ትንቢት ኢሳይያስ 42

BCV aksumትግርኛ25 ፍቕድታት4:30 ስማዕ
ስማዕ 4:30 · መደበኛ ኣብ Biblight ክፈት

1“እንሆ፥ ደጊፈ ዝሓዝኩዎ ባርያይ፥ ኣነ ዝሓረኽዎ፥ ብእኡ ኸዓ ደስ ዝብለኒ፥ ሕሩየይ፥ መንፈሰይ ኣብ ልዕሊኡ ኣሕዲረ ኣለኹ፤ ንሱ ኸዓ ንኣህዛብ ፍትሒ ኸውፅአሎም እዩ።

2ኣይደምፅን፤ ድምፁ ዓው ኣቢሉ፥ ኣብ ኣደባባይ ኣየስምዕን።

3ቅጥቁጥ ሻምብቆ ኣይሰብርን፥ ዝትኪ ፈትሊ ጧፍውን ኣየጥፍእን፤ ብሓቂ ፍትሒ ኸውፅእ እዩ።

4ፍትሒ ኣብ ምድሪ ኽሳዕ ዘምፅእ፥ ይበርህ እምበር ኣይጠፍእን፤ ኣህዛብውን ብስሙ ኽእመኑ እዮም።”

5እቲ ንሰማይ ዝፈጠሮን ዝዘርግሖን፥ ንምድርን ኣብ ውሽጣ ንዘሎን ዘፅንዐ፥ ነቲ ኣብኣተን ዘሎ ህዝቢ እስትንፋስ ዝሃበ፥ ነቶም ኣብኣተን ዝነብሩ ድማ መንፈስ ዝሃበ፥ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዙይ ይብል ኣሎ፦

6“ኣነ እግዚኣብሄር ብፅድቂ ፀዋዕኹኻ፤ ኢድካ ኽሕዝ እየ፤ ክሕልወካውን እየ፤ ንህዝቢ ቓል ኪዳን፥ ንኣህዛብ ድማ ብርሃን ገበርኩኻ።

7ንስኻ ኸዓ ኣዒንቲ ዕዉራት ክትከፍት፥ ንእሱራት ካብ ቤት ማእሰርቲ፥ ነቶም ኣብ ፀልማት ዝነብሩ ኸዓ ኻብ ማእሰርቶም ክተውፅኦም ኢኻ።”

8“ኣነ እግዚኣብሄር እየ፤ ስመይውን እዙይ እዩ። ክብረይ ንኻልእ፥ ምስጋናይውን ንዝተቐረፀ ምስሊ ኣይህብን።

9እንሆ እቲ ናይ ቀደም ነገር ተፈፀመ፤ ሕዚ ኸዓ ሓድሽ ነገር ክነግረኩም እየ፤ ገና እንተይኮነ ብዛዕባኡ ኸፍልጠኩም እየ።”

10ኣቱም ናብ ባሕሪ እትወርዱን፥ ኣብ ውሽጣ ዘለኹም ኵልኻትኩምን፥ ኣትን ደሴታትን ኣብኣተን እትነብሩን፥ ንእግዚኣብሄር ሓድሽ መዝሙር፥ ምስጋናኡውን ካብ ወሰን ምድሪ ዘምሩ።

11በረኻን ከተማታቱን፥ ህዝቢ ቄዳር ዝነብርወን ቁሸታትን፥ ድምፆም ልዕል የብሉ፤ እቶም ኣብ ሴላ ዝነብሩ ዕልል ይበሉ፤ ኣብ ርእሲ እምባታት ኮይኖም ድማ፥ ድምፂ የስምዑ።

12ንእግዚኣብሄር ክብሪ ይሃቡ፤ ምስጋናኡውን ኣብ ደሴታት ይናገሩ።

13እግዚኣብሄር ከም ሓያል ይወፅእ፤ ከም ተዋጋኢ ድማ ብቕንኣት ይለዓል፤ ይፍክርን ይዝምርን፤ ኣብ ልዕሊ ፀላእቱ ኸዓ ይብርትዕ።

14“ካብ ቀደም ጀሚረ ስቕ ኢለ ኣለኹ፤ ስቕ ኢለውን ተዓጊሰ ኣለኹ፤ ሕዚ ግና ሕርሲ ኸም ዝሓዛ ሰበይቲ፥ ዓው ኢለ ድምፂ አስምዕ ኣለኹ፤ ብእህታ ብምንኣኽውን አተንፍስ ኣለኹ።

