ትንቢት ኣንባቆም 2

BCV aksumትግርኛ20 ፍቕድታት3:57 ስማዕ
ስማዕ 3:57 · መደበኛ ኣብ Biblight ክፈት

1እግዚኣብሄር እንታይ ከም ዝዛረበንን፥ ብዛዕባ እቲ ኽትዐይ ከዓ፥ እንታይ ከም ዝምልሰሉን ምእንቲ ኽፈልጥ፥ ኣብቲ መሐለውየይ ደው ክብል፥ ኣብ ልዕሊ እምባውን ክድይብ እየ።

2እግዚኣብሄር ከምዙይ ኢሉ መለሰለይ፦ “እቲ ዘንብቦ ምእንቲ ኽቕልጥፍ፥ ነቲ ራእይ ፀሓፎ፤ ኣብ ሰሌዳታትውን ቅረፆ።

3እቲ ራእይ ገና ንውሱን ጊዜ እዩ፤ ናብ ፍፃመኡውን ይቕልጥፍ ኣሎ፤ ኣይሕሱን ከዓ እዩ። እንተ ደንጐየውን ብርግፅ ክመፅእ እዩ፤ ኣይድንጕን ድማ እዩ እሞ፥ እንተ ደንጐየ እኳ ተፀበዮ።”

4እንሆ ነፍሱ ተዓብያ እያ፤ ኣብ ውሽጡውን ቅንዕቲ ኣይኮነትን፤ ፃድቕ ግና ብእምነቱ ብህይወት ይነብር።

5ንሱ መታለልን ኵሩዕን ሰብ እዩ፤ ኣብ ስፍራኡውን ኣይቕመጥን፤ ስስዐኡ ኸም ሲኦል የግፍሕ፤ ከም ሞትውን ኣይፀግብን። ንዅላቶም ኣህዛብ ናብ ባዕሉ ይእክቦም፤ ንዅሎም ህዝብታትውን ናብ ባዕሉ ይእክቦም።

6እዚኣቶም ኵላቶም ነቲ ዘይናቱ ንባዕሉ ዝእክብ፥ መትሓጃውን ንባዕሉ ዘብዝሕ ወይለኡ! ኽሳዕ መኣዝከ እዩ? እናበሉ ምስላ ኣይምስሉሉንዶ? ተረትከ ኣይትርቱሉንዶ?

7እቶም ዝነኽሱኻ ድንገትዶ ኣይለዓሉኻን? እቶም ዘጨንቑኻ ኽነቕሑ እዮም፤ ነኣኣቶምውን ዘመተኦም ክትከውን ኢኻ።

8ንደም ሰብ ስለ ዘፍሰስካ፥ በታ ምድርን በታ ኸተማን ብቶም ኣብኣ ዝነብሩ ኵላቶምን፥ ስለ ዝፈፀምካዮ ግፍዒ፥ ንስኻ ንብዙሓት ኣህዛብ ዘሚትካ ኢኻሞ፥ ኵሎም እቶም ካብ ኣህዛብ ዝተረፉ ክዘምቱኻ እዮም።

9ካብ ክፉእ ንኽድሕን፥ ንቤቱ ኣብ በሪኽ ቦታ ንኽገብር፥ ንገዛኡ ዘይግባእ ትርፊ ንዝእክብ ወይለኡ!

10ንብዙሓት ህዝብታት ኣጥፊእኻ ኢኻ እሞ፥ ኣብ ልዕሊ ገዛኻ ውርደት መኸርካ፤ ኣብ ልዕሊ ነፍስኻውን ሓጢኣት ገበርካ።

11እምኒውን ካብ ውሽጢ መንደቕ ከእዊ፥ ዕንፀይትውን ካብ ውሽጢ ውቕሮ ኽምልሰሉ እዩ።

12ንኸተማ ብደም ምፍሳስ ንዝሰርሕ ንሃገር ከዓ ብሓጢኣት ንዝምስርታ ወይለኡ!

