ገላትያ 1

BCVትግርኛ24 ፍቕድታት7:18 ስማዕ
ስማዕ 7:18 · መደበኛ ኣብ Biblight ክፈት

1ካብቲ፥ ካብ ሰብ ወይ ብሰብ ዘይኮነስ፥ ብኢየሱስ ክርስቶስን፥ በቲ ኻብ ሙታን ዘተስኦ እግዚኣብሄር ኣብን፥ ሃዋርያ ክኸውን ዝተሓረየ ጳውሎስን፥

2ካብቶም ኵሎም ምሳይ ዘለዉ ኣሕዋትን፥ ናብተን ኣብ ገላትያ ዘለዋ ኣብያተ ክርስቲያን፥

3ካብ እግዚኣብሄር ኣቦናን፥ ካብ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስን፥ ፀጋን ሰላምን ምሳኻትኩም ይኹን።

4ጐይታና፥ ከም ፍቓድ ኣምላኽናን ኣቦናን፥ ካብዛ ሕዚ ዘላ ኽፍእቲ ዓለም ምእንቲ ኸድሕነና፥ ብምኽንያት ሓጢኣትና፥ ንንባዕሉ ኣሕሊፉ ሃበ።

5ንእኡ ኻብ ዘለኣለም ንዘለኣለም ክብሪ ይኹኖ። ኣሜን።

6ነቲ ብፀጋ ክርስቶስ ገይሩ ዝፀውዐኩም፥ ኣሻዕኹም ካብኡ፥ ናብ ካልእ ወንጌል ከም ዝሓለፍኩም፥ ገሪሙኒ ኣሎ፤

7እዙይ ግና፥ ገሊኣቶም ሰባት ንወንጌል ክርስቶስ ክጠውዩ ደልዮም እዮም ዝህውኹኹም ዘለዉ እምበር፥ ካልእ ወንጌል ፈፂሙ የለን።

8ግና ንሕና ኾነ ወይ ካብ ሰማይ መልኣኽ፥ ካብቲ ንሕና ዝሰበኽናልኩም ዝተፈልየ፥ ካልእ ወንጌል እንተ ደኣ ሰቢኹልኩም፥ ርጉም ይኹን።

9ከምቲ ኣቐዲምና ዝበልናዮ፥ ሕዚ እውን ደጊመ እብል ኣለኹ፤ ነቲ ዝተቐበልኩምዎ ዝቃረን፥ ካልእ ወንጌል እንተ ደኣ ሰቢኹልኩም፥ ርጉም ይኹን።

10በዙይከ ናይ ሰብ ናእዳ ድየ ዝደሊ ዘለኹ? ወይ ከዓ ናይ ኣምላኽ? ወይ ንሰብ ከሐጕስ ድየ ዝደሊ ዘለኹ? ንሰብ ከሐጕስ እንተ ዝደልስ፥ ባርያ ክርስቶስ ኣይምኾንኩን ነይረ።

11ኣቱም ኣሕዋተይ፥ እቲ ብኣይ ዝተሰብከ ወንጌል፥ ካብ ሰብ ከም ዘይኮነ ኣፍልጠኩም ኣለኹ።

12ኢየሱስ ክርስቶስ እዩ ዝገለፀለይ እምበር፥ ካብ ሰብ ኣይተቐበልክዎን፤ ካብ ሰብውን ኣይተምሃርክዎን።

13ከምኡውን ቀደም ብስርዓት ኣይሁድ ኣብ ዝነበርኩሉ እዋን፥ ንቤተ ክርስቲያን እግዚኣብሄር፥ ካብ መጠን ንላዕሊ ኸም ዘሳጐጕክዋን፥ ከጥፍኣ ኸም ዝፈተንኩን ሰሚዕኹም ኣለኹም።

14ኣብቲ ናይ ኣይሁድ እምነት፥ ካብ መብዛሕቶም ደቂ ዓደይን ብፆተይን እበልፅ ነበርኩ። ብዛዕባ ስርዓት ኣቦታተይ ድማ ቐናእ ነበርኩ።

