ትንቢት ኢሳይያስ 19

BCVትግርኛ25 ፍቕድታት4:57 ስማዕ
ስማዕ 4:57 · መደበኛ ኣብ Biblight ክፈት

1ብዛዕባ ግብፂ ዝተነግረ ፆር። እንሆ እግዚኣብሄር፥ ኣብ ፈጣን ደመና ተቐሚጡ ናብ ግብፂ ኽመፅእ እዩ። ጣዖታት ግብፂ ኣብ ቅድሚኡ ራዕራዕ ክብሉ እዮም፤ ልቢ ግብፃውያን ከዓ ኽመክኽ እዩ።

2“ግብፃውያን ኣብ ልዕሊ ግብፃውያን ክለዓሉ ኽገብሮም እየ እሞ፥ ሓው ምስ ሓዉ፥ ብፃይ ምስ ብፃዩ፥ ከተማ ምስ ከተማ፥ መንግስቲ ምስ መንግስቲ፥ ክዋግኡ እዮም።

3መንፈስ ግብፃውያን ኣብ ውሽጦም ጥራሑ ክኸውን እዩ። ንምኽሮምውን ከንቱ ኽገብሮ እየ፤ ንሳቶም ድማ ንጣዖታትን ነስማተኛታትን ንጠንቈልትን ንመውደቕቲ ዛዕጐልን ክጥይቑ እዮም።

4ንግብፃውያን ናብ ኢድ ጨካን ገዛኢ፥ ኣሕሊፈ ኽህቦም እየ፤ ጨካን ንጉስ ድማ ኽገዝኦም እዩ፤ ይብል ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር።”

5ማይ ካብ ባሕሪ ኽጠፍእ እዩ፤ እቲ ሩባውን ክነፅፍ እዩ።

6ሩባታት ክጨንዉ እዮም፤ መስኖታት ግብፂውን ክውሕዱን ክነቕፁን እዮም፤ ሰልሰላን ጋሳን ክፅምልዉ እዮም።

7ኣብ ወሰን ሩባ ኣባይ ዘሎ ሰውሒ፥ ኣብ ጥቓ ሩባ ኣባይ ዝተዘርአ ዅሉ፥ ክሃጒጕን ክጠፍእን ኣይክርከብንውን እዩ።

8ኣስገርቲ ዓሳ ኽሓዝኑ፥ እቶም ኣብ ሩባ ኣባይ መቝለብ ዝድርብዩ ዅሎም ክበኽዩ፥ እቶም መርበብ ኣብ ልዕሊ ማያት ዝዝርግሑ ድማ፥ ልቦም ክጠልሞም እዩ።

9እቶም ሰራሕቲ ዝተፋረኸ ቓንጫ እንጣጢዕን፥ እቶም ኣለምቲ ፃዕዳ ኽዳውንትን ክሓፍሩ እዮም።

10ኣዕምዳ ኽስበሩ እዮም፤ ኵሎም እቶም ብዓስቢ ዝሰርሑውን ክሓዝኑ እዮም።

11መሳፍንቲ ጣኔዎስ የመና ሰነፋት እዮም፤ እቶም ጥበበኛታት መማኽርቲ ፈርዖን ከዓ፥ ምኽሮም ድንቍርና ኾይኑ። ከመይ ኢልኩም ደኣ ንፈርዖን “ንሕና ደቂ ጥበበኛታት፥ ደቂ ዘርኢ እቶም ናይ ቀደም ነገስታት ኢና” እትብልዎ?

12ፈርዖን፥ እቶም ጥበበኛታትካ ደኣ ኣበይ ኣለዉ? ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር ኣብ ልዕሊ ግብፂ ዝወሰኖ፥ እንታይ ከም ዝኾነ ዝፈልጡ እንተ ደኣ ኾይኖምስ እስኪ ይንገሩኻ።

