1ምእንቲ እዙይ ንሕናውን ክንድዙይ ዝኣኽሉ መሰኻኽር፥ ከም ደመና ኸቢቦምና ስለ ዘለዉ፥ ንዅሉ እቲ ዝኸብደናን ዝጠብቀናን ሓጢኣት ኣርሒቕና፥ በቲ ኣብ ቅድሜና ተዳልዩልና ዘሎ መቀዳደሚ፥ ብትዕግስቲ ፀኒዕና ንጕየ።
2ንዅሉ ውርደት ንዒቑ፥ ምእንቲ እቲ ኣብ ቅድሚኡ ዘሎ ሓጐስ ኢሉ፥ ኣብ መስቀል ሙማት ዝተዓገሰ፥ ኣብ የማን ዙፋን እግዚኣብሄር ዝተቐመጠ፥ ናይ እምነትና ጀማሪን ፈፃሚን ናብ ዝኾነ ኢየሱስ ንጠምት።
3ምእንቲ ኸይትደኽሙን፥ ተስፋ ኸይትቘርፁን፥ ነቲ ብሓጥኣን ክንድዙይ ዝኣክል መከራ(ሀ) ዝተዓገሰ ንእኡ ዘክርዎ።
4ምስ ሓጢኣት ክትቃለሱ እንተለኹም፥ ገና ኽሳዕ ምፍሳስ ደምኩም እትበፅሑ ኣይተቓወምኩምን።(ለ)
5እቲ ኸም ውሉድ ገይሩ፥ ከምዙይ ኢሉ ዝምዕደኩም ቃል፥ ረሲዕኹምዎ ዲኹም? “ወደይ ተግሳፅ ጐይታ ኣይተቃልል፤ እንተ ቐፅዐካውን ተስፋ ኣይትቝረፅ፤
6እግዚኣብሄር ነቲ ዝፈትዎ እዩ ዝግስፅሞ፤ ነቲ ኸም ወዱ ዝተቐበሎውን ይቐፅዖ።”
7እግዚኣብሄር ከም ውሉዱ ይሪአኩም እዩ እሞ፥ እንተ ቐፅዐኩም ተዓገሱ፤ ኣቦኡ ዘይቐፅዖ ውሉድከ መን እዩ?
8ከምቶም ኵሎም ውሉድ፥ መቕፃዕቲ እንተ ዘይተቐቢልኩም ግና፥ ድቓሉ ደኣ እምበር ውሉድ ኣይኮንኩምን።
9ኣብ ልዕሊዙይ ብስጋ ዝወለዱና ኣቦታት ዝቐፅዑና ኻብ ኮኑ፥ ንሕናውን እነኽብሮም ካብ ኮንና፥ ብህይወት ምእንቲ ኽንነብር፥ ነቲ መንፈሳዊ ኣቦና ደኣ፥ ከመይ ኣብሊፅና ኽንእዘዞ ዘይግበአና!
10ስጋውያን ኣቦታትና፥ ንቑሩብ ጊዜ ኸምቲ ፅቡቕ እዩ ኢሎም ዝገመትዎ ገይሮም ይቐፅዑና፤ እግዚኣብሄር ግና፥ ናይ ቅድስናኡ ተኻፈልቲ ምእንቲ ኽንከውን ኢሉ ንጥቕምና ይቐፅዐና።
11ኵሉ ቕፅዓት፥ ንጊዜኡ የሕዝን እምበር ኣየሐጕስን እዩ፤ ብትዕግስቲ ንዝተቐበልዎ ግና፥ ንሓዋሩ ሰላም ዝመልኦ፥ ናይ ፅድቂ ፍረ እዩ ዘፍርየሎም።
12ስለዙይ፥ ዝደንዘዙ ኣእዳውን ዝደኸሙ ኣብራኽን ኣፅንዑ።
13“ዝሕንክስ ክሓዊ እምበር፥ ዝገደደ ምእንቲ ኸይዘናበልስ፥ ነእጋርኩም ቅኑዕ መንገዲ ግበሩ።”
14ምስ ኵሉ ሰብ ብሰላም ንበሩ፤ ብዘይ ቅድስና፥ ሓደኳ ንእግዚኣብሄር ዝሪኦ የለን እሞ፥ ቅዱሳን ክትኮኑ ፀዓሩ።
15ካብ ፀጋ እግዚኣብሄር ሓደኳ ኸይወፅእ፥ መሪር ሱር በቚሉውን ከየጨንቐኩም፥ ንብዙሓት ከዓ ኸየርክስ ተጠንቀቑ።
