መጽሓፍ መክብብ 7

BCV aksumትግርኛ28 ፍቕድታት4:03 ስማዕ
ስማዕ 4:03 · መደበኛ ኣብ Biblight ክፈት

1ፅቡቕ ስም ካብ ክቡር ሽቱ ይበልፅ፤ ካብ መዓልቲ ልደትውን መዓልቲ ሞት ይበልፅ።

2ናብ ድግስ ካብ ምኻድ ናብ ቤት ሓዘን ምኻድ ይሐይሽ፤ ንሱ ናይ ኵሉ ሰብ ፍፃሜ እዩ እሞ፥ ኵሉ ብህይወት ዘሎ፥ ብልቡ ይግንዘቦ እዩ።

3ገፅ እንተ ሓዘነ፥ ልቢ ይበርህ እዩ እሞ ኻብ ሰሓቕስ ሓዘን ይሐይሽ።

4ልቢ ጠቢባን ኣብ ቤት ሓዘን፥ ልቢ ሰነፋት ግና ኣብ ቤት ሓጐስ እዩ።

5ሰብ ፀርፊ ዓያሹ ኻብ ክሰምዕ፥ ተግሳፅ ለባማት ምስማዕ ይሕሾ።

6ሰሓቕ ዓሻ ኸምቲ ኣብ ትሕቲ ቝራዕ ብሓዊ ዝቃፀል እሾዅ እዩ፤ እዙይውን ከንቱ እዩ።

7ግፍዒ ንጥበበኛ የዕብዶ፤ ጕቦውን ንልቡ የጥፍኦ።

8ናይ ነገር መወዳእታ፥ ካብ መጀመርታኡ ይበልፅ፤ ካብ ዕቡይ መንፈስ፥ ዓቃል መንፈስ ይሐይሽ።

9ቍጥዓ ኣብ ሕቝፊ ዓያሹ እዩ ዝነብርሞ፥ ብነፍስኻ ንቝጥዓ ሽኩል ኣይትኹን።

10“ካብዝ ዘመን እዙይ፥ እቲ ዝሓለፈ ዘመን ንምንታይ ሐሸ?” ኢልካ ኣይትናገር፤ ነዝ ነገር እዙይ ብጥበብ ኣይኮንካን እትጥይቕ ዘለኻሞ።

11ጥበብ ምስ ርስቲ ፅብቕቲ እያ፤ ረብሓኣ ድማ ፀሓይ ንዝሪኡ ዅሎም ይጠቅም እዩ።

12ፅላል ጥበብ ከም ፅላል ገንዘብ እዩ፤ ግናኸ ጥበብ እትበልፅ፥ ዘጥረያ ህይወት ምእንቲ ኽትህብ እዩ።

13ንግብሪ እግዚኣብሄር ኣስተውዕል፤ ነቲ ንሱ ዘጕበጦ መን ከቕንዖ ይኽእል?

14ብመዓልቲ ሓጐስ ደስ ይበልካ፤ ብመዓልቲ መከራ ድማ ኣስተውዕል፤ ሰብ ብድሕሪኡ መርሚሩ ምእንቲ ኸይረክብ እግዚኣብሄር ነዙይን ነቱይን ከምኡ ገበሮ።

15ፃድቕ ብፅድቁ እንትጠፍእ፥ ሓጥእ ድማ ብኽፍኣቱ ነዊሕ ዘመን እንትነብር እዝ ኵሉ ኸንቱ ብዝኾነ ዘመነይ ረአኹ።

16እምብዛ ፃድቕ ኣይትኹን፤ ንርእስኻውን እምብዛ ጥበበኛ ኣይትግበር፤ ስለ ምንታይ ንርእስኻ እተጥፍእ?

17እምብዛ ኽፉእ ኣይትኹን፤ ህልኸኛውን ኣይትኹን፤ ንምንታይ ጊዜኻ እንተይበፅሐ እትመውት?

18ንእግዚኣብሄር ኣምላኽ ዝፈርሕ ካብዝ ዅሉ ይወፅእ እዩ እሞ፥ ነዙይ እንተ ሒዝካ ኻብዙይውን ኢድካ እንተ ዘየርሓቕካ ሰናይ እዩ።

19ኣብ ከተማ ኻብ ዘለዉ ዓሰርተ ገዛእቲ፥ ጥበብ ንጥበበኛ ዝበለፀ ተበርትዖ።

20ሰናይ እናገበረ፥ ብዘይ ሓጢኣት ዝነብር ፃድቕ ሰብ ኣብ ምድሪ ኣይርከብን።

21ንስኻ ብዙሕ ጊዜ ንኻልኦት ከም ዝረገምካ ልብኻ ይፈልጥ እዩ እሞ፥ ባርያኻ ኽረግመካ እንተሎ ምእንቲ ኸይትሰምዕ፥ ንዅሉ ዝዛረብዎ ቓል ብልብኻ ኣይተቕልበሉ።

23ነዝ ዅሉ ብጥበብ፥ መርመርኩዎ፤ “ኣነ ጥበበኛ ክኸውን እየ” በልኩ፤ ጥበብ ግና ኻባይ ረሓቐት።

24ንሳ እታ ርሕቕትን የመና ዓማቝን እያ፤ መንከ መርሚሩ ኽበፅሓ ይኽእል?

