እብራውያን 10

BCVትግርኛ39 ፍቕድታት5:30 ስማዕ
ስማዕ 5:30 · መደበኛ ኣብ Biblight ክፈት

1ሕጊ፥ ናይቲ ኽመፅእ ዘለዎ ሰናይ ነገር ፅላሎት እምበር፥ ንሱ ባዕሉ ኣይኮነን። በዝ ምኽንያት እዙይ ድማ፥ እቲ በብዓመት ኵልሻዕ ዝቐርብ መስዋእትታት፥ ነቶም ዘቕርብዎ ኸቶ ፍፁማት ክገብሮም ኣይኽእልን።

2እቶም መስዋእቲ ዘቕርቡ፥ ነፂሆም እንተ ዝኾኑ፥ በቲ ዝገበርዎ ሓጢኣት ሕሊናኦም ኣይምወቐሶምን ነይሩ፤ መስዋእቲ ኻብ ምቕራብውን መዕረፉ ነይሮም።

3እንተ ኾነ፥ እቲ በብዓመት ዝቐርብ መስዋእቲ፥ ሓጢኣት ከም ዘሎ ዘዘክር እዩ።

4ደም ዝራብዓትን ኣጣልን፥ ሓጢኣት ከርሕቕ ኣይኽእልን እዩ እሞ።

5ስለዙይ ክርስቶስ ናብ ዓለም ክመፅእ እንተሎ ኸምዙይ በለ፦ “መስዋእትን መባእን ኣይደለኻን፤ እንተ ኾነ ስጋ ኣዳሎኻለይ።

6ብዝቃፀል መስዋእትን፥ በቲ ምእንቲ ሓጢኣት ዝቐርብ መስዋእትን፥ ደስ ኣይበለካን።

7ሽዑ ኸዓ ኣነ፥ ‘ኦ ኣምላኸይ፥ ከምቲ ኣብ መፅሓፍ ብዛዕባይ ተፅሒፉ ዘሎ፥ እንሆ ፍቓድካ ኽፍፅም መፂአ ኣለኹ’ በልኩ።”

8ኣቐዲሙ ሕጊ ዝእዝዝ እንተ ኾነ እኳ፥ “መስዋእትን መባእን፥ ዝቃፀል መስዋእትን፥ ምእንቲ ሓጢኣት ዝቐርብ መስዋእትን ኣይደለኻን፤ ብእኡውን ደስ ኣይበለካን” ይብል።

9ኣስዒቡ ኸዓ “እንሆ ኣምላኸይ፥ ፍቓድካ ኽፍፅም መፂአ ኣለኹ” ይብል። ነታ ዳሕረወይቲ ምእንቲ ኸፅንዕ፥ ነታ ቐዳመይቲ ሰዓራ።

10በዝ ፈቓድ እዙይ፥ በቲ ሓንሳዕ ንሓዋሩ ዝኣክል፥ እተሰውአ መስዋእቲ ስጋ ኢየሱስ ክርስቶስ፥ ተቐዲስና ኣለና።

11ኵሉ ካህን ዝኾነ፥ በብመዓልቱ ኣገልግሎቱ ይፍፅም፤ ነቲ ፈፂሙ ሓጢኣት ከርሕቕ ዘይኽእል መስዋእቲ ድማ፥ መላሊሱ የቕርብ።

12ክርስቶስ ግና፥ ሓንሳእ ንሓዋሩ ዝኸውን መስዋእቲ፥ ምእንቲ ሓጢኣት ምስ ኣቕረበ፥ ኣብ የማን እግዚኣብሄር ተቐመጠ።

13ካብ ሽዑ ጀሚሩ ድማ፥ እቶም ፀላእቱ፥ መርገፂ እግሩ ኽሳዕ ዝኾኑ ይፅበ ኣሎ።

14እዙይ ከዓ ነቶም ዝቕደሱ፥ ብሓደ መስዋእቲ፥ ንዘለኣለም ፍፁማን ገይሩዎም እዩሞ።

15መንፈስ ቅዱስውን ስለዙይ ይምስክረልና ኣሎ፦

16“ብድሕሪ እተን መዓልቲታት እቲኣተን፥ ምስኣቶም ዝኣትዎ ኺዳን እዙይ እዩ፤ ይብል እግዚኣብሄር፤ ንሕግታተይ ኣብ ልቦም ከንብር እየ፤ ኣብ ኣእምሮኣቶምውን ክፅሕፎ እየ።”