13እንሆ ህዝብታት ስለ ሓዊ ንኽፅዕሩ፥ ኣህዛብውን ንኸንቱ ንኽደኽሙ፥ ካብ ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር ዝኾነዶ ኣይኮነን?

14ከምቲ ማያት ንባሕሪ ዝኸድኖ፥ ምድሪ እውን ክብሪ እግዚኣብሄር ብምፍላጥ ክትመልእ እያ።

15ሕፍረተ ስጋኡ ንምርኣይ፥ ንብፃዩ መስተ ዘስቲ፥ ክፉእውን ዝውስኸሉ፥ ንዘስክሮውን ወይለኡ!

16ክንዲ ኽብሪ፥ ሕፍረት መሊኡካ ኣሎ፤ ንስኻውን ሰቲኻ ሰንደልደል በል፤ እቲ ፅዋዕ የማን እግዚኣብሄር ክምለሰካ እዩ፤ ኣብ ልዕሊ ኽብርኻውን ሕፍረት ክኸውን እዩ።

17ደም ሰብ ስለ ዘፍሰስካ፥ ኣብ ልዕሊ እታ ምድርን፥ ኣብ ልዕሊ እታ ኸተማን፥ ኣብ ልዕሊ እቶም ኣብኣ ዝነብሩን ዝፈፀምካዮ ግፍዒ ኣብ ልዕሊ ሊባኖስ ዝሰራሕኻዮ ግፍዒ፥ ክኸድነካ እዩ፤ ሓደጋ ኣራዊትውን ከደንግፀካ እዩ።

18እቲ ቐራፂ ዝቐርፆ ቕሩፅ ምስሊ፥ ንምንታይ ይጠቅም? እቲ ሰራሒ፥ በሃም ጣዖት ገይሩ ብዝሰርሖ ዝእመንከ፥ እቲ መኺኹ ዝተሰርሐ፥ ሓሰት ዝምህር ምስሊኸ እንታይ ይጠቅም?

19እቲ ንዕንፀይቲ “ንቓሕ” ንበሃም እምኒ ኸዓ “ተስእ” ዝብሎ ወይለኡ! ብሓቂዶ እዙይ ይምህር እዩ? እንሆ ብወርቅን ብብሩርን ተለቢጡ እዩ፤ ምንም እስትንፋስ የብሉን።

20እግዚኣብሄር ግና፥ ኣብ ቅዱስ መቕደሱ ኣሎ፤ ኵላ ምድሪ እውን ኣብ ቅድሚኡ ስቕ ትበል።

ትርጓሜ

2:1-4 ብዛዕባ ኣገባባት ኣምላኻዊ ምምሕዳር ብጥርጣረ ክንናወጽን ክንደናገርን ከለና፡ ንናይ ትዕግስቲ ስኢንካ ምትሃታትን ፈተናታትን ክንጥንቀቐሉ ይግባእ። ቅድሚ ኣምላኽ ምብላዓትናን ሕቶታትናን ምስ ኣፍሰስና፡ ኣምላኽ ብቓሉ፡ ብመንፈሱን ብምምሕዳሩን ዝህቦ መልሲ፡ ማለት ጐይታ ንኹነታትና እንታይ ከም ዝብል፡ ክንምልከት ይግባእ። ኣምላኽ ነቶም እንታይ ከም ዝብሎም ንምስማዕ ዝጽበዩ እሙን ተስፋኦም ኣይተስሕቶምን። ኩሉ ሰብ ብሓቅታት ቃል ኣምላኽ የገድሶ። እቲ እተስፈወ ጸጋ ንነዊሕ እዋን እንተደሓረ እኳ፡ ኣብ መወዳእታ ክበጽሕ እዩ፡ ንጽበና ድማ ብብዝሒ ክኽሕሰና እዩ። እቲ ትሑት፡ ዝተሰበረ ልቢ ዘለዎ፡ ዝነሳሕ ሓጥእ ጥራይ እዩ ኣብዚ ድሕነትዚ ንምስታፍ ዝደሊ። ነፍሱ ኣብቲ ተስፋን ኣብ ክርስቶስን የንብር፡ ኣብኡን ብእኡን እዩ ድማ እቲ ድሕነት ዝወሃብ። በዚ መገዲ እዚ ድማ ብእምነት ይነብር፡ ይኸይድን ይዓይን፡ ክሳብ መወዳእታ ይዕገስ፡ ናብ ክብሪ ድማ የዐርግ። እቶም ንዘይሓሳስ ኣኽእሎ ኣምላኽ ዘይኣምኑ ወይ ዝንዕቁ ግና፡ ምስኡ ብቕንዕና ኣይመላለሱን። እቲ ጻድቕ ብእምነት ኣብዚኣተን ክቡራት ተስፋታትዚኤን ክነብር እዩ፡ እቲ ምፍጻመን እንተደሓረ እኳ። ብእምነት ዝጸደቁ ጥራይ እዮም ክነብሩ፡ ኣብዚ ዓለምን ንዘለዓለምን ክሕጐሱን።

