ትንቢት ህዝቅኤ 47

BCV aksumትግርኛ23 ፍቕድታት4:28 ስማዕ
ስማዕ 4:28 · መደበኛ ኣብ Biblight ክፈት

1ንሱ ድማ ናብ ደገ እታ ቤተ መቕደስ መለሰኒ፤ ገፅ እታ ቤት ናብ ምብራቕ ኣቢሉ እዩ ዝርኢ እሞ፥ እንሆ ማያት ካብ ትሕቲ መድረኽ እታ ቤት፥ ናብ ምብራቕ ኣቢሉ ወፀ፤ እቲ ማያት ከዓ ኻብ ታሕቲ ካብ የማናይ ወገን እታ ቤት፥ ነታ መሰውኢ ድማ ብወገን ደቡባ ይወርድ ነበረ።

2ድሕሪዙይ ብመንገዲ እታ ሰሜናዊት ደገ ኣውፅአኒ፤ ብመንገዲ እታ ናብ ምብራቕ እትርኢ ደገ፥ ናብታ ኣብ ወፃኢ ዘላ ደገ ብወፃኢ ኣዞረኒ፤ እንሆ ኸዓ ማያት ካብቲ የማናይ ወገን ይፍልፍል ነበረ።

3እቲ ሰብኣይ ናብ ምብራቕ ኣቢሉ ኽወፅእ እንተሎ፥ ዝእምተሉ ገመድ ኣብ ኢዱ ነበሮ፤ ብእኡ ኸዓ ሽሕ እመት ኣመተ፤ በቲ ማያት ኣሳገረኒ፤ ክሳዕ ክሳድ እግረይውን በፅሐ።

4መሊሱ ሽሕ እመት ኣመተ፤ በቲ ማያት ከዓ ኣሳገረኒ፤ እቲ ማያት ድማ ኽሳዕ ኣብራኸይ በፅሐ፤ ከም ብሓድሽ ሽሕ እመት ኣመተ፤ በቲ ማያት ከዓ ኣሳገረኒ፤ እቲ ማያትውን ክሳዕ ሕቘይ በፅሐ።

5ድሕሪዙይ ሽሕ እመት ኣመተ፤ እቲ ማያት ብዘይ ሓመሳ ዘይስገር ዓሚቝ ውሕጅ ኮይኑ እዩ እሞ፥ ኣነ ኽሳገሮ ዘይከኣለኒ ውሕጅ ኮነ።

6ንሱ ኸዓ፥ “ኣታ ወዲ ሰብ፥ ትርኢዶ ኣለኻ?” በለኒ። ሽዑ ወሰደኒ፤ ናብ ወሰን እቲ ውሕጅ ድማ መለሰኒ።

7ምስ ተመለስኩ፥ እንሆ ወሰና ወሰን እቲ ውሕጅ፥ በዙይን በቱይን ብዙሕ ኣእዋም ነበሮ።

8በለኒ ድማ “እዝ ማያት እዙይ፥ ናብ ምብራቕ ኣቢሉ ይውሕዝ ኣሎ፤ ናብ ጐልጐል ክወርድ፥ ናብ ባሕሪ ኸዓ ኽበፅሕ እዩ፤ ናብ ባሕሪ ምስ ኣተወ ድማ እቲ ማያት ክፍወስ እዩ።

9ክኸውን ድማ እዩ፥ ኣብቲ እዝ ውሕጅ እዙይ ዝበፅሖ፥ ኵሉ ዝዋሳወስ ህያው ነፍሲ፥ ብህይወት ክነብር እዩ፤ ዓሳታት ከዓ ኣዝዮም ክበዝሑ እዮም፤ እዚ ማያት እዙይ ክኣትዎ እዩ እሞ፥ እቲ ማያት ባሕሪ ኽፍወስ እዩ፤ እቲ ውሕጅ ኣብ ዝኣተዎ ድማ፥ ኵሉ ብህይወት ክነብር እዩ።

10ክኸውን ከዓ እዩ፥ ኣስገርቲ ዓሳ ኣብኡ ክቖሙ፥ ካብ ዔይንጋዲ ኽሳዕ ዔይን ኤግላይም፥ መዘርግሒ መርበብ ክኸውን እዩ፤ ዓሳታት፥ ከምቲ ዓሳ ናይ ዓብዪ ባሕሪ፥(ሀ) በብዓይነቶም የመና ብዙሓት ኣብኡ ኽህልዉ እዮም።

