ትንቢት ኢሳይያስ 35

BCVትግርኛ10 ፍቕድታት2:15 ስማዕ
ስማዕ 2:15 · መደበኛ ኣብ Biblight ክፈት

1በረኻን ምድሪ ኣፃምእን ደስ ክብሎም እዩ፤ እቲ ምድረ በዳ ኸዓ ዕልል ክብል፥ ከም ፅጌረዳ ድማ ኽዕምብብ እዩ።

2ኣፀቢቑ ኽዕምብብ፥ ብምስጋናን ብደስታን ዕልል ክብል እዩ። ክብሪ ሊባኖስን ግርማ ቀርሜሎስን ሳሮንን፥ ክወሃቦ እዩ። ክብሪ እግዚኣብሄርን፥ ግርማ ኣምላኽናን ክሪኡ እዮም።

3ንዝደኸማ ኣእዳው ኣበርትዑ፤ ንዝላሕልሑ ኣብራኽ ኣፅንዑ።

4ነቶም ፈራሕ ዝልቦም፥ “ኣይዞኹም፥ ኣይትፍርሑ፤ እንሆ፥ ኣምላኽኩም ሕነ ኽፈዲ፥ ክብቀል ክመፅእ እዩ፤ ባዕሉ ኸድሕነኩም ክመፅእ እዩ” በልዎም።

5ሽዑ ኣዒንቲ ዕዉራት ክበርሃ፥ ኣእዛን ፀማማት ክኽፈታ እየን።

6ሽዑ ሓንካስ ከም መይዳቝ ክዘልል፥ ኣንደበት በሃም ከዓ ኽዝምር እዩ፤ ማያት ኣብ በረኻ፥ ወሓይዝ ድማ፥ ኣብ ምድረ በዳ ኽፍልፍል እዩ።

7ምድሪ ረመፅ፥ ቃላይ፥ ምድሪ ኣፃምእ ከዓ ዓይኒ ማያት ክኸውን እዩ። እታ ወኻሩ መሳፍሮ ገይረናኣ ዝነበራ ስፍራ፥ መብቈል ሰትን ሰልሰላን ሻምብቆን ክትከውን እያ።

8ኣብኡ ፅርግያን መንገድን ክህሉ እዩ፤ “ቅዱስ ጐደና” ተብሂሉ ኸዓ ኽፅዋዕ እዩ። ዝረኸሰ ብእኡ ኣይሓልፍን እዩ፤ ንንፁሃን ግና ይኸውን፤ እቲ ብኣኣ ዝኸይድ፥ ዓሻ እኳ እንተ ኾነ ኣይጋገን እዩ።

9ኣንበሳ ኣይህልዎን፤ ዝጓዳእ ኣራዊት ኣይድይቦን፤ ኣብኡውን ኣይርከብን እዩ፤ ብኣኣ ዝኸዱ ዝደሓኑ ጥራሕ እዮም፤

10እቶም እግዚኣብሄር ዝተቤዘዎም ክምለሱ እዮም፤ እናዘመሩ ናብ ፅዮን ክኣትዉ እዮም፤ ናይ ዘለኣለም ሓጐስ ኣብ ርእሶም ክኸውን እዩ፤ ሓዘንን ትካዘን ክሃድም እዩ፤ ደስታን ሓጐስን ክረኽቡ እዮም።

ትርጓሜ

35:1-4 ኣብ ዘመነ ህዝቅያስ ይሁዳ ትድምቕ እኳ እንተነበረት፣ እቲ ዓብዪ ዕላማ ግና መንግስቲ ክርስቶስ እዩ። ናይ ምምላስ ጸጋ ነታ በረኻ ዝነበረት ነፍሲ ብሓጎስን ብምዝማርን ከተሕጉስ፣ ብብዝሒ ድማ ክትዕንብብ ይገብራ። እቶም ድኹማትን ፈራሃት ልቢ ዘለዎምን ይተባብዑ። እዚ ዕላማ ወንጌል እዩ። ፍርሃት የድክም። ክንቃወሞ እንከለና ንሕና ንምግባርን ንምስቓይን እናበርትዐና ንኸይድ። እቲ ኸኣ፡ በርትዑ! ዝብለና፣ ኣብቲ ብርቱዕ ንዓና ሓገዝ ኣንቢሩልና እዩ። ብዛዕባ ምቕራብ መሲሕ ምትእምማን ተዋሂቡ። ንሱ ኣብ ልዕሊ ሓይልታት ጸልማት ንምብቃዕን፣ ነቶም ኣብ ጽዮን ዚሓዝኑ ብብዝሒ ምጽንናዕ ንምምላስን፣ ኪመጽእን ኬድሕንን እዩ። ንሱ ኣብ መወዳእታ ዘመን እንደገና ኺመጽእ እዩ፣ ነቶም ህዝቡ ዘጨነቑ ኺቐጽዖም፣ ነቶም ዝተጨነቑ ድማ ንኹሉ ጭንቀቶም ምሉእ ዓስቢ ዚኸውን ዕረፍቲ ኺህቦም።

35:5-10 ክርስቶስ ኣብ ዓለም መንግስቱ ንኸቕውም ክመጽእ ከሎ፡ ሽዑ ተኣምራት፡ ዓበይቲ ተኣምራት፡ ኣብ ነፍሳት ሰባት ክስርሑ እዮም። ብቃልን መንፈስን ክርስቶስ፡ እቶም መንፈሳውያን ዕዉራት ብርሃን ረኸቡ፤ እቶም ንጽውዓት ኣምላኽ ጸማም ዝነበሩ ድማ ብቕልጡፍ ንኽሰምዑ ተገበሩ።

ምሉእ ትርጓሜ ኣንብብ ድምጺ፣ ምሉእ ትርጓሜን ብዘይ መስመር ምንባብን

ትርጉማት8 · 6