ትንቢት ኤርምያስ 16

BCV aksumትግርኛ21 ፍቕድታት4:55 ስማዕ
ስማዕ 4:55 · መደበኛ ኣብ Biblight ክፈት

1ከምዙይ ዝብል ቃል እግዚኣብሄር ናባይ መፀ፤

2“ኣብዝ ስፍራ እዙይ ሰበይቲ ኣይተእቱ፤ ኣወዳትን ኣጓላትን ከዓ ኣይትውለድ።

3ብዛዕባ እቶም ኣብዝ ስፍራ እዙይ ዝውለዱ ኣወዳትን ኣጓላትን፥ ብዛዕባ እተን ዝወለዳኦም እኖታትን፥ ብዛዕባ እቶም ኣብዛ ሃገር እዚኣ ዝወለድዎም ኣቦታትን እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል፦

4ብኽፉእ ሞት ክሞቱ እዮም፤ ዝበኽየሎም ኮነ ዝቐብሮም ኣይረኽቡን እዮም፤ ሬሳኦም ከዓ ኣብ ልዕሊ ምድሪ ኸም ጐሓፍ ክድርበ እዩ፤ ብውግእን ብጥሜትንውን ክጠፍኡ እዮም፤ ሬሳኦም ከዓ ነዕዋፍ ሰማይን ንኣራዊት ምድርን ምግቢ ክኸውን እዩ።

5“እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል፦ ሰላመይን ፍቕረይን ምሕረተይን ካብዝ ህዝቢ እዙይ ኣርሒቐ ኣለኹ እሞ፥ ብኽያት ናብ ዘለዋ ቤት ኣይትእቶ፤ ክትበክን ክትሓዝንን ድማ ኣይትኺድ።

6ኣብዛ ምድሪ እዚኣ ዓቢይን ንእሽተይን ክሞቱ እዮም፤ ግና ኣይቕበሩን እዮም፤ ሓደ እኳ ዝበኽየሎምን ሰብነቱ ዝፅሕብርን ፀጕሩ ዝላፅየሎምን ኣይረኽቡን እዮም።

7ነቶም ሰቦም ዝሞቶም ከፀናንዕዎም ኢሎም እንጀራ ሓዘን ኣይቘርሱሎምን እዮም። ኣቦታቶምን እኖታቶምን ንዝሞትዎም ከፀናንዑ ኢሎም መፀናንዒ ዝኸውን ብዋንጫ ዘስትዮም ኣይህሉን እዩ።

8“ምስኣቶም ተቐሚጥካ ኽትበልዕን ክትሰትን ናብ ድግስ ዝገብሩላ ቦታ ኣይትእቶ።

9ጐይታ ሰራዊት ኣምላኽ እስራኤል እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ እንሆ ኣብ ቅድሚ ዓይንኹም፥ ድምፂ ዕልልታን ድምፂ ሓጐስን ድምፂ መርዓውን መርዓትን፥ ካብዝ ስፍራ እዙይ ከወግድ እየ።

10“እዝ ዅሉ፥ ነዝ ህዝቢ እዙይ ኣብ እትናገረሉ እዋን፥ ንሳቶም ‘ስለ ምንታይ እዩ እግዚኣብሄር እዝ ዅሉ ዓብዪ ነገር ዝናገረና ዘሎ? እንታይ እዩ በደልና? እቲ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽና ዝገበርናዮ ሓጢኣትከ እንታይ እዩ?’ እንተ በሉኻ

11ንስኻውን ከምዙይ ክትብሎም ኢኻ፦ ኣቦታትኩም ስለ ዝሓደጉኒ እዩ፤ ንኻልኦት ኣማልኽቲ ስለ ዝሰዓቡን ዘገልገሉን ዝሰገዱን፥ ንኣይ ስለ ዝሓደጉኒ፥ ሕገይ ድማ ስለ ዘይሓለዉ፥

12ንስኻትኩምውን እንሆ፥ ነፍሲ ወከፍኩም ብትሪ ኽፉእ ልብኹም እናተመላለስኩም፥ ካብቲ ናይ ኣቦታትኩም ዝገደደ ገበርኩም፤ ንኣይውን ኣይሰማዕኹምንን።

13ኣነ፥ ካብዝ ሃገር እዙይ ናብቲ ንስኻትኩምን ኣቦታትኩምን ዘይትፈልጥዎ ሃገር ክሰጐኩም እየ። ኣይምሕረኩምን እየ። ኣብኡውን ለይትን ቀትርን ንኻልኦት ኣማልኽቲ ኽተገልግሉ ኢኹም።”

