ትንቢት ኢሳይያስ 29

BCV aksumትግርኛ24 ፍቕድታት4:54 ስማዕ
ስማዕ 4:54 · መደበኛ ኣብ Biblight ክፈት

1ኣቲ ዳዊት ዝሰፈረኪ ኸተማ ኣርኤር፥ ወይለኺ! ዓመት ኣብ ዓመት ወስኹ፤ በዓላትውን ይመለሱ።

2ኣነ ንኣርኤር ከጨንቐላ እየ፤ ዋይ ዋይታን ቍዘማን ክኾና እዩ። ንሳውን ከም ኣርኤር ክትኮነኒ እያ።

3ኣነ ኣብ ዙርያኺ ኽሰፍር እየ፤ ብቕፅሪ ኸቢበ ኸጨንቐኪ፥ ኣብ ልእሌኺውን ዕርዲ ኽቐውም እየ።

4ሽዑ ኽትዋረዲ፥ ኣብ ምድሪ ዄንኺ ኽትዛረቢ ኢኺ፤ ቃልኪውን ትሕት ኢሉ ኻብ ሓመድ ክወፅእ፥ ድምፅኺውን ካብ መሬት ከም ዝወፅእ፥ ድምፂ ፀዋዒ መናፍስቲ ክኸውን እዩ፤ ቃልኪ ድማ ኻብ ሓመድ ሕሽዅሹኽ ክብል እዩ።

5ብዝሓት ፀላእትኺ ግና ኸም ልሑም በነንታ፥ እቶም መጨነቕትኺ ኸዓ ኸም ዝሓልፍ ብቝቡቕ ክኾኑ እዮም፤ እዙይውን ብድንገት ክኸውን እዩ።

6ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር፥ ብነጐድጓድን ብምንዋፅ ምድርን፥ ብብርቱዕ ሞገድን ብኣውሎ ንፋስን፥ ብፀፍዒ ማይን ብዘቃፅል ሃልሃልታ ሓዊን፥ ናባኺ ኽመፅእ እዩ።

7ሽዑ ብዝሒ እቶም ኣብ ልዕሊ ኣርኤር ዝለዓሉ ዅሎም ኣህዛብ፥ ብዝሒ ዅሎም እቶም ንኣኣን ንዕርዳን ዝወግኡን ዘጨንቕዋን፥ ከም ሕልምን ከም ራእይ ለይትን ክኸውን እዩ።

8ኵሎም እቶም ንእምባ ፅዮን ዝወግኡ ኣህዛብ፥ ከምቲ ጥሙይ ብሕልሙ ዝበልዕ፥ ግና ጥራሕ ከብዱ ዝነቅሕ፥ ከምቲ ፅሙእ ብሕልሙ ዝሰቲ፥ ግና ብፅምእቲ ነፍሱ ዝትስእ፥ ክኾኑ እዮም።

9ተደነቑን ተገረሙን፤ ተዓመቱን ዕዉራትውን ኩኑ፤ ስኹራት እዮም ግና ብወይኒ ኣይኮነን።

10እግዚኣብሄር፥ መንፈስ ከቢድ ድቃስ ኣውዲቑልኩም እዩ እሞ፥ ነዒንትኹም ደፈነ፤ ንነቢያትን ንመራሕትኹምን ንሰብ ራእይን ከዓ ኣዐመቶም።

11ኵሉ ራእይ ከም ቃላት ሕቱም መፅሓፍ ኮይንኩም ኣሎ፤ ንሓደ ንባብ ዝፈልጥ “በይዛኻ እስኪ እዙይ ኣንብበልና” ኢሎም እንተ ሃብዎ፥ ንሱ “ሕቱም ስለ ዝኾነ፥ ከንብቦ ኣይክእልን” ይብሎም።

12ንሓደ ንባብ ዘይፈልጥ ከዓ “እንካ እስኪ ነዙይ ኣንብብ” ኢሎም እንተ ሃብዎ፥ ንሱውን “ምንባብ ኣይክእልን እየ” ይብሎም።

13እግዚኣብሄር ከዓ በለ፦ “እዝ ህዝቢ እዙይ ብኣፉ ይቐርበኒ፤ ብኸናፍሩውን የኽብረኒ፤ ልቡ ግና ኻባይ ዝረሓቐ እዩ። ብናይ ሰብ ስርዓትን ትምህርትን እዩ ዝፈርሐኒ።

14ስለዙይ ኣብ እዝ ህዝቢ እዙይ፥ ዘደንቕ ተግባርን ተኣምራትን፥ ወሲኸ ኽገብር እየ። ጥበብ እቶም ጥበበኛታት ክጠፍእ፥ ምስትውዓል እቶም መስተውዓልቲውን ክስወር እዩ።”

15እቶም ንምኽሮም ካብ እግዚኣብሄር ኣዕሚቖም ዝሓብኡ፥ ተግባሮም ከዓ ብፀልማት ዝገብሩ እሞ “መን ይሪአና? መንከ ይፈልጠና?” ዝብሉ ወይለኦም!

16እዙይ ናታትኩም ቀይናንነትዶ ኣይኮነን? ከም ሰራሒ መሬትዶ እትቝፀሩ ኣይኮንኩምን? ስሩሕዶ ንሰራሒኡ “ንስኻ ኣይሰራሕኻንን” ይብሎ እዩ? ወይ እቲ እተገብረ፥ ንገባሪኡዶ “ኣይተስተውዕልን ኢኻ” ይብሎ እዩ?

17ዱር ሊባኖስ ናብ ፍርያም ግራት ክልወጥ፥ እቲ ፍርያም ግራት ከዓ ኸም ዱር ክቝፀር፥ ቁሩብ ጊዜዶ ኣይኮነን ተሪፉ ዘሎ?

