ትንቢት ኢሳይያስ 3

BCV aksumትግርኛ26 ፍቕድታት4:08 ስማዕ
ስማዕ 4:08 · መደበኛ ኣብ Biblight ክፈት

1እንሆ፥ ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር፥ ካብ ኢየሩሳሌምን ካብ ይሁዳን ደገፍን ፅንዓትን፥ ኵሉ ደገፍ እንጀራን ኵሉ ደገፍ ማይን ከወግድ እዩ።

2ንጅግና ንተዋጋኢ ንፈራዲ ንነቢይ ንጠንቋሊ ንሽማግለ፥

3ንሓለቓ ሓምሳን ንምርኡይን ንመማኸርን ንበዓል ኢደ ጥበብን ንብልሓተኛ ዓዛሚን ከወግዶም እዩ።

4መራሕቶም ክኾኑ፥ ቈልዑ ኸልዕለሎም እየ፤ ህፃናት ከዓ ኽገዝእዎም እዮም።

5ሰብ ኣብ ልዕሊ ሰብ፥ ሰብ ኣብ ልዕሊ ብፃዩ ኽደፋፋእ እዩ። ቈልዓ ኣብ ልዕሊ ሽማግለታት፥ ሕሱር ድማ ኣብ ልዕሊ ኽቡር ክዕበ እዩ።

6ሰብ ኣብ ውሽጢ እንዳቦኡ፥ ንሓዉ ሒዙ “ንስኻ ኽዳን ኣለካ እሞ፥ መራሒ ኹነና፤ ነዝ ዑና እዙይ ከዓ ኣብ ትሕቲ ኢድካ ግበሮ” እንትብሎ፥

7ንሱ ኸዓ በታ መዓልቲ እቲኣ፥ ድምፁ ዓው ኣቢሉ “ኣነ በዓል መድሓኒት ኣይከውንን፤ ኣብ ቤተይ ድማ እንጀራ ወይ ክዳን የለን እሞ፥ መራሒ ህዝቢ ኣይትግበሩኒ” ክብል እዩ።

8ነዒንቲ ኽብሩ ኸቘጥዑ፥ ልሳኖምን ግብሮምን ኣንፃር እግዚኣብሄር እዩሞ፥ ኢየሩሳሌም ሰንከልከል ትብል ኣላ፤ ይሁዳ ኸዓ ትወድቕ ኣላ።

9ሕፍረት ገፆም ይምስክረሎም ኣሎ፤ ንሓጢኣቶም ከም ሰዶም የውርይዎ፤ ኣይሓብእዎንውን፤ ኣብ ርእሶም ጥፍኣት የምፅኡ ኣለዉ እሞ፥ ንነፍሶም ወይለኦም!

10ፍረ ስራሖም ክበልዑ እዮም እሞ፥ ንፃድቕ ሰናይ ክኾነልካ እዩ በልዎ።

11ንበደለኛታት ግና ኽፍኣት ክረኽቦም እዩ፤ ከም ግብሪ ኢዶም ከዓ ኽፍደዩ እዮም እሞ ወይለኦም!

12ንህዝበይ ኣገበርቶም ይገፍዕዎም፤ ጨቆንቶም ከዓ ይገዝእዎም። ኦ ህዝበይ፥ መራሕትኻ ኣጋገዩኻ፤ ነታ እትኸደላ መንገዲውን የጥፍእዋ ኣለዉ።

13እግዚኣብሄር ንፍርዲ ተልዒሉ ኣሎ፤ ኣብ ልዕሊ ህዝቡውን ክፈርድ ቆይሙ ኣሎ።

14እግዚኣብሄር ነቶም ዓበይቲ ህዝቡን ኣሕሉቕን ይፈርዶም፤ “ኣታኽልቲ ወይኒ ዝበላዕኹም ንስኻትኩም ኢኹም፤ ካብ ድኻታት ዝወረርኩምዎውን ኣብ ገዛኻትኩም ይርከብ።

15ንህዝበይ ንምንታይ ተድቅቕዎ ኣለኹም? ንገፅ ድኻታት ንምንታይ ትጥሕንዎ ኣለኹም?” ይብል ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር።

16መሊሱ እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ “ኣዋልድ ፅዮን ኮሪዐን፥ ክሳውደን ገቲረን፥ በዒንተን እናጠቐሳ፥ ግንትእ ብዝበለ ኣረጋግፃ፥ ናይ እግረን ኣልቦ እናቃጨላ ይኸዳ ኣለዋሞ፥

