ትንቢት ኢሳይያስ 28

BCVትግርኛ29 ፍቕድታት5:30 ስማዕ
ስማዕ 5:30 · መደበኛ ኣብ Biblight ክፈት

1ንሰካራማት ኤፍሬም ናይ ትዕቢት ኣኽሊል ንዝኾነት፥ ኣብ ልዕሊ ዝለምለመ ለሰ ጉብ ኢላ፥ ናይ ክብሩ መልክዕ ዝኾነት ፅምልውቲ ዕምበባ፥ ብመስተ ወይኒ ዝተሰነፉ መመክሒት ንዝኾነት ወይለኣ!

2እንሆ፥ ሓደ ብርቱዕን ሓያልን ካብ እግዚኣብሄር፥ ተዳልዩ ኣሎ። ንሱ ኸም ብርቱዕ ዝናም በረድን ከም ዘጥፍእ ንፋስ ኣውሎን፥ ከም ብርቱዕ ፃፊዓ ውሕጅን ኮይኑ፥ ብሓይሊ ናብ ምድሪ ኽድርበ እዩ።

3ትዕቢት ኣክሊል ናይቶም ሰካራማት ኤፍሬም ከዓ፥ ብእግሪ ኽርገፅ እዩ።

4እቲ ኣብ ርእሲ እታ ልምዕቲ ለሰ ዘሎ፥ ናይቲ ኽቡር ሽልማቱ ዝፀምለወት ዕምበባ፥ ከምታ ቕድሚ ቐውዒ ቐዲማ ዝበሰለት በለስ ክትከውን እያ፤ ሰብ ምስ ረአያ ገና ኣብ ኢዱ እንተላ ቐልጢፉ ይውሕጣ።

5በታ መዓልቲ እቲኣ ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር፥ ነቶም ተረፍ ህዝቡ፥ ዘውዲ ኽብርን ሽልማት ኣኽሊልን ክኾኖም እዩ።

6ንሱ ነቲ ኽፈርድ ዝቕመጥ፥ መንፈስ ፍትሒ፥ ነቶም ንውግእ ናብ ኣፍ ደገ ዝመልሱ ኸዓ ሓይሊ ክኾኖም እዩ።

7ግናኸ እዚኣቶም ድማ ብወይኒ ሰንደልደል ይብሉ፤ ብሰንኪ ብርቱዕ መስተ ኸዓ ይሰናኸሉ። ካህናትን ነቢያትንውን ብዘስክር መስተ ሰንደልደል በሉ፤ ብወይኒ ተውሓጡ፤ ብብርቱዕ መስተ ሰንደልደል ይብሉ ኣለዉ። ራእይ እንትሪኡ ይስሕቱ፤ እንትፈርዱ ኸዓ ይጋገዩ።

8ኵሉ ማእዲ ብትፋኦም ርኵሰት ዝመልአ እዩ፤ ንፁህ ቦታ ኸቶ የለን።

9“ንመን እዩ ፍልጠት ዝምህር? ወረ ምስትውዓልከ ንመን እዩ ዝህብ? ነቶም ፀባ ዝሓደጉ? ወይ ከዓ ነቶም ጡብ እኖኣቶም ዝሓደጉ ድዩ?

10ትእዛዝ ኣብ ልዕሊ ትእዛዝ፤ ትእዛዝ ኣብ ልዕሊ ትእዛዝ፤ ስርዓት ኣብ ልዕሊ ስርዓት፤ ስርዓት ኣብ ልዕሊ ስርዓት፤ ውሑድ ኣብዙይ፤ ውሑድ ኣብቱይ እዩ።”

