ትንቢት ኢሳይያስ 20

BCVትግርኛ6 ፍቕድታት1:43 ስማዕ
ስማዕ 1:43 · መደበኛ ኣብ Biblight ክፈት

1ሳርጎን ንጉስ ኣሶር ብዝለኣኾ መሰረት፥ ኣዛዚ ሰራዊቱ ተርታን ናብ ኣዛጦን መፂኡ፥ ንኸተማ ኣዛጦን ተዋጊኡ ኣብ ዝሓዛ ዓመት፥

2እግዚኣብሄር ንኢሳይያስ ወዲ ኣሞፅ “ኪድ እሞ ነቲ ወጮ ኻብ ሕቘኻ ፍትሓዮ፤ ኣሳእንካ ድማ ኻብ ኣእጋርካ ኣውፅእ” ኢሉ ተዛረቦ። ንሱውን ከምኡ ገበረ እሞ ጥራሕ ዝባኑን ጥራሕ እግሩን ከደ።

3እግዚኣብሄር ድማ በለ፦ “ከምቲ ኢሳይያስ ባርያይ፥ ነቲ ኣብ ልዕሊ ግብፅን ኢትዮጵያን ምልክትን ተኣምራትን ክኸውን፥ ሰለስተ ዓመት ጥራሕ ዝባኑን ጥራሕ እግሩን ዝኸደ፥

4ከምኡውን ንጉስ ኣሶር፥ ንእሱራት ግብፅን ንምሩኻት ኢትዮጵያን ኣጕባዝን ሽማግለታትን ሓፍረቶም ቀሊዑ፥ ጥራሕ ዝባኖምን ጥራሕ እግሮምን ንውርደት ግብፂ ኽወስዶም እዩ።

5ንሳቶም ካብ ተስፋኦም ካብ ኢትዮጵያ፥ ካብ ትምክሕቶም ካብ ግብፂ ዝተልዓለ፥ ክፈርሑን ክሓፍሩን እዮም።

6በታ መዓልቲ እቲኣ እቶም ኣብ ገማግም ባሕሪ ዝነብሩ ህዝቢ ‘እንሆ እቶም ካብ ንጉስ ኣሶር ከድሕኑና ናብኣቶም ዝሃደምናዮ ተስፋና እዙይ ኮነ፤ ንሕና ደኣ ኸመይ ጌርና ኽነምልጥ ኢና?’ ኽብሉ እዮም።”

ትርጓሜ

20:1-6 ወራርን ምግዛእን ግብጽን ኢትዮጵያን።

ኢሳይያስ ብዘይተለምደ ክዳኑ ኣብ ወጻኢ ክኸይድ ከሎ፡ ንህዝቢ ምልክት ኮይኑ። ንሱ ከም ነብዪ ኰይኑ ንዓለም ዘናቐፈ ምዃኑ ንምርኣይ፡ ልሙድ ማቕላሕ ይለብስ ነበረ። ንሱ ኸኣ ነዚ ኻብ መሓውሩ ኺፈትሖ፡ ልዕሊኡ ሓደ እኳ ኽዳን ከይለበሰ፡ ቈራዕ እግሪ ኺኸይድ ነበሮ። እዚ ምልክት እዚ ኸኣ፡ ግብጻውያንን ኢትዮጵያውያንን ከምዚ ተገፊፎም፡ ብንጉስ ኣሶር ብምርኮ ኺውሰዱ ምዃኖም ንምግላጽ ነበረ።

ዓለም ንኣመንቲ፡ ንኣምላኽ ብፍሉይ ድራር ዝእዘዙሉ እዋን፡ ብብዝሒ ዓያሹ ይቖጽሮም።

ምሉእ ትርጓሜ ኣንብብ ድምጺ፣ ምሉእ ትርጓሜን ብዘይ መስመር ምንባብን

ትርጉማት8 · 6