ትንቢት ኢሳይያስ 7

BCV aksumትግርኛ24 ፍቕድታት4:36 ስማዕ
ስማዕ 4:36 · መደበኛ ኣብ Biblight ክፈት

1ከምዙይ ድማ ኾነ፦ ወዲ ወዱ ንኦዝያን ወዲ ኢዮኣታም ኣካዝ ንጉስ ይሁዳ ኣብ ዝነበረሉ ዘመን፥ ንጉስ ሶርያ ረኣሶንን ንጉስ እስራኤል ወዲ ሮሜልዩ ፋቁሔን ንኢየሩሳሌም ክወግኡ ወፁ፤ ግና ኸሸንፍዋ ኣይከኣሉን።

2ንቤት ዳዊት “ሶርያን ኤፍሬምን ተሓባቢሮም” ዝብል ወረ ምስ ተሰምዐ፥ ኦም በረኻ ብንፋስ ከም ዝናወፅ ልቡን ልቢ ህዝቡን ከምኡ ተናወፀ።

3ሽዑ እግዚኣብሄር ንኢሳይያስ ከምዙይ በሎ፦ “ንስኻ ምስ ወድኻ ያሱብ ውፁ እሞ፥ ንንጉስ ኣካዝ ክትራኸብዎ፥ ናብቲ ወሰን መስኖ ላዕለዋይ ቃላይ፥ በታ ናብ ግራት ሓፃቢ ክዳውንቲ እትወስድ መንገዲ ውፁ፤

4ከምዙይ ድማ በሎ፦ ‘ተጠንቀቕ፤ ተረጋጋዕ፤ ኣይትፍራሕውን፤ በዞም ክልተ ዝትክዩ ትንታጋት፥ ስለ ረኣሶን ንጉስ ሶርያን ስለ ፋቁሔን ስለ ሮሜልዩን ጕሁር ቍጥዓ፥ ልብኻ ኣይፍራሕ።’

5ሶርያን፥ ኤፍሬምን ወዲ ሮሜልዩንውን፥ ናብ ይሁዳ ንደይብ፤ ነሸብሮምውን፤ ኣፍሪስና ንእቶሞ ንወዲ ጣብኤል ኣብኣ ነንግሶ ኢሎም ክፉእ መኺሮምልካ ኣለዉ።”

7ጐይታ እግዚኣብሄር ግና ኸምዙይ ይብል፦ “እዝ ምኽሮም ኣይፀንዕን፤ ኣይኸውንንውን።

8ርእሲ ሶርያ ደማስቆ፥ ርእሲ ደማስቆ ኸዓ ረኣሶን እዩ። ኣብ ውሽጢ ስሳን ሓሙሽተን ዓመት ድማ ኤፍሬም ክሰባበር እዩ፥ ህዝቢ ኣይኸውንን።

9ርእሲ ኤፍሬም ሰማርያ፥ ርእሲ ሰማርያውን ወዲ ሮሜልዩ እዩ። “እምበኣር እምነትኩም እንተ ዘይፀንዐ፥ ፈፂምኩም ክትቆሙ ኣይትኽእሉን።”

10መሊሱ እግዚኣብሄር ንኣካዝ ከምዙይ ኢሉ ተናገሮ፦

11“ምልክት ከርእየካስ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽካ ለምን፤ ካብ መዓሙቕ ወይ ካብ ላዕለዋይ ምልክት ጠይቕ” በሎ።

12ኣካዝ ግና “ኣይልምንን፤ ንእግዚኣብሄርውን ኣይፈታተንን እየ” በለ።

13ሽዑ ንሱ ኸምዙይ በለ፦ “እምበኣርከ ኣቱም ቤት ዳዊት፥ ስምዑ፤ እቲ ንሰብ ምድካምኩም ቀሊል ድዩ? ንኣምላኸይ ድማ ተድክምዎ ኣለኹም?

14ስለዙይ እግዚኣብሄር ባዕሉ ምልክት ክህበኩም እዩ፤ እንሆ፥ ድንግል(ሀ) ክትጠንስ እያ፤ ወዲውን ክትወልድ እያ፤ ስሙ ድማ ‘ኣማኑኤል’(ለ) ኢላ ኽትሰምዮ እያ።

15ንሱ ንኽፉእ ምእባይ ንሰናይ ከዓ ምሕራይ ክሳዕ ዝፈልጥ፥ ጠስምን መዓርን ክበልዕ እዩ።

16እቲ ህፃን ንኽፉእ ምእባይ ንሰናይ ከዓ ምሕራይ እንተይፈለጠ፥ ሃገራት እቶም እትፈርሖም ዘለኻ ኽልተ ነገስታት ክባድማ እየን።”