11እምበኣር እግዚኣብሄር ብዀርታዕ ከናፍርን ብቛንቋ ጓናን ነዝ ህዝቢ እዙይ ክዛረቦ እዩ።

12“ንሱ ግና እዚኣ እያ ዕረፍቲ፤ ንዝደኸመ ኣዕርፍዎ፤ እዚኣ እያ ቅሳነት” ኢልዎም ነይሩ፤ ንሳቶም ግና ምስማዕ ኣበዩ።

13ስለዙይ ቃል እግዚኣብሄር፥ ንኣኣቶም ትእዛዝ ኣብ ልዕሊ ትእዛዝ፥ ትእዛዝ ኣብ ልዕሊ ትእዛዝ፥ ስርዓት ኣብ ልዕሊ ስርዓት፥ ስርዓት ኣብ ልዕሊ ስርዓት፥ ቍሩብ ኣብዙይ፥ ቍሩብ ኣብቱይ ክኾኖም እዩ። ስለዙይ ክኸዱ እንተለዉ ጥንቅልዒት ክወድቑ ክስበሩ ብመፈንጠርውን ክትሓዙ እዮም።

14ስለዙይ ኣቱም ነዝ ኣብ ኢየሩሳሌም ዘሎ ህዝቢ እተመሓድሩ መላገፅቲ፥ ቃል እግዚኣብሄር ስምዑ።

15ንስኻትኩም “ምስ ሞት ኪዳን ተኣታቲና፥ ምስ ሲኦልውን ተወዓዒልና፤ ንሓሰት መፀግዒና፥ ንጥልመትውን መኸወሊና ጌርና ኢና እሞ፥ መዓት ከም ደምሳሲ ውሕጅ ኮይኑ ኽመፅእ እንተሎ ኣባና ኣይበፅሕን እዩ” ትብሉ ኣለኹም እሞ፥

16ስለዙይ ጐይታ እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ “እንሆ፥ ኣብ ፅዮን እምኒ መሰረት፥ ፍቱን እምኒ፥ ድልዱል ዝመሰረቱ፥ ክቡር እምኒ መዓዝን ኣንብር ኣለኹ፤ ብእኡ ዝኣምን ኣይሓፍርን እዩ።

17ፍትሒ፥ ንመዐቀኒ ገመድ፤ ፅድቂ ድማ፥ ንመለክዒ ቱምቢ ኽገብር እየ። በረድ ንመሕብኢ ሓሰት ክፀርጎ፥ ማያትውን ነቲ መኸወሊ ኽሽፍኖ እዩ።

18እቲ ምስ ሞት ዝኣተኹምዎ ኪዳን ክፈርስ፥ እቲ ምስ ሲኦል ዝተወዓዓልኩምዎ ውዕሊ ኸዓ ኣይፀንዕን እዩ፤ መዓት ከም ደምሳሲ ውሕጅ ኮይኑ ኽሓልፍ እንተሎ፥ ብእኡ ኽትርገፁ ኢኹም።

19ንግሆ ንግሆ፥ ለይትን መዓልትን ክሓልፍ እዩ እሞ፥ ብዝሓለፈ ቝፅሪ ኽወስደኩም እዩ። ነዝ መልእኽቲ እዙይ ምስማዕ ራዕዲ ይኸውን።

20ሽዑ ኸምቲ ዓራት ሓፂርዎ ምስፋሕ ዝሰኣነ፥ ነፀላኡ ንኢስዎ መደረብታ ዝሰኣነ ሰብ ክትኮኑ ኢኹም።

21እግዚኣብሄር ነቲ ተኣምራታዊ ስራሑ ምእንቲ ኽገብር፥ ነቲ ጋሻ ዝኾነ ተግባሩ ምእንቲ ኽፍፅም፥ ከምቲ ኣብ እምባ ፐራሲም ዝነበረ ይትስእ፤ ኣብ ለሰ ገባዖን ከም ዝነበረ ኸዓ ይቝጣዕ።

22ጥፍኣት ኣብ ልዕሊ ዅላ ምድሪ ተኣዚዙ ኸም ዘሎ፥ ካብ ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር ሰሚዐ ኣለኹ እሞ፥ ማእሰርትኹም ከይፀንዕ ደጊም ኣይተላግፁ።

23ፅን በሉ፤ ድምፀይ ስምዑ፤ ኣስተብህሉ፤ ዘረባይ ድማ ስምዑ።

24ክዘርእ ኢሉ ዅልሻዕ ንግራቱ ዝሓርስን ዝባሩን ዝጕልጕልን ሓረስታይዶ ኣሎ እዩ?