17ኣስዒቡ ኸዓ “ደጊም ሓጢኣቶምን ዓመፃኦምን፥ ከቶ ኣይዝክርን እየ” ይብል።

18እምበኣር ብኸምዙይ ሓጢኣት ዝሕደግ ካብ ኮነ፥ ካብ ደጊም ምእንቲ ሓጢኣት ዝቐርብ መስዋእቲ ኣየድልን እዩ።

19ስለዙይ ኣሕዋተይ፥ ብደም ክርስቶስ ናብ ቅድስተ ቅዱሳን ንምእታው፥ መተኣማመኒ ረኺብና ኢና።

20እንኣትዎ ኸዓ በቲ መጋረጃ፥ ብሰብነቱ ዝተኸፍተ፥ ሓድሽን ህያውን ብዝኾነ መንገዲ ኣቢልና ኢና።

21ኣብ ቤት እግዚኣብሄር ዓብዪ ካህን ስለዘለና፥

22ኻብ ክፉእ ሕሊና ምእንቲ ኽንነፅህ፥ ልብና ተነፂግና፥ ሰብነትና ብንፁህ ማይ ሓፂብና፥ ብቕኑዕ ልብን ብሙሉእ እምነትን፥ ናብ እግዚኣብሄር ንቕረብ።

23እቲ ተስፋ ዝሃበና እሙን እዩ እሞ፥ ስለዙይ ነታ እንፅበያ ተስፋ፥ ብዘይ ምጥርጣር ኣፅኒዕና ንሓዛ።

24ንፍቕርን ንሰናይ ግብርን፥ ንስንሳትና ኽንነቓቓሕ ንፅዓር።

25ከምቲ ገሊኣቶም ልማድ ገይሮምዎ ዘለዉ፥ ብሓባር ምእካብ ኣይንሕደግ፤ እኳ ደኣ ኸምቲ እትሪእዎ ዘለኹም፥ እታ ጐይታ ተመሊሱ ዝመፀላ መዓልቲ ትቐርብ ምህላዋ እናዘከርና፥ ንስንሳትና ብዝበለፀ ንመዓዓድ።

26ነቲ ሓቂ ምስ ፈለጥናዮ፥ ኮነ ኢልና ሓጢኣት እንተ ገበርና፥ ደጊም ምእንቲ ሓጢኣት ዝቐርብ መስዋእቲ የለን፤

27ክንድኡ ግና፥ ዘፍርሕ ፍርድን፥ ነቶም ንእግዚኣብሄር ዝፃረሩ ዘንድድ ብርቱዕ ሓዊን ኢና ብራዕዲ እንፅበ።

28ንሕጊ ሙሴ ዘፍረሰ ብኽልተ ወይ ብሰለስተ ምስክር፥ ብዘይ ምሕረት ይቕተል ነበረ።

29ንወዲ እግዚኣብሄር ዝረገፀ፥ ነቲ ዝተቐደሰሉ ደም ኪዳን ድማ ዘርከሰ፥ ነቲ ፀጋ ዝህብ መንፈስ ቅዱስ ዝፀረፈ ግዳ፥ ክንደይ ዝገደደ ቕፅዓት ዝግብኦ ይመስለኩም!

30ንሕና ነቲ፥ “ምፍዳይ ሕነ ናተይ እዩ፤ ኣነ ሕነ ኽፈዲ እየ” ደጊሙ ኸዓ፥ “እግዚኣብሄር ንህዝቡ ኽፈርዶ እዩ” ዝበለ፥ ንፈልጦ ኢናሞ።

31ኣብ ኢድ እቲ ህያው ዝኾነ ኣምላኽ ምውዳቕ፥ የመና ዘፍርሕ እዩ።

32ብርሃን ምስ በርሀልኩም ተዓጊስኩም መከራ ንዝተቐበልኩምለን፥ ነተን ቀዳሞት መዓልቲታት ዘክርወን።

33ብሓደ ወገን፥ ፀርፍን ውርደትን ተቐበልኩም፤ ብሓደ ወገን ከዓ፥ ምስቶም ከምዙይ ዝመሰለ ዝበፅሖም ሰባት ተኻፈልቲ ኾንኩም።

34ዝሐሸን ንዘለኣለም ዝነብርን ሃብቲ፥ ኣብ ሰማይ ከም ዘለኩም ፈሊጥኩም፥ ነቶም እሱራት ራህራህኹምሎም፤ ንብረትኩም እንትውረርውን ብሓጐስ ተቐበልኩምዎ።

