ትንቢት ኢሳይያስ 14

BCV aksumትግርኛ32 ፍቕድታት5:44 ስማዕ
ስማዕ 5:44 · መደበኛ ኣብ Biblight ክፈት

1እግዚኣብሄር ንያእቆብ ክምሕሮ እዩ፤ ንእስራኤል ድማ ኽሓርዮ እዩ። ኣብ ሃገሮም ከዓ ኸንብሮም እዩ፤ ጓኖት ከዓ ምስኡ ኽሕወሱ እዮም፤ ኣብ ቤት ያእቆብውን ክለግቡ እዮም።

2ደቂ እስራኤል ናብታ እግዚኣብሄር ዝሃቦም ሃገር፥ ናብ ሃገሮም ክምለሱ ብዙሓት ኣህዛብ ክሕግዝዎም እዮም። ደቂ እስራኤል ድማ ነቶም ኣህዛብ፥ ኣብኡ ግዙኣትን ኣግራድን ገይሮም ገንዘቦም ክገብርዎም እዮም። ነቶም ማረኽቶም ዝነበሩ ኽማርኹ፥ ነቶም ዝገፍዕዎም ዝነበሩ ድማ ኽገዝእዎም እዮም።

3እግዚኣብሄር ካብ ፃዕርኻን ካብ መከራኻን፥ ካብቲ ኣብኡ ኣቲኻዮ ዝነበርካ ፅኑዕ ባርነትን በታ መዓልቲ ኸዕርፈካ እዩ።

4ሽዑ ንንጉስ ባቢሎን ከምዙይ ኢልካ ኽትምስል ኢኻ፦ “እቲ ጨቋኒ ኸመይ ዓረፈ! ጭቘናኡኸ ኸመይ ኣብቅዐ!

5እግዚኣብሄር ንዘንጊ ኽፍኣትን፥ ንበትሪ ገዛእትን ሰበሮ።

6ነቲ ንህዝብታት ብቝጥዓ እንተየቋረፀ ዝወቕዖም፥ ነቲ ብቝጥዓን ዓጋቲ ብዘይብሉ ምስጓጕን፥ ንኣህዛብ ዝገዝአ በትሪ ሰበሮ።

7ኵላ ምድሪ ዓሪፋ ብህድኣት ተቐሚጣ ዕልልውን ትብል ኣላ።

8ፅሕድታትን ዝግባታት ሊባኖስን እኳ ‘ንስኻ ኻብ እትወድቕ ጀሚሩ፥ ክቘርፀና ኢሉ ዝደየበ ሓደኳ የለን’ እናበሉ ብኣኻ ደስ በሎም።

9“እታ ታሕቲ ዘላ ሲኦል፥ ክትመፅእ እንተለኻ ምእንቲ ኽትቅበለካ ኢላ ተሃወኸት፤ ነቶም ዝሞቱን ዓበይቲ ምድርን ተበራብረልካ ኣላ፤ ንነገስታት ከዓ ኻብ ዙፋናቶም ተትስኦም ኣላ።

10ኵላቶም ከዓ ‘ንስኻውንዶ ኸማና ደኺምካ! ንስኻኸ ንኣናዶ መሲልካ!

11ክብርኻን ቃና መሰንቆታትካን፥ ናብ ሲኦል ወረደ፤ መንፀፍካ ፍልሖ፥ መደረብታኻ ድማ ሓሳኹ እዮም’ ኢሎም ክመልሱልካ እዮም።

12“ኣየ ኣታ ብሩህ ኮኸብ ወዲ ወጋሕታ፥ ከመይ ኢልካ ኻብ ሰማይ ወደቕካ! ንስኻ ንኣህዛብ ዘዋረድካስ፥ ከመይ ኢልካ ናብ ምድሪ ተደርበኻ!

13ብልብኻውን፥ ‘ናብ ሰማይ ክዓርግ፥ ንዙፋነይ ኣብ ልዕሊ ኸዋኽብቲ እግዚኣብሄር ልዕል ልዕል ከብሎ እየ፤ ኣብ ወሰን ሰሜን ኣብ ልዕሊ እምባ መአከቢ ኽቕመጥ እየ።

14ኣብ ልዕሊ ደመናታት ክዓርግ፥ ነቲ የመና ልዑል ዝኾነውን ክመስሎ እየ’ በልካ።

15ንስኻ ግና ናብቲ መዓሙቝ ጕድጓድ ናብ ሲኦል ክትወርድ ኢኻ።

16“ዝሪኡኻ የስተብህሉኻሞ፥ ‘እቲ ንምድሪ ዘንቀጥቀጠን ንመንግስታት ዘናወፀን፥

17እቲ ንኸተማታት ዘፍረሰንን ንዓለም ዘባደማን? ንምሩኻቱ ናብ ገዛኦም ክኸዱ ዘይሰደደ ሰብኣይ እዙይ ዲዩ?’ ኢሎም የስተውዕሉኻ።