25ኣነ ግና ንጥበብን ናይ ኵሉ ነገር መወዳእታን መርሚረ ኽፈልጥ፥ ሓጢኣት ዕሽነት፥ ዕሽነትውን ዕብዳን ከመይ ከም ዝኾነ ኽርዳእ ልበይ ኣቕለብኩ።

26ካብ ሞት ዝመርር ነገርውን ረኸብኩ፤ እዚኣ መርበብ እትመስል፥ ልባ ኸዓ መፈንጠር፥ ኣእዳዋ ድማ መቝሕ ዝኾነት ሰበይቲ እያ። ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ሰናይ ዝኾነ ሰብ ካብኣ የምልጥ፤ ሓጥእ ግና ብኣኣ ይተሓዝ።

27እቲ ሰባኺ ኸምዙይ ይብል፦ ናብቲ መወዳእታ ኽበፅሕ በብሓደ እናመርመርኩ፥ እንሆ፥ እዙይ ረኸብኩ፦

28ነፍሰይ ገና ዘይረኸበቶ ኣሎ፤ ካብ ሽሕ ሰብ ሓደ ቕኑዕ ሰብኣይ ረኸብኩ፤ ካብ ኵሎም ግና ሓንቲ ሰበይቲ ኣይረኸብኩን።

29እግዚኣብሄር ንሰባት ቅኑዓት ገይሩ ኸም ዝፈጠረ፥ ነዙይ ጥራሕ ረኸብኩ፤ ንሳቶም ግና ብዙሕ ብልሓት ደለዩ።

ትርጓሜ

7:1-6 ስም ንቕድስናን ቅንዕናን ካብ ኵሉ ሃብትን ደስታን ናይዛ ዓለም እዚኣ ዝበለጸ እዩ። ናብ ቤት ሓዘን ምኻድ ካብ ናብ ቤት ድግስ ምኻድ ዝበለጸ እዩ። ከም ኣጋጣሚኡ ንኽልቲኡ ብሕጋውነት ክንከይድ ንኽእል ኢና። መድሓኒና ኣብ ቃና ኣብ መርዓ ፈታዊኡ ተገይሹ ነይሩ፣ ከምኡ’ውን ኣብ ቤትኤንያ ኣብ መቓብር ፈታዊኡ በኸየ። ግናኸ፣ ክንደይ ንኸንቱ ክንከውንን ንስጋና ከነዕርብን ከም ዝቐለለና ኣብ ግምት ብምእታው፣ ንመወዳእታ ሰብ ከምዚኣ ኣብዛ ዓለም ንምምሃር ናብ ቤት ሓዘን ምኻድ ዝበለጸ እዩ። ሓሳብነት ካብ ሳዕስዖን ዋዛን ይበልጽ። ንስምዒትና ዘይፍተወ እኳ እንተኾነ፣ ንዓና ዝበለጸ ንነፍስና ዝበለጸ ዝኾነ እዩ። ብተግሳጽ ለባማት ብልሽውናና ክመውት ይሕሸና ካብ ብመዝሙር ዓያሱ ክዕገበሉ። ሳሕቕ ናይ ዓሻ ብቕልጡፍ ይሓልፍ፣ መወዳእታ ደስታኡ ኸኣ ሓዘን እዩ።

7:7-10 እቲ ናይ ፈተናታትናን ጸገማትናን ኣጋጣሚ ብዙሕ ግዜ ካብቲ ፈለማ ዝሓሰብናዮ ዝሓይሽ እዩ። ርግጽ እዩ ብመንፈስ ትዕግስተኛ ምዃን ካብቲ ትዕቢተኛን ህውከኛን ምዃን ይምረጽ። ቀልጢፍካ ኣይትቑጣዕ፣ ከምኡ’ውን ንዝወረደካ ስድቢ ወይ ምብራስ ቀልጢፍካ ኣይትበቀል። ንነዊሕ ግዜ ኣይትቑጣዕ፣ ቑጥዐ ናብ ልቢ ብልህና ዘለዎ ሰብ ክትመጽእ ትኽእል እኳ እንተኾነት፣ ከም ተጓዓዛይ ሓላፊ እያ እትሓልፍ እምበር፣ ኣብ ልቢ ዓያሱ ጥራይ እያ እትነብር። ነቲ ናይ ግዜና ሕማቕነት ምምካር ዓሻነት እዩ፣ ከመይሲ ካብኡ ንላዕሊ ነቲ ናይ ገዛእ ልብና ሕማቕነት ንምምካር ዝበለጸ ምኽንያት ኣሎና። እኳ ደኣ ኣብዚ ግዜ’ዚ እውን ብዙሕ ምሕረትን ጸጋን ንረክብ ኢና።

ምሉእ ትርጓሜ ኣንብብ ድምጺ፣ ምሉእ ትርጓሜን ብዘይ መስመር ምንባብን

ትርጉማት8 · 6