11ዓዘቕቱን ዕቋሩን ግና፥ ጨው ኮይኑ ኽነብር እዩ እምበር፥ ኣይፍወስን እዩ።

12ወሰና ወሰን እዚ ሩባ በዙይን በቱይን፥ ኵሉ ዓይነት ፈራዪ ኣእዋም ክበቍል እዩ፤ ኣቝፅልቱ ኣይፅምሉን፤ ፍረኡውን ኣይውዳእን እዩ፤ ማያቱ ኻብቲ መቕደስ እዩ ዝፍልፍል እሞ፥ ኣብ ወወርሒ ሓድሽ ፍረ ኽፈሪ፥ ፍረታቱ ንምግቢ፥ ኣቝፅልቱ ድማ ንመድሓኒት ክኸውን እዩ።”

13እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ “እታ ንዓሰርተ ኽልተ ነገድ እስራኤል ርስቲ ጌርኩም እትመቕልዎም ምድሪ፥ ወሰናታ እዙይ እዩ፤ ዮሴፍ ክልተ ዕፃ ኽረክብ እዩ።

14እዛ ነቦታትኩም ክህባ እየ፥ ኢለ ኢደይ ዘልዓልኩላ ምድሪ፥ እቲ ሓደ ኸምቲ ሓደ ኽትወርስዋ ኢኹም፤ እዛ ምድሪ እዚኣ ርስትኹም ክትከውን እያ።

15“ወሰናት እታ ምድሪ ኸዓ እዙይ እዩ፦ ብወገን ሰሜን ካብቲ ዓብዪ ባሕሪ ሒዙ፥ በታ መንገዲ ሔትሎን ኣቢሉ ክሳዕ ፅዳድ፥

16ኣብ መንጎ ወሰን ደማስቆን ወሰን ሃማትን ዘሎ ሃማት ቤሮታ ሲብራይም፥ እቲ ኣብ ወሰን ሃውራን ዘሎ ሓፃር ሓቲኮን።

17እቲ ወሰን ካብ ባሕሪ ኽሳዕ ሓፃር ዔናን ወሰን ደማስቆ ክኸውን እዩ፤ ኣብ ሰሜን ድማ ወሰን ሃማት እዩ፤ እዙይ እቲ ወገን ሰሜን እዩ።

18“ብወገን ምብራቕ ድማ፥ ኣብ ማእኸል ሃውራንን ደማስቆን ጊልዓድን ምድሪ እስራኤልን ዮርዳኖስ እዩ፤ ካብ ወሰን ሰሜን ናብቲ ኣብ ምብራቕ ዘሎ ባሕሪ ኽትእምቱ ኢኹም፤ እዙይ እቲ ወገን ምብራቕ እዩ።

19“እቲ ወሰን ደቡብ ከዓ፥ ናብ ደቡብ ኣቢሉ፥ ካብ ታማር ሒዙ ኽሳዕ ማይ መሪባ ናይ ቃዴስ፥ በቲ ሩባ ግብፂ ኽሳዕ እቲ ዓብዪ ባሕሪ እዩ፤ እዙይ እቲ ናብ ደቡብ ዘብል ወሰን ደቡብ እዩ።

20“እቲ ወገን ምዕራብ ድማ፥ እቲ ዓብዪ ባሕሪ ኻብ ወሰን ደቡብ ክሳዕ መንፅር ሃማት እዩ፤ እዙይ እቲ ወገን ምዕራብ እዩ።

21“ነዛ ምድሪ እዚኣ፥ ከከም ነገድ እስራኤል ንኣኻትኩም ተማቐልዋ።

22ክኸውን ድማ እዩ፥ ንኣኻትኩምን ነቶም ኣብ ማእኸልኩም ዝነብሩ፥ ኣብ ማእኸልኩምውን ውሉድ ዝወልዱ ጓኖትን፥ ርስቲ ጌርኩም ብዕፃ ምቐልዋ፤ ንሳቶም ኣብ ማእኸል ደቂ እስራኤል፥ ከም ደቂ ዓድኹም ክኾኑልኩም እዮም፤ ርስቲ ኽርስተዩ እዮም።