15ንእምባታትን ኰረብታታትን ከባድሞም፥ ንዅሉ በቝልታቶምውን ከንቅፆ እየ፤ ንሩባታት፥ ደሴታት ክገብሮም እየ፤ ንዒላታትውን፥ ከንፅፎም እየ።”

16“ንዕዉራት ብዘይፈልጥዎ ጐደና ኸምፅኦም እየ፤ ብዘይፈልጥወን መንገድታትውን ክመርሖም እየ፤ ንፀልማት ኣብ ቅድሚኣቶም ብርሃን ክገብሮ እየ፤ ንዝቐይነነውን ከቕንዖ እየ። እዙይ ክገብረሎም እየ፤ ኣይሓድጎምንውን እየ።

17እቶም ብቕርፂ ምስልታት ዝእመኑ፥ ንምስልታት ፍሲ ኸዓ፥ ‘ንስኻትኩም ኣማልኽትና ኢኹም’ ዝብልዎም፥ ንድሕሪት ክምለሱ እዮም፤ የመና ድማ ኽሓፍሩ እዮም።”

18“ኣቱም ፀማማት፥ ስምዑ! ኣቱም ዕዉራትውን፥ ምእንቲ ኽትሪኡስ ጠምቱ!

19እንትርፊ ባርያይ፥ ዕዉር መን እዩ? ከምቲ ዝልእኾ ልኡኸይ፥ ፀማምከ መን እዩ? ከም ፈታዊየይ ዕዉር፥ ከም ባርያ እግዚኣብሄር ዕዉር መን እዩ?

20ብዙሕ ነገር ረአኹም፤ ግና ኣየስተውዓልኩምን፤ ኣእዛንኩም ክፉታት እየን፤ ግና ሓደ እኳ ኣይትሰምዑን።”

21እግዚኣብሄር፥ ስለ ፅድቁ ኢሉ፥ ንሕጉ ዝዓበየን ዝኸበረን ክገብሮ ደለየ፤

22ግና እዝ ህዝቢ እዙይ፥ ዝተወረረን ዝተዘመተን እዩ፤ ኵላቶም ኣብ በዓቲ ተፃወዱ፤ ናብ ቤት ማእሰርቲ ኸዓ ተዳጐኑ፤ ንዘመተ ተወፈዩ፤ መናገፊ ኸዓ የለን፤ ተማረኹ፤ “ምለስ” ዝብል ድማ የለን።

23ካባኻትኩም ነዙይ ፅን ዝብሎ መን እዩ? ንሓዋሩ ኢሉ፥ ብምስትውዓል ዝሰምዖኸ መን እዩ?

24ንያእቆብ ንወራር፥ ንእስራኤል ድማ፥ ንዘመተ ዝሃበ መን እዩ? እቲ ብመንገዱ ኽመላለሱ ዘይደለዩ፥ ንሕጉ ድማ ዘይተኣዘዙ፥ ንሕናውን ዝበደልናዮ፥ እግዚኣብሄርዶ ኣይኮነን?

25ስለዙይ ቍጥዓ መዓቱን፥ ብርቱዕ ውግእን ኣፍሰሰሉ፤ ኣብ ዙርያኡ ኣንደዶ፥ ንሱ ግና ኣይፈለጠን፤ ኣቃፀሎ፥ ንሱ ግና ኣየስተውዓለን።

