ኤፌሶን 4

BCVትግርኛ32 ፍቕድታት4:19 ስማዕ
ስማዕ 4:19 · መደበኛ ኣብ Biblight ክፈት

1እምበኣር ኣነ ምእንቲ ክርስቶስ እሱር ዝኾንኩ፥ ነቲ ዝተፀዋዕኹምሉ መፀዋዕታ፥ ብቑዓት ኴንኩም ክትመላለሱ እልምነኩም ኣለኹ።

2ብሓቂ ትሑታትን፥ ለዋሃትን ኩኑ፤ ንስንሳትኩም ብፍቕሪ እናተፃወርኩም ድማ፥ ዕጉሳት ኩኑ።

3ነቲ ናይ መንፈስ [ቅዱስ] ሕብረት፥ ብመእሰሪ ሰላም ጠሚርኩም ክትሕልውዎ ፀዓሩ።

4ከምቲ ንሓደ ተስፋ ዝተፀዋዕኹም፥ ሓደ ሰብነት፥ ሓደ መንፈስ ኣሎ።

5ሓደ ጐይታ፥ ሓንቲ እምነት፥ ሓንቲ ጥምቀት፥

6ከምኡውን እቲ ልዕሊ ዅሉን፥ ብዅሉን፥ ኣብ ኵሉን፥ ኣቦ ዅሉን ዝኾነ፥ ሓደ እግዚኣብሄር ኣሎ።

7ግና ኸምቲ ክርስቶስ ዝዓደለና፥ ንነፍሲ ወከፍና ፀጋ ተውሂቡ እዩ፤

8ስለዙይ ድማ እዩ “ናብ ላዕሊ ምስ ዓረገ፥ ብዙሓት ምሩኻት ሒዙ ኸደ፤ ንደቂ ሰብ ከዓ ውህብቶ ሃበ” ዝብል።

9“ዓረገ” ማለት፥ ናብ ታሕተዋይ ምድሪ ወሪዱ ኸም ዝነበረ ማለት እንተ ዘይኮይኑ፥ እንታይ ክኸውን ይኽእል?

10እቲ ናብ ታሕተዋይ ዝወረደ ድማ፥ ንዅሉ ምእንቲ ኽመልእ፥ ልዕሊ ዅሉ ሰማያት ዝዓረገ፥ ንሱ እዩ።

11ንሱ ኸዓ ንገሊኣቶም ሃዋርያት፥ ንገሊኣቶም ነቢያት፥ ንገሊኣቶም ሰበኽቲ ወንጌል፥ ንገሊኣቶም ጓሶት [ምእመናን] ንገሊኣቶም ድማ፥ መምህራን ገይሩ ውህብቶ ሃበ።

12እዙይ ከዓ፥ እታ ሰብነት ክርስቶስ ዝኾነት ቤተ ክርስቲያን ምእንቲ ኽትህነፅ፥ እቶም ቅዱሳንውን ኣብ ኣገልግሎቶም ፍፁማን ምእንቲ ክኾኑ፥

13ንሕና ኸዓ ዅልና ብእምነት ሓደ ዄንና፥ ንወዲ እግዚኣብሄር ፈሊጥና ምሉእ ሰብ ብምዃን፥ ኣብ ክርስቶስ ዘሎ ፍፁምነት ክሳዕ እንበፅሕ እዩ።

14እምበኣር ብጥበራን ብተንኰልን ብዝመፅእ፥ ናይ ትምህርቲ ንፋስ፥ ከም ህፃናት ንየው ነዘው እናተደፋእና ኣይንውሰድን።

15እኳ ደኣ ነቲ ሓቂ ብፍቕሪ እናተዛረብና፥ ብዅሉ ነገር ናብቲ ርእሲ ዝኾነ ክርስቶስ ንዕበ።

16ብክርስቶስ ከዓ፥ ኵሉ እቲ ሰብነት ብምሉኡ፥ በቲ ዝተውሃቦ መገጣጠሚ ተተሓሒዙን ተጠሚሩን፥ ነፍሲ ወከፍ ድማ፥ ናይ ባዕሉ ስራሕ እናገበረ፥ ብፍቕሪ ይዓብን ይህነፅን።

17እምበኣርከስ፥ ንስኻትኩም ድሕሪ ደጊም፥ ከምቲ ኣህዛብ በቲ ኸንቱ ዝኾኑ ሓሳባት ዝነብሩዎ ኸይትነብሩ እነግረኩም፤ ብጐይታውን እምስክር ኣለኹ።

