እብራውያን 3

BCV aksumትግርኛ19 ፍቕድታት2:46 ስማዕ
ስማዕ 2:46 · መደበኛ ኣብ Biblight ክፈት

1እምበኣር ኣቱም ካብቲ ሰማያዊ መፀዋዕታ፥ ተኻፈልቲ ዝኾንኩም ቅዱሳን ኣሕዋትና፥ ናይ እምነትና ሃዋርያን ሊቀ ካህናትን ንዝኾነ ኢየሱስ ተመልከትዎ።

2ከምቲ ሙሴ ኣብ ኵሉ ቤቱ እሙን ዝነበረ፥ ንሱውን ነቲ ዝሸሞ እሙን ነበረ።

3ካብቲ ገዛ፥ ነቲ ገዛ ዝሰርሕ ዝበለፀ ኽብሪ ኸም ዘለዎ፥ ከምኡ ኸዓ ኻብ ሙሴ፥ ኢየሱስ ዝበለፀ ኽብሪ ኣለዎ።

4ንሕድሕድ ገዛ፥ ሰብ ይሰርሖ፤ እቲ ንዅሉ ዝሰርሕ ግና እግዚኣብሄር እዩ።

5ብዛዕባ እቲ ንሓዋሩ ክኸውን ንዘለዎ ነገራት ምስክር ምእንቲ ክኸውን፥ ሙሴ ኣብ ኵላ ቤት እግዚኣብሄር እሙን ኣገልጋሊ ነበረ።

6ክርስቶስ ግና ኸም ውሉድ፥ ኣብ ልዕሊ ቤቱ እሙን እዩ፤ ነቲ ትብዓትናን፥ እንምክሐሉ ተስፋናን፥ ክሳዕ መወዳእታ ኣፅኒዕና እንተ ሒዝና ድማ፥ ቤቱ ንሕና ኢና።

7ስለዙይ፥ ከምቲ መንፈስ ቅዱስ ዝብሎ፥ “ሎሚ ድምፁ እንተ ሰሚዕኹም፥

8ከምቲ ኣብ ምድረ በዳ፥ ንእግዚኣብሄር ክትፈታተንዎ እንተለኹም ምእዛዝ ዝኣበኹምዎ፥ ልብኹም ኣይተትርሩ።

9ኣብኡ ኣቦታትኩም ተሃላለኹንን ተፈታተኑንን፤ ነርብዓ ዓመት ከዓ ግብረይ ረአዩ።

10ስለዙይ ነዝ ትውልዲ እዙይ ተቘጣዕኽዎ፤ ‘ኵልሻዕ ብልቦም ይስሕቱ፤ ንመንገደይውን ኣይፈለጥዎን’ በልኩ።

11ብቝጥዓይ ድማ፥ ‘ናብ ዕረፍተይ ከቶ ኣይኣትዉን እዮም’ ኢለ መሓልኩ።”

12ኣሕዋተይ፥ ካባኻትኩም ካብቲ ህያው ዝኾነ እግዚኣብሄር ዘርሕቕ፥ ክፉእን ዘይኣምን ልብን ዘለዎ ሓደኳ ኸይህሉ ተጠንቀቑ።

13እኳ ደኣ፥ “ሎሚ” ተብሂሉ ዝፅዋዕ መዓልቲ ኽሳዕ ዘሎ፥ ብናይ ሓጢኣት ምትዕሽሻው፥ ናይ ሓደ ሰብ ልቢ እኳ ምእንቲ ኸይተርር፥ በብመዓልቱ ንስንሳትኩም ተመዓዓዱ።

14ነታ መጀመርታ እምነትና ኽሳዕ መወዳእታ ኣፅኒዕና እንተ ሒዝናያ፥ መዋርስቲ ክርስቶስ ንኸውን።

15እዙይ ከዓ ኸምቲ፦ “ሎሚ ድምፁ እንተ ሰሚዕኹም፥ ከምቲ ንእግዚኣብሄር ምእዛዝ ዝኣበኹምዎ፥ ልብኹም ኣይተትርሩ” ዝበሎ እዩ።

16እቶም ሰሚዖም ምእዛዝ ዝኣበይዎኸ እንመን እዮም? ኵላቶም እቶም ሙሴ ኻብ ግብፂ መሪሑ ዘውፅኦምዶ ኣይኮኑን?

17ነርብዓ ዓመት ዝተቘጥዖምከ እንመን እዮም? እቶም ሓጢኣት ዝገበሩ እሞ፥ ሬሳኦም ኣብ ምድረ በዳ ዝወደቐዶ ኣይኮኑን?

18“ናብ ዕረፍተይ ኣየኣትዉን እዮም” ኢሉ ዝመሓለሎምከ እንመን ድዮም? እቶም ዘይተኣዘዝዎዶ ኣይኮኑን?