13ኣሕሉቕ ጣኔዎስ ሰነፋት እዮም፤ መሳፍንቲ ሜምፎስ ከዓ ተጠበርቲ እዮም፤ እቶም እምኒ መኣዝን ዓሌታት ንግብፂ ኣጋገይዋ።

14እግዚኣብሄር ንግብፂ ቐይናን መንፈስ ኣፍሰሰላ። ስለዙይ ስኹር ኣብ ትፋኡ ሰንከልከል ከም ዝብል፥ ንግብፂ ኸዓ ኣብ ኵሉ ተግባራታ ሰንከልከል ከም እትብል ገበርዋ።

15ድሕሪ ደጊም ርእሲ ይኹን ጭራ፥ ስየ ይኹን ሰልሰላ፥ ዝኾነ ይኹን ስራሕ ንግብፂ ኣይጠቕማን እዩ።

16በታ መዓልቲ እቲኣ ግብፃውያን ከም ኣንስቲ ክኾኑ እዮም፤ ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር ክቐፅዖም ኢሉ ኢዱ ኽዝርግሕ እንተሎ፥ ራዕራዕ ክብሉን ክድንግፁን እዮም።

17ምድሪ ይሁዳ ንግብፂ እተደንግፅ ክትከውን እያ። እቲ ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር ካብ ዝመኽረላ ምኽሪ ዝተልዓለ፥ ኵሉ ወረኣ ዝሰምዐ ኽፈርሕ እዩ።

18በታ መዓልቲ እቲኣ ብቛንቋ ከነዓን ዝዛረባ፥ ብጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር ከዓ ዝምሕላ ሓሙሽተ ኸተማታት ኣብ ሃገር ግብፂ ኽርከባ እየን፤ ካብኣተን እታ ሓንቲ “ናይ ጥፍኣት ከተማ”(ሀ) ተብሂላ ኽትፅዋዕ እያ።

19በታ መዓልቲ እቲኣ ኣብ ማእኸል ሃገር ግብፂ፥ ንእግዚኣብሄር መሰውኢ ኽስራሕ እዩ፤ ኣብ ወሰና ኸዓ ንእግዚኣብሄር ዓምዲ ኽትከል እዩ።

20እዙይ ከዓ ንጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር ኣብ ሃገር ግብፂ ምልክትን ምስክርን ክኸውን እዩ። ብምኽንያት እቶም ገፋዕቶም ናብ እግዚኣብሄር እንትጠርዑ ድማ፥ ንሱ መድሓንን ሓያልን ሰዲዱ ኸድሕኖም እዩሞ።

21በታ መዓልቲ እቲኣ እግዚኣብሄር ብግብፂ ዝተፈልጠ ይኸውን፤ ግብፃውያንውን ንእግዚኣብሄር ክፈልጥዎ እዮም፤ ብመስዋእትን ብቝርባንን ከምልኹ እዮም፤ ንእግዚኣብሄር መብፅዓ ኽመባፅዑ፥ ክፍፅምዎውን እዮም።

22እግዚኣብሄር ንግብፃውያን ኽወቕዖም እዩ፤ ወቒዑ ግና ኽፍውሶም እዩ፤ ንሳቶም ከዓ ናብ እግዚኣብሄር ክምለሱ እዮም፤ ንሱውን ክሰምዖምን ክፍውሶምን እዩ።

23በታ መዓልቲ እቲኣ ኻብ ግብፂ ናብ ኣሶር መንገዲ ክኸውን እዩ። ኣሶራውያን ናብ ግብፂ፥ ግብፃውያን ከዓ ናብ ኣሶር ክመፁ እዮም። ግብፃውያንን ኣሶራውያንን ብሓደ ኾይኖም ከምልኹ እዮም።

24በታ መዓልቲ እቲኣ እስራኤል፥ ንግብፅን ንኣሶርን ሳልሰይተን ክትከውን እያ፤ ኣብ ማእኸል ምድሪ ድማ በረኸት ክኸውን እዩ።

25ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር ድማ “ግብፂ ህዝበይ፥ ኣሶር ግብሪ ኢደይ፥ እስራኤል ርስተይ፥ ቡሩኻት ኩኑ” ኢሉ ኽባርኾም እዩ።

