ትንቢት ኢሳይያስ 48

BCV aksumትግርኛ22 ፍቕድታት3:56 ስማዕ
ስማዕ 3:56 · መደበኛ ኣብ Biblight ክፈት

1ኣቱም ብስም እስራኤል እትፅውዑ፥ ካብ ዓይኒ ማይ ይሁዳ ዝፈልፈልኩም፥ ብስም እግዚኣብሄር እትምሕሉ፥ ብሓቅን ብፅድቅን ደኣ ኣይኮነን እምበር፥ ንኣምላኽ እስራኤል እትፅውዑ፥ እዙይ ስምዑ።

2ብስም ተቐማጦ እታ ቕድስቲ ኸተማ ዝተፀዋዕኹም፥ ስሙውን ጐይታ ሰራዊት ብዝብሃል ኣምላኽ እስራኤል እትድገፉ፥ ቤት ያእቆብ ነዙይ ስምዑ።

3እግዚኣብሄር ንህዝቢ እስራኤል፥ ከምዙይ ይብሎም ኣሎ፦ ነቶም ዝሓለፉ ነገራት ቅድሚ ምዃኖም ነገርኩ፤ ካብ ኣፈይ ስለ ዝወፀ ኸም ዝፍለጡ ገይረ፥ ብድንገት ገበርኩዎ፤ ተፈፀሙውን።

4ህልኸኛ ምዃንካ፥ ክሳድካ ኸም ጅማት ሓፂን፥ ግምባርካውን ከም ነሃስ ምዃኑ፥ እፈልጥ እየ እሞ፥

5ስለዙይ ጣዖትና እዩ ዝገበሮ፤ እቲ ፅሩብን ፍሱስን ምስልና እዩ ዝኣዘዞ ኸይትብልስ፥ ኣቐዲመ ነገርኩኻ፤ እንተይኮነውን ኣፍለጥኩኻ።

6ነዙይ ሰሚዕኻዮ ኣለኻ፤ ነዝ ዅሉ ረአዮ፤ ንስኻትኩምውን እትናገርዎዶ ኣይኮንኩምን? ዝተሰወሩን ዘይፈለጥካዮም ሓደስቲ ነገራትን፥ ካብ ሎሚ ጀሚረ ኣርእየካ ኣለኹ።

7ንስኻ “ነዙይስ እፈልጦ ነይረ” ምእንቲ ኸይትብል፥ ቅድሚ ሎሚ ዘይነበረ ነገር ከስምዐካ እየ።

8ኣይሰማዕኻን፤ ኣይፈለጥካን፤ እዝንኻውን ካብ ቀደም ኣይተኸፈተን፤ እዙይ ከዓ ጠላሚ ምዃንካን፥ ካብ ማህፀን እኖኻ ጀሚሮም “ገበነኛ” ኢሎም፥ ከም ዝሰምዩኻን ስለ ዝፈለጥኩ እዩ።

9ስለ ስመይ ኢለ፥ ንቝጥዓይ ከደንጕዮ እየ፤ ከየጥፍአካውን ምእንቲ ምስጋናይ ኢለ፥ ክዕገስ እየ።

10ከም ብሩር ደኣ ኣይኮነን እምበር፥ ኣምከኽኩኻ፤ ብመከራ እቶን ፈተንኩኻ።

11ንባዕለይ ኢለ፥ ምእንቲ ርእሰይ ኢለ ኽገብሮ እየ፤ ከመይ ኢለኸ ስመይ እንትንቀፍ ስቕ ክብል? ክብረይውን ንኻልእ ኣይህብን እየ።

12ኣታ ያእቆብ፥ ዝፀዋዕኹኻ ንስኻ፥ እስራኤልውን ስምዐኒ፤ እግዚኣብሄር ኣነስ ኣነ እየ፤ ቀዳማይ ኣነ እየ፤ ዳሕረዋይውን ኣነ እየ።