16ሓደኳ ዘማዊ ዝኾነ፥ ወይ ከምቲ ንሓንቲ ጊዜ ኽበልዕ ኢሉ፥ ብዅርናኡ ዝሸጠ ኤሳው፥ መንፈስ ዘይብሉ ሰብ ከይህሉ ተጠንቀቑ።
17ኤሳው ፀኒሑ ነታ በረኸት ክወርስ እኳ እንተ ደለያ፥ ኣይተውሃቦን፤ ብንብዓትውን እንተ ደለያ፥ ንንስሃ ዝኸውን ጊዜ ኸም ዘይረኸበ ትፈልጡ ኢኹም።
18ንስኻትኩም ኣብቲ ሃልሃል ብዝብል ሓዊ፥ ጣቓ፥ ፀልማት፥ ንፋስ ኣውሎ፥ ድምፂ መለኸትን፥ ቃል ዝስምዐሉ ድምፅን፥ ብኢድ ክድህሰስ ናብ ዝኽእል እምባ ሲና ኣይኮንኩምን በፂሕኩም ዘለኹም። እቶም ዝሰምዕዎውን፥ ወሲኹ ኸይዛረቦም ለመኑ።
20“እንስሳ እኳ፥ ነቲ እምባ እንተ ነኽአ፥ ብእምኒ ተቐጥቒጡ ይቀተል” ዝብል ትእዛዝ ኽፆርዎ ኣይከኣሉንሞ።
21እቲ ትርኢት፥ ክሳዕ ክንድዙይ ዘፍርሕ ስለ ዝነበረ ድማ፥ ሙሴ “እፈርሕን እርዕድን ኣለኹ” በለ።
22ንስኻትኩም ግና ናብ እምባ ፅዮንን፥ ናብታ ኸተማ ህያው እግዚኣብሄር ዝኾነት ሰማያዊት ኢየሩሳሌምን፥ ናብቶም ብሓጐስ ዝተኣከቡ ኣእላፋት ዝኾኑ መላእኽትን፥
23ናብታ በቶም ኣብ ሰማያት ስሞም ዝተፅሓፈ፥ በዅሪ ዝኾኑ ዝቖመት ቤተ ክርስቲያንን፥ ናብቲ ንዅሉ ዝፈርድ እግዚኣብሄርን፥ ናብ ነፍሳት እቶም ፍፁማን ዝኾኑ ፃድቃንን፥ በፂሕኹም ኢኹም።
24ናብቲ ናይ ሓድሽ ኪዳን ማእኸላይ መተዓረቒ ዝኾነ ኢየሱስን፥ ናብቲ ኻብ ደም ኣቤል ብዝበለፀ ዝዛረብ፥ ምንዛሕ ደምን ኢኹም በፂሕኹም ዘለኹም።
25እምበኣር ነቲ ዝዛረበኩም ዘሎ ምስማዕ ከይትኣብይዎ ተጠንቀቑ፤ እቶም ካብ ምድሪ ዝተዛረቦም ምስማዕ ምስ ኣበይዎ፥ ካብ ፍርዲ ኻብ ዘየምለጡ፥ ንሕና ግዳ ነቲ ኻብ ሰማይ ዝዛረበና ምስማዕ እንተ ኣበና፥ ከመይ ኢልና ኽነምልጥ ንኽእል?
26ሽዑ ድምፁ ንምድሪ ኣናወፃ፤ ሕዚ ግና “ንምድሪ ጥራሕ ዘይኮነስ፥ ንሰማይውን ሓንሳእ ደጊመ ኸናውፆ እየ” ኢሉ ተስፋ ሂቡ እዩ።
27“ሓንሳእ ደጊመ” ዝብል ቃል ከዓ፥ እቲ ዝናወፅ ኵሉ ኸም ዝሓልፍ፥ እቲ ዘይናወፅ ድማ ፀኒዑ ኸም ዝነብር ከመልክት ኢሉ እዩ።
28እምበኣር ዘይትናወፅ መንግስቲ ስለ እንቕበል፥ ብፍርሓትን ኣኽብሮትን፥ ንእግዚኣብሄር ደስ እናበልና፥ ንእኡ እነምልኸሉ ፀጋ ንሓዝ።
29ኣምላኽና ዝባላዕ ሓዊ እዩ እሞ።