1እታ ሻውዐይቲ ወርሒ ምስ በፅሐት ድማ፥ ደቂ እስራኤልውን ኣብ ከተማታቶም እንተለዉ፥ እቶም ህዝቢ ኸም ሓደ ሰብ ኮይኖም ናብ ኢየሩሳሌም ተአከቡ።
2ሽዑ ኢያሱ ወዲ ዮሴዴቅን ኣሕዋቱ ኻህናትን ከምኡውን ወዲ ዘሩባቤል ሰላትያልን ኣሕዋቱን፥ ከምቲ ኣብ ናይ እግዚኣብሄር ሰብ፥ ሙሴ፥ ሕጊ ዝተፅሓፈ፥ ኣብ ልዕሊኡ ዝቃፀል መስዋእቲ ኸቕርቡሉ ተሲኦም መሰውኢ ኣምላኽ እስራኤል ሰርሑ።
3በቶም ኣብ ከባቢኦም ዘለዉ ህዝብታት እታ ሃገር ተሸቢሮም ነበሩ እሞ፥ ነቲ መሰውኢ ኣብቲ ቦታኡ ኣንበርዎ። ብጊሓትን ብምሸትን ከዓ ንእግዚኣብሄር ዝቃፀል መስዋእቲ ኣብ ልዕሊኡ ኣቕረቡ።
4ከምቲ ፅሑፍ ድማ ናይ ዳስ በዓል ኣብዓሉ፤ ከምቲ ስርዓቱ ነንመዓልቲ ዝተመደበ፥ ንመዓልቲ ዝቃፀል መስዋእቲ ብቝፅሪ ኣቕረቡ።
5ድሕሪዙይ ድማ እቲ ዅልሻዕ ዝቃፀል መስዋእትን ናይ ሰርቀ ወርሕን ናይ ኵሉ ቅዱስ በዓላት እግዚኣብሄር ነቲ ናይ ኵሎም ናይ ፍቓድ መስዋእቲ ንእግዚኣብሄር ፈትዮም ዝስውእዎን ኣቕረቡ።
6ካብታ ሻውዐይቲ ወርሒ፥ ብቐዳመይቲ መዓልቲ፥ እቲ ንእግዚኣብሄር ዝቃፀል መስዋእቲ ኸቕርቡ ጀመሩ። መቕደስ እግዚኣብሄር ግና ኣይተመስረተን ነበረ።
7ንወቐርቲ እምንን ንፀረብቲ ዕንፀይትን ድማ ገንዘብ ሃቡ፤ ከምቲ ብቂሮስ ንጉስ ፋርስ ዝተኣዘዘ ዕንፀይቲ ቄድሮን ካብ ሊባኖስ ብባሕሪ ናብ ኢዮጴ ኸምፅኡሎም፥ ንሲዶናውያንን ንጢሮሳውያንን ምግብን መስተን ዘይትን ሃቡ።
8ናብታ ኣብ ኢየሩሳሌም ዘላ ቤት እግዚኣብሄር ኣምላኽ ካብ ዝመፁ ኸዓ፥ ኣብ ካልአይቲ ዓመት ኣብታ ኻልአይቲ ወርሒ፥ ዘሩባቤል ወዲ ሰላትያልን፥ ኢያሱ ወዲ ዮሴያርን እቶም ዝተረፉ ኣሕዋቶም ካህናትን ሌዋውያንን፥ እቶም ካብ ምርኮ ናብ ኢየሩሳሌም ዝተመለሱ ዅላቶምን ኮይኖም፥ ቤት እግዚኣብሄር ክሰርሑ ጀመሩ። ንሌዋውያን ከዓ ኻብ ወዲ ዕስራ ዓመት ንላዕሊ፥ ስራሕ ቤት እግዚኣብሄር ንኽሰርሑ ኣቖምዎም።
9ሽዑ ኢያሱ ደቁን ኣሕዋቱን፥ ደቂ ይሁዳ ቀድምኤልን ደቁን፥ ደቂ ኤንሓዳድ ከዓ ምስ ደቆምን ምስ ኣሕዋቶም ሌዋውያንን ኮይኖም፥ ነቶም ስራሕ ቤት እግዚኣብሄር ዝሰርሑ ኽሕልዉ ኸም ሓደ ሰብ ኮይኖም ደው በሉ።
10እቶም ሃነፅቲ፥ መቕደስ እግዚኣብሄር ክስርቱ እንተለዉ ኸዓ እቶም ካህናት ለቢሶም መለኸት ሒዞም፥ ሌዋውያን ደቂ ኣሳፍ ከዓ ፀናፅል ሒዞም፥ ከምቲ ስርዓት ዳዊት ንጉስ እስራኤል ንእግዚኣብሄር ከመስግኑ ቆሙ።
11“ንሱ ሕያዋይ እዩ እሞ፥ ምሕረቱ ኸዓ ኣብ እስራኤል ንዘለኣለም እዩ” እናበሉ ንስንሳቶም እናተቐባበሉ ንእግዚኣብሄር ብመዝሙር ኣኽበርዎን ወደስዎን። እቶም ህዝቢ ዅላቶም ከዓ፥ ቤት እግዚኣብሄር ስለ ዝተሰረተ፥ ዓው ኢሎም ዕልል እናበሉ ንእግዚኣብሄር ኣመስገኑ።
12ብዙሓት ካብቶም ካህናትን ሌዋውያንን ዋናታት ማይ ቤት ኣቦታትን ነቲ ቐዳማይ ቤት ዝረአዩ ኣረጋውያን ከዓ፥ እዛ ቤት እዚኣ ኣብ ቅድሚኣቶም ምስ ተሰረተት፥ ዓው ኢሎም በኸዩ። ብዙሓት ሰባት ድማ ብታሕጓስ ዓው ኢሎም ይጭድሩ ነበሩ።
13እቲ ህዝቢ እውን ብሓጐስ ዓው ኢሉ ይጭድር ነበረ፤ እቲ ድምፂ ኸዓ ኽሳዕ ርሑቕ ይስማዕ ነበረ እሞ፥ እቲ ህዝቢ ነቲ ድምፂ ሓጐስ፥ ካብ ድምፂ ብኽያት ክፈልዮ ኣይከኣለን።