18በታ መዓልቲ እቲኣ ፀማማት ንቓል እቲ መፅሓፍ ክሰምዑ፥ እተን ኣብ ፅልግልግን ፀልማትን ዝነበራ፥ ኣዒንቲ ዕዉራት ከዓ ኽሪኣ እየን።

19እቶም ትሑታት ብእግዚኣብሄር ደስ ክብሎም እዩ፤ ኵሎም እቶም ኣብ ማእኸል ሰብ ዘለዉ ድኻታት ከዓ፥ በቲ ናይ እስራኤል ቅዱስ ክሕጐሱ እዮም።

20ጨካናት ድሕሪ ደጊም ኣይህልዉን እዮም፤ እቶም መላገፅቲ ኽጠፍኡ፥ ንኽፍኣት ዘድብዩ ዅሎም ክውገዱ እዮም።

21እቶም ንሰብ ብነገር በደለኛ ዝገብርዎ፥ ነቲ ኣብ ደገ ዝግስፅ ድማ መፈንጠር ዘፃውዱሉ፥ ነቲ ፃድቕ ብኸንቱ ዘስሕትዎ ኽጠፍኡ እዮም።

22ስለዙይ እቲ ንኣብርሃም ዝተቤዘዎ እግዚኣብሄር፥ ንቤት ያእቆብ ከምዙይ ይብል፦ “ደጊምስ ያእቆብ ኣይሓፍርን፥ ገፁውን ኣይፅምሉን እዩ።

23ነቶም ኣነ ዝሃብክዎ ደቁ ምስ ረአየ ግና፥ ሽዑ ንሳቶም ንስመይ ክቕድሱ፥ ነቲ ናይ ያእቆብ ቅዱስ ድማ ኽቕድሱ፥ ንኣምላኽ እስራኤል ከዓ ኽፈርሑ እዮም።

24እቶም ብመንፈስ ዝተጋገዩ ኸስተውዕሉ እዮም፤ እቶም መጕረምረምቲ ኸዓ ትምህርቲ ኽቕበሉ እዮም።”

ትርጓሜ

29:1-8 ኣርኤል ንመሰውኢ ዝውዕል መስዋእቲ ኺኸውን ይኽእል እዩ። የሩሳሌም ብወገንኣ፡ ግዳማዊ ሃይማኖታዊ ኣገልግሎታት ንሰብ ካብ ፍርዲ ሓራ ኣይገብሩን ምዃኖም ትፍለጥ። ግብዝናውያን ንኣምላኽ ከቶ ኬሐጕስዎን ምሳኡ ሰላም ኪገብሩን ኣይክእሉን። ኣምላኽ ብዙሕ ግዜን ነዊሕ እዋንን ብብዙሓት መላእኽቲ ገይሩ፡ ንየሩሳሌም ንምክልኻልን ንምድሓንን ኣብ ዙርያኣ ሰፊሩ ነበረ፤ ግናኸ ሕጂ ንኣኣ ይዋግኣ ነበረ። ትዕቢተኛ ኣርኣእያን ትዕቢተኛ ዘረባን ብትሕትናዊ ምምራሕ ኣምላኽ ክተሓቱ እዮም። ጥፍኣት ጸላእቲ የሩሳሌም ተነጊሩ። ሰራዊት ሴናክሬም ከም ሕልሚ ሓለፉ፤ ከምኡ ድማ እቶም ንመሰውኢ ኣምላኽን ኣምልኾኡን ብዘመናት ተኸታታሊ ዝዋግኡ ብዙሓት ክወድቁ እዮም። ሓጥኣን ድማ ካብቶም ዘደንጕሉ ሕልሞም ኣብ ስቓይ ገሃነም ብቕልጡፍ ኪበቕዑ እዮም።

29:9-16 ሓጥኣን ኣብ ሓጥኣት መገዶም ዘለዎም ቅሳነት፡ ምኽንያት ንሓዘን ከምኡ'ውን ንምግራም እዩ። እቶም ምሁራት ብምኽንያት ቅድመ-ፍርዲ፡ ትንቢታት ኣምላኽ ግሁድ ኣይኮነን (ወይ ዘይተረድአ እዩ) በሉ፡ እቶም ድኻታት ድማ ንጎደሎም ትምህርቲ ምኽንያት ገበሩ። መጽሓፍ ቅዱስ ንኹሉ ሰብ፡ ምሁር ይኹን ዘይ ምሁር፡ ዝተዓሽገ መጽሓፍ እዩ፡ ክሳዕ ብቕኑዕ ልብን ብዝመሃር መንፈስን ኪጽንዕ ዚጅምር፡ ካብኡ ሓቅን ፍቓድ ኣምላኽን ምእንቲ ኺፈልጥ። ንኣምላኽ ምምላኽ፡ ናብኡ ምቕራብ እዩ። ልቢ ብፍቕሩን ብፍርሃቱን ምሉእ እንተ ኾይኑ፡ ካብ ምልኣቱ ድማ ኣፍ ኪዛረብ እዩ። ግናኸ፡ ሃይማኖቶም ብኣፍ ጥራይ ዝፍጸም ዝኾነ ብዙሓት ኣለዉ። ናብ ኣምላኽ ንዛረብ ኢሎም ኪመስሉ ኸለዉ፡ ሽሕ ከንቱ ነገራት ይሓስቡ ኣለዉ።

ምሉእ ትርጓሜ ኣንብብ ድምጺ፣ ምሉእ ትርጓሜን ብዘይ መስመር ምንባብን

ትርጉማት8 · 6