23ክኸውን ድማ እዩ፥ ነቲ ጓና ኣብታ ዝነብረላ ነገድ፥ ኣብኣ ርስቱ ኽትህብዎ ኢኹም” ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ።

ትርጓሜ

47:1-23

እዞም ማያት እዚኦም፡ ካብ የሩሳሌም ወጺኡ፡ ኣብ ከባቢኡ ንዘለዋ ሃገራት ዝተዘርገሐ ወንጌል ክርስቶስን፡ ምስኡ ዝነበሩ ህያባትን ሓይልታትን መንፈስ ቅዱስን የመልክቱ። በቲ ሓይሊ መንፈስ ቅዱስ ብሰፊሑ ተዘርጊሑ፡ ብሩኻት ውጽኢታት እውን ተባዕቲቱ ኣውጺኡ። ክርስቶስ እቲ ቤተ መቕደስ እዩ፤ ንሱ ኸኣ እቲ ማዕጾ እዩ። ካብኡ እዮም እቶም ህያው ማያት ካብቲ ዝተወግአ ጐድኑ ዝፈልፍሉ። እዚኦም ወሰን ዘይብሎም ማያት እዮም። ምዕባለ ወንጌል ኣብ ዓለምን ምብሳሕ ስራሕ ጸጋ ኣብ ልብን ኣስተብህሉ። ኣብ ትሕቲ መሪሕነት ኣምላኽ ንምንቅስቓሳት እቲ ብሩኽ መንፈስ ተኸታተሉ።

ምሉእ ትርጓሜ ኣንብብ ድምጺ፣ ምሉእ ትርጓሜን ብዘይ መስመር ምንባብን

ትርጉማት8 · 6

AMHEVG ወደ መቅደሱም መዝጊያ መለሰኝ፤ እነሆም፥ ውኃ ከቤቱ መድረክ በታች ወደ ምሥራቅ ይወጣ ነበር፥ የቤቱ ፊት ወደ ምሥራቅ ይመለከት ነበርና፤ ውኃውም ከቤቱ ከቀኝ ወገን በታች በመሠዊያው በደቡብ … አማርኛ ENGNIV The man brought me back to the entrance of the temple, and I saw water coming out from under the threshold of the templ… English BCV ንሱ ድማ ናብ ደገ እታ ቤተ መቕደስ መለሰኒ፤ ገፅ እታ ቤት ናብ ምብራቕ ኣቢሉ እዩ ዝርኢ እሞ፥ እንሆ ማያት ካብ ትሕቲ መድረኽ እታ ቤት፥ ናብ ምብራቕ ኣቢሉ ወፀ፤ እቲ ማያት ከዓ ኻብ ታሕ… ትግርኛ GAZBIB Kana booddee namichi gara balbala mana qulqullummaatti deebisee na fide; manni qulqullummaa gara ba'a-biiftuutti gara g… Afaan Oromoo BCV GIZ ወሜጠኒ ኀበ ኆኅተ ቤት፡ ወናሁ ማያት ይወጽኡ እምታሕተ መድረክ ቤት ጽባሐዊ እስመ ገጸ ቤት ለጽባሕ ወማያት ይወርዱ እምታሕተ መትከፈ ቤት ዘየማን እምደቡበ ምሥዋዕ። giz GAZGAZ Kana booddee namichi gara balbala mana qulqullummaatti deebisee na fide; manni qulqullummaa gara ba'a-biiftuutti gara g… Afaan Oromoo AMHNIV ከዚያም ያ ሰው ወደ ቤተ መቅደሱ መግቢያ መልሶ አመጣኝ፤ ከቤተ መቅደሱ መድረክ ሥር ውሃ እየወጣ፣ ወደ ምሥራቅ ይፈስ ነበር፤ ቤተ መቅደሱ ለምሥራቅ ትይዩ ነበርና። ውሃው ከቤተ መቅደሱ በስተ… አማርኛ SWAHSUV Baadaye akanileta tena mpaka lango la nyumba; na tazama, maji yalitoka chini ya kizingiti cha nyumba, kwa njia ya masha… Kiswahili