ትንቢት ኢሳይያስ 27

BCV aksumትግርኛ13 ፍቕድታት2:54 ስማዕ
ስማዕ 2:54 · መደበኛ ኣብ Biblight ክፈት

1በታ መዓልቲ እቲኣ እግዚኣብሄር በቲ ዓቢይን ሓያልን ሰይፉ ገይሩ፥ ነቲ ቕልጡፍ ተመን ንሌዋታን፥ ነቲ ዝጠዋወ ተመን ንሌዋታን ክቐፅዖ፥ ነቲ ኣብ ባሕሪ ዘሎ ገበል ከዓ ኽቐትሎ እዩ።

2በታ መዓልቲ እቲኣ ብዛዕባ እቲ ዝተፈተወ ኣታኽልቲ ወይኒ ዘምሩ።

3ኣነ እግዚኣብሄር እሕልዎ፤ ኵልሻዕ ማይ ኣስትዮ፤ ሓደ እኳ ኸይጐድኦ፥ ለይትን መዓልትን እሕልዎ ኣለኹ።

4ደጊም ቍጥዓ የብለይን፤ ኳዂቶን እሾዅን ክዋግኡኒ እንተ ዝትስኡ፥ ተሲአ ብሓደ መቃፀልክዎም።

5ወይ ከዓ ምሳይ ሰላም ይግበር፤ ንሓይለይ ይሓዝ፤ ምሳይ ሰላም ይግበር።

6በቲ ዝመፅእ ዘመን፥ ያእቆብ ሱር ክሰድድ እዩ፤ እስራኤልውን ክጭብጭብን ክዕምብብን እዩ። ብፍረኦም ድማ ንዓለም ክመልእዋ እዮም።

7ከምቲ ነቶም ወቓዕቱ ዝወቕዖምዶ ወቒዕዎ እዩ? ወይ ከዓ ንቕቱላቱ ኸም ዝቐተሎምዶ ተቐቲሉ እዩ?

8ኰብኰቦም፤ ሰጐጎም፤ ቀፅዖም፤ ንፋስ ምብራቕ ከም ዝነፍስ ብሓያል ህቦብላ ኣወገዶም።

9እቲ ንጣዖት ዝስውኡሉ እምንን መሰውኢ ዕጣንን፥ ምስሊ ጣዖት ኣስታሮት ምስ ኣፍረሰን፥ ከም ኖራ ምስ ጠሓነን እዩ፥ በደል ያእቆብ ዝስረየሉ፤ እዙይውን ፍረ ምውጋድ ኵሉ ሓጢኣት እዩ።

10እታ ዕርድቲ ኸተማ በይና ኾነት፤ ሰብ ከም ዘይብሉ ምድረ በዳ ድማ ኾነት፤ ኣብኣ ምራኽ ይጓሰ፤ ኣብኣውን ይውዕልን፥ ጨናፍራ ኸዓ ይበልዕ ኣሎ።

11ጨናፍራ ምስ ነቐፀ ይስበር፤ ኣንስቲ እውን መፂአን የንድዳኦ። ምስትውዓል ዘይብሉ ህዝቢ እዩ እሞ፥ ስለዙይ እቲ ፈጣሪኡ ኣይርህርሀሉን፤ እቲ ሰራሒኡውን ኣይምሕሮን እዩ።

12በታ መዓልቲ እቲኣ ኸምዙይ ክኸውን እዩ፦ እግዚኣብሄር ኻብ ወሓዚ ፈለግ ኤፍራጥስ ጀሚሩ፥ ክሳዕ ፈለግ ግብፂ እኽሉ ኸኽይድ እዩ፤ ኣቱም ደቂ እስራኤል፥ በብሓደ ተኣሪኹም ክትእከቡ ኢኹም።

13በታ መዓልቲ እቲኣ ዓብዪ መለኸት ክንፋሕ እዩ እሞ፥ እቶም ኣብ ሃገር ኣሶር ???ጠፍኡ፥ ኣብ ግብፂ ተሰጒጎም ዝነበሩ ኽመፁ እዮም። ኣብቲ ቅዱስ እምባ ኣብ ኢየሩሳሌም ድማ፥ ንእግዚኣብሄር ክሰግዱ እዮም።

