ኤፌሶን 3

BCV aksumትግርኛ19 ፍቕድታት2:59 ስማዕ
ስማዕ 2:59 · መደበኛ ኣብ Biblight ክፈት

1ስለዙይ ኣቱም ኣህዛብ፥ ኣነ ጳውሎስ ናይ ኢየሱስ ክርስቶስ እሱር ዝኾንኩ፥ ምእንታኻትኩም ኢለ እየ።

2ብርግፅ ብዛዕባ እቲ እግዚኣብሄር ንጥቕምኹም ዝሃበኒ ናይ ኣገልግሎት ፀጋ፥ ሰሚዕኹምዎ ኣለኹም።

3ከምቲ ኣቐዲመ ብሓፂሩ ፅሒፈልኩም ዝነበርኩ፥ እግዚኣብሄር ነቲ ምስጢር ብራእይ ኣፍለጠኒ።

4ነቲ ዝፀሓፍኩዎ እንትተንብቡ፥ ብዛዕባ ምስጢር ክርስቶስ ዘለኒ ፍልጠት፥ ክተስተውዕልዎ ትኽእሉ ኢኹም።

5እዙይ ከምቲ ሕዚ ነቶም ቅዱሳን ሃዋርያቱን ነቢያቱን፥ ብመንፈስ ቅዱስ ዝተገለፀሎም፥ ነቶም ቀዳሞት ትውልዲ ኣይተገለፀሎምን።

6እዝ ምስጢር እዙይ ከዓ፥ ኣህዛብ ብወንጌል ምስ እስራኤል ሓቢሮም ወረስቲ፥ ናይ ሓደ ሰብነት ኣካል፥ ብኢየሱስ ክርስቶስ ከዓ፥ መኻፍልቲ ተስፋ ኸም ዝኾኑ እዩ።

7ኣነ ኸዓ በቲ ኣሰራርሓ ሓይሉ ዝተዓደለኒ ውህብቶ ፀጋ እግዚኣብሄር፥ ናይዝ ወንጌል እዙይ ኣገልጋሊ ኾንኩ።

8ካብ ኵሎም ቅዱሳን ንዝነኣስኩ ንኣይ፥ ነቲ ዘይምርመር ሃብቲ ክርስቶስ፥ ንኣህዛብ ክሰብኽ፥ እዝ ፀጋ እዙይ ተውሃበኒ።

9እቲ ኻብ ዘለኣለም፥ ኣብቲ ንዅሉ ዝፈጠረ እግዚኣብሄር ተሰዊሩ ዝነበረ፥ ናይዝ ምስጢር እዙይ ኣገልግሎት፥ ከመይ ምዃኑ ንዅሉ ሰብ ከብርህ ተውሃበኒ።

10እዙይ ከዓ ኸምቲ እግዚኣብሄር፥ ብኢየሱስ ክርስቶስ ጐይታና ገይሩ፥ ዝፈፀሞ ዘለኣለማዊ ምኽሩ፥ ነቲ ብዙሕ ዝዓይነቱ ጥበብ እግዚኣብሄር፥ ብቤተ ክርስቲያን ገይሩ፥ ነቶም ኣብ ሰማያት ዘለዉ ኣሕሉቕን ስልጣናትን፥ ምእንቲ ኸፍልጦም ኢሉ እዩ።