35እምበኣር ነቲ ብዙሕ ዓስቢ እትረኽቡሉ እምነትኩም ኣይትሕደጉ።

36ፍቓድ እግዚኣብሄር ምእንቲ ኽትፍፅሙን፥ ነቲ ዘተስፈዎ ምእንቲ ኽትቅበሉን፥ ፅንዓት የድልየኩም እዩሞ።

37“ድሕሪ ቑሩብ ጊዜ፥ እቲ ዝመፅእ ክመፅእ እዩ፤ ኣይድንጕን ከዓ እዩ፤

38ፃድቕ ግና፥ ብእምነት እዩ ዝነብር፤ ንድሕሪት እንተ ተመለሰ ግና፥ ነፍሰይ ብእኡ ደስ ኣይብላን እዩ” ይብል እዩ እሞ።

39ንሕና ግና ምስቶም ንድሕሪት ተመሊሶም ዝጠፍኡ ዘይኮንናስ፥ ምስቶም ብእምነት ዝድሕኑ ኢና።

ትርጓሜ

10:1-10 ሐዋርያ፡ ድንኳንን ስርዓታት ኪዳን ሲናን ናይ ወንጌል ምሳሌታትን ምልክታትን ጥራይ ከም ዝነበሩ ድሕሪ ምግላጹ፡ ሊቃውንቲ ካህናት ብቐጻሊ ዘቕርቡዎም ዝነበሩ መስዋእትታት ብዛዕባ ይቕረ ምባልን ምጽራይ ሕልናኦምን ኣምለኽቲ ፍጹማት ክገብሩ ኣይተባዕተውሎምን ኢሉ ይድምድም። ግና ግን ኣምላኽ ብስጋ ምስ ተገልጸ፡ መስዋእቲ ምስ ኮነ፡ ሞቱ ድማ ኣብታ ተረጊማ ዝነበረት ኦም ቤዛነት ምስ ኮነ፡ ሽዑ እቲ ተሳቓዪ ድርብ ዋጋ ዘይብሉ ስለዝነበረ፡ ናይ ፍቓዱ መከራታት ድማ ድርብ ዋጋ ዘይብሉ ኮነ። እቲ መተዓረቒ መስዋእቲ ክሰማማዕ ዝኽእል ክኸውን ኣለዎ፡ ብፍቓዱ ድማ ኣብ ክንዲ ሓጥእ ክቐርብ ኣለዎ። ክርስቶስ ድማ ከምኡ ገበረ። ምንጪ እቲ ክርስቶስ ንህዝቡ ዝገበሮ ኩሉ፡ ናይ ኣምላኽ ልዑል ፍቓድን ጸጋን እዩ። እቲ ዝመጸ ጽድቂን እታ ሓንሳእ ብክርስቶስ ዝቐረበት መስዋእቲን ናይ ዘለኣለማዊ ሓይሊ እዩ፡ ምድሓኑ ድማ ፈጺሙ ኣይርሓቕን። ናብኡ ንዝመጹ ኩሎም ፍጹማት ንምግባር ሓይሊ ኣለዎም። ካብቲ መተዓረቒ ደም ድማ ንምእዛዝ ሓይልን ምኽንያታትን፡ ከምኡውን ውሽጣዊ ምጽንናዕ ይረኽቡ።

10:11-18 ብትሕቲ እቲ ሓድሽ ኪዳን፡ ወይ ስርዓት ወንጌል፡ ምሉእ ከምኡ'ውን ንመወዳእታ ዝኾነ ይቕረታ ይረኸብ። እዚ ኣብ መንጎ እቲ ሓድሽ ኪዳን ከምኡ'ውን እቲ ብሉይ፡ ዓብዪ ፍልልይ ይገብር። ብትሕቲ እቲ ብሉይ፡ መስዋእትታት ብዙሕ ግዜ ክድገሙ የድሊ ነይሩ፡ ኣብ መወዳእታ ኸኣ፡ ብኦኦም ንዛ ዓለም እዚኣ ጥራይ ዝምልከት ይቕረታ ይረኸብ ነይሩ። ብትሕቲ እቲ ሓድሽ ኪዳን ግና፡ ሓደ መስዋእቲ ንኹሎም ህዝብታትን ወለዶታትን፡ መንፈሳዊ ይቕረታ፡ ወይ ድማ ካብቲ ኣብ ዝመጽእ ዘሎ ዓለም ዘሎ መቕጻዕቲ ናጻ ምውጻእ ንምርካብ እኹል እዩ። ርግጽ እዚ ሓድሽ ኪዳን ተባሂሉ ምጽዋዑ ግቡእ እዩ።

