ትንቢት ኢሳይያስ 62

BCV aksumትግርኛ12 ፍቕድታት2:37 ስማዕ
ስማዕ 2:37 · መደበኛ ኣብ Biblight ክፈት

1ፅድቃ ኸም ድሙቕ ብርሃን፥ ምድሓና ኸዓ፥ ከም ሃልሃልታ ፋና ኽሳዕ ዝወፅእ፥ ስለ ፅዮን ስቕ ኣይብልን፤ ስለ ኢየሩሳሌምውን ኣየዕርፍን እየ።

2ኣህዛብ ንፅድቅኺ፥ ኵሎም ነገስታት ከዓ፥ ንኽብርኺ ኽርእይዎ እዮም፤ በቲ ኣፍ እግዚኣብሄር ዘውፅኦ ሓድሽ ስም ድማ፥ ክትፅውዒ ኢኺ።

3ብኢድ እግዚኣብሄር፥ ክቡር ኣኽሊል፥ ብኢድ ኣምላኽኪ ድማ፥ ዘውዲ ንጉስ ክትኮኒ ኢኺ።

4ድሕሪዙይ “ሕድግቲ” ኣይትበሃሊን ኢኺ፤ ምድርኺ ኸዓ ድሕሪ ደጊም፥ ዑና ኣይትብሃልን እያ። እግዚኣብሄር ብኣኺ ደስ ኢልዎ እዩሞ፥ ምድርኺውን ሰብኣይ ክተእቱ እያሞ፥ ንስኺ “ሓጐሰይ ዝነብረላ” ኽትበሃሊ ኢኺ፤ ምድርኺውን ሰብኣይ ዘእተወት ክትበሃል እያ።

5ከምቲ ጐበዝ ንድንግል ዝምርዖ፥ ከምኡ ደቅኺ ኽምርዐዉኺ እዮም፤ መርዓዊ ብመርዓቱ ኸም ዝሕጐስ፥ ከምኡ ኣምላኽኪውን ብኣኺ ኽሕጐስ እዩ።

6ኦ ኢየሩሳሌም፥ ኣብ ልዕሊ ቕፅርኺ፥ ሓለውቲ ኣቚመ ኣለኹ፤ ለይትን መዓልትን ከቶ ስቕ ኣይብሉን እዮም። ኣቱም ንእግዚኣብሄር እተዘክርዎ ኣይትዕረፉ፤

7እወ፥ ንኢየሩሳሌም ክሳዕ ዘፅንዓ፥ ኣብ ምድሪ እውን መመስገኒ ኽሳዕ ዝገብራ፥ ዕረፍቲ ኣይተሃብዎ።

8እግዚኣብሄር ብየማናይ ኢዱን፥ ብሓያል ቅልፅሙን ከምዙይ ኢሉ መሓለ፦ “ድሕሪዙይ እኽልኺ ንፀላእትኺ፥ ምግቢ ክኾኖም ኣይህቦምን እየ፤ ነቲ ዝፀዓርክሉ ወይንኺውን፥ ጓኖት ኣይሰትይዎን እዮም።

9ግና እቶም ዝኣከብዎ ኽበልዕዎ እዮም፤ ንእግዚኣብሄር ከዓ ኸመስግንዎ እዮም። እቶም ዝኣከብዎውን፥ ኣብ ዓፀድ መቕደሰይ ኮይኖም ክሰትይዎ እዮም።”

10ሕለፉ፤ ብደገታት ሕለፉ፤ ንህዝቢ መንገዲ ኣዳልዉ፤ ኣመዓራርዩ፤ መንገዲ ፅርጊያ ኣመዓራርዩሉ፤ ኣእማን ፅረጉ፤ ንኣህዛብውን ሰንደቕ ዕላማ ኣልዕሉሎም።

11እንሆ፥ እግዚኣብሄር ንዅላ ምድሪ ይእውጅ ኣሎ፦ “ንጓል ፅዮን ‘እንሆ፥ ምድሓንኪ ይመፅእ ኣሎ፤ እንሆ ደመወዙ ምስኡ ኣሎ፤ ዓስቡ ድማ ቐቅድሚኡ ኣሎ’ በልዋ።”

12ንሳቶም ድማ “እግዚኣብሄር ዝተቤዘዎም ቅዱስ ህዝቢ” ተብሂሎም ክፅውዑ እዮም። ንስኺውን ተደላይትን ዘይትሕደግን ከተማ፥ ተብሂልኪ ኽትፅውዒ ኢኺ።

ትርጓሜ

62:1-5 ወዲ ኣምላኽ ኣብዚ ንቤተክርስትያኑ ዘይውዳእ ፍቕሩ ከምኡ ድማ ኣብ ኩሉ ፈተናታትን ጸገማትን ምእንታኣ ምምልላሱ የረጋገጽ። ንሳ ብሓድሽ ስም፣ ባህ ዘብል ስም፣ ቅድሚኡ ከምኡ ተጸዊዓቶ ዘይትፈልጥ ክትጽዋዕ እያ። ኣብ ዓለም ዝነበረ ኩነታት ናይ ሓቀኛ ሃይማኖት፣ ቅድሚ ስብከት ወንጌል፣ ዋላ ሓደ ሰብ ሓቀኛ ሓልዮት ዝነበሮ ኣይመስልን ነይሩ። ኣምላኽ ብጸጋኡ ኣብ ቤተክርስትያኑ እቲ ንእኣ ባህጊኡ ዝገብራ ነገር ፈጺምዋ። ስለዚ ካብኡ ንቅድስና ዝድርኽ ምኽንያታት ንመሃር። እግዚኣብሔር ብኣና ዝሕጎስ እንተኾይኑ፣ ንሕና ድማ ኣብ ኣገልግሎቱ ክንሕጎስ ይግባእ።

62:6-9 እቶም ንኣምላኽ ዝእመኑ ህዝቢ ጸላእቲ ህዝቢ ክኾኑ ይግባእ። ከምቲ ሰባት ብሓፈሻ ዝገብሩ፣ ንሱ ብቕንዕናና ኣይጕህን እዩ።

ምሉእ ትርጓሜ ኣንብብ ድምጺ፣ ምሉእ ትርጓሜን ብዘይ መስመር ምንባብን

ትርጉማት8 · 6