19ብሰንኪ ዘይምእማኖም ክኣትዉ ኸም ዘይከኣሉውን ንርኢ ኣለና።

ትርጓሜ

3:1-6 ክርስቶስ ከም ሐዋርያ እምነትና፣ መልእክተኛ ኣምላኽ ናብ ሰብ ዝተላእከ፣ እቲ ንሕና ንእምነሉ እምነትን ንሕና ንሕበኖ ተስፋን ዓብዪ ገላጺ ጌርና ክውሰድ ኣለዎ። ከም ክርስቶስ፣ መሲሕ፣ ንስራሕ ሐዋርያን ሊቀ-ካህናትን ዝተቐብአ። ከም የሱስ፣ መድሓኒና፣ ፈዋሲና፣ ዓብዪ ሓኪም ነፍሳት። ከምዚ ኢልካ ሕሰቦ። ንሱ ባዕሉ እንታይ ምዃኑ፣ ንኣና እንታይ ከም ዝኸውን፣ ድሕሪ ሕጂን ንዘለኣለሙን ንኣና እንታይ ከም ዝኸውን ሕሰቦ። ጥቡቕን ቁምነገር ዝመልኦን ሓሳብ ብዛዕባ ክርስቶስ ዝበዝሕ ክንፈልጦ የብጽሓና። ኣይሁድ ብተኣማንነት ሙሴ ዓብዪ ኣመለኻኽታ ነበሮም፣ እንተኾነ ግና እቲ ተኣማንነቱ ንተኣማንነት ክርስቶስ ጥራይ ምስሊ ነበረ። ክርስቶስ ጎይታ እዛ ቤት እዚኣ፣ ማለት ናይ ቤተ-ክርስትያኑ፣ ናይ ህዝቡ፣ ከምኡውን ፈጣሪኦም ነበረ። ሙሴ እሙን ባርያ ነበረ፤ ክርስቶስ ግና፣ ከምቲ ዘለኣለማዊ ወዲ ኣምላኽ፣ ቅኑዕ ወናንን ልዑላዊ ገዛእን ናይ ቤተ-ክርስትያን እዩ። ብመንገዲ ክርስቶስ ጽቡቕ ምጅማር ጥራይ ኣይኮነን ዘድሊ፣ የግዳስ ኣብኡ ምጽናዕን ምሕላውን ክሳብ መወዳእታ የድሊ። ኩሉ ምስትንታን ብዛዕባ ኣካሉን ምድሓኑን፣ ዝያዳ ጥበብ፣ ሓድሽ ምኽንያት ንፍቕሪ፣ ንምትእምማን፣ ንምእዛዝ የቐብለና።

3:7-13 መዓልታት ፈተና ብዙሕ ግዜ መዓልታት ምትካኽ ቍጥዓ እዮም። ግናኸ ብምሉኡ ኣብኡ ከም እንደሃብን ከም እንነብርን እናርኣየና ከሎ፡ ንኣምላኽ ምትካኽ ቍጥዓኡ ብሓቂ ዘየዐግስ ተግባር እዩ። ምልዋስ ልቢ ምንጪ ዅሉ ኻልእ ሓጢኣት እዩ። ሓጢኣት ካልኦት፡ ብፍላይ ናይ ኣዝማድና፡ ንኣና መጠንቀቕታታት ክኾኑና ይግብኦም።

ምሉእ ትርጓሜ ኣንብብ ድምጺ፣ ምሉእ ትርጓሜን ብዘይ መስመር ምንባብን

ትርጉማት8 · 6

AMHEVG ስለዚህ፥ ከሰማያዊው ጥሪ ተካፋዮች የሆናችሁ ቅዱሳን ወንድሞች ሆይ፥ የሃይማኖታችንን ሐዋርያና ሊቀ ካህናት ኢየሱስ ክርስቶስን ተመልከቱ፤ አማርኛ ENGNIV Therefore, holy brothers, who share in the heavenly calling, fix your thoughts on Jesus, the apostle and high priest wh… English BCV እምበኣር ኣቱም ካብቲ ሰማያዊ መፀዋዕታ፥ ተኻፈልቲ ዝኾንኩም ቅዱሳን ኣሕዋትና፥ ናይ እምነትና ሃዋርያን ሊቀ ካህናትን ንዝኾነ ኢየሱስ ተመልከትዎ። ትግርኛ GAZBIB Kanaafis yaa obboloota Waaqayyoof qulqullooftanii, waamicha isa waaqa irraa keessaa hirmaattanii! Yesusin ergamaa fi an… Afaan Oromoo BCV GIZ ወይእዜኒ አኀዊነ ቅዱሳን ወጽዉዓን እምሰማይ በጽዋዔ ከማነ ርእይዎ ለዝንቱ ሐዋርያክሙ ሊቀ ካህናት ዘኪያሁ ትትአመኑ ኢየሱስ ክርስቶስ። giz GAZGAZ Kanaafis yaa obboloota Waaqayyoof qulqullooftanii, waamicha isa waaqa irraa keessaa hirmaattanii! Yesusin ergamaa fi an… Afaan Oromoo AMHNIV እንግዲህ የሰማያዊው ጥሪ ተካፋዮች የሆናችሁ ቅዱሳን ወንድሞች ሆይ፤ የእምነታችን ሐዋርያና ሊቀ ካህናት የሆነውን ኢየሱስን አስቡ። አማርኛ SWAHSUV Kwa hiyo, ndugu watakatifu, wenye kuushiriki mwito wa mbinguni, mtafakarini sana Mtume na Kuhani Mkuu wa maungamo yetu,… Kiswahili