ትንቢት ኢሳይያስ 51

BCV aksumትግርኛ23 ፍቕድታት4:34 ስማዕ
ስማዕ 4:34 · መደበኛ ኣብ Biblight ክፈት

1“ኣቱም ንፅድቂ እትኽተሉ፥ ንእግዚኣብሄር ከዓ እትደልዩዎ ስምዑኒ። ናብቲ ዝተቘረፅኩምሉ እምንን፥ ናብቲ ዝተዅዓትኩሙሉ ጕድጓድን ተመልከቱ።

2ናብ ኣቦኻትኩም ኣብርሃምን፥ ናብታ ዝወለደትኩም ሳራን ተመልከቱ። ሓደ በይኑ እንተሎ ፀዋዕኽዎ፤ ኣነ ኸዓ ባረኽክዎን ኣብዛሕኽዎን።”

3“እግዚኣብሄር ንፅዮን ከፀናንዓ እዩ፤ ንዅሉ ዑናታታ ድማ ኸፀናንዕ እዩ፤ ንምድረ በዳኣ ኸም ኤደን፥ ንምድሪ ኣፃምኣ ድማ፥ ከም ገነት እግዚኣብሄር ክገብሮ እዩ፤ ደስታን ሓጐስን ምስጋናን ቃና መዝሙርን፥ ኣብኣ ኽርከብ እዩ።”

4“ሕጊ ኻባይ ይወፅእ፤ ፍርደይውን ንኣህዛብ ብርሃን ክኸውን እዩ፤ ኣታ ህዝበይ፥ ስምዐኒ፤ ኣታ ወገነይ፥ ኣዳምፅ።

5ፅድቀይ ቀልጢፉ ቐሪቡ ኣሎ፤ ምድሓነይውን ወፂኡ ኣሎ፤ ቅልፅመይውን ኣብ ልዕሊ ኣህዛብ ክፈርድ እዩ፤ ደሴታት ድማ ኣባይ ተስፋ ኽገብራ፥ ኣብ ቅልፅመይ ድማ ኽእመና እየን።

6ኣዒንትኹም ናብ ላዕሊ ናብ ሰማያት ቈላሕ ኣብሉ፤ ናብ ታሕቲውን ናብ ምድሪ ጠምቱ፤ እንሆ፥ ሰማያት ከም ትኪ ኽበኑ እዮም፤ ምድሪ ድማ ኸም ክዳን ክትበሊ እያ፤ እቶም ኣብኣ ዝነብሩውን ከምኡ ኽሞቱ እዮም። ምድሓነይ ግና ንዘለኣለም ክነብር እዩ፤ ፅድቀይውን ኣይፈርስን እዩ።”

7“ኣቱም ፅድቂ እትፈልጡ፤ ኣቱም ኣብ ልብኹም ሕገይ ዘለኩም ህዝቢ ስምዑኒ፤ ላግፂ ሰብ ኣይትፍርሑ፤ ብፀርፎምውን ኣይትደንግፁ።

8ብልዒ፥ ከም ክዳን ኽበልዖም እዩ፤ ፍልሖውን፥ ከም ፀምሪ ኽበልዖም እዩ፤ ፅድቀይ ግና ንዘለኣለም፥ ምድሓነይውን ንውሉድ ወለዶ ኽነብር እዩ።”

9ኣታ ቕልፅም እግዚኣብሄር፥ ተልዓል፤ ተልዓል፤ ሓይልኻ ልበስ፤ ከምቲ ብዝሓለፉ ዘመናት፥ ብጥንቲ ትውልድታት ዝገበርካዮ፥ ተልዓል። ረዓብ ንዝበሃል ኣራዊት ዝቘረፅካዮ፥ ነቲ ዓብዪ ገበልውን ዝወጋእኻዮ፥ ንስኻዶ ኣይኮንካን?

10ንባሕሪ፥ ነቲ ብርቱዕ መዓሙቝ ማያት ዘንፀፍካ፥ እቶም ዝድሓኑ ኽሓልፉ ኸዓ፥ ነቲ ጥልቂ ባሕሪ፥ መንገዲ ዝገበርካዮኸ ንስኻዶ ኣይኮንካን?