18ኵሎም ነገስታት ኣህዛብ፥ በብገዛኦም ብኽብሪ ደቂሶም ኣለዉ።

19ንስኻ ግና በቶም ብሰይፊ ዝተወግኡን፥ ናብ ናይ ጋህሲ ኣእማን ዝወረዱን ቅቱላት እተኸደንካ፥ ከም እተረግፀ ሬሳ፥ ከም ፍንፉን ጨንፈር ኴንካ ናብ መቓብርካ ተደርበኻ።

20ንምድርኻ ስለ ዘዕኖኻያ፥ ንህዝብኻ ኸዓ ስለ ዝቐተልካዮም፥ ኣብ መቓብር ምስኣቶም ኣይትሕወስን ኢኻ፤ ዘርኢ ኽፉኣት ንዘለኣለም ኣይፅዋዕን።

21ከይለዓሉ ንምድሪ እውን ከይወርሱ ንዓለምውን ብኸተማታቶም ከይመልኡ ብሰንኪ ሓጢኣት ኣቦታቶም ንደቆም ሞት ኣዳለዉሎም።”

22ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ “ኣብ ልዕሊኣቶም ክትስእ እየ፤ ስምን ተረፍን ዘርእን ትውልድን ካብ ባቢሎን ከጥፍእ እየ፤ ይብል እግዚእብሔር።

23ንባቢሎን ዓዘቕቲ ኽገብራ እየ፤ መሕደሪ ቅንፍዝውን ክትከውን እያ። ብመዀስተር ጥፍኣት ገይረ ኽዅስትራ እየ፤ ይብል ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር።”

24ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር ከምዙይ ኢሉ መሓለ፦ “ብሓቂ ኸምቲ ዝሓሰብክዎ ክኸውን እዩ፤ እቲ ዝመደብክዎውን ክቐውም እዩ።

25ንኣሶር ኣብ ሃገረይ ክሰብሮ እየ፤ ኣብ እምባታተይ እውን ክረግፆ እየ። ኣርዑቱውን ካብ ልዕሊኣቶም ክለዓል፥ እቲ ሸኽሚውን ካብ ማእገሮም ክወርድ እዩ።

26ኣብ ልዕሊ ዅላ ምድሪ እግዚኣብሄር ዝሓሰቦ ሓሳብ እዙይ እዩ፦ ኣብ ልዕሊ ዅሎም ኣህዛብ ዝተዘርግሐት ኢድውን እዚኣ እያ።”

27ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር መዲብዎ እዩሞ፥ መን እዩ ኸንቱ ዝገብሮ? ኢዱ ተዘርጊሓ ኣላ፤ መንከ እዩ ዝመልሳ?

28በታ ንጉስ ኣካዝ ዝሞተላ ዓመት እዝ ፆር እዙይ ኮነ።

29ኦ ፍልስጥኤም! እቲ ዝወቕዐኪ ዝነበረ በትሪ ስለ ዝተሰብረ ዅልኻትኩም ኣይትተሓጐሱ። ካብ ሱር ተመን ኣፍዑት ይወፅእ እዩሞ። ፍረኡውን ዝነፍርን ሓዊ ዝመስልን ገበል ይኸውን።

30በዅሪ ደቂ እቶም ድኻታት ክዋፈሩ፥ ፅጉማት ከዓ ሃዲኦም ክነብሩ እዮም። ንሱርኪ ብጥሜት ክቐትሎ እየ፤ ተረፍኪውን ክቕተል እዩ።

31ትኪ ኻብ ሰሜን ይመፅእ ኣሎ፤ ካብ ሰራዊት ከዓ ንበይኑ ዝተርፍ የለን እሞ፥ ኣታ በሪ ዋይ ዋይ በል፤ ኣቲ ኸተማውን ኣእውዪ፤ ኵልኻትኩም ፍልስጥኤም ድማ ምኸኹ።

32ነቶም ልኡኻት ህዝቢ እንታይ ኢልካ ምምላስ ይግባእ? እግዚኣብሄር ንፅዮን ከም ዝመስረታ፥ እቶም ፅጉማት ህዝቡ ኸዓ ኣብኣ መፀግዒ ኸም ዝረኽቡ ዝብል እዩ።