13ኢደይ ንምድሪ ሰረተታ፤ የማነይተይውን ንሰማይ ዘርግሐት፤ እንትፅውዖም ከዓ ብሓደ ይቖሙ።

14ኵልኻትኩም ተኣከቡ እሞ ስምዑ፤ ካብኣቶም እዙይ ዝገበረ መን እዩ? እግዚኣብሄር እቲ ዝፈተዎ ፍቓዱ፥ ኣብ ልዕሊ ባቢሎን ክፍፅም እዩ፤ ቅልፅሙውን ኣብ ልዕሊ ከለዳውያን ክኸውን እዩ።

15ኣነ፥ ኣነ ባዕለይ ተናጊረ ኣለኹ፤ ኣነ ፀዊዐዮ ኣለኹ፤ ኣምፂአዮውን ኣለኹ፤ መንገዱውን ክትቃነዐሉ እያ።

16ናባይ ቅረቡ፤ እዙይ ስምዑ፤ ኣነ ካብ መጀመርታ ሒዘ፥ ብሕቡእ ኣይተዛረብኩን፤ ካብቲ ዝኾነሉ ዘመን ጀሚረ ኣብኡ ኣለኹ፤ ሕዚ እውን ጐይታ እግዚኣብሄርን መንፈሱን ለኣኸኒ።

17እግዚኣብሄር፥ እቲ ተቤዛዊኻ ናይ እስራኤል ቅዱስ ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ ዝጠቕመካ ነገር ዝምህረካን፥ በታ እትኸደላ መንገዲ ዝመርሐካን፥ ኣነ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ እየ።

18ኣየ፥ ትእዛዛተይ ሰሚዕኻ እንተ እትኸውን ኔርኻ፥ ሰላምካ ኸም ወሓዚ ሩባ፥ ፅድቅኻውን ከም ማዕበል ባሕሪ ምኾነ ነይሩ።

19ዘርእኻ ኸም ሑፃ፥ ፍረ ኸርስኻውን፥ ከም በነንታ ምድሪ ምኾነ ነይሩ፤ ስሙውን ፈፂሙ ኣይምጠፍአን፥ ካብ ቅድመይውን ኣይምተደምሰሰን።

20ካብ ባቢሎን ውፁ፤ ካብ ከለዳውያን ህደሙ፤ እግዚኣብሄር ንያእቆብ ባርያኡ ተቤዚውዎ እዩ፤ እናበልኩም ብድምፂ ዕልልታ ኣውጁ፤ ክሳዕ ወሰን ምድሪ እውን ንገሩ።

21እግዚኣብሄር ንህዝቡ ብምድረ በዳ፥ ክመርሖም እንተሎ ኣይፀምኡን፤ ማይ ካብ ኰዅሒ ኣውሓዘሎም፤ ኰዅሒ ሰንጢቑውን ኣፍለቐሎም።

22“ንኽፉኣት ሰላም የብሎምን” ይብል እግዚኣብሄር።

ትርጓሜ

48:1-8 ኣይሁድ ካብ ያእቆብ ምውራዶም ይምክሑ ነበሩ፣ ስም የሆዋ ኸኣ ከም ኣምላኾም ይጥቀሙ ነበሩ። ብዛዕባ የሩሳሌምን ቤተ-መቕደስን ይምክሑ ነበሩ፣ እንተኾነ ግን ኣብ ህይወቶም ቅድስና ኣይነበረን። ኣብ እምነት ብቕንዕና እንተዘይብልና፣ ስም እግዚኣብሔር ብኸንቱ ንጥቀም ማለትና እዩ። ብትንቢት፡ ኣምላኽ ከመይ ገይሩ ከም ዝዋግዓሎም፡ ቅድሚ ምፍጻሙ ነዊሕ ጊዜ ተዋህቦም ነበረ። ኣምላኽ ሰባት ብነፍሶም ምምካሖም ንምክልኻል ዝኣክል ተዛሪቡን ገይሩን እዩ፣ እዚ ድማ ሓጢኣትን ጥፍኣትን እቶም ትዕቢተኛታት ዝኸፍእ ይገብሮ። ቅድሚኡ ኹሉ ኣፍ ክዕጸው እዩ፡ ኹሎም ኸኣ ድምጾም ከጥፍኡ እዮም። ኹላትና ደቅ’ቶም ዘይእዙዛት ኴንና ኢና ንውለድ። ትውልዳዊ ሓጢኣት ኣብ ዝሃለወሉ፡ ተግባራዊ ሓጢኣት ክስዕብ እዩ። ሕልና ወዲ ሰብ ኹሉ ንሓቂ ቅዱስ ጽሑፋት ኣይመስክርን ድዩ? እግዚኣብሔር ክምርምረናን፡ ናይ ቃል ፈጸምቲ ኸኣ ከብጽሓና እሞ ይምነ።