18ንሳቶም ብሰንኪ ትረት ልቦምን፥ ብሰንኪ እቲ ኣብኣቶም ዘሎ ድንቍርናን፥ ኣእምሮኦም ፀልሚቱ፥ ካብቲ እግዚኣብሄር ዝህቦ ህይወት ርሒቖም እዮም።

19ንሳቶም ደንዚዞም እዮም፤ ርኽሰት ንምግባር ስለ ዝሰስዑ ኸዓ፥ ንባዕላቶም ንስጋዊ ድልየቶም፥ ኣሕሊፎም ሂቦም እዮም።

20ንስኻትኩም ግና፥ ንክርስቶስ ከምዙይ ጌርኩም ኣይተምሃርኩምዎን።

21እንተ ደኣ ብሓቂ ሰሚዕኹምዎ ዄንኩም፥ ብእኡ ኸዓ እንተ ደኣ ተምሂርኩም ኴንኩም፥ ሓቂ ኣብ ኢየሱስ ስለ ዘሎ፥

22ነቲ ቐደም ትነብሩሉ ዝነበርኩም፥ ብኽፉእ ትምኒት ዝተበላሸወ ኣረጊት ሰብነትኩም ቀንጥጡ፤

23ብመንፈስ ኣእምሮኹም ተሓደሱ።

24ነቲ ብኣርኣያ እግዚኣብሄር፥ ብፅድቅን ብቕድስናን ዝተፈጥረ ሓድሽ ሰብ ከዓ፥ ልበስዎ።

25እምበኣር ኵልና፥ ናይ ሓደ ሰብነት ኣካላት ስለ ዝኾንና፥ ነፍሲ ወከፍ ሓሰት ምዝራብ ገዲፉ፥ ምስ ብፃዩ ሓቂ ይዛረብ።

26ተቘጥዑ፤ ግና ሓጢኣት ኣይትግበሩ፤ ኣብ ቍጥዓኹም፥ ፀሓይ ኣይትዕረብኩም፤(ሀ)

27ንሰይጣን(ለ) ከዓ፥ ስፍራ ኣይትሃብዎ።

28እቲ ሰራቒ ዝነበረ፥ ደጊም ኣይስረቕ፤ እኳ ደኣ፥ ነቲ ዝፀገሞ ዘማቕሎ ምእንቲ ኽህልዎስ፥ ፅቡቕ ስራሕ እናሰርሐ ደኣ፥ በእዳዉ ይፅዓር እምበር።

29እቲ ንሰማዕቱ ንበረኸት ዝኸውን፥ ከከምዘድልዮም ክሃንፅ ዝኽእል፥ ሰናይ ዘረባ ደኣ ተዛረቡ እምበር፥ ዘይግባእ ዘረባስ ካብ ኣፍኩም ኣይውፃእ።