14ስለዙይ “እንሆ ‘እቲ ንደቂ እስራኤል ካብ ሃገር ግብፂ ዘውፅአ እግዚኣብሄር ህያው እዩ’ ዘይበሃለሉ ዘመን ክመፅእ እዩ።

15ግና ‘እቲ ንደቂ እስራኤል፥ ካብ ሃገር ሰሜንን ካብቲ ሰጒጕዎም ዝነበረ ዅሉ ሃገርን ዝመለሰ እግዚኣብሄር ህያው እዩ’ ዝበሃለሉ ዘመን ክመፅእ እዩ፤ ኣነ ድማ ናብታ ነቦታቶም ዝሃብክዋ ሃገሮም ክመልሶም እየ፤ ይብል እግዚኣብሄር።”

16እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ “እንሆ ኣነ ነዞም ህዝቢ እዚኣቶም፥ ብዙሓት ኣስገርቲ ዓሳ ኽሰደሎም እየ፤ ንሳቶም ድማ ኽገፍዎም እዮም። ብድሕሪዙይ ብዙሓት ሃደንቲ ኽሰድድ እየ፤ ንሳቶምውን ካብ እምባታትን ኰረብታታትን ካብ ውሽጢ ነቓዓት ኣኻውሕን ክሃድንዎም እዮም።

17ዓይነይ ኣብ ኵሉ መንገዶም እዩ፤ ካብ ቅድመይ ክሕብኡ ኣይኽእሉን እዮም። ሓጢኣቶም ከዓ ኻብ ኣዒንተይ ኣይስወርን እዩ።

18ንምድረይ በቶም በድኒ ዝኾኑ ጣዖታቶም ኣርኪሶምዋ፤ ንርስተይውን ብዘፀይፉ ጣዖታቶም መሊኦምዋ እዮም እሞ፥ ሕነ በደሎምን ሓጢኣቶምን ካዕበት ክፈድዮም እየ።”

19ኦ እግዚኣብሄር፥ ሓይለይ፥ እምባይ፥ ብመዓልቲ መከራውን መዕቘብየይ ዝኾንካ፥ ኣህዛብ ካብ ወሰን ምድሪ ናባኻ መፂኦም “ኣቦታትና ሓሰትን ከንቱነትን ጥቕሚ ዘይብሎም ጣዖታትን ጥራሕ እዮም ወሪሶም ይብሉ።

20ሰብዶ ኣማልኽቲ ንዘይኮኑ፥ ኣማልኽቲ ንባዕሉ ይገብር እዩ?”

21ስለዙይ እንሆ፥ ከፍልጦም እየ፤ በዝ ጊዜ እዙይ ሓይለይን ስልጣነይን ከፍልጦም እየ፤ ንሳቶም ድማ ስመይ እግዚኣብሄር ከም ዝኾነ ኽፈልጡ እዮም።

ትርጓሜ

16:1-9 እቲ ነብዪ ሃገሩ ብቕጽበት ክትብተን ከም ዝርኢ ዝተጸበየ ሰብ ኰይኑ ክቕየድ ኣለዎ። ኣብ ትጽቢት እቲ ሓዘን ዝመልኦ ግዜ ድማ፣ ካብ ምጅማር ስድራቤት፣ ካብ ምሕዛን ንምዉታት፣ ከምኡ’ውን ካብ ደስታ ክቑጠብ ኣለዎ። እቶም ንሓቂ ኣምላኽ ንኻልኦት ከእምኑ ዝደልዩ ሰባት፣ ነቲ ሓቂ ባዕሎም ከም ዝኣምኑዎ ብምኽሓድ ርእሶም ከርእዩ ኣለዎም። ሰላም፣ ብውሽጥን ብግዳምን፣ ብስድራቤትን ብህዝብን፣ ብምሉኡ ስራሕ ኣምላኽ እዩ፣ ካብ ፍቕራዊ ሕያውነትን ምሕረቱን ዝፍልፍል እዩ። ኣምላኽ ሰላሙ ካብ ዝዀነ ህዝቢ እንተ ወሲዱ፣ ጭንቂ ክስዕብ ኣለዎ። ብኻልእ እዋን ግቡእና ዝዀኑ ነገራት ምፍናው ቅቡል ዝዀነሉ ግዜያት ክህሉ ይኽእል እዩ፣ ኩሉ ሳዕ ድማ ንደስታን ሻቕሎትን ናይዛ ህይወት እዚኣ ምሉሳት ክንከውን ይግባእ።

ምሉእ ትርጓሜ ኣንብብ ድምጺ፣ ምሉእ ትርጓሜን ብዘይ መስመር ምንባብን

ትርጉማት8 · 6