ትንቢት ሆሴእ 10

BCV aksumትግርኛ15 ፍቕድታት2:45 ስማዕ
ስማዕ 2:45 · መደበኛ ኣብ Biblight ክፈት

1እስራኤል ብዙሕ ዝሰፍሐን ብዙሕ ፍረ ዝፈሪ ወይንን እዩ። ከም መጠን ምብዛሕ ፍረኡ፥ ብዙሕ መሰውኢታት ኣብዝሐ፤ ከም መጠን ምፅባቕ ምድሩውን፥ እናመልክዑ ሓወልትታት ሰርሑ።

2ልባቶም ተመቐለ፤ ሕዚ እውን በደሎም ክስከሙ እዮም። ንሱ ንመሰውኢታቶም ከፈራርሶ ንሓወልትታቶምውን ክሰባብሮ እዩ።

3ሽዑ ንሳቶም “ንእግዚኣብሄር ኣይፈራሕናን እሞ፥ ንጉስ የብልናን። ንጉስ እንተ ነበረናኸ እንታይ ክገብረልና እዩ?” ይብሉ።

4ከንቱ ዘረባ ይዛረቡ፤ ዘይፍፀም ኪዳን ክኣትዉ ኸዓ፥ ብሓሰት ይምሕሉ። ስለዙይ መርዛም ሳዕሪ ኣብ ነግሒ ግራት ከም ዝበቍል መቕሰፍቲ ኽበቝሎም እዩ።

5እቶም ኣብ ሰማርያ ዝነብሩ ሰባት፥ ስለ እቲ ኣብ ቤት ኣዌን ዘሎ ጣዖት ብተይ ክፈርሑ እዮም። ክብረቱ ኻብኡ ስለ ዝኸደ፥ እቶም ህዝቢ ኸልቅሱሉ፥ እቶም ንእኡ ዘገልግሉ ኻህናት ድማ፥ ምእንታኡ ኽበኽዩሉ እዮም።

6እቲ ጣዖት፥ ነቲ ዓብዪ ንጉስ ኢያሪም ውህብቶ ክወሃብ፥ ናብ ኣሶር ክውሰድ እዩ። ኤፍሬም ሕፍረት ክሕዞ እዩ፤ እስራኤልውን ብምኽሩ ክሓፍር እዩ።

7ሰማርያ ምስ ንጉሳ፥ ኣብ ልዕሊ ማይ ከም ዘሎ ዓፍራ ኽትጠፍእ እያ።

8እቶም ናይ እስራኤላውያን ሓጢኣት ዝኾኑ በረኽቲ ኾረብታታት ቤት ኣዌን ክፈርሱ እዮም፤ ኣብ ልዕሊ መሰውኢታቶም እሾዅን ኣሜከላን ክበቍል እዩ። ንሳቶም ከዓ ንእምባታት “ክደኑና” ንዀረብታታት ከዓ “ውደቑና” ኽብልዎም እዮም።

9ኦ እስራኤል ካብ ዘመን ጊብዓ ጀሚርካ ሓጢኣት ሰራሕኻ፤ ንሳቶም ኣብኡ ፀንዑ፤ ስለዙይ እቲ ኣብ ደቂ ገበርቲ ኽፉእ ዝኾነ ውግእ፥ ኣብ ጊብዓ ኣየርክቦምን ድዩ?

10ብዝደለኽዎ ጊዜ ኽቐፅዖም እየ፤ ስለ ኽልቲኣቶም ሓጢኣታ ምስ ተኣሰሩ፥ ኣህዛብ ክኸብዎም እዮም።

11ኤፍሬም መኼዳ ኸም ዝለመደት ዓርሒ እዩ፤ ኣነ ግና በቲ ፅቡቕ ክሳዱ ሓለፍኩ። ንኤፍሬም ክፀምዶ እየ፤ ይሁዳ ኽሓርስ፥ ያእቆብውን ነቲ መሬት ከለሳልስ እዩ።

12እግዚኣብሄር መፂኡ፥ “ፅድቂ ኽሳዕ ዘዝንመልኩም፥ ንኡኡ እትደልዩሉ ጊዜ እዩ እሞ፥ ንኣኻትኩም ብፅድቂ ዝርኡ፤ ከም መጠን ምሕረቱ ድማ ዕፀዱ፤ ሓድሽ ፅግኢውን ሕረሱ” በልኩ።