ሓደ እኳ፡ ሰብኣዊ ምህዞታት ነቶም ኣብ ክንዲ መስዋእቲ ወልደ ኣምላኽ ዝገብሩዎም ክጠቅሙ እዮም ኢሉ ኣይሕሰብ። እሞኸ እንታይ እዩ ዝተርፍ፡ እንተዘይኮይኑ፡ ብእምነት ኣብዚ መስዋእቲ እዚ ሕብርና ምድላይ፡ ከምኡ'ውን ማሕተሙ ንነፍሳትና ብምቅዳስ መንፈስ ንምእዛዝ ምቕባል? በዚ ኸኣ ሕጊ ኣብ ልብና ብምጽሓፉ፡ ከም ዝተሰገትናን ኣምላኽ ሓጢኣትና ድሕሪ ሕጂ ከም ዘይዝክርን ክንፈልጥ ይከኣለና።

10:19-25 ሃዋርያ ቐዳማይ ክፋል መልእኽቱ ምስ ደምደመ፡ እቲ ትምህርቲ ናብ ተግባራዊ ምትግባር ይቕየር። ምእመናን ናብ ቅድሚ ኣምላኽ ብግልጺ ክቐርቡ መገዲ ስለ ዝረኸቡ፡ ነዚ መሰል እዚ ኪጥቀሙሉ ይግባእ ነይሩ። ክርስትያናት ከምዚ ዝኣመሰለ መሰላት ዝረኽቡሉ መገድን ኣገባብን፡ ብደም የሱስ፡ ማለት ብኽብሪ እቲ ንሓጢኣትና ዝቐረበ ቤዛዊ መስዋእቲ ዝኾነ ደሙ እዩ።

ምሉእ ትርጓሜ ኣንብብ ድምጺ፣ ምሉእ ትርጓሜን ብዘይ መስመር ምንባብን

ትርጉማት8 · 6

AMHEVG ሕጉ ሊመጣ ያለው የበጎ ነገር እውነተኛ አምሳል ሳይሆን የነገር ጥላ አለውና፥ ስለዚህም በየዓመቱ ዘወትር በሚያቀርቡት በዚያ መሥዋዕት የሚቀርቡትን ሊፈጽም ከቶ አይችልም። አማርኛ ENGNIV The law is only a shadow of the good things that are coming–not the realities themselves. For this reason it can never,… English GAZBIB Seerichi garuu gaadidduu wanta gaggaarii dhufuuf jiran sanaa ti malee, bifa dhugaa isa isaan ittiin mul'atan miti; inni… Afaan Oromoo BCV GIZ እስመ ጽላሎታ ይእቲ ኦሪት ለእንተ ትመጽእ ሠናይት እስመ ኢኮነት ለሊሃ፣ ወበእንተ ዝንቱ አመ ያበውኡ መሥዋዕተ ዘልፈ በኵሉ ዓመት ኢይክል ለሊሁ ግሙራ ፈጽሞ ለእለ ያበውእዎ። giz GAZGAZ Seerichi garuu gaadidduu wanta gaggaarii dhufuuf jiran sanaa ti malee, bifa dhugaa isa isaan ittiin mul'atan miti; inni… Afaan Oromoo BCV aksum ሕጊ፥ ናይቲ ኽመፅእ ዘለዎ ሰናይ ነገር ፅላሎት እምበር፥ ንሱ ባዕሉ ኣይኮነን። በዝ ምኽንያት እዙይ ድማ፥ እቲ በብዓመት ኵልሻዕ ዝቐርብ መስዋእትታት፥ ነቶም ዘቕርብዎ ኸቶ ፍፁማት ክገብሮም … ትግርኛ AMHNIV ሕጉ ወደ ፊት ለሚመጡት መልካም ነገሮች ጥላ ነው እንጂ፣ እውነተኛው አካል አይደለም፤ ስለዚህም በየዓመቱ ዘወትር ያለ ማቋረጥ የሚቀርበው ተደጋጋሚ መሥዋዕት፣ ለአምልኮ የሚቀርቡትን ሰዎች ፍጹ… አማርኛ SWAHSUV Basi torati, kwa kuwa ni kivuli cha mema yatakayokuwa, wala si sura yenyewe ya mambo hayo, kwa dhabihu zile zile wanazo… Kiswahili