15እቲ ኣብ ማህፀን እነይ እንተለኹ ዝሓረየኒ፥ ብፀጋኡውን ዝፀውዐኒ እግዚኣብሄር፥

16ኣብ ኣህዛብ ብዛዕባኡ ምእንቲ ኽሰብኽ፥ ንወዱ ኽገልፀለይ ምስ ፈተወ ግና፥ ምስ ስጋን ደምን ኣይተማኸርኩን።

17ነቶም ቅድመይ ዝነበሩ ሃዋርያት ክርኢ፥ ናብ ኢየሩሳሌም ኣይደየብኩን። እኳ ደኣ ናብ ምድሪ ዓረብ ከድኩ እምበር፤ ደጊመውን ናብ ደማስቆ ተመለስኩ።

18ድሕሪ ሰለስተ ዓመት ከዓ፥ ንኬፋ(ሀ) ኽርኢ ናብ ኢየሩሳሌም ደየብኩ። ምስኡ ኸዓ ዓሰርተ ሓሙሽተ መዓልቲ ፀናሕኹ።

19እንትርፊ ያእቆብ ሓው ጐይታና፥ ካልእ ካብ ሃዋርያት ንሓደኳ ኣይረአኹን።

20እዝ ዝፅሕፈልኩም ዘለኹ ሓሰት ከም ዘይኮነ፥ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣረጋግፀልኩም ኣለኹ።

21ብድሕሪኡ ኸዓ ናብ ሃገር ሶርያን ቂልቅያን ከድኩ።

22እንተ ኾነ፥ እተን ኣብ ይሁዳ ዝነበራ ኣብያተ ክርስቲያን፥ ብገፅ ኣይፈልጣንን ነበራ።

23“እቲ ቐደም ዘሳጕጐና ዝነበረ፥ ብዛዕባ እታ ኸጥፍኣ ዝፈተነ እምነት ሕዚ ይሰብኽ ኣሎ” ዝብል ጥራሕ ይሰምዓ ነበራ።

24ብዛዕባይውን ንእግዚኣብሄር ኣመስገና።

ትርጓሜ

1:1-5 ቅዱስ ጳውሎስ ሓዋርያ የሱስ ክርስቶስ ነበረ፤ ብእኡ፡ ብመሰረት ድማ ብእግዚአብሔር ኣቦ፡ ብንጹር ተመዚዙ ነበረ። ኣቦ ብመለኮታዊ ባህሪኡ ምስኡ ሓደ ዝኾነ ኮይኑ፡ ንክርስቶስ ድማ ከም መናጻሊ ሾሞ። ጸጋ፡ ሰናይ ፍቓድ ኣምላኽ ናባናን ሰናይ ግብሩ ኣብ ልዕሌናን የጠቓልል። ሰላም ድማ፡ ብሓቂ ዘድልየና ዘበለ ውሽጣዊ ምጽንናዕ ወይ ግዳማዊ ብልጽግና ኩሉ የጠቓልል። ካብ እግዚአብሔር ኣቦ፡ ከምቲ ምንጪ፡ ብየሱስ ክርስቶስ ገይሮም ይመጹ። ግናኸ ኣስተብህል፡ ቅድም ጸጋ፡ ድሕሪኡ ሰላም፤ ብዘይ ጸጋ ናይ ሓቂ ሰላም ክህሉ ኣይክእልን። ክርስቶስ ንሓጢኣትና ገዛእ ርእሱ ሃበ፡ ምእንቲ ንኣና ደም ካሕሳ ክኸውን። እዚ ፍትሒ ኣምላኽ ዝጠለቦ እዩ ነይሩ፡ ንእኡ ኸኣ ብፍቓዱ ተገዝአ። ኣብዚ፡ እቲ ዝተኸፍለ ዘይተወሰነ ዓብዪ ዋጋ ክረአ ይግባእ፤ ሽዑ ድማ፡ ሓይሊ ሓጢኣት ኣዝዩ ዓቢ ስለዝኾነ፡ ወዲ ኣምላኽ ንእኡ እንተዘይተዋህበ፡ ብዝኾነ ይኹን መገዲ ክእለ ኣይክእልን ምዃኑ ብንጹር ክረአ እዩ። ነዚ ነገራት እዚ ጽቡቕ ገይሩ ዝሓስቦ፡ ሓጢኣት እቲ ዝኸፍአን ክግለጽ ዘይከኣልን ነገር ምዃኑ ይርዳእ፤ እዚ ድማ ከንቀሳቕሰናን ክፈርህ ከምዘግብኣናን ይገብር። ብፍላይ ነቲ ቓላት፡ "ንሓጢኣትና" ጽቡቕ ገይርኩም ኣስተብህሉ። ከመይሲ ኣብዚ ደኻም ባህርይና ደሓር ይምለስ፡ ቅድም ድማ ብገዛእ ግብራ ጽቡቕ ክትከውን ትደሊ። ንጥዑይ እምበር፡ ንሓኪም ዘድልዮ ኣየምጽእን እያ። ካብ ቑጥዓ ኣምላኽን ካብ ረግመት ሕግን ንምድሓን ጥራይ ዘይኮነስ፡ ብተፈጥሮና ዝተዓብለልናዮም ካብ እኩያት ተግባራትን ልማዳትን ንምምላስ እውን እዩ። እቶም ብምቅዳስ መንፈስ ካብዛ ሕጂ ዘላ እክይቲ ዓለም ዘይተድሓኑ ግና፡ ብደም የሱስ ካብ ፍርዳ ከምዝተገላገሉ ክጽበዩ ምፍታን ከንቱ እዩ።