48:9-15 ንሕና ርእስና ንኣምላኽ እንብከሮ የብልናን፡ ስለምንታይ ምሕረት ኪገብረልና ከም ዝግባእ። ኪርሕርሕ፡ ንኽብሩን ንኽብሪ ምሕረቱን እዩ። ሰብ ናብ ጸገም ምእታዉ፡ ጥቕሚ ንምግባር እዩ ነይሩ። ነጺህዎም ንምግባር እዩ ነይሩ፡ ግናኸ ከም ብሩር ኣይኮነን፤ ሰብ ብሩር ብዝነጽሓሉ መጠን ኣይኮነን።

ምሉእ ትርጓሜ ኣንብብ ድምጺ፣ ምሉእ ትርጓሜን ብዘይ መስመር ምንባብን

ትርጉማት8 · 6

AMHEVG እናንተ በእስራኤል ስም የተጠራችሁ ከይሁዳም ውኆች የወጣችሁ፥ በእግዚአብሔር ስም የምትምሉ፥ በእውነት ሳይሆን በጽድቅም ሳይሆን የእስራኤልን አምላክ የምትጠሩ፥ አማርኛ ENGNIV “Listen to this, O house of Jacob, you who are called by the name of Israel and come from the line of Judah, you who ta… English BCV ኣቱም ብስም እስራኤል እትፅውዑ፥ ካብ ዓይኒ ማይ ይሁዳ ዝፈልፈልኩም፥ ብስም እግዚኣብሄር እትምሕሉ፥ ብሓቅን ብፅድቅን ደኣ ኣይኮነን እምበር፥ ንኣምላኽ እስራኤል እትፅውዑ፥ እዙይ ስምዑ። ትግርኛ GAZBIB Yaa ijoollee Yaaqoob warri Israa'el jedhamtan, warri gosa Yihudaa keessaa dhalattan, isin warri maqaa Waaqayyootiin kak… Afaan Oromoo BCV GIZ ስምዑ ዘንተ ቤተ ያዕቆብ እለ ተሰመይክሙ በስመ እስራኤል፤ ወእለ ወጽእክሙ እምይሁዳ፤ ወእለ ትምሕሉ በስመ እግዚአብሔር አምላከ እስራኤል፤ ወተዘከርኩክሙ አኮ በጽድቅ ወአኮ በርትዕ። giz GAZGAZ Yaa ijoollee Yaaqoob warri Israa'el jedhamtan, warri gosa Yihudaa keessaa dhalattan, isin warri maqaa Waaqayyootiin kak… Afaan Oromoo AMHNIV “የያዕቆብ ቤት ሆይ፤ እናንት በእስራኤል ስም የተጠራችሁ፣ ከይሁዳ ዘር የተገኛችሁ፣ እናንት በእግዚአብሔር ስም የምትምሉ፣ በእውነት ወይም በጽድቅ ሳይሆን፣ የእስራኤልን አምላክ የምትጠሩ ይህ… አማርኛ SWAHSUV Sikieni haya, enyi watu wa nyumba ya Yakobo, mnaoitwa kwa jina la Israeli, mliotoka katika maji ya Yuda; mnaoapa kwa ji… Kiswahili