ትርጓሜ

27:1-5 እግዚአብሔር የሱስ ብብርቱይ ሰይፉ፣ ብተባዕታዊ ሓይሊ ሞቱ፣ ከምኡውን ብስብከት ወንጌሉ፡ ነቲ ሓይሊ ሞት ዝነበሮ፣ ማለት ድያብሎስ፡ እቲ ጥንታዊ ተመን፡ የጥፍኦን ከጥፍኦ እዩን። እዛ ዓለምሲ ዘይፈሪ፣ ዋጋ ዘይብሉ በረኻ እያ። ቤተ ክርስቲያን ግና ኣታኽልቲ ወይኒ እያ፡ ኣዝዩ ዝተኸናኸናሉ ቦታ፣ በቲ ሓለፋ ዝኸበሩ ፍረታት ድማ ዝእከቡሉ እዩ። ኣምላኽ ብለይቲ መከራን ስደትን፣ ከምኡውን ብመዓልቲ ሰላምን ብልጽግናን ክሕልዋ እዩ። ፈተናታቱ ድማ ኣስጋኢነቱ ኣይውሕድን እዩ። ኣምላኽ ከምኡውን ንፍርያምነት እዚ ኣታኽልቲ ወይኒ ይከናኸኖ። ቀጻሊ ምስካይ ማይ ናይ መለኮታዊ ጸጋ የድልየና እዩ። እዚ እንተ በዝየ ተሳሒቡ፣ ንደርቕ፣ ናብ ዝኾነ ነገር ከኣ ኣይንበጽሕን። ኣምላኽ ሓድሓደ ግዜ ምስ ህዝቡ ይብኣስ እንተኾነ፣ ይኹን እምበር ብጸጋ ምስታረቕ ይጽበዮም። እወ ሓቂ እዩ፡ ኣብ ክንዲ ወይኒ ዕንጨይቲ እሾኽን ደርብን ምስ ረኸበ፣ ንዕኡ ኸኣ እንተ ተፋለሞም፣ ክረግጾምን ከንድዶምን እዩ። እዚ ድማ ምሕጹር ናይ ትምህርቲ ወንጌል እዩ፣ በዚ ድማ ቤተ ክርስቲያን ኩሉ ግዜ ክትስከይ ኣለዋ። ካብታ ሓጢኣት ንመጀመርታ ግዜ ዝኣተወትሉ እዋን ጀሚሩ፣ ብወገን ኣምላኽሲ ርትዓዊ ባእሲ ነይሩ፣ ብወገን ሰብ ግና እቲ ኣዝዩ ዘይርትዓዊ። እዚ ድማ ብጸጋ ዝተዋህበ ዕድመ እዩ። ምሕረት ይቕረታ ሓይሊ ጐይታና ተባሂላ ትጽዋዕ፤ ንሕና ድማ ነዚ ንሓዝ። ክርስቶስ ብመስቀል ዝሞተ ሓይሊ ኣምላኽ እዩ።

ምሉእ ትርጓሜ ኣንብብ ድምጺ፣ ምሉእ ትርጓሜን ብዘይ መስመር ምንባብን

ትርጉማት8 · 6

AMHEVG በዚያም ቀን እግዚአብሔር ፈጣኑን እባብ ሌዋታንን ጠማማውንም እባብ ሌዋታንን በጠንካራ በታላቅም በብርቱም ሰይፍ ይቀጣል፥ በባሕርም ውስጥ ያለውን ዘንዶ ይገድላል። አማርኛ ENGNIV In that day, the Lord will punish with his sword, his fierce, great and powerful sword, Leviathan the gliding serpent, … English BCV በታ መዓልቲ እቲኣ እግዚኣብሄር በቲ ዓቢይን ሓያልን ሰይፉ ገይሩ፥ ነቲ ቕልጡፍ ተመን ንሌዋታን፥ ነቲ ዝጠዋወ ተመን ንሌዋታን ክቐፅዖ፥ ነቲ ኣብ ባሕሪ ዘሎ ገበል ከዓ ኽቐትሎ እዩ። ትግርኛ GAZBIB Yeroo sanatti Waaqayyo billaa isaa isa sodaachisaadhaan, isa qaramaadhaa fi jabaadhaan lewaataan bofa isa murxuxxifamu,… Afaan Oromoo BCV GIZ ውእተ አሚረ ያመጽእ እግዚአብሔር መጥባሕተ ቅዱሰ ወዐቢየ ወጽኑዐ ላዕለ ከይሲ ወላዕለ አርዌ ምድር ዘይጐይይ ኀበ ከይሲ ወአርዌ ምድር የአኪ ወይቀትሎ ለከይሲ ዘውስተ ባሕር። giz GAZGAZ Yeroo sanatti Waaqayyo billaa isaa isa sodaachisaadhaan, isa qaramaadhaa fi jabaadhaan lewaataan bofa isa murxuxxifamu,… Afaan Oromoo AMHNIV በዚያ ቀን እግዚአብሔር፣ ተወርዋሪውን እባብ ሌዋታንን፣ የሚጠቀለለውን ዘንዶ ሌዋታንን በብርቱ፣ በታላቁና በኀይለኛ ሰይፍ ይቀጣዋል፤ የባሕሩንም ግዙፍ አውሬ ይቈራርጠዋል። አማርኛ SWAHSUV Katika siku hiyo Bwana, kwa upanga wake ulio mkali, ulio mkubwa, ulio na nguvu, atamwadhibu lewiathani, nyoka yule mwep… Kiswahili