17ስለዙይ “ኤፍሬም ካብ ይሁዳ ካብ ዝተፈልየሉ መዓልቲ ጀሚሩ፥ ቅድሚ ሕዚ ተርእዩ ዘይፈልጥ ዘመን፥ እግዚኣብሄር ኣባኻን ኣብ ህዝብኻን ኣብ ቤት ኣቦኻን ከምፅእ እዩ፤ ንሱውን ምምፃእ ንጉስ ኣሶር እዩ።

18“በታ መዓልቲ እቲኣ ኸምዙይ ክኸውን እዩ፦ እግዚኣብሄር ኣብ ወሰን ሩባ ግብፂ ንዘሎ ፅንፅያን፥ ኣብ ኣሶር ንዘሎ ንህብን ብፋፃ ኽፅውዕ እዩ።

19ንሳቶም ድማ ኽመፁ እሞ፥ ኵላቶም ኣብ ኵሉ ፅምዊ ሽንጥሮን፥ ኣብ ነቓዕ ኣኻውሕን፥ ኣብ ኵሉ ኣሻዅ ቈጥቋጥን፥ ኣብ ኵሉ ጐዳጕዲ ማይን፥ ኣብ ልዕሊ ዅሉ መውፈሪን፥ ክሰፍሩ እዮም።

20“በታ መዓልቲ እቲኣ እግዚኣብሄር በቲ ኻብ ሰገር ፈለግ ኤፍራጥስ ዝተኻረዮ መላፀ፥ ብንጉስ ኣሶር ገይሩ፥ ንፀጕሪ ርእሱን ንፀጕሪ እግሩን ክላፅዮ እዩ፤ እቲ መላፀውን ንጭሕሙ ኽበልዖ እዩ።

21“በታ መዓልቲ እቲኣ ነፍሲ ወከፍ ሰብ ሓንቲ በኳር ኣርሕን ክልተ ኣባጊዕን ጥራሕ የዕቢ።

22ብብዝሒ እቲ ዝህባኦ ፀባን ጠስምን ይምገብ፤ እቶም ኣብታ ሃገር ዝተረፉ ዅሎም ከዓ ፀባን መዓርን ክበልዑ እዮም።

23“በታ መዓልቲ እቲኣ ኸምዙይ ክኸውን እዩ፦ ኣብቲ ሽሕ ቅርሺ ብሩር ዝግምቱ ሽሕ ጕንዲ ወይኒ ዘለዎ ዅሉ ስፍራታት ኣታኽልቲ፥ እሾዅን ኳዂቶን ጥራሕ ይኸውን።

24ኵላ እታ ምድሪ እቲኣ ብእሾዅን ብዃዂቶን ስለ እትሽፈን ናብኣ ዝኣትዉ ሰባት ቀስትን ፍላፃን ሒዞም እዮም።

25እቲ ብመባሮ ዝባሮ ዝነበረ ዅሉ ዀረብታታት ከዓ ኻብ ፍርሒ እሾዅን ኳዂቶን ዝተልዓለ ደጊም ናብኣ ኣይትኸይድን ኢኻ፤ ግና መውፈሪ ኣብዑርን መርገፂ ኣባጊዕን ክኸውን እዩ።”

ትርጓሜ

7:1-9 ዘይኣምላኻውያን ሰባት መብዛሕትኡ ግዜ ከምኦም እኩያት ብዝኾኑ ካልኦት ይቕጽዑ። ብዓቢ ጭንቀትን ሃውከትትን ስለ ዝነበሩ፡ ኣይሁድ ኵሉ ከም ዝጠፍአ ቖጺሮምዎ። ንኣምላኽ ጸላኢኦም ገይሮምዎ ነበሩ፡ ከመይ ጌሮም ከኣ ዕርክኦም ከም ዝገብርዎ ኣይፈልጡን ነበሩ። ነብዪ ኸኣ ብእምነትን ብኣምላኽ ብምውካልን፡ ንጸላእቶም ንኺንዕቑ ኪምህሮም ኣለዎ። ኣሓዝ ድማ ብፍርሂ፡ ንኣኣቶም ክልተ ሓያላት መሳፍንቲ ኢሉ ጸዊዑዎም ነበረ። “ኣይፋል” ይብል ነብዪ፡ “ንሳቶምስ ጭራ ዘብዐና ሓዊ ጥራይ እዮም፡ ድሮ ዝጠፍኤ።” እተን ክልተ መንግስታት ሶርያን እስራኤልን ኪጠፍኣ ቀሪበን ነበራ። ኣምላኽ ንኣጕራይ ምድርና ዕዮ ኪህልዎም ከሎ፡ ንኹሉ ኣብ ቅድሚኦም ዘሎ ይውሕጡ፤ ግናኸ ዕዮኦም ምስ ተፈጸመ፡ ብትኪ ኺጠፍኡ እዮም። እቲ ኣሓዝ ኣዝዩ ዘፍርህ ዝመስሎ ዝነበረ፡ ምኽንያት ስዕረቶም ይኸውን፤ ምኽንያቱ ንዓኻ እኩይ ምኽሪ ስለ ዝመኸሩኻ፡ እዚ ኸኣ ንኣምላኽ መጥሓስ እዩ። ኣምላኽ ንንዓቕቲ ይንዕቕ፡ እታ ፈተነ ኸም ዘይትሰላሰል ከኣ ቃሉ ሂቡ እዩ። ሰብ ይሓስብ፡ ኣምላኽ ግና የሰላስል። ባዕሎም ንጥፍኣት ዝቐረቡ ኽነሶም፡ ንኸባቢኦም ኬጥፍኡ ምፍታን፡ ዕሽነት ነበረ። ኢሳይያስ ንኣይሁድ፡ ብዝተዋህቦም ምትእምማን ኪውከሉ ኼተባብዖም ኣለዎ። ኣብ ፈተናታት ንልቢ ንምህዳእን ንምትዕርራይን፡ እምነት ፍጹም ኣድላዪ እያ።

