1እምበኣር ኣቱም ካብቲ ሰማያዊ መፀዋዕታ፥ ተኻፈልቲ ዝኾንኩም ቅዱሳን ኣሕዋትና፥ ናይ እምነትና ሃዋርያን ሊቀ ካህናትን ንዝኾነ ኢየሱስ ተመልከትዎ።
2ከምቲ ሙሴ ኣብ ኵሉ ቤቱ እሙን ዝነበረ፥ ንሱውን ነቲ ዝሸሞ እሙን ነበረ።
3ካብቲ ገዛ፥ ነቲ ገዛ ዝሰርሕ ዝበለፀ ኽብሪ ኸም ዘለዎ፥ ከምኡ ኸዓ ኻብ ሙሴ፥ ኢየሱስ ዝበለፀ ኽብሪ ኣለዎ።
4ንሕድሕድ ገዛ፥ ሰብ ይሰርሖ፤ እቲ ንዅሉ ዝሰርሕ ግና እግዚኣብሄር እዩ።
5ብዛዕባ እቲ ንሓዋሩ ክኸውን ንዘለዎ ነገራት ምስክር ምእንቲ ክኸውን፥ ሙሴ ኣብ ኵላ ቤት እግዚኣብሄር እሙን ኣገልጋሊ ነበረ።
6ክርስቶስ ግና ኸም ውሉድ፥ ኣብ ልዕሊ ቤቱ እሙን እዩ፤ ነቲ ትብዓትናን፥ እንምክሐሉ ተስፋናን፥ ክሳዕ መወዳእታ ኣፅኒዕና እንተ ሒዝና ድማ፥ ቤቱ ንሕና ኢና።
7ስለዙይ፥ ከምቲ መንፈስ ቅዱስ ዝብሎ፥ “ሎሚ ድምፁ እንተ ሰሚዕኹም፥
8ከምቲ ኣብ ምድረ በዳ፥ ንእግዚኣብሄር ክትፈታተንዎ እንተለኹም ምእዛዝ ዝኣበኹምዎ፥ ልብኹም ኣይተትርሩ።
9ኣብኡ ኣቦታትኩም ተሃላለኹንን ተፈታተኑንን፤ ነርብዓ ዓመት ከዓ ግብረይ ረአዩ።
10ስለዙይ ነዝ ትውልዲ እዙይ ተቘጣዕኽዎ፤ ‘ኵልሻዕ ብልቦም ይስሕቱ፤ ንመንገደይውን ኣይፈለጥዎን’ በልኩ።
11ብቝጥዓይ ድማ፥ ‘ናብ ዕረፍተይ ከቶ ኣይኣትዉን እዮም’ ኢለ መሓልኩ።”
12ኣሕዋተይ፥ ካባኻትኩም ካብቲ ህያው ዝኾነ እግዚኣብሄር ዘርሕቕ፥ ክፉእን ዘይኣምን ልብን ዘለዎ ሓደኳ ኸይህሉ ተጠንቀቑ።
13እኳ ደኣ፥ “ሎሚ” ተብሂሉ ዝፅዋዕ መዓልቲ ኽሳዕ ዘሎ፥ ብናይ ሓጢኣት ምትዕሽሻው፥ ናይ ሓደ ሰብ ልቢ እኳ ምእንቲ ኸይተርር፥ በብመዓልቱ ንስንሳትኩም ተመዓዓዱ።
14ነታ መጀመርታ እምነትና ኽሳዕ መወዳእታ ኣፅኒዕና እንተ ሒዝናያ፥ መዋርስቲ ክርስቶስ ንኸውን።
15እዙይ ከዓ ኸምቲ፦ “ሎሚ ድምፁ እንተ ሰሚዕኹም፥ ከምቲ ንእግዚኣብሄር ምእዛዝ ዝኣበኹምዎ፥ ልብኹም ኣይተትርሩ” ዝበሎ እዩ።
16እቶም ሰሚዖም ምእዛዝ ዝኣበይዎኸ እንመን እዮም? ኵላቶም እቶም ሙሴ ኻብ ግብፂ መሪሑ ዘውፅኦምዶ ኣይኮኑን?
17ነርብዓ ዓመት ዝተቘጥዖምከ እንመን እዮም? እቶም ሓጢኣት ዝገበሩ እሞ፥ ሬሳኦም ኣብ ምድረ በዳ ዝወደቐዶ ኣይኮኑን?
18“ናብ ዕረፍተይ ኣየኣትዉን እዮም” ኢሉ ዝመሓለሎምከ እንመን ድዮም? እቶም ዘይተኣዘዝዎዶ ኣይኮኑን?
19ብሰንኪ ዘይምእማኖም ክኣትዉ ኸም ዘይከኣሉውን ንርኢ ኣለና።