25ንግራቱ ምስ ኣተኻኸሎ፥ ሰሰግን ከሙንን ኣይዘርእንዶ? ስርናይ ኣብቲ ትልምታት፥ ስገም ድማ ኣብ ዝተመደበ ቦታዶ ኣይዘርእን? ንሂጕውን ኣብ ቦታኡዶ ኣይዘርእን?

26እዙይውን ኣምላኹ ይምህሮን፥ የፍልጦን እዩ።

27ንሰሰግ ብኣብዑር፥ ንከሙን ብመንኰራዅር ሰረገላ ኣየኺዶን እዩ። እኳ ደኣ ንሰሰግ ብጨንፈር፥ ንከሙን ድማ ብሸቦጥ እዩ ዝዘብጦ።

28እኽሊ ይጠሓን እምበር ንሓዋሩ ኣየኺዶን እዩ፤ መንኰራዅር ሰረገላን ኣፍራስን እንተኽየደሉ እኳ ኣይጠሓንን እዩ።

29እዝ ዅሉ ኻብ ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር ዝወፀ እዩ። ንሱ ብምኽሩ ዘገርም፥ ብጥበቡውን ዓብዪ እዩ።

ትርጓሜ

28:1-4 ሰባት ዝምክሑሉ ወይ ዝዀርዑሉ ዘበለ፣ እኳ እንተኾነ ንእሽቶ ይኹን፣ ንኣኦም ከም ዘውዲ እዩ። ትዕቢት ግና ናይ ጥፍኣት መራሒ እዩ። ሰበኻራይ ክንደይ ብዕሽነት ይዓዩ! እቶም ብወይኒ ዝስዓሩ፣ ብሰይጣን ዝስዓሩ እዮም። ኣብዛ ዓለም ከኣ ካብ ንቑጽ ምስታይ ዝበለጸ መከራ የልቦን። ጥዕናኦም ይዓንዩ። ሰባት ኣብ ሞያኦምን ጥሪቶሞምን ይሰባበሩ፣ ስድራቤቶም ከኣ በዚ ይዓንዩ። ነፍሶም ከኣ ንዘለኣለም ክትጠፍእ ኣብ ሓደጋ እያ፣ እዚ ኩሉ ድማ ርኹስ ስጋዊ ትምኒት ንምምላእ ጥራይ እዩ። ኣብ ናይ ኣምላኽ ህዝቢ፣ ከም እስራኤል ዝበሉ፣ ካብ ካልኦት ንላዕሊ ዝኸፍአ እዩ። እቲ ዝበዝሐ ዘለዎም ጸጋ ብኸምዚ ኣገባብ ስለ ዘጥፍእዎ ድማ፣ ንኣምላኽ ነቲ ጸጋኦም ብጽድቂ ምምናዝዑ ቅኑዕ እዩ። እቲ ዝዀርዑሉ ዝነበሩ ብዝሒ ጸጋ ግና፣ ዝሓልፍ ዕምባባ ጥራይ እዩ። ከምቲ ቀዳማይ ፍረ፣ ብሃንደበት ከም ዝተረኽበ ዝቕንጠብን ዝብላዕን።

