ትንቢት ኢሳይያስ 24

BCV aksumትግርኛ23 ፍቕድታት4:03 ስማዕ
ስማዕ 4:03 · መደበኛ ኣብ Biblight ክፈት

1እንሆ፥ እግዚኣብሄር ንምድሪ ኣዕንዩ ኸባድማን ክግልብጣን እዩ፤ ነቶም ኣብኣ ዝነብሩ ኸዓ ኽብትኖም እዩ።

2ከምቲ ኣብ ህዝቢ ዝኸውን፥ ከምኡ ኣብ ካህኑ፥ ከምቲ ኣብ ኣገልጋሊ ዝኸውን ከምኡ ኣብ ጐይታኡ፥ ከምቲ ኣብ ግዝእቲ ዝኸውን፥ ከምኡ ኣብ እምበይተኣ፥ ከምቲ ኣብ ዓዳጊኡ ዝኸውን፥ ከምኡ ኣብ ሸያጢኡ፥ ከምቲ ኣብ ተለቃሒ ዝኸውን፥ ከምኡ ኣብ መለቅሒኡ ክኸውን እዩ።

3እግዚኣብሄር ተዛሪቡ እዩ፥ ምድሪ ፈፂማ ኽትበርስን ክትባድምን እያ።

4ምድሪ በኸየት፥ ረገፈትውን፤ ዓለም ደኸመት፥ ረገፈትውን፤ ዓበይቲ ህዝቢ ምድሪ እውን ደኸሙ።

5ሕጊ እግዚኣብሄር ስዒሮም፥ ስርዓቱውን ለዊጦም፥ ነቲ ዘለኣለማዊ ኪዳንውን ኣፍሪሶም እዮም እሞ፥ ምድሪ በቶም ኣብኣ ዝነብሩ ህዝቢ ረኸሰት፤

6ስለዙይ መርገም ንምድሪ ውሒጥዋ ኣሎ፤ እቶም ህዝባ ብበደሎም ክቕፅዑ እዮም። እቶም ኣብኣ ዝነብሩ ኸዓ ኽቃፀሉን እናወሓዱን ክኸዱ እዮም።

7ተኽሊ ወይኒ በኸየት፤ ጕንዲ ወይኒ ኸዓ ደኸመት፤ እቶም ሕጉሳት ዝነበሩ ዅላቶም ከዓ ሕዚ ይትክዙ ኣለዉ።

8ደስታ ወቓዕቲ ኸበሮ ተሪፉ፥ ወኻዕታ እቶም ሕጉሳት ተወዲኡ፥ ታሕጓስ መሰንቆ ተሪፉ እዩ።

9ካብ ደጊም እናደረፉ ወይኒ ኣይሰትዩን፤ እቲ ዘስክር መስተ ንዝሰትይዎውን ክመሮም እዩ።

10እታ ዝፈረሰት ከተማ ባደመት፤ ገዛውቲ፥ ሰብ ከይኣትዎ ተዓፀወ።

11ወይኒ ስለ ዘየለ፥ ፈቐዶ ኣደባባዩ ዋዕዋዕ ይብሉ፤ ታሕጓስ ካብ ገፅ ምድሪ ጠፍአ።

12እታ ኸተማ ዓንያ እያ፤ መዓፁኣ ተሰባቢሩ እዩ።

13ኦም ኣውሊዕ እንትውቃዕ፥ ዘለላ ወይኒ እውን እንትቝረፅ ቀሪም ከም ዝቕረም፥ ኣብ ልዕሊ እታ ምድርን ኣብ ልዕሊ እቶም ህዝብታትውን ከምኡ ክኸውን እዩ።

14እዚኣቶም ድምፆም ኣልዒሎም፥ ዕልል ክብሉ እዮም፤ ብዛዕባ ክብሪ እግዚኣብሄር ካብ ባሕሪ የመስግኑ፤

15ስለዙይ እቶም ኣብ ምብራቕ ዘለዉ፥ ንእግዚኣብሄር ክብሪ ይሃቡ። እቶም ኣብ ደሴታት ባሕሪ ዝነብሩ ህዝቢ ኸዓ፥ ንስም እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል የኽብርዎ።

16ካብ ወሰን ምድሪ “ክብሪ ነቲ ፃድቕ ይኹን” ዝብል መዝሙር ሰሚዕና። ኣነ ግና ዓበርኩ፤ መንመንኩ፤ ወይለይ! ከሓድቲ ይዕምፁ ኣለዉ፤ ዓመፅቲ ኸዓ የመና ይዕምፁ ኣለዉ በልኩ።

17ኣታ ኣብ ምድሪ እትነብር ስምዐኒ፤ እንሆ፥ ራዕድን ጕድጓድን መፈንጠርን ኣብ ልዕሌኻ ኣሎ።

18እቲ ራዕዲ ሒዝዎ ዝሃድም፥ ናብ ጕድጓድ ክወድቕ እዩ፤ እቲ ኻብ ጕድጓድ ዝወፅእ ከዓ ብመፈንጠር ክተሓዝ እዩ። መስኮት ሰማይ ተኸፊቱ እዩ እሞ፥ መሰረታት ምድሪ ተናወፀ።