30ንመዓልቲ ድሕነትኩም እተሓተምኩምሉ፥ ነቲ ቕዱስ ናይ እግዚኣብሄር መንፈስ፥ ኣይተሕዝንዎ።

31ኵሉ ምረትን፥ ንደትን፥ ቍጥዓን፥ ሁከትን፥ ፀርፍን፥ ካባኻትኩም ኣርሕቑ።

32ከምቲ እግዚኣብሄር ብክርስቶስ ይቕረ ዝበለልኩም፥ ንስንሳትኩም ለዋሃትን ርህሩሃትን ኴንኩም፥ ይቕረ ተበሃሃሉ።

ትርጓሜ

ኤፌሶን 4:1-6

ኣብ ቅዱስ ጽሑፋት ካብቲ ናብ መንግስቲ ክርስቶስን ክብሩን እተጸውዑ ከም ዝግባእ ክነብሩ ዚምህር ትምህርቲ ዝበለጸ ብዕቱብነት እተገፋሕ የልቦን። በትሕትና ክትበሃል ከሎ፡ ነቲ ንዕብየት ዚጻረር መንፈሳዊ ትሕትና እዩ ዚሕብር። ብለውሃት ድማ፡ ሰባት ንኻልኦት ከየቖጥዑን ንቐሊሉ ከይሕረቑን ወይ ከይዕጠፉን ዚገብር ልዑል ባህሪ ነፍሲ እዩ። ኣብ ርእስና እኳ ኸይተረፈ ኸይሓደግናዮ እንተዘየናስ ዝኸብደና ብዙሕ ነገር ንረክብ ኢና። ስለዚ፡ ኣብ ካልኦት ሓዲግናዮ ክንሓልፍ ዚኸብደና ነገር እንተረኸብና፡ ክንገረም የብልናን። ሓደ ክርስቶስ ኣሎ፡ ኵሎም ምእመናን ተስፋ ዚገብሩሉ፤ ሓንቲ ሰማይ ድማ ኣላ፡ ኵሎም ዚተስፍውላ። ስለዚ ሓደ ልቢ ኪኾኑ ይግባእ። ኵሎም ሓንቲ እምነት ነበራቶም፡ ብዕላማኣ፡ ደራሲኣ፡ ባህርያኣን ሓይላን። ብዛዕባ ዓበይቲ ሓቅታት ሃይማኖት ኵሎም ሓደ ነገር ይኣምኑ ነበሩ። ኵሎም ብሓንቲ ጥምቀት ማይ፡ ብስም ኣቦን ወልድን መንፈስ ቅዱስን፡ ከም ምልክት ሓዳስ ልደት ኰይኑ ናብ ቤተ ክርስቲያን ተቐቢሎም ነበሩ። ኣብ ኵሎም ምእመናን ኣምላኽ ኣቦ፡ ከም ኣብ ቅዱስ ቤተ መቕደሱ ዀይኑ፡ ብመንፈሱን ብፍሉይ ጸጋኡን ይነብር።

4:7-16 ንነፍሲ ወከፍ ምእመን ገለ ውህበት ጸጋ፡ ንሓድሕድ ንምሕጋዝ ተዋሂቡዎ እዩ። ኹሉ ኸኣ ከምቲ ንክርስቶስ ንነፍሲ ወከፍ ምሃቡ ዝሓሸ ዝመስሎ ተዋሂቡ እዩ። ንሳቶም ኢሉ ተቐበለ፡ ምእንቲ ኺህቦም ድማ ዓብዪ መዐቀኒ ውህበታትን ጸጋታትን፡ ብፍላይ ድማ ውህበት መንፈስ ቅዱስ። እዚ ድማ ብምስትውዓል ጥራይ ወይ ንክርስቶስ ወዲ ኣምላኽ ምዃኑ ብቃላት ጥራይ ምምስካር ዘይኮነስ፡ የግዳስ እምነትን ምእዛዝን ዘፍሪ እዩ። ኣብ ክርስቶስ ምልኣት ኣሎ፡ መዐቀኒ እቲ ምልኣት እቲ ድማ ብምኽሪ ኣምላኽ ንነፍሲ ወከፍ ምእመን ተዋሂቡዎ እዩ። ግናኸ ክሳዕ ናብ ሰማይ እንበጽሕ ናብቲ ፍጹም መዐቀኒ ኣይንበጽሕን ኢና። ደቂ ኣምላኽ ክሳዕ ኣብዛ ዓለም ዘለዉ ይዓብዩ ኣለዉ። ዕቤት ክርስትያን ድማ ንኽብሪ ክርስቶስ እዩ ዝጠምር። ሓደ ሰብ ንርእሱ ኣብ ቦታኡ ንምምሕያሽ ከምኡውን ከም መዐቀኒኡ ንዝተቐበሎ ኹሉ ንመንፈሳዊ ጥቕሚ ካልኦት ብዝያዳ ክዓዪ ክስሕብ ርእሱ ዝረኸበ መጠን፡ ናይ ሓቀኛ ፍቕርን ምሕረትን ጸጋ ኣብ ልቡ ሰሪቱ ከም ዘሎ ብዝያዳ ብርግጽ ክኣምን ይኽእል።

4:17-24 ሃዋርያ ብስም እግዚአብሔር የሱስን ብስልጣኑን ንኤፌሶን፡ ወንጌል ስለ ዝተኣመኑ፡ ብኸንቱ ሓሳባትን ስጋዊ ትምኒታትን ዝመላለሱ ዝነበሩ ዘይተለወጡ ኣህዛብ ከይመስሉ ኣዘዞም።

ምሉእ ትርጓሜ ኣንብብ ድምጺ፣ ምሉእ ትርጓሜን ብዘይ መስመር ምንባብን

ትርጉማት8 · 6