11እቶም እግዚኣብሄር ዝተቤዘዎም ክምለሱ፥ እናዘመሩ ናብ ፅዮን ክመፁ እዮም፤ ኣኽሊል ዘለኣለማዊ ደስታ ኸዓ፥ ኣብ ርእሶም ክኸውን እዩ፤ ደስታን ሓጐስን ክረኽቡ እዮም፤ ሓዘንን ብኽያትንውን ካብኣቶም ክሃድም እዩ።

12እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ “ኣነ፥ ኣነ እየ ዘፀናንዐኩም፤ ነዝ መዋቲ ሰብ፥ ነዝ ኸም ሳዕሪ ዝሓልፍ ወዲ ሰብ፥ ስለ ምንታይ ኢኻ እትፈርሕ?

13ነቲ ንሰማያት ዝዘርግሐ፥ ንምድሪ ኸዓ ዝመስረተ፥ ፈጣሪኻ እግዚኣብሄር ረሲዕኻ፤ ኵልሻዕ፥ ምሉእ መዓልቲ፥ ካብ ቍጥዓ እቲ ንምጥፋእኻ ዝተዳለወ ገፋዒ፥ ትፈርሕ ኣለኻ፤ ቍጥዓ እቲ ገፋዒኻ ደኣ ኣበይ ኣሎ?

14እቲ እሱር ቀልጢፉ ኽፍታሕ እዩ፤ ኣይመውትን ናብ ጕድጓድውን ኣይወርድን፤ እንጀራውን ኣይስእንን እዩ።”

15“ማዕበላ ኽሳዕ ዝደምፅ ንባሕሪ ዘናውፃ፥ ኣነ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ እየ፤ ስመይውን ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር እዩ።

16ንሰማያት ክዝርግሕ፥ ንምድሪ ኸዓ ኽምስርት፥ ንፅዮን ድማ ‘ንስኺ ህዝበይ ኢኺ’ ኽብልስ፥ ቃለይ ኣብ ኣፍካ ኣንበርኩ፤ ብፅላል ኢደይውን ከወልኩኻ።”

17ነቲ እግዚኣብሄር ብቝጥዓኡ ዝሃበኪ፥ ፅዋዕ መቕፃዕቲ ዝሰተኺ፥ ነቲ ዘስክር ሰንከልከል ዘብል ፅዋዕ፥ ዝሰተኽዮን ዝጨለጥክዮን፥ ኣቲ ኢየሩሳሌም ንቕሒ! ንቕሒ! ተስኢ።

18ካብ ኵሎም እቶም ዝወለደቶም ደቃ፥ ሓደ እኳ ዝመርሓ የለን፤ ካብ ኵሎም እቶም ዘዕበየቶም ደቃ፥ ሓደ እኳ ኢዳ ዝሕዝ የለን።

19እዘን ክልተ ነገር ወረዳኺ፤ መንሞ ኽርህርሀልኪ እዩ? ጥፍኣትን ዕንወትን፥ ጥሜትን ሰይፍን እዮም፤ ከመይ ገይረ ኸፀናንዐኪ እየ?

20ውሉድኪ ደኺሞም፥ ኣብ ኵሉ ቐራና መንገድታት ዛሕ በሉ፤ ብመፈንጠር ከም ዝተትሓዘ መይዳቚ ኾኑ፤ ኣብ ልዕሊኣቶም ከዓ፥ ቍጥዓ እግዚኣብሄርን ተግሳፅ ኣምላኽክን መልኦም።

21ስለዙይ ኣቲ ውፅዕቲ፥ ብወይኒ ደኣ ኣይኮነን እምበር፥ ኣቲ ዝሰኸርኪ ነዙይ ስምዒ።

22እግዚኣብሄር ጐይታኺ፥ እቲ ምእንቲ ህዝቡ ዝማጐት ኣምላኽኪ፥ ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ “እንሆ፥ ነቲ ብቝጥዓይ ዝሃብኩኺ፥ ሰንደልደል ዘብል ፅዋዕ ቍጥዓይ፥ ካብ ኢድኪ ወሲደዮ ኣለኹ፤ ድሕሪ ሕዚ ኣይትሰትይዮን ኢኺ፤

23እኳ ደኣ ነቶም መጨነቕትኺ፥ ነቶም ከም ጭቃን ከም መንገድን፥ ረጊፅናኪ ኽንሓልፍስ ኣብ ምድሪ ለጥ በሊ፤ ንዝብሉኺ ኽህቦም እየ።”