ትርጓሜ

14:1-23 ኩሉ እቲ መደብ ኣምላኻዊ ምምሕዳር ንጥቕሚ ህዝቢ ኣምላኽ ተሰሪዑ እዩ። ኣብ ምድሪ ተስፋ ምቕማጥ ካብ ምሕረት ኣምላኽ እዩ። ቤተ ክርስቲያን ነቶም ኣምላኽ ዝቕበሎም ትቕበሎም። ህዝቢ ኣምላኽ፣ ዕድሎም ኣብ ዝኾነ ይኹን ቦታ ይውደቕ፣ ብቕኑዕን ዝስሕብን ዝርርብ ሃይማኖት ንኸመኻኽሩ ክጽዕሩ ይግባእ። እቶም ምስኦም ክተዓረቑ ዘይደለዩ፣ ብእኦም ክዋረዱ ይግባእ። እዚ ንዓወት ወንጌል ክውዕል ይኽእል እዩ፣ እቶም ዝቃወምዎ ዝነበሩ ናብ ምእዛዝ ምስ ተመልሱ። ኣምላኽ ባዕሉ ዝተባረኸ ለውጢ ንምፍጻም ይእጥቕ። ካብ ሓዘኖምን ፍርሃቶምን፣ ካብ ስምዒት ናይ ሕጂ ጾሮምን ካብ ፍርሃት ዝኸፍአ ነገርን ዕረፍቲ ክረኽቡ እዮም። ባቢሎን ብሃብቲ ዝተመልአት ነበረት። ንጉስ ባቢሎን ንብዙሕ ሃብቲ ብምሉእ ዝምልከት ስልጣን ስለዝነበሮ፣ ብሓገዙ ነቶም ህዝብታት ገዛእ። እዚ ብፍላይ ንህዝቢ ኣይሁድ ዝምልከት እዩ፣ እዚ ድማ ንመዐቀኒ ሓጢኣት ንጉስ ባቢሎን ምሉእ ገበሮ። ገዛእቲ ሓቀኛ ጥቕሞም ንፍትወታቶምን ንስምዒታቶምን ይሰውኡ። ቅዱስ ከም ዝኾነ ንምዃን ምምማን፣ ጸጋዊ እምቢት እዩ፣ ከመይሲ ንሱ፣ 'ቅዱሳት ኩኑ፣ ከመይሲ ኣነ ቅዱስ እየ' ኢሉ እዩ። ግን ከም ልዑል ንምዃን ምሕላም፣ ሓጢኣታዊ እምቢት እዩ፣ ከመይሲ ንሱ፣ 'ዝስዕስዕ ርእሱ ክዋረድ እዩ' ኢሉ እዩ። ሰይጣን ከምኡ ገይሩ ነቶም ቀዳሞት ወለድና ናብ ሓጢኣት ሰሓቦም። ምሉእ ዕንወት ኣብኡ ክመጽእ እዩ። እቶም ሓጢኣት ምዕጋት ዘይደለዩ፣ ኣምላኽ ከዕግቶም እዩ። ክቕተልን ናብ መቓብር ክወርድን እዩ፣ እዚ ድማ ልሙድ ዕድል ገዛእቲ እዩ።

ምሉእ ትርጓሜ ኣንብብ ድምጺ፣ ምሉእ ትርጓሜን ብዘይ መስመር ምንባብን

ትርጉማት8 · 6

AMHEVG እግዚአብሔርም ያዕቆብን ይምረዋል፥ እስራኤልንም ደግሞ ይመርጠዋል፥ በአገራቸውም ያኖራቸዋል፤ መጻተኛም ከእርሱ ጋር ይተባበራል፥ ከያዕቆብም ቤት ጋር ይጣበቃል። አማርኛ ENGNIV The Lord will have compassion on Jacob; once again he will choose Israel and will settle them in their own land. Aliens… English BCV እግዚኣብሄር ንያእቆብ ክምሕሮ እዩ፤ ንእስራኤል ድማ ኽሓርዮ እዩ። ኣብ ሃገሮም ከዓ ኸንብሮም እዩ፤ ጓኖት ከዓ ምስኡ ኽሕወሱ እዮም፤ ኣብ ቤት ያእቆብውን ክለግቡ እዮም። ትግርኛ GAZBIB Waaqayyo sanyii Yaaqoobiif in oo'a, ammas Israa'eloota fo'ee biyya isaanii keessa in teessisa; sabni ormaa isaanitti in… Afaan Oromoo BCV GIZ ወይሣሀሎ እግዚአብሔር ለያዕቆብ ወየኀርዮ ካዕበ ለእስራኤል ወያዐርፋ ውስተ ብሔሮሙ ወይትዌሰኩ ውስቴቶሙ ፈላሲያን ወይትዌሰኩ ውስተ ቤተ ያዕቆብ። giz GAZGAZ Waaqayyo sanyii Yaaqoobiif in oo'a, ammas Israa'eloota fo'ee biyya isaanii keessa in teessisa; sabni ormaa isaanitti in… Afaan Oromoo AMHNIV እግዚአብሔር ለያዕቆብ ይራራለታል፤ እስራኤልን እንደ ገና ይመርጠዋል፤ በራሳቸውም አገር ያኖራቸዋል። መጻተኞች አብረዋቸው ይኖራሉ፤ ከያዕቆብም ቤት ጋር ይተባበራሉ። አማርኛ SWAHSUV Maana Bwana atamhurumia Yakobo, atamchagua Israeli tena, naye atawaweka katika nchi yao wenyewe; na mgeni atajiunga nao… Kiswahili