ትንቢት ሆሴእ 3

BCV aksumትግርኛ5 ፍቕድታት1:03 ስማዕ
ስማዕ 1:03 · መደበኛ ኣብ Biblight ክፈት

1እግዚኣብሄር ከምዙይ በለኒ፦ “መሊስካ ኺድ እሞ፥ ከምቲ እግዚኣብሄር ነቶም ናብ ካልኦት ኣማልኽቲ ዝምለሱን፥ ቅጫ ዘቢብ ዝፈትዉን ደቂ እስራኤል፥ እግዚኣብሄር ከም ዘፍቅሮም፥ ንስኻውን ንሓንቲ ብኻልእ ሰብኣይ ዝተፈትወት ሰበይቲ ፍቶ” በለኒ።

2ኣነ ኸዓ ብዓሰርተ ሓሙሽተ ቕርሺ ብሩርን፥ ብዅንታልን ፈረቓን ስገም ዓደግክዋ።

3“ብዙሕ መዓልቲታት ምሳይ ተቐመጢ፤ ኣይተመንዝሪ፤ ንኻልእ ሰብኣይ ኣይትኹኒ፤ ኣነውን ከምኡ ክኾነልኪ እየ” በልክዋ።

4ከምኡ ኸዓ ደቂ እስራኤል ብዘይ ንጉስን ብዘይ ሓለቓን ብዘይ መስዋእትን ብዘይ ምስልን ብዘይ ኤፉድን ተራፊምን፥ ብዙሕ መዓልቲታት ክቕመጡ እዮም።

5ደሓር ግና ደቂ እስራኤል ተመሊሶም፥ ንእግዚኣብሄር ኣምላኾምን ንዳዊት ንጉሶምን ደልዮም ክምለሱ እዮም። በተን ዳሕረዎት መዓልቲታት ብፍርሓት ናብ እግዚኣብሄርን፥ ናብ በረኸቱን ክመፁ እዮም።

ትርጓሜ

3:1-3 ሰባት ንሓቀኛ ሃይማኖት ዘይፈትውሉ ምኽንያት፡ ኣብ ክንዲ ስጋዊ ትምኒቶም ዘምውትዎ፡ ሓጥያት ክገብሩ ዘፍቅደሎም ኣቑሑትን ስርዓታትን ስለ ዝፈትዉ እዩ። ስጋዊ ኣእምሮኦም ንኣምላኽ ጽልኢ ኾይኑ ኣብ ዝነበረሉ እዋን እኳ፡ ቅዱስ ኣምላኽ ጽቡቕ ድሌት/ፈቃድ ክህልዎስ ክንደይ ዘደንቕ ኰን እዩ! ኣብዚ፡ ኣምላኽ ምስቲ ካብኡ ዝረሓቐ ወዲቑ ዘሎ ዓሌት ሰብ ዝገበሮ ጸጋዊ ኣካይዳ ተገሊጹ ኣሎ። እዚ፡ ኣምላኽ ምስኣቶም ክኣቱ ዝደልዮ ናይ ጸጋ ኪዳን እዩ፡ ንሳቶም ንእኡ ህዝቢ ክኾኑዎ ኣለዎም፡ ንሱ ኸኣ ንኣቶም ኣምላኽ ክኾኖም። ንሳቶም ንመቕጻዕቲ ሓጥያቶም ክቕበሉ ኣለዎም፡ ናብ ዕሽነት ኸኣ ክምለሱ የብሎምን።

ምሉእ ትርጓሜ ኣንብብ ድምጺ፣ ምሉእ ትርጓሜን ብዘይ መስመር ምንባብን

ትርጉማት8 · 6

AMHEVG እግዚአብሔርም፦ “የእስራኤል ልጆች ወደ ሌሎች አማልክት ቢመለሱና የዘቢብ ጥፍጥፍን ቢወድዱ እንኳ፥ እግዚአብሔር እንደሚወድዳቸው አንተም ውሽማዋን የምትወድደውን አመንዝራይትን ሴት ውደድ፡” አ… አማርኛ ENGNIV The Lord said to me, “Go, show your love to your wife again, though she is loved by another and is an adulteress. Love … English BCV እግዚኣብሄር ከምዙይ በለኒ፦ “መሊስካ ኺድ እሞ፥ ከምቲ እግዚኣብሄር ነቶም ናብ ካልኦት ኣማልኽቲ ዝምለሱን፥ ቅጫ ዘቢብ ዝፈትዉን ደቂ እስራኤል፥ እግዚኣብሄር ከም ዘፍቅሮም፥ ንስኻውን ንሓንቲ… ትግርኛ GAZBIB Waaqayyo,“Namoonni Israa'el gara waaqayyolii kan biraatti yoo gara galan iyyuu, aarsaa bixxillee ija waynii isaaniis yo… Afaan Oromoo BCV GIZ ወይቤለኒ እግዚአብሔር፦ አፍቅር ብእሲት እንተ እከይ ወዝሙት ባቲ በከመ አፍቀሮሙ እግዚአብሔር ለደቂቀ እስራኤል ወእሙንቱሰ ይኔጽሩ ኀበ አምላክ ነኪር ወያፈቅሩ ዘይነሥእ ሐፍሰ ወይነ ዘቢብ። giz GAZGAZ Waaqayyo,“Namoonni Israa'el gara waaqayyolii kan biraatti yoo gara galan iyyuu, aarsaa bixxillee ija waynii isaaniis yo… Afaan Oromoo AMHNIV እግዚአብሔር እንዲህ አለኝ፤ “እርሷ በሌላ ሰው የምትወደድ አመንዝራ ብትሆንም፣ አሁንም ሂድና ሚስትህን ውደዳት፤ ወደ ሌሎች አማልክት ዘወር ቢሉና ለእነርሱም የተቀደሰውን የዘቢብ ጥፍጥፍ ቢወ… አማርኛ SWAHSUV Bwana akaniambia, Enenda tena, mpende mwanamke apendwaye na rafiki yake, naye ni mzinzi; kama vile Bwana awapendavyo wa… Kiswahili