 19

BCV aksumትግርኛ15 ፍቕድታት3:20 ስማዕ
ስማዕ 3:20 · መደበኛ ኣብ Biblight ክፈት

1እግዚኣብሄር ከምዙይ በለኒ፦ “ኪድ፤ ካብቲ ሰራሒ መሬት ሳርማ ዓድግ። ካብቶም ዓበይቲ ህዝብን ካብቶም ዓበይቲ ኻህናትንውን ንገሊኣቶም ምሳኻ ተማላእ።

2በቲ ‘በሪ ሰራሕቲ መሬት’ ዝበሃል ሓሊፍካ ናብቲ ለሰ ሂኖም ውፃእ። ኣብኡ ዄንካ ድማ እቲ ኣነ ዝነግረካ ቓል ተናገር።

3ከምዙይውን በል፦ ኣቱም ነገስታት ይሁዳን ኣብ ኢየሩሳሌም እትነብሩን፥ ቃል እግዚኣብሄር ስምዑ። ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል፥ ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ እንሆ፥ ኣብዛ ስፍራ እዚኣ ንዝሰምዖ ዅሉ ኣእዛኑ ዘደምም መዓት ከውርድ እየ።

4ንኣይ ሓዲጎም እዝ ስፍራ እዙይ ባዕዲ ገበርዎ፤ ንሳቶምን ኣቦታቶምን ነገስታት ይሁዳን ንዘይፈልጥዎም ንኻልኦት ባዕዳን ኣማልኽቲ ዕጣን ዓጠኑሎም፤ ነዝ ስፍራ እዙይውን ብደም ንፁሃት መልእዎ።

5ኣነ ዘይኣዘዝክዎን ዘይተዛረብክዎን ብልበይ ዘይሓሰብክዎን፥ ንበዓል ዝቃፀል መስዋእቲ ክኾኑ ኢሎም፥ ነወዳት ደቆም ብሓዊ ምእንቲ ኸንድድዎም፥ ኣብ በረኽቲ፥ ንበዓል መሰውኢታት ሰርሑ።

6ስለዙይ ከዓ፥ እዝ ስፍራ እዙይ ለሰ ምሕራድ እምበር፥ ቶፌት ወይ ለሰ ሂኖም ተብሂሉ ዘይስመየለን መዓልቲታት ክመፃ እየን፤ ይብል እግዚኣብሄር።

7ኣነ ኸዓ ኣብዝ ስፍራ እዙይ ንምኽሪ ይሁዳን ኢየሩሳሌምን ከንቱ ኽገብሮ እየ። ኣብ ቅድሚ ፀላእቶም፥ ብሰይፍን ብኢድ እቶም ንነፍሶም ዝደልዩን ገይረ ኸውድቖም እየ። ንሬሳኣቶም ድማ ነዕዋፍ ሰማይን ንኣራዊት በረኻን ምግቢ ክኾኖም ክህቦ እየ።

8ነዛ ኸተማ እዚኣ ንመገረምን መሰክሕን ክገብራ እየ። ኵሉ ብኣኣ ዝሓልፍ ከዓ ስቓያ ሪኡ ኸስካሕኽሕን ከላግፅን እዩ።

9ስጋ ኣወዳቶምን ኣጓላቶምን ከብልዖም እየ፤ ብፀላእቶምን በቶም ንነፍሶም ዝደልዩን ተኸቢቦም ምስ ተጨነቑ፥ ስጋ ብፆቶም ክበልዑ እዮም።”

10ሽዑ “ነታ ሳርማ ኣብ ቅድሚ እቶም ምሳኻ ዝኸዱ ሰባት ስበራ እሞ፥

11ከምዙይ በሎም፦ ‘ከምቲ ኣቕሓ ሰራሒ መሬት ምስ ተሰብረ ዘይዕረ’ ኸምኡ ነዝ ህዝቢ እዙይን ነዛ ኸተማ እዚኣን ክሰብሮም እየ። መቕበሪ ቦታ ስለ ዝስኣን ድማ ሬሳኣቶም ኣብ ቶፌት ክቕበር እዩ” ይብል ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር።

12“ነዛ ኸተማ እዚኣን ነዝ ስፍራ እዙይን ነቶም ኣብኣ ዝነብሩን ከምኡ ኽገብሮም እየ፤ ይብል እግዚኣብሄር። ነዛ ኸተማ እዚኣውን ከም ቶፌት ክገብራ እየ።