19ምድሪ ጥዋዕ ኢላ ተሰባበረት፤ ምድሪ ፈፂማ መኸኸት፤ ምድሪ ፈፂማ ተናወፀት።

20እወ፥ ምድሪ ኸም ዝሰኸረ ሰካር ሰንደልደል ትብል፤ ምድሪ ኸም ዳስ ነነው ትብል። በደላ ኸቢድዋ እዩ እሞ፥ ክትወድቕ እያ። መሊሳውን ኣይትትስእን።

21በታ መዓልቲ እቲኣ ኸምዙይ ክኸውን እዩ፦ እግዚኣብሄር ኣብ ላዕሊ ንዘለዉ ሰራዊት ኣብ ላዕሊ፥ ኣብ ምድሪ ንዘለዉ ነገስታት ድማ ኣብ ምድሪ ኽቐፅዖም እዩ።

22ብሓደ ኽእከቡ እዮም፤ እሱራት ኣብ ጕድጓድ ከም ዝእከቡ፥ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ኽዕፀዉ እዮም፤ ድሕሪ ብዙሕ መዓልቲታት ክጥየቑ እዮም።

23ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር፥ ኣብ እምባ ፅዮንን ኣብ ኢየሩሳሌምን ክነግስ እዩ እሞ፥ ኣብ ቅድሚ ዓበይቱ ድማ ክኸብር እዩ እሞ፥ ሽዑ ወርሒ ኽትሽቝረር፥ ፀሓይውን ክትሓፍር እያ።

ትርጓሜ

24:1-12 ንብረቶምን ሓጎሶምን ኣብ ምድሪ ዝተቐመጠ ኩሎም ብቕጽበት ናብ ስእነትን መከራን ክበጽሑ እዮም። ብዛዕባ እቲ ኣብ ታሕቲ ንዘሎ ኩሉ ነገር ዝስዕብ ከንቱን ምጉዳል መንፈስን እቲ ቅዱስ ጽሑፍ ዝብሎ ናባና ምጥባቕ ጽቡቕ እዩ። ሓጢኣት ንምድሪ ኣዕኑፍዋ እያ፤ እታ ምድሪ ኣምላኽ ንመጀመርታ መሕደሪኡ ገይሩ ምስ ፈጠራ ብፍጹም ተቐያይራ ንሰብ ፍሉይ ኮይናቶ እያ። እዚኣ (ምድሪ) ብዝበለጸ ከም ዕምባባ እያ እትጠውዩ፣ ኣብ ኣእዳው እቶም ብእኣ ዝሕጎሱን ኣብ ልቦም ዘንበርዋን። እታ እንነብረላ ዘሎና ዓለም ናይ ቅርሕንትን ሸለቕለቕ ኣባይትን እያ፤ ኣብኣ ዘለዉ ደቂ ሰብ ብቑሩብ መዓልታት ዝተወሰኑን፣ ብብዙሕ ጸበባ ዝመልኡን እዮም። ሓይሊ መርገም ኣምላኽ እሞ ረአ፣ ከመይ ጌሩ ንኹሉ ባዶ ከም ዝገብሮን፣ ንኹሉ ደረጃታትን ኩነታትን ከመይ ከም ዘድምርቆን። ሓጢኣት ንምድሪ እዚ ኩሉ መዓት ኣምጺኣላ፤ ብሓጢኣት ሰብ ተበኪላ እያ፣ ስለዚ ብፍርድታት ኣምላኽ ባዶ ኮይና እያ። ስጋዊ ሓጎስ ብቕጽበት ክውድእ እዩ፣ መወዳእታኡ ድማ ሓዘን እዩ። ኣምላኽ ንወይንን ንስሙር መስተን ነቶም ዝፈትውዎ ከመምርሮ ብዙሕ መገዲ ኣለዎ፤ ሕማም ኣካል፣ ጸበባ ርእሲ፣ ከምኡውን ምብራስ ንብረት፣ ንስሙር መስተ መምርሮ፣ ንስምዒታዊ ምጥዓም ድማ ትሕዝቶ ዘይብሉ ክገብሮ እዩ። ሰብ ስለ ሓጢኣት ኪሓዝን ይማሃር፣ ብኣምላኽ ድማ ይሕጎስ፤ ሽዑ ሓደ ሰብ ይኹን ሓንቲ ፍጻሜ፣ ሓጎሶም ካብኦም ኪወስድ ኣይክእልን እዩ።

24:13-15 ካብቲ ሓፈሻዊ ጥፍኣት ዝድሕን ዝተረፈ ሰብ ክህሉ እዩ፣ እዚ ኸኣ ቅዱስን ፈራህ እግዚኣብሔርን ዝኾነ ዝተረፈ ሰብ ክኸውን እዩ። እዞም ቁሩባት ተበታቲኖም እዮም፤ ከምቲ ትረፍ ከርፋሕ በይቲ ዘይቲ ኣብ ትሕቲ ቆጽሊ ተሓቢኡ ዝርከብ።

ምሉእ ትርጓሜ ኣንብብ ድምጺ፣ ምሉእ ትርጓሜን ብዘይ መስመር ምንባብን

ትርጉማት8 · 6