ትንቢት ኢሳይያስ 21

BCVትግርኛ17 ፍቕድታት3:14 ስማዕ
ስማዕ 3:14 · መደበኛ ኣብ Biblight ክፈት

1ኣብ ጥቓ ባሕሪ ብዛዕባ ዘሎ ምድረ በዳ ዝተነግረ ፆር። ከምቲ ህቦብላ ንፋስ ካብ ደቡብ ዝለዓል፥ ከምኡ ኻብ ምድረ በዳ፥ ካብቲ ዝፍራሕ ሃገር ወራሪ ኽመፅእ እዩ።

2ዘጨንቕ ራእይ ተነገረኒ፤ ዓማፃይ ይዕምፅ፤ መጥፍኢ የጥፍእ። ኤላም ደዪቢ፤ ሜዶንውን ክበቢ፤ ንምስቍርቋር መወዳእታ ኽገብረሉ እየ።

3ብሰንኪ እዙይ ሕቘይ የቐንዝወኒ ኣሎ፤ ክትሓርስ ከም ዝቐረበት ሰበይቲ ኸዓ እፅዓር ኣለኹ፤ ካብ ሕማመይ ዝተልዓለውን ኣይሰምዕን፤ ካብ ድንጋፀ ዝተልዓለውን ኣይርእን።

4ልበይ ጠለመኒ፤ ብፍርሒ ኸዓ እርዕድ ኣለኹ፤ ተስፋ ዝገበርክዎ ድንግዝግዝታ ራዕዲ ኣምፅአለይ።

5ማእዲ ኣዳልዉ፥ ምንፃፍ ኣንፅፉ፥ ብልዑን ስተዩን፤ ኣቱም መሳፍንቲ ተልዓሉ፤ ዋልታኻትኩም ኣዳልዉ።

6ሽዑ እግዚኣብሄር “ኪድ እሞ ሓላዊ ግበር፤ ዝረአዮውን ይንገር።

7በፍራስ ዝቕመጡ በብኽልተ እናኾኑ ዝኸዱ ፈረሰኛታት፥ ኣብ ኣእዱግን ኣብ ኣግማልን ዝቕመጡ ምስ ረአየ፥ ብፍፁም ትግሃት ኣስተውዒሉን ተጊሁን የዳምፅ።”

8እቲ ሓላዊ ድማ ዓው ኢሉ “ጐይታይ፥ መዓልትን ለይትን እንተየቋረፅኩ ኣብታ መሐለዊት ግንቢ ተተኺለ ኣለኹ።”

9እንሆ ኣብ ኣፍራስ ዝተቐመጡ በብኽልተ ኾይኖም ይመፁ ኣለዉ ኢሉ ተደሃየ። እቲ ሓላዋይ ድማ መሊሱ “ባቢሎን ወዲቓ! ወዲቓ! ኵሉ ምስልታት ጣዖታታ ኣብ ምድሪ ተሰባበረ” በለ።

10ኣቱም ኣብ ዓውደይ እተኸየድኩም ደቂ ዓውደይ፥ እቲ ኻብ ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር፥ ኣምላኽ እስራኤል፥ ዝሰማዕኽዎ እነግረኩም ኣለኹ።

11ብዛዕባ ኤዶምያስ ዝተነግረ ፆር። ካብ ሴይር “ኣታ ሓላዊ፥ ኣታ ሓላዊ እቲ ለይቲ ክንደይ እዩ? ኣታ ሓላዊ እቲ ለይቲ ኽንደይ እዩ?” ኢሉ ተዳመፀኒ።