13ኵለን ኣባይቲ ኢየሩሳሌምን ኣባይቲ ነገስታት ይሁዳን፥ ኵለን እተን ኣብ ዝባን ናሕሰን ንኸዋኽብቲ ሰማይ ዕጣን ዝዓጠኑለንን፥ ንኻልኦት ኣማልኽቲ ድማ መስዋእቲ መስተ ዘፍሰሱለን ኣባይቲ፥ ከም ቶፌት ክረኽሳ እየን በሎም” በለኒ።

14ኤርሚያስውን ካብቲ እግዚኣብሄር ትንቢት ክናገር ልኢኹዎ ኻብ ዝነበረ ቦታ ኻብ ቶፌት ተመለሰ፤ ኣብቲ ዓፀድ ቤት እግዚኣብሄር ከዓ ደው በለ፤ ነቶም ህዝቢ እውን ከምዙይ በሎም፦

15“ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ከምዙይ ይብል፦ እንሆ፥ ንቓለይ ከይሰምዑ ልቦም ኣትሪሮም እዮም እሞ፥ ናብዛ ኸተማ እዚኣን ናብተን ኣብ ዙርያኣ ዘለዋ ዓድታትን፥ እቲ ኸውርዶ እየ ኢለ ዝተዛረብክዎ መዓት ከውርደለን እየ።”

ትርጓሜ

19:1-9 ነብዪ ንይሁዳን ንኢየሩሳሌምን ክመጽእ ዘሎ ጥፍኣት ከፍልጥ ኣለዎ። ገዛእትን እቶም ዚግዝኡን ነዚ ከቕልቡሉ ኣለዎም ። እታ ቅድስና ንብዘላ ምድሪ ሓጐስ ዝገበረታ ቦታ፡ ሓጢኣት ድማ ንብዘላ ምድሪ ዕንብራን ሕፍረትን ገበረታ። ካብ ፍትሒ ኣምላኽ ምህዳም ኣይከኣልን እዩ፥ እንተ ዘይኮይኑ ናብ ምሕረቱ ብምህዳም ጥራይ እዩ።

19:10-15

እቲ ናይ ሸኻሪ ኦፍታ ምስ ተሰበረ፡ ድሕሪ ምጥራሩ ደጊሙ ኪጠባበቕ ፈጺሙ ኣይክእልን።

ምሉእ ትርጓሜ ኣንብብ ድምጺ፣ ምሉእ ትርጓሜን ብዘይ መስመር ምንባብን

ትርጉማት8 · 6

AMHEVG እግዚአብሔርም እንዲህ አለኝ፦ ሂድ፥ ከሸክላ ሠሪ ገምቦ ግዛ፥ ከሕዝቡም ሽማግሌዎችና ከካህናት ሽማግሌዎች ከአንተ ጋር ውሰድ፤ አማርኛ ENGNIV This is what the Lord says: “Go and buy a clay jar from a potter. Take along some of the elders of the people and of th… English BCV እግዚኣብሄር ከምዙይ በለኒ፦ “ኪድ፤ ካብቲ ሰራሒ መሬት ሳርማ ዓድግ። ካብቶም ዓበይቲ ህዝብን ካብቶም ዓበይቲ ኻህናትንውን ንገሊኣቶም ምሳኻ ተማላእ። ትግርኛ GAZBIB Waaqayyo wanta kanatti fufee jiru dubbatee,“Dhaqii nama suphee dha'u irraa cuggee tokko bitadhuu maanguddoota sabaa kee… Afaan Oromoo BCV GIZ ከመዝ ይቤ እግዚአብሔር፦ ሑር ተሣየጥ ለከ ቀሡተ ልሕኵት ግብረ እደ ለብሐዊ፡ ወንሣእ እምውስተ ረበናቶሙ ለሕዝብ ወእም ረበናተ ካህናት። giz GAZGAZ Waaqayyo wanta kanatti fufee jiru dubbatee,“Dhaqii nama suphee dha'u irraa cuggee tokko bitadhuu maanguddoota sabaa kee… Afaan Oromoo AMHNIV እግዚአብሔር እንዲህ ይላል፤ “ሄደህ፣ ከሸክላ ሠሪ ገምቦ ግዛ፤ ከሕዝቡና ከካህናቱ መካከል ታላላቅ የሆኑትን አንዳንዶቹን ይዘህ፣ አማርኛ SWAHSUV Bwana akasema hivi, Enenda ukanunue gudulia la mfinyanzi, ukachukue pamoja nawe baadhi ya wazee wa watu, na baadhi ya w… Kiswahili