ትንቢት ኢሳይያስ 12

BCVትግርኛ6 ፍቕድታት1:30 ስማዕ
ስማዕ 1:30 · መደበኛ ኣብ Biblight ክፈት

1በታ መዓልቲ እቲኣ፦ ኦ እግዚኣብሄር! ተቘጢዕኻኒ ኔርካ፤ ግና ቝጥዓኻ ኻባይ መሊስካ ኢኻሞ፥ ኣፀናኒዕኻኒ ኢኻሞ፥ አመስግነካ ኣለኹ።

2እንሆ ኣምላኸይ መድሓኒየይ እዩ፤ ብእኡ እእመን፥ ኣይፈርሕንውን እየ፤ እግዚኣብሄር ኣምላኽ፥ ሓይለይን መዝሙረይን እዩሞ፥ ንሱ መድሓኒተይ ኮነ ኽትብል ኢኻ።

3ካብ ፍልፍል፥ ማይ ድሕነት፥ ብሓጐስ ክትቀድሑ ኢኹም፤

4በታ መዓልቲ እቲኣ ድማ፥ ከምዙይ ክትብሉ ኢኹም፦ “ንእግዚኣብሄር ኣመስግኑ፤ ስሙውን ፀውዑ፤ ኣብ ማእኸል ኣህዛብ ግብርታቱ ኣፍልጡ፤ ስሙ ልዑል ከም ዝኾነ ንገሩ።

5ግሩም ነገር ገይሩ እዩ እሞ፥ ንእግዚኣብሄር ዘምሩ፤ እዙይውን ኣብ ኵሉ ምድሪ ኣፍልጡ።

6ኣቲ ኣብ ፅዮን እትነብሪ፥ ናይ እስራኤል ቅዱስ፥ ኣብ ማእኸልኪ ልዕል ልዕል ኢሉ እዩ እሞ፥ ተሓጐሲ፤ ዕልልውን በሊ።”

ትርጓሜ

12:10-16 ወንጌል ብግህዶ ክስበኽ እንከሎ፡ ኣህዛብ ንክርስቶስ የሱስ ከም ጐይታኦምን መድሓኒቶምን ኪደልዩ፡ ነፍሶም ድማ ዕረፍቲ ኪረኽቡ እዮም። ኣምላኽ ንህዝቡ ንምድሓን ዝወሰኖ ግዜ ምስ ኣኸለ፡ ኣኽራን ተቓውሞ ኣብ ቅድሚኡ ጐልጐል ኪኾኑ እዮም። ኣምላኽ ጸልማት መዓልታት ብቕጽበት ናብ ክብሪ ዘለወን ኪቕይሮም ይኽእል እዩ። ንጐይታ፡ ነቶም ጥንታውያን ህዝቡ ኪእክቦምን ናብ ቤተ ክርስትያኑ ኪመልሶምን፡ ከምኡ እውን ምሉእ ቁጽሪ ኣህዛብ ኬእቱን…

ምሉእ ትርጓሜ ኣንብብ ድምጺ፣ ምሉእ ትርጓሜን ብዘይ መስመር ምንባብን

ትርጉማት8 · 6