ትንቢት ኢሳይያስ 39

BCVትግርኛ8 ፍቕድታት2:09 ስማዕ
ስማዕ 2:09 · መደበኛ ኣብ Biblight ክፈት

1በታ ጊዜ እቲኣ መሮዳክ፥ ወዲ ባልዳን ንጉስ ባቢሎን፥ ሕዝቅያስ ሓሚሙ ኸም ዝሓወየ ሰሚዑ ነበረ እሞ፥ መልእኽትን ገፅ በረኸትን ሰደደሉ።

2ሕዝቅያስ ድማ ብኣኣቶም ተሓጐሰ እሞ፥ ነቲ ቤት መዛግብቱ፥ ንብሩርን ወርቅን ቀመማ ቐመምን፥ ነቲ ኽቡር ዘይትታትን፥ ንዅሉ ቤት ኣፅዋርን፥ ነቲ ኣብ መዝገቡ ዝፀንሐ ዅሉን ኣርኣዮም። ኣብ ቤቱን ኣብ መንግስቱን ካብ ዝነበረ፥ ሕዝቅያስ ዘየርኣዮም ሓደ እኳ ኣይተረፈን።

3ሽዑ ነቢይ ኢሳይያስ ናብ ንጉስ ሕዝቅያስ መፂኡ “እዞም ሰባት እንታይ በሉኻ? ካበይከ መፁ?” በሎ። ንጉስ ሕዝቅያስ ድማ “ኻብ ርሑቕ ሃገር፥ ካብ ባቢሎን ዝመፁ እዮም” በሎ።

4ኢሳይያስ ከዓ “ኣብ ቤትካኸ እንታይ ረአዩ?” ኢሉ ጠየቖ። ሕዝቅያስ ድማ “ኣብ ቤተይ ዘሎ ዅሉ ሪኦም እዮም። ካብቲ ኣብ መዝገበይ ዘሎ ዅሉ ዘየርአኽዎም ሓደ እኳ የለን” ኢሉ መለሰሉ።

5ሽዑ ኢሳይያስ ንሕዝቅያስ “ንቓል ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር ስማዕ፦

6እንሆ፥ ነቲ ኣቦታትካ ኽሳዕ ሎሚ ዝኣከብዎ፥ ኣብ ቤትካ ዘሎ ዅሉ፥ ሓደ እኳ እንተይተረፈ፥ ናብ ባቢሎን ዝወስዱለን መዓልቲታት ክመፃ እየን ይብል እግዚኣብሄር።

7ካባኻ ዝውለዱ ደቅኻ ኸዓ፥ ናብ ስደት ክውሰዱ እዮም እሞ፥ ስሉባት ኮይኖም ኣብ ቤት ንጉስ ባቢሎን ከገልግሉ እዮም” በሎ።

8ሕዝቅያስ ከዓ ደጊምስ ብዘመነይ ሰላምን ሓቅን ክኸውን እዩ ኢሉ ስለ ዝሓሰበ፥ ንኢሳይያስ “እቲ ዝተዛረብካዮ ቓል እግዚኣብሄር ፅቡቕ እዩ” በሎ።

ትርጉማት8 · 6

AMHEVG በዚያም ወራት የባቢሎን ንጉሥ የባልዳን ልጅ መሮዳክ ባልዳን ሕዝቅያስ ታምሞ እንደ ተፈወሰ ሰምቶ ነበርና ደብዳቤና እጅ መንሻ ላከለት። አማርኛ ENGNIV At that time Merodach-Baladan son of Baladan king of Babylon sent Hezekiah letters and a gift, because he had heard of … English GAZBIB Merodaak-Baladaan ilmi Baladaan mootiin Baabilon, Hisqiyaas dhukkubsatee akka fayye yommuu dhaga'e, caaffataa fi kennaa… Afaan Oromoo BCV GIZ ወውእተ አሚረ ለአከ መሮዳክ በልዳንሃ ወልደ በልዳን ንጉሠ ባቢሎን መጻሕፍተ ወተናብልተ ወአምኃ ኀበ ሕዝቂያስ፤ እስመ ሰምዐ ከመ ደወየ ወበጽሐ ለመዊት ወሐይወ። giz GAZGAZ Merodaak-Baladaan ilmi Baladaan mootiin Baabilon, Hisqiyaas dhukkubsatee akka fayye yommuu dhaga'e, caaffataa fi kennaa… Afaan Oromoo BCV aksum በታ ጊዜ እቲኣ መሮዳክ፥ ወዲ ባልዳን ንጉስ ባቢሎን፥ ሕዝቅያስ ሓሚሙ ኸም ዝሓወየ ሰሚዑ ነበረ እሞ፥ መልእኽትን ገፅ በረኸትን ሰደደሉ። ትግርኛ AMHNIV በዚያን ጊዜ የባቢሎን ንጉሥ፣ የባልዳን ልጅ፣ መሮዳክ ባልዳን የሕዝቅያስን መታመምና መፈወስ ሰምቶ ስለ ነበር፣ ደብዳቤና ስጦታ ላከለት። አማርኛ SWAHSUV Wakati huo Merodakibaladani, mwana wa Baladani, mfalme wa Babeli, alipeleka barua na zawadi kwa Hezekia; kwa maana amep… Kiswahili