ትርጓሜ

42:1-4 እዚ ትንቢት እዚ ብክርስቶስ ተፈጺሙ እዩ (ማቴ 12:17)። ነፍስና በእኡ ትውከል፣ ከምኡውን በእኡ ትሓጎስ። ሽዑ ድማ፣ ስለኡ ኢሉ፣ ኣቦ ብኣና ክድስኮረና እዩ። መንፈስ ቅዱስ ብዘይካ ምምጽኡ፣ ብዘይ መጠን ኣብኡ ሰፈረ። ምጽራር ሓጥኣን ብትዕግስቲ ጾረ። መንግስቱ መንፈሳዊት እያ፤ ብምድራዊ ክብሪ ክርአ ኣይነበሮን። ንኣብ ጥርጣረን ፍርሃትን ንዝተጸቕጡ ይርሕርሓሎም፤ ከም እተሰባበረ ሸምቀለ፣ ከምቲ ዚትክኽ ዘሎ ቕርብ መብራህቲ ሓድሽ እተወልዐ እሞ እንደገና ኪጠፍእ ድሉው ዝኾነ። ኣይነዓቖምን እዩ፣ ወይ ከኣ ካብ ዓቕሞም ንላዕሊ ዕዮ ወይ መከራ ኣይኬንብርሎምን እዩ። ብነዊሕ ተኸታታሊ ተኣምራትን ብትንሳኤኡን፣ ሓቂ ናይ ቅድስቲ ሃይማኖቱ ብምሉኡ ኣርኣየ። ብሓይሊ ወንጌሉን ጸጋኡን፣ ንሰባት ጥበበኛታትን ጻድቃንን ንኽገብሩ ዝሕግዙ መሰረታዊ መትከላት ኣብ ኣእምሮኦም የጽንዕ። ኣብ ርሑቕ ዘለዉ ህዝብታት ንሕጉ ይጽበዩ፣ ንወንጌሉ ይጽበዩ፣ ከምኡውን ብሓጎስ ክቕበልዎ እዮም። ጽውዓናን ምርጫናን ክነረጋግጽ እንተደኣ ዄንና፣ ከምኡውን ኣቦ ንኣና ንሰናይና ሓጎስ ክረክብ እንተደኣ ደሊና፣ ንክርስቶስ ክንርእዮ፣ ክንሰምዖ፣ ክንኣምነሉ፣ ከምኡውን ክንእዘዞ ይግብኣና።

42:5-12። እቲ ስራሕ ቤዛነት፡ ንሰብ ናብቲ ፈጣሪኡ ንዝኾነ ኣምላኽ ኪፍጽሞ ዝግበኦ ምእዛዝ ይመልሶ። ክርስቶስ ብርሃን ዓለም እዩ። ብጸግኡ ድማ ሰይጣን ዘዕወሮ ኣእምሮ የኽፍት፡ ካብ ባርነት ሓጢኣት ድማ ሓራ የውጽእ። እግዚኣብሄር ንቤተክርስትያኑ ደጊፉዋ ኣሎ።

ምሉእ ትርጓሜ ኣንብብ ድምጺ፣ ምሉእ ትርጓሜን ብዘይ መስመር ምንባብን

ትርጉማት8 · 6

AMHEVG እነሆ ደግፌ የያዝሁት ባሪያዬ፤ ነፍሴ ደስ የተሰኘችበት ምርጤ፤ በእርሱ ላይ መንፈሴን አድርጌአለሁ፥ እርሱም ለአሕዛብ ፍርድን ያወጣል። አማርኛ ENGNIV “Here is my servant, whom I uphold, my chosen one in whom I delight; I will put my Spirit on him and he will bring just… English BCV “እንሆ፥ ደጊፈ ዝሓዝኩዎ ባርያይ፥ ኣነ ዝሓረኽዎ፥ ብእኡ ኸዓ ደስ ዝብለኒ፥ ሕሩየይ፥ መንፈሰይ ኣብ ልዕሊኡ ኣሕዲረ ኣለኹ፤ ንሱ ኸዓ ንኣህዛብ ፍትሒ ኸውፅአሎም እዩ። ትግርኛ GAZBIB Waaqayyo itti fufee,“Kunoo, garbichi koo inni ani ol ol qabu, inni ani fo'adhe, inni ani jaalladhu isa kana! Ani hafuur… Afaan Oromoo BCV GIZ ናሁ ቍልዔየ ዘአኀዝክዎ፤ ወእስራኤል ኅሩይየ ዘተወክፈቶ ነፍስየ፤ ወወሀብኩ መንፈስየ ዲቤሁ ያመጽእ ፍትሐ ለአሕዛብ። giz GAZGAZ Waaqayyo itti fufee,“Kunoo, garbichi koo inni ani ol ol qabu, inni ani fo'adhe, inni ani jaalladhu isa kana! Ani hafuur… Afaan Oromoo AMHNIV “ደግፌ የያዝሁት አገልጋዬ፣ በእርሱም ደስ የሚለኝ ምርጤ ይህ ነው፤ መንፈሴን በእርሱ ላይ አደርጋለሁ፤ ለአሕዛብም ፍትሕን ያመጣል። አማርኛ SWAHSUV Tazama mtumishi wangu nimtegemezaye; mteule wangu, ambaye nafsi yangu imependezwa naye; nimetia roho yangu juu yake; na… Kiswahili