7:10-16 ንኣምላኽ ዘሎ ስዉር ዘይምፍቓድ ብዙሕ ግዜ ብሕብሪ ምኽባር ይሽፋን፤ እቶም ንኣምላኽ ከም ዘይእመኑ ዝውሰኑ ድማ፡ ከይድህቡዎ የምስሉ እዮም። ነብዪ ንኣሓዝን ኣባይቲ ንጉሱን፡ ንመለኮታዊ ምግላጽ ዘለዎም ንእሽቶ ዋጋ ስለ ዝነበሮም ገሰጾም።

ምሉእ ትርጓሜ ኣንብብ ድምጺ፣ ምሉእ ትርጓሜን ብዘይ መስመር ምንባብን

ትርጉማት8 · 6

AMHEVG እንዲህም ሆነ፤ በይሁዳ ንጉሥ በዖዝያን ልጅ በኢዮአታም ልጅ በአካዝ ዘመን የሶርያ ንጉሥ ረአሶን የእስራኤልም ንጉሥ የሮሜልዩ ልጅ ፋቁሔ ኢየሩሳሌምን ሊወጉ ወጡ፥ ሊያሸንፉአትም አልቻሉም። አማርኛ ENGNIV When Ahaz son of Jotham, the son of Uzziah, was king of Judah, King Rezin of Aram and Pekah son of Remaliah king of Isr… English BCV ከምዙይ ድማ ኾነ፦ ወዲ ወዱ ንኦዝያን ወዲ ኢዮኣታም ኣካዝ ንጉስ ይሁዳ ኣብ ዝነበረሉ ዘመን፥ ንጉስ ሶርያ ረኣሶንን ንጉስ እስራኤል ወዲ ሮሜልዩ ፋቁሔን ንኢየሩሳሌም ክወግኡ ወፁ፤ ግና ኸሸን… ትግርኛ GAZBIB Bara Ahaaz ilmi Yotaam Uziyaa mootii Yihudaa turetti, Resiin mootiin Sooriyaa fi Pheqaan ilmi Remaaliyaa mootiin Israa'… Afaan Oromoo BCV GIZ ወእምዝ ካዕበ ኮነ በመዋዕለ አካዝ ወልደ ኢዮአታም ወልደ ዖዝያን ንጉሠ ይሁዳ፤ ዓርገ ረአሶን ንጉሠ አራም፤ ወፋቁሔ ወልደ ሮሜልዩ ንጉሠ እስራኤል፤ ይትቃተልዋ ለኢየሩሳሴም ወስእንዋ ቀቲሎታ። giz GAZGAZ Bara Ahaaz ilmi Yotaam Uziyaa mootii Yihudaa turetti, Resiin mootiin Sooriyaa fi Pheqaan ilmi Remaaliyaa mootiin Israa'… Afaan Oromoo AMHNIV የዖዝያን የልጅ ልጅ፣ የኢዮአታም ልጅ አካዝ የይሁዳ ንጉሥ በነበረበት ዘመን፣ የሶርያ ንጉሥ ረአሶንና የእስራኤል ንጉሥ የሮሜልዩ ልጅ ፋቁሔ ኢየሩሳሌምን ሊወጉ ወጡ፤ ነገር ግን ድል ሊያደርጓ… አማርኛ SWAHSUV Hata ikawa katika siku za Ahazi, mwana wa Yothamu, mwana wa Uzia, mfalme wa Yuda, Resini, mfalme wa Shamu, na Peka, mwa… Kiswahili