ትርጓሜ

51:1-3 ብሓዳስ ልደት እተባረኹ ሰባት ብሓጢኣት ከም እተቐረጹ ኪሓስቡ ጽቡቕ እዩ። እዚ ብዛዕባ ርእስና ትሑት ሓሳባት: ንመለኮታዊ ጸጋ ድማ ልዑል ሓሳባት ንኽህልወና ኪገብር ይግባእ። ንኽብሪ ኣምላኽ ዘገልግል ምዃን እቲ ዝዓበየ መጽንዕቲ እዩ። ሰባት ዝበዝሐ ቅድስና ኣብ ዘጥረዩን ዝበዝሐ ጽቡቕ ኣብ ዝገብሩን መጠን: ዝበዝሐ ሓጎስ ይረኽቡ። ብዛዕባ በደልና ብጽኑዕ ነስተንትን። ከምኡ ምግባር ልቢ ትሑት: ሕልና ድማ ንቑሕን ለዋህን ንኽኸውን ይሕግዝ። ንክርስቶስ ኣብ ነፍሲ ዝያዳ ክቡር ይገብርዎ: ንጻዕርታትናን ንጸሎታትናን ድማ ንኻልኦት ሓይሊ ይህቡ።

ትንቢት ኢሳይያስ 51:4-8

ወንጌል ክርስቶስ ክስበኽን ክዝርጋሕን እዩ። እንተ ኣውሓስናዮስ ከመይ ገይርና ክንምልቕ? ብዘይ ጽድቂ ምድሓን የለን። ነፍሲ፡ ነዚ ዓለም'ዚ ብኸም ትኪ ከም እትሃድም፡ ስጋ ድማ ከም ዝተበልዐ ክዳን ክድርበ እዩ። ግናኸ እቶም ሓጎሶም ኣብ ጽድቂ ክርስቶስን ምድሓኑን ዝኾነ፡ ጊዜን መዓልትታትን ምስ ሓለፉ ጽንዓቱ ክረኽቡ እዮም። ደበናታት ንጸሓይ የጽልምዋ፡ ግን ኣሰሯ ኣየዕግትዋን። እቲ ዝኣምን ግደኡ ክሕጎስ እዩ፡ ኣበርከኽቲ ክርስቶስ ኣብ ጸልማት ከለዉ ድማ።

ምሉእ ትርጓሜ ኣንብብ ድምጺ፣ ምሉእ ትርጓሜን ብዘይ መስመር ምንባብን

ትርጉማት8 · 6

AMHEVG እናንተ ጽድቅን የምትከተሉ እግዚአብሔርንም የምትሹ፥ ስሙኝ፤ ከእርሱ የተቈረጣችሁበትን ድንጋይ ከእርሱም የተቈፈራችሁበትን ጕድጓድ ተመልከቱ። አማርኛ ENGNIV “Listen to me, you who pursue righteousness and who seek the Lord: Look to the rock from which you were cut and to the … English BCV “ኣቱም ንፅድቂ እትኽተሉ፥ ንእግዚኣብሄር ከዓ እትደልዩዎ ስምዑኒ። ናብቲ ዝተቘረፅኩምሉ እምንን፥ ናብቲ ዝተዅዓትኩሙሉ ጕድጓድን ተመልከቱ። ትግርኛ GAZBIB Waaqayyo namoota Xiyooniin, “Isin warri qajeelummaa duukaa buutan, warri ana Waaqayyoon barbaaddattan na dhaggeeffadhaa… Afaan Oromoo BCV GIZ ስምዑኒ ኵልክሙ እለ ትዴግንዎ ለጽድቅ ወእለ ተኀሥሥዎ ለእግዚአብሔር፤ ርእይዋ ለኰኵሕ ጽንዕት እንተ ወቀርክሙ ወዐዘቅተ ዕምቅተ እንተ ከረይክሙ። giz GAZGAZ Waaqayyo namoota Xiyooniin, “Isin warri qajeelummaa duukaa buutan, warri ana Waaqayyoon barbaaddattan na dhaggeeffadhaa… Afaan Oromoo AMHNIV “እናንት ጽድቅን የምትከታተሉ፣ እግዚአብሔርን የምትፈልጉ ስሙኝ፤ ተቈርጣችሁ የወጣችሁበትን ዐለት፣ ተቈፍራችሁ የወጣችሁባትንም ጕድጓድ ተመልከቱ። አማርኛ SWAHSUV Nisikilizeni, ninyi mnaoifuatia haki; ninyi mnaomtafuta Bwana; uangalieni mwamba ule ambao mlitolewa kwa kuchongwa, na … Kiswahili