ትርጓሜ

19:1-17 ኣምላኽ ናብ ግብጺ ብፍርዱ ኺመጽእ እዩ። ንሱ ምኽንያታት ጥፍኣቶም ካብ ማእከሎም ኬተንስእ እዩ። እቶም ንኣምላኽ ዘይፈርሁ ሰባት ካብ ሓደጋ ምስ ሃደሙ፡ ርእሶም ከም ዝተሐለዉ ይሓስቡ፤ ግናኸ እከይ ንሓጥኣን ይስዕቦም፡ እንተ ዘይተነስሑ ድማ ብቕጽበት ክረኽቦም እዩ። ግብጻውያን፡ ከምቲ ድሕሪ ቁሩብ ግዜ እተፈጸመ፡ ናብ ኢድ ሓደ ብጭካነ ዚገዝኦም ኪውፈዩ እዮም። ግብጻውያን ብጥበብን ብፍልጠትን ፍሉጣት ነበሩ፤ ይኹን እምበር፡ እግዚኣብሔር ናብ ገዛእ ርእሶም ጠማዝ ምሕንጻጻቶምን ንምብኣስን ኬውፍዮም እዩ፡ ክሳብ ምድሮም ብክርክሮም ንምንዓቕን ንምሕረትን ዝግባእ ትኸውን። ንሱ ንሓጥኣን ካብቶም ዝነዓቕዎምን ንዝጨቆንዎምን የፍርሖም፤ ጐይታ ሰራዊት ድማ ንገበርቲ እከይ ንገዛእ ርእሶምን ንሓድሕዶምን ፍርሂ ኪገብሮም እዩ፤ ከምኡ ድማ ኩሉ ኣብ ከባቢኦም ዘሎ ነገር ንኣኦም ፍርሂ ኪኸውን እዩ።

ምሉእ ትርጓሜ ኣንብብ ድምጺ፣ ምሉእ ትርጓሜን ብዘይ መስመር ምንባብን

ትርጉማት8 · 6

AMHEVG ስለ ግብፅ የተነገረ ሸክም። እነሆ፥ እግዚአብሔር በፈጣን ደመና እይበረረ ወደ ግብፅ ይመጣል፤ የግብፅም ጣዖታት በፊቱ ይርዳሉ፥ የግብፅም ልብ በውስጥዋ ይቀልጣል። አማርኛ ENGNIV An oracle concerning Egypt: See, the Lord rides on a swift cloud and is coming to Egypt. The idols of Egypt tremble bef… English GAZBIB Wanti biyya Gibxii irratti ta'uuf jiru in dubbatame. Kunoo! Waaqayyo duumessa ariifataadhaan gara biyya Gibxii in dhufa… Afaan Oromoo BCV GIZ ነገር በእንተ ግብፅ፤ ናሁ እግዚአብሔር ይነብር ዲበ ደመና ብሩህ ወይመጽእ ውስተ ግብፅ ወያድለቀልቅ ግብረ እደዊሆሙ ለግብፅ እምቅድመ ገጹ ወይትቀጠቀጥ ልቦሙ በላዕሌሆሙ። giz GAZGAZ Wanti biyya Gibxii irratti ta'uuf jiru in dubbatame. Kunoo! Waaqayyo duumessa ariifataadhaan gara biyya Gibxii in dhufa… Afaan Oromoo BCV aksum ብዛዕባ ግብፂ ዝተነግረ ፆር። እንሆ እግዚኣብሄር፥ ኣብ ፈጣን ደመና ተቐሚጡ ናብ ግብፂ ኽመፅእ እዩ። ጣዖታት ግብፂ ኣብ ቅድሚኡ ራዕራዕ ክብሉ እዮም፤ ልቢ ግብፃውያን ከዓ ኽመክኽ እዩ። ትግርኛ AMHNIV ስለ ግብፅ የተነገረ ንግር፤ እነሆ፤ እግዚአብሔር በፈጣን ደመና ላይ ተቀምጦ ወደ ግብፅ ይመጣል፤ የግብፅ ጣዖቶች በፊቱ ይርዳሉ፤ የግብፃውያንም ልብ በውስጣቸው ይቀልጣል። አማርኛ SWAHSUV Ufunuo juu ya Misri. Tazama, Bwana amepanda juu ya wingu jepesi, anafika Misri; na sanamu za Misri zinatikisika mbele z… Kiswahili