ትንቢት ኤርምያስ 13

BCV aksumትግርኛ26 ፍቕድታት5:07 ስማዕ
ስማዕ 5:07 · መደበኛ ኣብ Biblight ክፈት

1እግዚኣብሄር ድማ “ኪድ እሞ ኻብ ልሕፂ እንጣጢዕ ዝተሰርሐት መዕጠቒ ገዚእኻ ሕቘኻ ተዓጠቐላ፤ ኣብ ማይ ግና ኣይትእለካ” በለኒ።

2ኣነ ኸዓ፥ ከምቲ ቓል እግዚኣብሄር፥ መዕጠቒ ዓዲገ ኣብ ሕቘይ ተዓጠቕኩላ።

3ንኻልኣይ ጊዜ ኸምዙይ ዝብል ቃል እግዚኣብሄር ናባይ መፀ፦ “ነታ ዓዲግካ ዝተዓጠቕካያ መዕጠቒት ሒዝካ ናብ ፈለግ ኤፍራጥስ ኪድ፤ ኣብ ነቓዕ ኰዅሒ ኸዓ ሕብኣያ” በለኒ።

5ኣነውን ከይደ ኸምቲ እግዚኣብሄር ዝኣዘዘኒ፥ ኣብ ጥቓ ፈለግ ኤፍራጥስ ሓባእኽዋ።

6ድሕሪ ብዙሕ መዓልቲታት ከዓ እግዚኣብሄር፥ “ተስእ እሞ ናብ ፈለግ ኤፍራጥስ ኬድካ፥ ነታ ኣብኡ ኽትሓብኣ ዝኣዘዝኩኻ መዕጠቒት ካብኡ ውሰዳ” በለኒ።

7ኣነውን ናብ ፈለግ ኤፍራጥስ ከይደ፥ ካብቲ ዝሓባእኽዋ ዅዒተ ነታ መዕጠቒት ኣምፃእኽዋ። እንሆውን እታ መዕጠቒት ተበላሽያ፥ ካብ ጥቕሚ ወፃኢ ኾይና ፀንሐት።

8ሽዑ ኸምዙይ ዝብል ቃል እግዚኣብሄር መሊሱ ናባይ መፀ፦

9“እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል ኣሎ፤ ንትዕቢት ይሁዳን ነቲ ዓብዪ ትዕቢት ኢየሩሳሌምን ከጥፍኦ እየ።

10እዝ ብትረት ልቡ ዝመላለስ፥ ምእንቲ ኸገልግሎምን ክሰግደሎምን ንኻልኦት ኣማልኽቲ ዝኽተል፥ ንቓላተይ ዘይሰምዕ ሕሱም ህዝቢ፥ ከምዛ ኻብ ጥቕሚ ወፃኢ ዝኾነት መዕጠቒት ክኸውን እዩ።

11ኣነስ ኵሎም ቤት እስራኤልን ቤት ይሁዳን፥ ንኣይ ህዝብን ስምን ምስጋናን ክብርን ክኾኑኒ ኢለ፥ ከምታ መዕጠቒት ኣብ ሕቘ ሰብኣይ እትጠብቕ፥ ከምኡ ናባይ ኣጥበቕክዎም፤ ግና ኣይተኣዘዙንን፤ ይብል እግዚኣብሄር።”

12እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል “ኵሉ ኣሕርብቲ፥ ወይኒ ኽምላእ እዩ” ይብል ኣሎ ኢልካ ንገሮም። ንሳቶም ድማ “ኣሕርብቲ ወይኒ ኸም ዝምላእዶ ኣይንፈልጥን ኢና?” ኽብሉኻ እዮም።

13ሽዑ ንስኻ እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል ኣሎ ኢልካ ምለሰሎም፦ “እንሆ፥ ንዅሎም ኣብዛ ምድሪ እዚኣ ዝነብሩ፥ ኣብ ዙፋን ዳዊት ዝቕመጡ ነገስታትን ካህናትን ነቢያትን፥ ንዅሎም ኣብ ኢየሩሳሌም ዝነብሩ፥ ብስኽራን ክመልኦም እየ።

14ሽዑ ሰብ ምስ ሰብ፥ ነቦታት ምስ ውሉድ ከላትሞም እየ። ከጥፍኦም እየ እምበር ንሓደ እኳ ኣይሓዝነሉን፤ ኣይርህርህን፤ ኣይምሕርንውን እየ፤ ይብል እግዚኣብሄር።”

15እግዚኣብሄር ተዛሪቡ እዩ እሞ ስምዑ፥ ፅን በሉ፤ ኣይትተዓበዩ።

16እግዚኣብሄር ፀልማት እንተይሰደደ፥ ኣብቲ ዝፀልመተ እምባ ኸዓ፥ ኣእጋርኩም እንተይተሰናኸለ፥ ነታ እትፅበይዋ ብርሃን ናብ ፅላሎት ሞትን፥ ናብ ግብ ዝበለ ፀልማትን እንተይለወጣ፥ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ክብሪ ሃብዎ።

