ትንቢት ኢሳይያስ 56

BCVትግርኛ12 ፍቕድታት2:41 ስማዕ
ስማዕ 2:41 · መደበኛ ኣብ Biblight ክፈት

1እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ “ምድሓነይ ቀሪቡ እዩ፤ ፅድቀይውን ቀልጢፉ ኽግለፅ እዩሞ፥

2ፍትሒ ሓልዉ፤ ፅድቅውን ግበሩ። እቲ ነዙይ ዝገብር ሰብ ብእኡውን ዝፀንዕ፥ ከየርክስ ንሰንበት ዝሕሉ፥ ክፍኣት ከይገብር ኢዱ ዝሕሉ ሰብ፥ ብፁእ እዩ።”

3ናብ እግዚኣብሄር ዝተፀግዐ መፃእተኛ “ብሓቂ እግዚኣብሄር ካብ ህዝቡ ኽፈልየኒ እዩ” ኣይበል፤ እቲ ስሉብውን “ኣነ ንቑፅ ኦም እየ” ኣይበል።

4እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ “ሰናብተይ ንዝሕሉዉን፥ ንኣይ ዘሐጕስ ንዝመርፁን፥ ቃል ኪዳነይውን ንዝሕልዉ ስሉባት፥

5ኣብ ቤተይን ኣብ ውሽጢ ቕፅረይን፥ ካብ ኣወዳትን ኣጓላትን ዝበልፅ፥ መዘከርታን ስምን ክህቦም እየ፤ ዘይጠፍእ ዘለኣለማዊ ስምውን ክህቦም እየ።”

6“ንእኡ ንምግልጋል፥ ስም እግዚኣብሄር ብምፍታው፥ ባሮቱ ክኾኑ ኢሎም፥ ርእሶም ናብ እግዚኣብሄር ዘፀግዑ መፃእተኛታት፥ ንሰንበት ከየርከሱ ዝሕልዉ፥

7ቃል ኪዳነይውን ንዝሕዙ ዅላቶም፥ ናብቲ ዝተቐደሰ እምባይ ከምፅኦም እየ። ኣብ ውሽጢ ቤተ ፀሎተይውን ከሐጕሶም እየ፤ ዝቃፀል መስዋእቶምን ካልኦት መስዋእትታቶምን ኣብ መሰውእየይ እንተ ሰውኡ ኽቕበሎም እየ፤ ቤተይ ንዅሎም ህዝብታት ቤተ ፀሎት ተብሂሉ ኽፅዋዕ እዩሞ።”

8እቲ ነቶም ኣብ ስደት ፋሕ ኢሎም ዘለዉ ህዝቢ እስራኤል ዝኣኻኽብ፥ ጐይታ እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ “ኣብ ልዕሊ እቶም ዝተኣከቡ ብተወሳኺ፥ መሊሰ ንኻልኦት ክእክብ እየ።”

9“ኣቱም ናይ ምድሪ ኣራዊት ኵልኻትኩም፥ ኣቱም ናይ ዱር ኣራዊት ኵልኻትኩም ክትበልዑ ቕረቡ፤

10ሓለውቲ እስራኤል ዕውራት እዮም፤ ፍልጠት የብሎምን፤ ኵሎም ዘይነብሑ በሃማት ኣኽላባት እዮም፤ ሕልሚ ይሓልሙ፤ ይጋደሙ ድቃስውን ይፈትዉ እዮም።

11የመና ህሩፋት ኣኽላባት እዮም፤ ፀጊበ ኣይፈልጡን፤ ዘየስተውዕሉ ጓሶት እዮም፤ ነፍሲ ወከፎም ካብ ቀዳማይ ክሳዕ ዳሕረዋይ፥ ረብሓ ርእሱ ደለየ፤ ኵሎም ብናይ ባዕልቶም መንገዲ ኸዱ።

12‘ንዑ ወይኒ ንውሰድ፤ ብዘስክር መስተውን ንርወ፤ ፅባሕውን ከምቲ ሎሚ ዝኾነ፥ ከምኡውን ፅባሕ ክኸውን እዩ፤ ፅባሕውን ዝሓሸ መዓልቲ ክኾነልና እዩ’ ” ይብሉ።

ትርጓሜ

56:1,2 እግዚአብሔር ካባና እንታይ ግዴታ ከም ዝጽበና ይነግረና። ብኹሉ ምምልላስካ ሓቀኛን ቅኑዕን ኩን። ከምኡውን መዓልቲ ሰንበት ብቑጽጽር ኣኽብሮ። ኣብ ናይ ምሉእ ሰሙን ንጥፈታትካ በረኸት ኣምላኽ ክትረክብ እንተኾይንካ፡ ሰንበት ብቕዱስና ንምሕላው ግዱስ ኩን። ምስ ሓጢኣት ዝኾነ ይኹን ምትእስሳር ኣይትሃልወካ። ብፁዕ እዩ እቲ፡ ካብ ኩሉ ንኣምላኽ ዘየሐጕስን ንነፍሱ ድማ ጐዳኢ ዝኾነ ነገራት ኢዱ ዝኸልእ ሰብ። እቶም ብመንፈስ ገይሮም ተስፋ ጽድቂ ብእምነት ዝጽበዩ ሰባት፡ ብመንገዲ ቅዱስ ምእዛዝ ከም ዝመላለሱ ክርከቡ እዮም።

56:3-8 እምነት ዘይምህላው ብዙሕ ግዜ ንምእመናን ንምብካር ነገራት የመሓላልፍ፣ እግዚአብሔር ግን በንጹር ካብኡ ተኸላኺሉ እዩ። መንፈሳዊ በረኸታት ካብ ደቂ ደቅን ኣዋልድን ምውላድ ብዘይ ልክዕ ዝበለጸ እዩ፤ ከመይ ደቅን ኣዋልድን ሓላፍነትን ጓሂን ውርደትን ክኾኑ ይኽእሉ እዮም፣ ግን ኣብ ቤት ኣምላ…

ምሉእ ትርጓሜ ኣንብብ ድምጺ፣ ምሉእ ትርጓሜን ብዘይ መስመር ምንባብን

ትርጉማት8 · 6