1:6-9 እቶም ወንጌል ክርስቶስ ካብ ዝገልጾ ወጻኢ ናብ ሰማይ ካልእ መገዲ ኪምስርቱ ዝደልዩ፡ ብሕሱም ከም ዝጋገዩ ኪርደኦም እዩ።

ምሉእ ትርጓሜ ኣንብብ ድምጺ፣ ምሉእ ትርጓሜን ብዘይ መስመር ምንባብን

ትርጉማት8 · 6

AMHEVG በኢየሱስ ክርስቶስ ከሙታንም ባነሣው በእግዚአብሔር አብ ሐዋርያ የሆነ እንጂ ከሰዎች ወይም በሰው ያልሆነ ጳውሎስ ከእኔም ጋር ያሉት ወንድሞች ሁሉ፥ ወደ ገላትያ አብያተ ክርስቲያናት፤ አማርኛ ENGNIV Paul, an apostle–sent not from men nor by man, but by Jesus Christ and God the Father, who raised him from the dead– English GAZBIB Ani Phaawulos, namoota biraa yookiis karaa nama tokkoo utuu hin ta'in, Yesus Kristosiin, Waaqayyo abbaa isa Kristosin d… Afaan Oromoo BCV GIZ እምጳውሎስ ሐዋርያ ዘኢኮነ በእንተ ሰብእ ወኢኮነ እምኀበ ሰብእ፤ ዘእንበለ በእግዚእነ ኢየሱስ ክርስቶስ፤ ወእግዚአብሔር አብ ዘአንሥኦ እሙታን። giz GAZGAZ Ani Phaawulos, namoota biraa yookiis karaa nama tokkoo utuu hin ta'in, Yesus Kristosiin, Waaqayyo abbaa isa Kristosin d… Afaan Oromoo BCV aksum ካብቲ፥ ካብ ሰብ ወይ ብሰብ ዘይኮነስ፥ ብኢየሱስ ክርስቶስን፥ በቲ ኻብ ሙታን ዘተስኦ እግዚኣብሄር ኣብን፥ ሃዋርያ ክኸውን ዝተሓረየ ጳውሎስን፥ ትግርኛ AMHNIV ከሰዎች ወይም በሰው ከተላከው ሳይሆን፣ በኢየሱስ ክርስቶስና ከሙታን ባስነሣው በእግዚአብሔር አብ ሐዋርያ ከሆነው ከጳውሎስ፤ አማርኛ SWAHSUV Paulo, mtume, (si mtume wa wanadamu, wala kutumwa na mwanadamu, bali na Yesu Kristo, na Mungu Baba aliyemfufua kutoka k… Kiswahili