13ክፍኣት ሓረስኩም፤ ሓጢኣትውን ዓፀድኩም፤ ፍረ ሓሶት ድማ በላዕኹም፤ ብብዝሒ ሰራዊትካ ብመንገድኻውን ተኣማሚንካ ኢኻሞ።

14ኣብ ማእኸል ህዝብኻ ሽብር ክለዓል እዩ፤ እኖ ምስ ደቃ ምስ ተጨፍለቐት ሰልማን ንቤት ኣርብኤል ብመዓልቲ ውግእ ዘፍረሰ፥ ኵሎም እምባታትካ ክፈርሱ እዮም።

15ካብ ብዝሒ ሓጢኣትኩም ዝተልዓለ ቤቴል ከምኡ ኽገብረኩም እዩ፤ ምስ ወግሐ፥ ንጉስ እስራኤል ፈፂሙ ኽጠፍእ እዩ።

ትርጓሜ

10:1-8 ወይኒ ብፍረኡ ጥራይ እዩ ክቡር ዝኸውን። ግናኸ እስራኤል ሕጂ ፍጹም ፍረ ኣየፍረየን። ልቦም ተኸፋፊሉ ነበረ። ኣምላኽ ሉዑል ገዛኢ ልቢ እዩ፤ ኩሉ ወይ ከኣ ምንም እዩ ዝውንን። እቲ ምንጪ ልቢ ብምሉኡ ናብ ኣምላኽ እንተዝኸውን ነይሩ፣ ብሓይሊ ምፈሰሰ፣ ንኹሉ ኣብ ቅድመኡ ዝነበረ ድማ ምኣለየ። ምስ ኣምላኽ ኪዳን ንምእታው ዝገብርዎ ምምሳል ሓሶት ነበረ። ኣፈጻጽማ ፍርዲ እኳ ከም መርዛም ሄምሎክ ነበረ። ወይለይ! ክንደይ ባዶ ወይኒ እያ እታ እትረአ ቤተ ክርስቲያን ኣብዚ እዋን እዚ እኳ! ግናኸ ኩሉ ምድራዊ ብልጽግና ምእካብ ረስሓት ጥራይ እዩ፣ ከም ኣብ ማይ ዝርከብ ረስሓት ድማ ብቕጽበት ዝጠፍእ እዩ። ሓጥኣን ካብቲ ፈራዲ ብኸንቱ መዕቆቢ ክደልዩ እዮም፣ ንዕኡ ድማ ሕጂ ከም መድሓኒ ዝንዕቅዎ።

ምሉእ ትርጓሜ ኣንብብ ድምጺ፣ ምሉእ ትርጓሜን ብዘይ መስመር ምንባብን

ትርጉማት8 · 6

AMHEVG እስራኤል ፍሬው የበዛለት የለመለመ ወይን ነው፤ እንደ ፍሬው ብዛት መሠዊያውን አብዝቶአል፤ እንደ ምድሩም ማማር መጠን ሐውልቶችን እያሳመሩ ሠርተዋል። አማርኛ ENGNIV Israel was a spreading vine; he brought forth fruit for himself. As his fruit increased, he built more altars; as his l… English BCV እስራኤል ብዙሕ ዝሰፍሐን ብዙሕ ፍረ ዝፈሪ ወይንን እዩ። ከም መጠን ምብዛሕ ፍረኡ፥ ብዙሕ መሰውኢታት ኣብዝሐ፤ ከም መጠን ምፅባቕ ምድሩውን፥ እናመልክዑ ሓወልትታት ሰርሑ። ትግርኛ GAZBIB Warri Israa'elis akka muka waynii of jaallatee ija baay'ee naqatuu ti; hammuma iji hojii isaanii baay'ate iddoo aarsaas… Afaan Oromoo BCV GIZ ዓፀደ ወይን ዘሠረፀ ኤፍሬም ወሠምረ ፍሬሁ፤ ወበከመ ብዝኀ ፍሬሆሙ ከማሁ አብዝኀ መሥዋዕቶሙ ወበአምጣነ ብሔሩ ሐነፁ ሐውልተ። giz GAZGAZ Warri Israa'elis akka muka waynii of jaallatee ija baay'ee naqatuu ti; hammuma iji hojii isaanii baay'ate iddoo aarsaas… Afaan Oromoo AMHNIV እስራኤል የተንዠረገገ ወይን ነበር፤ ብዙ ፍሬም አፈራ፤ ፍሬው በበዛ መጠን፣ ብዙ መሠዊያዎችን ሠራ፤ ምድሩ በበለጸገ መጠን፣ የጣዖታት ማምለኪያ ዐምዶችን አስጌጠ። አማርኛ SWAHSUV Israeli ni mzabibu, utoao matunda yake; kwa kadiri ya wingi wa matunda yake, kwa kadiri iyo hiyo ameongeza madhabahu za… Kiswahili