28:5-15 እቲ ነብዪ ድሕሪኡ ናብ ይሁዳ ይምለስ፣ ንሳቶም ድማ “ተረፍ ህዝቡ” ኢሉ ይጽውዖም። እቶም ብጐይታ ሰራዊት ባዕሉ ዚምክሑ ጥራይ እዮም ብጹኣን። በዚ ኸኣ ህዝቡ ንነፍሲ ወከፍ ኣገልግሎትን ንነፍሲ ወከፍ ውግእን ጥበብን ሓይልን ይረኽቡ። እቲ ቅዱስ ኣምላኽ ምስ ሓጥእ ሰብ ዚራኸበሉ ግና ብክርስቶስ የሱስ ጥራይ እዩ። እቶም ዚምህሩ ብወይኒ ሰኺሮም እንተዀኑ፣ ወይ ከኣ ብዛዕባ መንግስቲ ወይ ድሕነት መሲሕ ብሓሶት ትምህርትን ሓሳባትን ሰኺሮም እንተዀኑ፣ ንሳቶም ባዕላቶም ጥራይ ኣይጋገዩን፣ እሞ ደኣ ብዙሓት ሰባትውን የስሕቱ። ኵለን እተን ከምዚኦም ዝበሉ ሰባት ዝመሀሩለን ቦታታት ብጌጋታት ምሉኣት እየን። ንዓና ብዛዕባ ነገራት ኣምላኽ ምእንቲ ኺምህረና፣ ሓደ ትእዛዝን ሓንቲ መስመርን ደጋጊመን ክቐርባና ኣድላዪ እዩ፣ በዚ ኸኣ ብዝበለጸ ኽንርዳአን ንኽእል። ኣምላኽ ብቓሉ ናብቲ ብሓቂ ንጥቕምና ዚኸውን ይጽውዓና፤ ኣገልግሎት ኣምላኽ ነቶም ብኣገልግሎት ሓጢኣት ዝደኸሙ እንኮ ሓቀኛ ዕረፍቲ እዩ፣ ካብ ትሑት ኣርዑት ጐይታ የሱስ ወጻኢ ኸኣ ዕረፍቲ የልቦን። እዚ ዅሉ ኣብ ህዝቢ ብዙሕ ለውጢ ኣየምጽአን።

ምሉእ ትርጓሜ ኣንብብ ድምጺ፣ ምሉእ ትርጓሜን ብዘይ መስመር ምንባብን

ትርጉማት8 · 6

AMHEVG ለኤፍሬም ሰካሮች ትዕቢት አክሊል፥ በወይን ጠጅ ለተሸነፉ በወፍራም ሸለቆአቸው ራስ ላይ ላለችም ለረገፈች ለክብሩ ጌጥ አበባ ወዮ! አማርኛ ENGNIV Woe to that wreath, the pride of Ephraim's drunkards, to the fading flower, his glorious beauty, set on the head of a f… English GAZBIB Gonfoo isa namoota Efreem warra machooftuudhaa fi of jajuu ta'eef, isa daraaraan isaa inni miidhagaan irraa coollageef,… Afaan Oromoo BCV GIZ አሌ ሎ ለአክሊለ ኀሳር ዐሳቢሁ ለኤፍሬም ጽጌ ዘይወድቅ እምትርሲቱ ውስተ ርእሰ ደብር ግዙፍ እለ ይሰክሩ ዘእንበለ ወይን። giz GAZGAZ Gonfoo isa namoota Efreem warra machooftuudhaa fi of jajuu ta'eef, isa daraaraan isaa inni miidhagaan irraa coollageef,… Afaan Oromoo BCV aksum ንሰካራማት ኤፍሬም ናይ ትዕቢት ኣኽሊል ንዝኾነት፥ ኣብ ልዕሊ ዝለምለመ ለሰ ጉብ ኢላ፥ ናይ ክብሩ መልክዕ ዝኾነት ፅምልውቲ ዕምበባ፥ ብመስተ ወይኒ ዝተሰነፉ መመክሒት ንዝኾነት ወይለኣ! ትግርኛ AMHNIV ለኤፍሬም ሰካራሞች የመታበያ አክሊል ለሆነች፣ በለመለመ ሸለቆ ዐናት ላይ ጒብ ብላ፣ የክብሩ ውበት ለሆነች ጠውላጋ አበባ፣ የወይን ጠጅ ለዘራቸው መኵራሪያ ለሆነች፣ ለዚያች ከተማ ወዮላት! አማርኛ SWAHSUV Ole wa taji ya kiburi ya walevi wa Efraimu, na ua la uzuri wa fahari yake linalonyauka, lililo kichwani mwa bonde linal… Kiswahili