12ንሕናውን ብእኡ ብክርስቶስ ብምእማን፥ ብትብዓትን ብእምነትን፥ ምእንቲ ናብ እግዚኣብሄር ምቕራብ ክንኽእል እዩ።

13ስለዙይ በቲ ምእንታኻትኩም ዝበፅሐኒ መከራ፥ ክብርኹም ስለ ዝኾነ፥ ብመከራይ ተስፋ ኸይትቘርፁ እልምነኩም ኣለኹ።

14ምእንቲ እዙይውን፥ ኣብ ሰማይን ኣብ ምድርን ዘለዉ ዅሎም፥ ኣቦ ኢሎም ንዝፅውዕዎ ኣብ፥ እምብርከኽ ኣለኹ።

16ከምቲ ብዝሒ ኽብሩ፥ ብመንፈስ ቅዱስ ንውሽጣዊ ሰብነትኩም፥ ብሓይሊ ምእንቲ ኸበርትዐኩም እፅሊ ኣለኹ።

17ክርስቶስ፥ ኣብ ልብኹም ብእምነት ምእንቲ ኽሓድር፥ ኣብ ፍቕሪ ሱር ክትሰዱን ክትምስረቱን፥

18ምስ ኵሎም ቅዱሳን ኴንኩምውን፥ እቲ ናይ ክርስቶስ ፍቕሪ ምግፋሑን፥ ምንዋሑን፥ ምዕማቑን፥ ቁመቱን፥ ክንደይ ዝኣክል ምዃኑ ምስትውዓል ምእንቲ ኽትክእሉ፥

19ነታ ልዕሊ ፍልጠት ዝኾነት ፍቕሪ ክርስቶስ ድማ ኽትፈልጥዋ፥ ክሳዕ ኵሉ ምልኣት እግዚኣብሄር ከዓ፥ ምእንቲ ኽትመልኡ እፅሊ ኣለኹ።

20እምበኣር፥ በቲ ኣብ ውሽጥና ዝሰርሕ ሓይሉ ገይሩ፥ ካብቲ ዅሉ ንሕና እንልምኖን እንሓስቦን፥ እምብዛ ኣብዚሑ ኽገብር ንዝከኣሎ፥

21ካብ ዘለኣለም ንዘለኣለም ንዅሉ ትውልድታት፥ ብቤተ ክርስቲያንን ብኢየሱስ ክርስቶስን ንእኡ ኽብሪ ይኹኖ። ኣሜን።

ትርጓሜ

3:1-7 ሓቂ ዝኾነ ትምህርቲ ስለ ዝሰበኸ፣ እቲ ሃዋርያ እሱር ነበረ፣ ግናኸ ናይ የሱስ ክርስቶስ እሱር፤ ከምኡ ኾይኑ ንዕኡ ክሳቐ ከሎ ብፍሉይ ዝተሓልየን ዝተኸናኸነን ነበረ። ኵሉ እቲ ናይ ወንጌል ጸጋዊ ሃናጺ ዕድላት፣ ከምኡ'ውን እቲ ዝሓዘቶ ባህ ዘብል ወረታት፣ ካብ ሃብታም ጸጋ ኣምላኽ ዝመጽእ እዩ፤ እዚ ድማ መንፈስ ኣብ ነፍሲ ሰብ ጸጋ ዝሰርሓሉ ዓብዪ መገዲ እዩ። እቲ ምስጢር፣ ብክርስቶስ ዝርከብ ናይ ምድሓን ስውርን ሕቡእን ዕላማ እዩ። እዚ ኸኣ ቅድሚ ክርስቶስ ኣብ ዝነበሩ ዘመናት፣ ከምቲ ንነብያት ሓድሽ ኪዳን ዝተገልጸሎም፣ ብምሉኡን ብንጹርን ኣይተገለጸን ነይሩ። እዚ እቲ ንሃዋርያ ዝተገልጸ ዓብዪ ሓቂ ነበረ፣ ማለት ኣምላኽ ኣህዛብ ብእምነት ብክርስቶስ ናብ ምድሓን ከም ዝጽውዖም። ናይ ኣምላኻዊ ሓይሊ ተባዕታዊ ግብሪ ንናይ ኣምላኻዊ ጸጋ ህያባት የሰንዮ። ከምቲ ኣምላኽ ንጳውሎስ ናብቲ ኣገልግሎት ዝሸሞ፣ ከምኡ'ውን ንእኡ ንእኡ ብቕዓት ሃቦ።

ኣምላኽ ናብ ክብራዊ ኣገልግሎት ዘዕርግቶም ሰባት፣ ኣብ ዓይኒ ርእሶም ትሑታት ይገብሮም። ኣምላኽ ንትሕትና ጸጋ ኣብ ዝህበሉ ድማ፣ ንኹሉ ካልእ ዘድሊ ጸጋውን ይውፍየሎም።

ምሉእ ትርጓሜ ኣንብብ ድምጺ፣ ምሉእ ትርጓሜን ብዘይ መስመር ምንባብን

ትርጉማት8 · 6