17ስለዙይ ጐይታ ንናላ ኣዋልድ ፅዮን ከንኵዖ፥ ንሕፍረተን ከዓ ኽቐልዖ እዩ።”

18በታ መዓልቲ እቲኣ ጐይታ ንናይ ክብሪ ገይፀን፥ ንኣምባር እግረንን ንገይፂ ፀጕረንን፥ ቅርፂ ወርሒ ንዘለዎ ገይፂ ኽሳደንን፥

19ኩትቻ እዝነንን ኣምባር ኢደንን መሸፈኒ ገፀንን፥

20መሸፈኒ ርእሰንን፥ ኣልቦአንን ሰንሰለተንን፥ ቅናተንን፥ ብልቃጥ ሽቶአንን፥ ክታበንን፥

21ቀለበት ኣፃብዕተንን፥ ቀለበት ኣፍንጫአንን፥

22ዝፀበቐ ቐሚሸንን፥ ቀሚሽ ውሽጠንን፥ ካባኣተንን፥ ናይ ኢድ ቦርሳአንን፥

23መስትያተንን፥ ካብ ፅቡቕ ኤፉድ ዝተሰርሐ ኽዳነንን፥ ገይፂ ርእሰንን፥ ኵሉ ዓይኒ ርግብን ክምንጥለን እዩ።

24ከምዙይውን ክኸውን እዩ፤ ክንዲ ምዑዝ ሽቱ ሕማቕ ጨና፥ ክንዲ ቕናት ከዓ ገመድ፥ ክንዲ ቝናኖውን ነዃዕነት፥ ክንዲ መጐናፀፍያ ከዓ ወጮ፥ ክንዲ ፅባቐ መልክዕውን በሰላ ንዳድ ሓዊ ክኸውን እዩ።

25ኣጓብዝኪ ብሰይፊ፥ ጀጋኑኺ ኸዓ ኣብ ውግእ ክወድቁ እዮም።

26በሪታታ ኽሓዝናን ክበኽያን፤ ንሳውን በይና ኣብ ምድሪ ኽትቕመጥ እያ።

ትርጓሜ

3:1-9 ኣምላኽ ንይሁዳ ኻብ ኵሉ መጸግዕን ደገፍን ክምንዝዓ እዩ ነይሩ። እታ ከተማን እታ ምድርን ክባድማ እዩን ነይሩ፣ ምኽንያቱ ቓሎምን ግብሮምን ንእግዚኣብሔር ኣመጽቲ ስለ ዝነበሩ፣ ኣብ ቅዱስ ቤተ መቕደሱ እኳ ደኣ። ሰባት ኣብ ኣምላኽ እንተ ዘይተነብሩ፣ ንሱ ድማ ብቕልጡፍ ኵሉ እተረፈ ደገፍ ከርሕቕ እዩ፣ ሽዑ ድማ ክጥሕሉ ግድነት እዩ። ክርስቶስ እንጌራ ህይወት ከምኡውን ማይ ህይወት እዩ፤ ንሱ መጸግዕና እንተ ኾይኑና፣ እቲ ዘይውሰድ ጽቡቕ ክፍሊ ምዃኑ ክንረክብ ኢና፣ ዮሃንስ 6:27። ኣብዚ እዚኣትኩም ኣስተብህሉ፦ 1. ኩነታት ሓጥኣን ኣዝዩ ዘሕዝን ምዃኑ። 2. ብሓጢኣት ዝጕድእ ነፍሲ እያ። 3. ንሓጥኣን ዝወርዶም ዝኾነ ይኹን ክፉእ ባዕላቶም ከም ዘምጽእዎ ምእማን የድሊ።

3:10-15 እቲ ስርዓት ፍጹም ርግጽ ነበረ፤ ሃገራዊ ብልጽግና ወይ ጸበባ ይሃሉ ወይ ኣይሃሉ፣ ንጻድቃን ጽቡቕ ክኸውን እዩ፣ ንረሲኣን ድማ ሕማቕ ክኸውን እዩ። እግዚኣብሔር ይባረኽ! ንጻድቃን ኣብኡ ንኽእመኑ፣ ንሓጥኣን ድማ ንስሓ ንኽኣትዉን ናብኡ ንኽምለሱን ብዙሕ ምትብባዕ ኣሎ።

ምሉእ ትርጓሜ ኣንብብ ድምጺ፣ ምሉእ ትርጓሜን ብዘይ መስመር ምንባብን

ትርጉማት8 · 6