1ኣቱም ኣህዛብ፥ ክትሰምዑ ቕረቡ! ኣቱም ህዝብታት ፅን በሉ፤ ምድርን ኣብ ውሽጣ ዘሎ ዅሉን፥ ዓለምን እቲ ዅሉ ኻብኣ ዝወፅእን ይስማዕ።
2ቍጥዓ እግዚኣብሄር ኣብ ልዕሊ ዅሎም ኣህዛብ፥ መዓቱውን ኣብ ልዕሊ ዅሎም ሰራዊት እዩ፤ ፈፂሙ ኸዓ ኸጥፍኦም እዩ፤ ንማሕረዲውን ከወፍዮም እዩ።
3እቶም ካብኣቶም ዝተቐትሉ ናብ ደገ ኽድርበዩ እዮም፤ ሬሳኣቶምውን ክጨኑ እዩ፤ እምባታት ድማ ብደሞም ክርሕሱ እዮም።
4ኵሎም ሰራዊት ሰማይ ክጠፍኡ እዮም፤ ሰማያትውን ከም መፅሓፍ ክጥቕለሉ እዮም፤ ከምቲ ቘፅሊ ኻብ ተኽሊ ወይንን፥ ካብ ኦም በለስን ዝረግፍ፥ ኵሎም ሰራዊት ሰማይ ከዓ ኸምኡ ኽረግፉ እዮም።
5ሰይፈይ ኣብ ሰማይ ኮይና ኽሳዕ እትረዊ ሰትያ ኣላ፤ እንሆ፥ ኣብ ኤዶምያስን፥ ኣብቲ ዝረገምክዎ ህዝብን፥ ንፍርዲ ኽትወርድ እያ።
6እግዚኣብሄር መስዋእቲ ኣብ ባሶራ፥ ኣብ ሃገር ኤዶምያስ ድማ ብዙሕ ሕሩድ ክገብር እዩ እሞ፥ ሰይፊ እግዚኣብሄር ብደም ተኣሊኻ ኣላ፤ ብስብሕን ብደም ጡበታትን ወጣጡን ብስብሒ ዀላሊት ማጓሉን ከዓ ተሸፊና ኣላ።
7ምስኣቶም ድማ ጐባያትን ኣእሩሕን ዝራብዓትን ይወድቁ፤ ሃገሮም ከዓ ብደም ክትረዊ፥ ሓመዶምውን ብስብሒ ኽትረጕድ እያ።
8መዓልቲ በቀል እግዚኣብሄር፥ ስለ ፅዮን ክርክር፥ ዓመት ምፍዳይ ሕነ እዩሞ።
9ወሓይዝ ኤዶምያስ ናብ ቅጥራን፥ ሓመዳ ኸዓ ናብ ዲን ክልወጥ፥ ምድራውን ነዳዲ ቕጥራን ክኸውን እዩ።
10ለይትን መዓልትን እንተይጠፍአ ኽነድድ እዩ። ትካ ንዘለኣለም ክተክኽ፥ እታ ሃገር ንውሉድ ወለዶ ኽትባድም፥ ንዘለኣለም ሓደ እኳ ብኣኣ ኣይሓልፍን እዩ።
11ሊሎን ኣባ ጕምባሕን ቅንፍዝን ናቶም ክገብርዋ፥ ጕጓን ኳዅን ክነብርዋ እዮም። ኣብ ልዕሌኣውን ናይ ምፍራስ ገመድ፥ ናይ ጥፍኣታ መለክዒ ቱምቢን፥ ክዝርግሐላ እዩ።
12መሳፍንታ ናብ መንግስቲ ይፅውዑ፤ ግና ሓደ እኳ ኣይርከባን፤ ኵላቶም መሳፍንታ ኸንቱ ክኾኑ እዮም።
13እሾዅ ኣብ ኣደራሻታ፥ ኣምዐን ኳዂቶን ከዓ ኣብ ዕርድታታ ኽበቍል እዩ፤ ሰፈር ወኻሩን መውዓሊ ሰገንን ክትከውን እያ።
14ኣራዊት በረኻን ተዃሉን ኣብኣ ይራኸቡ፤ ኣጋንንቲ ኸዓ ይፀዋውዑ፤ ዛር ለይቲ ድማ ኣብኣ ይነብር፤ ቦታ ዕረፍቲውን ይረኽበላ።
15ጕጓ ኣብኣ ሰፈራ ትሰርሕ፤ እንቍላሊሓውን ክተውድቕ፥ እንቝላሊሓ ጨጪሓ ከዓ ንጨቓዊታ በኽናፋ ኽትሓቝፈን እያ። ኣብኡውን ኣሞራታት ነንሕድሕዶም ምስ ብፆቶም ክእከቡ እዮም።
16ኣብ መፅሓፍ እግዚኣብሄር ድለዩን ኣንብቡን፥ ኣፈይ ኣዚዙ እዩሞ፥ መንፈሱውን ኣኪብዎም እዩሞ፥ ካብዚኣቶም ሓደ እኳ ኣይጠፍእን እዩ፤ መፃምዲውን ኣይስእንን እዩ።
17ንሱ እዩ ዕፃ ዘውደቐሎም፥ ኢዱውን ብገመድ ከፈለትሎም። ንሳቶም ከዓ ንዘለኣለም ይገዝእዋ፤ ንውሉድ ወለዶውን ክነብርዋ እዮም።