12እቲ ሓላዊ ድማ “ክወግሕ እዩ፤ ግና መሊሱ ኽመሲ እዩ። ክትጥይቑ እንተ ደሊኹም ከዓ ተመሊስኩም ንዑ” በለ።

13ብዛዕባ ሃገር ዓረብ ዝተነግረ ፆር። ኣቱም ቃፍላይ ዴዳን፥ ኣብ ዱር ዓረብ ክትሓድሩ ኢኹም፤

14ኣቱም ሰብ ቴማን፥ ነቶም ፅሙኣት ማይ ኣስትይዎም። ነቶም ሃዲሞም ዝመፁ ሰባት፥ እንጀራ ሒዝኩም ተቐበልዎም።

15ካብ ኣስይፍቲ፥ ካብ ዝተመዘዘ ሰይፊ፥ ካብ ዝተገተረ ቐስቲ፥ ካብ ብርቱዕ ውግእ ሃዲሞም ይመፁ ኣለዉሞ።

16ጐይታውን ከምዙይ በለኒ፦ “ዕሱብ መዓልቲ ኸም ዝቘፅር፥ ኣብ ውሽጢ ሓደ ዓመት ኵሉ ኽብሪ ቄዳር ክጠፍእ እዩ።

17እቶም ሰብ መንትግ ደቂ ቄዳር ጀጋኑ እዮም፤ ግና ኻብኣቶም ውሑዳት ጥራሕ ክተርፉ እዮም፤ ኢሉ እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ተዛሪቡ እዩ።”

ትርጓሜ

**21:1-10 ባቢሎን ቅጥንቲ ሃገር ነበረት፣ ብብዝሒ ማይ እተሰነቐት። ጥፍኣት ባቢሎን፣ ብነብዪ ኢሳይያስ ብዙሕ ግዜ እተነበየላ፣ ንጥፍኣት ዓቢይ ጸላኢ ቤተ ክርስቲያን ሓድሽ ኪዳን ኣርኣያ ነበረ፣ እዚ ድማ ኣብ መጽሓፍ ራእይ እተነግረሉ። ንጭቁናት ምርኮኛታት ሰናይ ዜና ክኸውን እዩ፤ ንዕቡያት ጨቋንቲ ግና ሓዘን ዘስዕብ ክኸውን እዩ። እቲ ሓጐስ ብኸመይ ናብ ዘብኵዕ ሓዘን ከም ዝልወጥ ስለ ዘይንፈልጥ፣ እዚ ንከንቱ ሓጐስን ስጋዊ ባህታትን ይገትኦ። ኣብዚ ንባቢሎን ብቂሮስ ክትወረር ከላ መጠንቀቕታ ተዋሂቡ። ኣድግን ገመልን ንሜዴሳውያንን ፋርሳውያንን ዝውክሉ ምስልታት ዝመስሉ እዮም። ኣማልኽቲ ባቢሎን ካብ ምዕቃባ ፍጹም ኣይክእሉን ጥራይ ዘይኮኑስ፣ ብኣንጻሩ ክፈርሱ እዮም። ናይ ሓቂ ምእመናን ኣብ ሰፈር ኣምላኽ እቶም ስርናይ እዮም፤ ግብዝናውያን ግና ከም ጭድያን ገለውን ጥራይ እዮም፣ እቲ ስርናይ ሕጂ ዝተሓዋወሰሎም እኳ እንተኾነ፣ ካብኡ ግና ክፈላለ እዩ። እቲ ስርናይ ኣብ ሰፈር ኣምላኽ ብምጕዳልን ስደትታትን ክድብደብ ክጽበ ኣለዎ። ጥንታዊ እስራኤል ኣምላኽ ተጐድአ። ሽዑ'ውን ኣምላኽ ናቱ ምዃኑ ይምስክር። ኣብ ኩሎም እቶም ንቤተ ክርስቲያን ዝምልከቱ ፍጻሜታት፣ ዝሓለፉ፣ ሕጂ ዘለዉ፣ ከምኡ'ውን ንዝመጽእ፣ ናብ ኣምላኽ ክንጥምት ኣሎና፣ ንሱ ንቤተ ክርስቲያኑ ዝኾነ ይኹን ነገር ክገብር ስልጣን ዘለዎ፣ ከምኡ'ውን ንጥቕሚኣ ዝኸውን ኩሉ ነገር ክገብር ጸጋ ዘለዎ እዩ።

ምሉእ ትርጓሜ ኣንብብ ድምጺ፣ ምሉእ ትርጓሜን ብዘይ መስመር ምንባብን

ትርጉማት8 · 6