17ነዙይ እንተ ዘይሰሚዕኹም ግና፥ ብሰንኪ ትዕቢትኩም፥ ነፍሰይ ብስውር ትበኪ ኣላ፤ እቲ መጓሰ እግዚኣብሄር ተማሪኹ እዩሞ፥ ኣዒንተይ መሪር ብኽያት ይበኽያ፤ ንብዓት ከዓ ዘራዕራዕ የብላ ኣለዋ።

18ንንጉስን ንወላዲት ንጉስን፥ “እቲ ዘውዲ ኽብርኹም ካብ ርእስኹም ወዲቑ እዩ እሞ፥ ‘ትሕት ኢልኩም ተቐመጡ’ ” ኢልካ ንገሮም።

19“ከተማታት ደቡብ ተዓፅየን እየን፤ ዝኸፍተን ድማ የለን። ኵላ ይሁዳ ተማረኸት፤ ፈፂማውን ተማረኸት።”

20ኣዒንትኹም ኣልዒልኩም ነዞም ካብ ሰሜን ዝመፁ ዘለዉ ረአዩ። ንኣኺ ተውሂቦምኺ ዝነበሩ መጓሰ፥ እቲ ፅቡቕ መጓሰኺ ኣበይ ኣሎ?

21እቶም ፈተውትኺ ክኾኑ፥ ባዕልኺ ዘሰልጠንክዮም፥ ገዛእትኺ ምስ ገበሮም እንታይ ክትብሊ ኢኺ? ከምታ ቕልውላው ዝተትሓዘት ሰበይቲዶ ኣይትሳቐዪን?

22ብልብኺ ድማ “ስለ ምንታይ እዙይ ወረደኒ?” እንተ በልኪ፥ ብሰንኪ ብዝሒ ሓጢኣትኪ እዩ፥ ዘፈር ክዳንኪ ዝተቐልዐ ዳንጋኺውን ዝተገፈፈ።

23ኢትዮጵያዊ ሕብሩ፥ ነብሪ ዝንጕርጕርነቱ፥ ክልውጥዶ ይኽእል እዩ? እምበኣር ንስኻትኩምውን ክፉእ ምግባር ዝለመድኩም፥ ፅቡቕ ክትገብሩ ኣይትኽእሉን ኢኹም።

24ስለዙይ ከምቲ ንፋስ በረኻ ንሓሰር ዝብትኖ፥ ኣነውን ክብትነኩም እየ።

25ንኣይ ረሲዕኽኒ፥ ኣብ ሓሰትውን ተኣሚንኪ ኢኺሞ፥ እቲ ኣነ ዝህበኪ ኽፋል ግደኺ እዙይ እዩ፤ ይብል እግዚኣብሄር።

26ስለዙይ ሓፍረትኪ ምእንቲ ኽረአ፥ ዘፈር ክዳንኪ ኽሳዕ ገፅኪ ኽቐልዖ እየ።

27ኣብ ኰረብታታትን ኣብ ሜዳታትን፥ ፅዩፍ ተግባርክን ምንዝርናኽን ሰሓቕክን ሪአ ኣለኹ። ኦ ኢየሩሳሌም፥ ካብ ርኽሰትኪ እትነፅሂ መኣዝ እዩ?

ትርጓሜ

13:1-11 ንነብያት ብምልክታት ምምሃር ልሙድ ነይሩ። ትርጉሙ ድማ ፍቕዲ 9-11 ኣሎና። ህዝቢ እስራኤል ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ከምዚ ሕቓቝ ነይሮም። ብዝሃቦም ሕጊ፣ ብዝሰደዶም ነብያት፣ ከምኡ’ውን ብዝገለጸሎም ጸጋታት ናብኡ ኪወሓጥዎ ገይሩ። ብጣኦታዊ ኣምልኾኦምን ሓጢኣታቶምን ኣብ ግዳማዊ ምድሪ ርእሶም ቀቢሮም፣ ኣብ ማእከል ህዝብታት ተሓዋዊሶም፣ ብኡ መጠን’ውን ተበላሺዮም ስለዝነበሩ ንሓንቲ እኳ ኣይጠቕሙን ነይሮም። ብፍልጠት፣ ብስልጣን፣ ከምኡ’ውን ብግዳማዊ መሰል እንተ ተዐቢና፣ ኣምላኽ ንዕኦም ምድምሳስ ቅኑዕ እዩ። ኣእምሮ ሰብ ናብ ኣፍልጦ በደሎምን ሓደጋኦምን ኪነቅሕ ኣለዎ፤ እንተኾነ ግን ብዘይ ተጽዕኖ መንፈስ ቅዱስ ሓንቲ እኳ ኣይትተባዕተወን።

፲፫:፲፪-፲፯ ጠርሙስ ንወይኒ ኸም እተዳለወ፣ ከምኡ ኸኣ ሓጢኣት ህዝቢ ንዖኦም ናይ መዓት ዕቃባት ገበሮም፣ ንፍርድታት ኣምላኽ እተዳለዉ። ብእኡ ኸኣ ክሳዕ ንሓድሕዶም ጥፍኣት ዝኾኑ ኽመልኡ እዮም።

ምሉእ ትርጓሜ ኣንብብ ድምጺ፣ ምሉእ ትርጓሜን ብዘይ መስመር ምንባብን

ትርጉማት8 · 6