2:5-14 እቲ ነብዪ ንኹሎም እቶም ንህዝቢ ኣምላኽ ብጽንዓት ዝጨቁኑ ትዕቢተኛታትን ጨቋንትን ሓይልታት ፍርዶም የንብብ። ትምኒት ስጋ፡ ትምኒት ኣዒንቲ፡ ከምኡ’ውን ትዕቢት ህይወት፡ ንሰብ ዘተሓላልኽዎ ወጽመታት እዮም፤ ንእስራኤል ናብ ምርኮ ዝወሰዶ’ውን በዚ ኹሉ በበይኑ ተማሪኹ ንርእዮ። ካብቲ ብቕንዕና እነጥሪዮ ወጻኢ፡ ካልእ ዝበዝሐ ናትና ተባሂሉ ክቑጸር የብሉን።

ምሉእ ትርጓሜ ኣንብብ ድምጺ፣ ምሉእ ትርጓሜን ብዘይ መስመር ምንባብን

ትርጉማት8 · 6

AMHEVG በመጠበቂያዬ ላይ እቆማለሁ፥ በአምባ ላይም እወጣለሁ፤ የሚናገረኝንም፥ ስለ ክርክሬም የምመልሰውን አውቅ ዘንድ እመለከታለሁ። አማርኛ ENGNIV I will stand at my watch and station myself on the ramparts; I will look to see what he will say to me, and what answer… English BCV እግዚኣብሄር እንታይ ከም ዝዛረበንን፥ ብዛዕባ እቲ ኽትዐይ ከዓ፥ እንታይ ከም ዝምልሰሉን ምእንቲ ኽፈልጥ፥ ኣብቲ መሐለውየይ ደው ክብል፥ ኣብ ልዕሊ እምባውን ክድይብ እየ። ትግርኛ GAZBIB Ani iddoo dhaabatanii eegan irra dhaabadhee nan eega, koobii sana irras nan ijaajja; kunoo, dubbii inni anatti dubbatu … Afaan Oromoo BCV GIZ ወአነ እቀውም ውስተ መዓቅብ ወአዐርግ ውስተ ኰኵሕ ወኣፀምእ ኣአምሮ ዘይነብበኒ እግዚአብሔር ወኣውሥኦ ለዘይዘልፈኒ። giz GAZGAZ Ani iddoo dhaabatanii eegan irra dhaabadhee nan eega, koobii sana irras nan ijaajja; kunoo, dubbii inni anatti dubbatu … Afaan Oromoo AMHNIV በመጠበቂያ ላይ እቆማለሁ፤ በምሽጒ ቅጥር ላይ ወጥቼ እቈያለሁ፤ ምን እንደሚለኝ፣ ለክርክሩም የምሰጠውን መልስ ለማወቅ እጠባበቃለሁ። አማርኛ SWAHSUV Mimi nitasimama katika zamu yangu, nitajiweka juu ya mnara, nitaangalia ili nione atakaloniambia, na jinsi nitakavyojib… Kiswahili